Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ካብ ከብሒ ግጥምታትና

ካብ ከብሒ ግጥምታትና

0
By Mekonnen T. on March 19, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ክብሮም ደሞዝ

ኣብ መዓሙቕ ውሻጠ ባሕሪ ዝሃገገ ዕጣን ኣብ ጫፍ ጎቦ እምባ ሶይራ ኬንካ ብፍስሃ ክነስዓካ እንከሎ፡ ኣብቲ ዕምቆት መዓሙቕ ግጥሚ ተቖልዩ ‘ሎ ማለት’ዩ። ኣብ ጥልቀታት ደንካልያ ኣብ ዝተሃንጹ ኣፍደገታት ሃሩር፡ ገነት ዘቖሙ ግርማ ሂወት ዝተሰለሙ ኣፍደጌታት እትርእየሉን እትዛነየሉን ኣዳራሽ ግጥሚ ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል።ዕንበባታት መስከርም ምስ ናይ ታሕሳስ ወርሒን ስልማት ከዋኽብታን ክስዕስዑን ክዋሰቡን እንተ ተዓዚብካ መሳልሎም ግጥሚ ‘ዩ። ንዘይብጻሕ ርሕቀት ልዕሊ ቅማረ ቁጽሪን ጂኦሜትርን ከይዱ ከሳንዮም ዝኽእል ነገር እንተሎ ግጥሚ ጥራይ’ዩ። ግጥሚ ኣብ ኲናት ዘሎ ሰላም፡ ኣብ ዕግርግር ዘሎ ራህዋ፡ ኣብ ለማጽ ሸታሕትሖ ኣጻድፍ ዘሎ ዘይርአ ኣስካላታት ሂወት ብንጹር ከቐምጠልና ዝኽእል ሓይሊ ዝተዓጥቀ ባእታ ኣለዎ። ነዚ መንገዲ ‘ዚ ከም ሓዲድ ሰማያት ሓፍ የብሉ ለጠቕ፡ ከም ምብጋስን ምዕላብን መንኮርኮር ሰማያት ክትጅምሮን ክትውድኦን ጥራይ ከም ዝፍለጠካ ዝገብሩ ገጠምቲ ምርካብ ግን ከም ሃዋርያት ሑሩያት ክኾኑ ኣለዎም። ሕርያ ግጥሚ ሐራይ ዝበሎም ሑሩያት! ሚዛን ዓጽመ ስጋ፡ ብዋጋ ንዝትምኑ ሃዚላት፡ ንዓይ ይጥዓመኒ በሃልትን ብረቂቕ ሜላ ትሕስቶ ርእሶም ጋሊሁ ቃል ይቕሬታ ዝልእኽ፡ ኣብ ብልሒ ዓረር ኣንጻር ጸላእቱ ሰላም ቀቢኡ ዝልእኽ ገጣሚ ምርካብ ንሓደ ሕብረተሰብ ደረጃ ብልጽግንኡን ጸግኡን ድሕሪ ሞቱ ዘሎ ዛንትኡን ክርኢ ከምዝኽእል ዝገብር ገጣሚ ምርካብ ከም ነቢ ጥበብ ካብ ድንግል ተወሊዱ መድሕን ከም ዝኾነ ክሕሰብ ይከኣል’ዩ።

ንሎሚ ዋላ’ኳ ብሰንኪ ዘለኒ ናይ ሓበሬታ ሕጽረት ንኹሉ ጸጋትት ግጥምታቱ ክፍትሽ ዓቕሚ እንተ ዘይረኸብኩ፡ ካብቶም ብጽላሎት ግጥሙ ኣብ ማሕዩር ሂወት ጸልማት ዝጸለሞ ጸላም ኮይኖም ጩራ ዘማዕደው፡ ካብቶም ቅድሚ ምውላዶም ንዝዶጎዖ ድጉዓ እናኮማስዑ፡ ኣብ ቀላይ ግጥሙ ኩዳ ፈጢሮም ብምትሃታዊ ዜማ ፍቕሪ ውንኦም ዝተወስዱ መንእሰያት ደቂ ዓለም ግጥምን ፍቕርን ዝተረኽቡ ገለ ቁንጣሮ ተቛዲስና፡ ኣብ ንብዓት ዘሎ ፍሽኽታ፡ ኣብ ሰሓቕ ዘሎ ሃልሃልታ፡ ሰብን ተፍጥሮን ዝኣሰረ ሰንሰለት ጽንዓቱ ብጽባቐ ንረኽቦ ንኸውን። እንተ ዘይረኽብናዮ ውን ኣብ እለሻ ጽባቐ ሱጉሚ ኣንቢርና ምስ ጽባሕ ንራኸብ ንኸውን። መን ይፈልጥ ኣብ ግጥሚ ዘይከል የለን ‘ሞ እቲ ኣብዚ ጹሑፍ ዝሰኣናዮ ውን ባዕልና ክንኮኖን ከነካውኖ ንኽእል ንኸውን? ኣሜን ንበል! ምርቓ ‘ሞ ድማ ኣብ ግጥሚ ሓላል’ዩ።

ደርጋዕ ሰላዕ የለ – ሓሸም ኣይብል ጣሕሸም
ሕንቲኽቲኽ ኣቢሉ ዘብለካ ከም-ከም
ባሕሪ እወ ባሕሪ… እቲ ምዕባይ ዓለም
ዓይኒ ዘይስድሮ ጻሕ ዝበለ ማይ-ማይ
ሰማያዊ ኵሕሊ ሻሕ ዝበለ ቀላይ
ባሕሪ እወ ባሕሪ እቲ ስባር ሰማይ
ትኽስ ክብል ከሎ ‘ንተ ትርእዮ ጥራይ፣
ክገርመካ ግና ናይ ተፈጥሮ ባህሪ
ኣብቲ ገራም ስቕታ ሰማያዊ ሃሪ
መን ይሓስቦ እስከ በል ኣብ ከርሲ ናይ ባሕሪ
ማዕበል ይህሉ ኢልካ ማዕበል ተሳባሪ!
ሽቶሉ መዚዙ እንተ ኣንበጥበጠ
ኣብ ገበር ዘይምለስ ፍጥረት ከይገሰጠ
ከርሲ ባሕሪ ኩሉ ከይገለባበጠ።

መላግቦ ሰብን ተፈጥሮን እንታይ ከም ዝመሰል ኣብዛ ቁንጫል ካብታ ማዕበል ዘርእስታ ግጥሙ ርኢናዮ ንኸውን። እቲ ቁጥዓ ዘመናት ኣብ ዝባና ምሰውረዶ እትረፍ ክንርእዮ ክንሰምዖን ብዛዕብኡ ከነንብብን ስግድግድ ዝብለና ባሕሪ፡ ምስሉን ሕብሩን ግብሩን ስቕትኡን ቁጥዕኡን ነድሩን ተደሪሱ ንዘይውዳእ ጽውኡ ክገልጾ ከሎ ካብ ዘርእያ ግጥምታቱ’ያ ። ሕማቕ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ነቲ ሰማያዊ ኩሕሊ ሻሕ ዝበለ ቀላይ፡ ዓድና ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰላማዊ ድቃሱ ክነግድዎ ዘይከኣሉ ዕሸላት፡ ኣብ መንዶበልዎ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ምስ ኮነና ከታሪ፡ ወልዶና ኣብ ምጽናት ዝተዓጥቀ ብዘይንቡር ቀብሪ፡ ክንርእዮን ክንሰምዖን ‘ኳ እንተ ተጸየና፡ ምስሉን ሓይሉን ግን ካብዛ ንእሽቶ ምስሉ እተርኢ ግጥሚ ኣኮማሲዕና ንኸውን። ኣብ ምሕዳስ ታሪኽ ድማ ሓይሊ ማዕበል ኣብ መዓላ ውዒሉ ዘንበጥበጦ ሴፉ ካልእ ታሪኽ ምስ ሰንደ፡ ካልእ መትዓረቒ ግጥሚ ከም ዝብርከተልና ከም ትሑዝ ወኢድና ንሳለ። ካብ ባህሪ ከይወጻእና፡ እቲ ንገሌና ተራ ነገር መሲሉ ዝረኣየና ናይ ተፈጥሮ አዒንቲ ከመይ ከምዝጥምተና ከም ዘሳልየናን ካብ ዘርእያ ግጥምታቱ ሓንቲ ክንውስኽ።

ሃብቱ ነዳቓይ
ትርኢቱ ብጸሓይ በሲሉ
ዓይኑ ብድኻም ሰሊሉ
ብስዋ ግን ተሸምጊሉ
ሃብቱ … እናተመልሰ ቤቱ
ወርሒ ወጽያ…
ቅርኒብ ዓይኒ ተዃሒላ
ዓውዲ ቀውዒ ተመሲላ
ርእያቶ ርእዩዋ
ስሒቑ ስሒቓ
ብኡ-ብኡ ተብተብ ኢሉ
ናብታ … ናብ … ናብ
ጸማልያ መብራህቲ
ሽሮ’ታ ድስክልቲ
ሰበነ ቍንንቲ
ብትንፋስ ትመውቕ
ኣብታ ጸባብ ክፍሊ
ሉቺ ተጸብያቶም
ከም ወትሩ ብዓቕሊ
ምንኻስ ኣምሲሉ
ሽዑ እንድዕሉ
ንሱ ተኣጒዱ
ናታ’ሞ ገዲዱ
ንፋስን ትንፋስን
ኣስካርባን ጕዕሽን
ፍሳስን ርሃጽን
ኵሎም ተጋቢኦም
ግን ተቓጺጾም።
ፍርናሽ ዘጢጡ
መንጸፍ ተቐንጢጡ
ጎስዒ ጎሳሲዑ
መናድቕ ነቒዑ
ሽዑ …
በታ መስኮት’ታ ስንፍቲ
ቅልቅል ኢላስ ወርሒ ለይቲ
ክምስ ኢላ ብኣርምሞ
ዝርእያ ግን … መን’ዩ … መን’ዩ’ሞ!
ሸብረኽ … ህልም
እርም … ክርትም
ክጥዕም!
በየነ ሃይለማርያም

ድፍረትን ጽባቐን ምስ ባህሪ ምስ ወሃደ፡ ስዋን ሃንቃ ሃንቃን ምስ ፍሽኽታ ውርሒ ናብ ሰበነ ቁንንቲ ሽሮ’ታ ድስክልቲ፡ መሪሕዎ። ንፋስን ትንፋስን ኣስካርባን ጉዕሽን፡ ረሃጽን ፍሳስን፡ ምስ ተጋቢኡ፡ዓራት ምስ ዘጠጠ፡ መንድቕ ምስ ነቕዐ ግን ብመስኮት ስንፍቲ ንዝተቐልቀለት ወርሒ ክምስትኣ ሕንከታ ዘይከም መጀምርታ መን ይርኣያ? ክንድኡስ ፡ ሸብረኽ ….. ህልም
እርም …. ክርትም ፡ ክጥዕም! ኢሉ ይዛዝም ‘ሞ ውንውኻ ዘሚቱ ምዝዛሙ ትሃጥም።

ውህበት ዓለም ኣብ ቋንቋን ምልኣቱን ዝተዓደለ በየነ ኣብታ ” ሳላ ዕስራ ቅርሺ” ዝሰመያ ግጥሙ፡ “ሓደ መትዓብይተይ……
ኢሉ ይፍልም ‘ሞ፡ ” ተርሰኽ ዝኣመሉ
ኪሕ ዝብል ዕላሉ
ዝጋፍያ ፈላሲ
ዝሕሱ ብዕሲ
ኣለቂሐዮ’ሲ
ሓደ ቁሩብ ሰላዲ……
……….ክልተ ዓመቱ ካብ ዘይርእዮ ኣብ ዓዲ”
ብምባል ዘልኣለማውያን ለኸታት ብቐሊሉ ኣብ ኣእምሮ ኣንበብቶምን ሰማዕቶምን ተዃሒሎም ተሳኢሎም ዝነብሩ ሓወልቲ ብቓላት ሃኒጹ ይፍለየካ። ብሓፈሻ ካብ ዘፍረዮም ግጥምታትን ሕደማታትን ኣብ ልቢ ሰማዕትን ኣንበብትን ኤርትራውያን ንመዋእል ዝስረተ በየነ ሃይለማርያም፡ እልቢ ዘይብሎም ፍርያት ዕድመይ ስለዘፍረየ ኣነ ተንቲነ ወይ ደስ ኢሉኒ ንጽዋ ዘብቅዖ ስራሕ ኣይኮነን ዘለዎ። በቃ ጥበብ ብጸግኣ ዘገምጀወቶ ደርሲ ኢለ ክሓልፍ ይቐለኒ።

ነቲ ” ገጣማይ እናሞተ ዝስሕቕ ፍጡር’ዩ!” ዝተባህለ ብምልኣት ነቢሩ ኣብ መዓሙቕ ጸልማት ኮይኑ ካብ ዘፍረየን “ከም ቆሎ መሸላ” ዝሰመያ ዘልኣለማዊት ኮይና ትሰመዓኒ ግጥሙ፡ ሕሉፍን ህሉውን ኩነታትና ብድምር ስለ ትትንትነልና፡ ዳርጋ ኣብ ጥበብ ዝወፈረ ሰብ ብተምሳጣ ውንኡ ዘይዓወረ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ትብዓት፡ ሓይሊ፡ ጽንዓት ፡ ስእሊ ጽባሕ ኣብ ተስፋ ብዘይ ጎደሎ ኣብ ውሻጠ መንፈስካ ኣስሪጻ ህላውነትካ ዋል ውን ኣብቲ ጫፍ ሕሰም ንብላሽ ዘይሙዃኑ እትርኢ ግጥሚ’ያ።
ኣብታ “ኣትከኾም” ዝሰምያ ግጥሙ ድማ ነቲ ከሎ ህላዌ ዝዘረገ ዘሪጋ፡ ምስ ሞተ ክሳብ ክንደይ ከም ዝናፈቕን ካብ ምኻድ ሃሊኻ ምሕራር ከም ዝምረጽን የርእየካ። ልዕሊ ኩሉ ግን ነታ ምናልባት ኣነ ኣብ ማህጸን ኣደይ ኣብ ዝተጸፈኹሉ መዋእል ነስመራ ዝደጉዓላ ልባዊት ዶግዓ ” ኣስመራይ” ኣብዚ መደብ ንምቕራባ ኣዝያ ስለዝነውሐት ምስ ቅኒታ ክንቅኒ ኣብ ዝቕጽል መደባት ንበይና ክንሰርዓላ ተስፋ ንገብር። ንሎሚ ግን ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ተሰሪሓ ከንሳ ኣብ ዝኾነ እዋን ኮይኑ ንዘንበባ ኤርትራዊ ወይ ውን ኣንባቢ ትግርኛ ብሞራል ኣብ ሰንቀ ሰማያት ዓሪጉ ንሂወት ጽባሕ ክርእያ እትገብር ግጥሚ ከም ቆሎ መሸላ ክንጋብዝ ባህትና’ዩ። ሰናይ ንባብ ምስ ቆሎ መሸላ።

ከም ቆሎ መሸላ

ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ
ቢልካ ቢልካ ሓሸውየ
ውትሩ ቈዛመ ወትሩ ወየ
እዋን ኣሎ ውውርሓት ኣሎ
ዝወድቀካ ሓሳብ ኣሎ
ኣልቦ ማዓት ነይተልዕሎ
መሲእካ ፈቲግካ
ኩሉ ይዝረገካ
ሓሲብካ ዞቚቕካ
ኮቶ ነይሰልተካ
ንስኻ ትነድቕ
ደድሕሬኻ ወድቕ።
እንታይ ‘ዶ ይግበር ‘ዩ…
እናተበራረዩ …
ኢድካ ተኣሲሩ ኩሩንኲሪት
“ህህ!”ተበሉኻ ብኹርንዒት!
እንተመኸሩልካ ለይትን ቀትርን
እንተደርበዩልካ እምን በትርን
ኣይበልካ ድሓን ክትል-ክትል
ኣይተስግል ሕደግ–ኣይተስተፍልል
ናይ ‘ንዳመን ድንን
ናይ ‘ንድመን ዝህልል
ጨጐራኻ ጌርካ ከም ንቑቊል
ከም ቆላ መሸላ እናተለሎኻ
ምስሓቕ ‘ዩ ‘ንታይ ድኣ
ልቢ-ዝልብኻ
ብየማንካ ቅጻዕ ብጸጋምካ ቅጻዕ
ምዕይ እንተበልካ ዝወድቀካ ስላዕ
ዕርቕርቕ ተበለካ–‘ተበለካ ጻዕጻዕ
ኣይተድንን ርእስኻ
ቅናዕ ድኣ ቅናዕ!
ዝሃርሃረ ልቢ ዝቖሰለ ከብዲ
ክቐምርሮ’ዩ ግዜ ተፋራዲ።
እንታይ ‘ዶ ይግበር ‘ዩ…
እናተበራረዩ …
ብዙሓትን-ጥምዙሓትን
ተመሲሎም ንህብን ፈረግን
‘ተኾኑኻ ከም ክራማት
ዝይወግሕ ድቕድቕ ጸልማት፤
ኣይበልካ ቅጭጭ-ጠላሕ
ክሳብ ዝብል-ወጋሕ-ፈታሕ
“ኣሎኹ” ከም ‘ትብል
ዘይትጠፍእ ሽምዓ
ፈትላ’ናተኸኸ ‘ናመኸኸ ስምዓ
እናነበዐት ‘ወ ንፋስ እናላሃማ
ከም ተስለምልም ጥዋፍ
እትሓድር ቆይማ።
እንታይ ‘ዶ ይግበር ‘ዩ…
እናተበራረዩ .
ሓፍ ከይበሉ ሃፍ ዝበሉ
ጢና -ሚና ሽሉ ምሉ!
ኣይሓጣእካ ኣይኣበስካ
ውጉዝ ኩኑን ‘ተበሉኻ
ብዘይ ንሕፈት ብዘይ ሒንዳ
ከም ኣርዮስ ከም ይሁዳ
ጸላእኩኻ ቀንጣእኩኻ
ማሕላይ ጣልማይ’ተበሉኻ
ኣይትከማህ ‘ታይ ግድኻ፤
ኣይትረታዕ ኣይትሰነን
ከም መሸላ ከም ኮደን
ሰሓቕ እወ ባህ ኣይበሎ
እናበሰልካ ኣብ ርሱን መቕሎ
እንጣዕጥዕ ‘ወ ቆሎ ኬንካ
እናዓምበብካ እናሓረርካ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleግጥሚ ኣሳሪ ማእሰርቲ!
Next Article ጀነራል ተድላ ዕቝቢት ብቛንቋ ኢትዮጵያዊ ደራሲ ዘውዴ ረታ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?