Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

0
By Mekonnen T. on November 14, 2020 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን
ጥዑምዝጊ ተስፋይ
“እቶም ሰብ ዛንታ፡ ኣብ’ቲ ንምንባር ዘካየዱዎ ቃልሲ ሞይቶም እዮም. . .” ኢሉ ዝጀመረ ጸሓፊ፡ ትልሚ ከም ዘይብሉ ኣቐዲሙ ስለ ዝነገረ፡ ብዛዕባ’ቲ ብኸንቱ ኣብ ምንባብ ዝጠፍእ ግዜ ተሓታቲ ኣይኰነን። ምናልባት ከኣ፡ ድሕሪ ሞት ኣብ መቓብር ዝቕጽል ጽውጽዋያዊ ዛንታ እንተ ዘይሃልዩ።
“ይወድቁዶ ይትንስኡ” እናበልካ እተስተንትነሉ ናይ ውሻጠኻ ቃልሲ ምስ ተመንዛዕካ፡ ሸውሃት ንባብ የለን። ምናልባት ናይ 22 ክፍለ ዘመን ምህዞ ኣጸሓሕፋ፡ ብመደምደምታ ፈሊሙ ናብ ድሕሪት ዝዝንቶ እንተ ድኣ ኰይኑ፡ ናይ ግድን ነቲ ሜላ ኣጸሓሕፋ ዘሰኒ ካልእ ጥበብ ክመሃዝ ግድን ክኸውን እዩ።
“ምእንቲ ወላዲቱ ሂወቱ ዝበጀወ ውሉድ” ብዝዓይነቱ ኣርእስቲ ዝፈለመ ወይ ዝተለመ ዛንታ፡ ካብ ዘለና ሰብኣዊነት ነቒልና “እንታይ ምስ ተረኽበ ደኣ ምእንቲ ኣደኡ ሓሊፉ?” ምባልና ስለ ዘይተረፍ፡ ከም እንደ ነገሩ ዛንታ ነንብብ ንኸውን። ኣብ ኣደን ውሉድን ዘለና ሰብኣዊ ኣረኣእያ “ኣንብቦ ደኣ” ክብለና እውን ይኽእል እዩ። ድንጋጸ፡ ፍቕሪ ወላዲት፡ ሓልዮት. . . ሰፈሩ ኣብ ውሽጥና ስለ ዝዀነ፡ ዛንታታቱ ክነንብብ ድልየት እንተ ሓደረና፡ ስለ’ቲ ዛንታ ደኣ’ምበር፡ ብጥበብ ኣዘናትዋ ኣይከውንን። እንተ ወሓደ፡ ነቲ ሂወቱ ዘሕለፈ ውሉድ ንድንግጸሉን ንንእዶን። ግና፡ እቲ ንኸነንብብ ዝሓድረና ህንጡይነት ገና ካብ ውሽጥና ኣይቅልቀልን። ምኽንያቱ፡ እቲ ናይ ወላዲትን ውሉድን ዛንታ፡ ከም’ቶም ኣብ ቃልሲ ንምንባር ሂወቶም ዘሕለፉ ሰባት፡ ኣብ ፈለማ ተዛዚሙ እዩ።
ተመሃራይ ውጽኢት ፈተናኡ ኣቐዲሙ እንተ ድኣ ፈሊጡ፡ ክሳብ መምህሩ ዝነግሮ ዘሀንጢ የብሉን። ኣብ ዝተዛዘመ ዛንታ ከኣ “መዓስ ኰን ይዛዘም ይኸውን?” እናበለ ሰለውለው ዝብል ኣንባቢ ክህሉ ኣይንጽበን።
ምስ ዓርክኻ፡ ፈታዊኻ ወይ ብኣጋጣሚታት ምስ ዝረኸብካዮ ሰብ፡ ኣብ ዕላል ትጽመድ። ንስኻ ብዛዕባ’ቶም ኣመና ዝፋቐሩ ኮተቴ’ሞ፡ ኣብ’ቲ ደረት ኣልቦ ፍቕሮም ዝኣተወ ግዳማዊ መሰናኽላት ብመሳጢ ኣዘራርባ ከተዘንቱ ጀሚርካ። በቲ ሓደ፡ ነቶም ብፍቕሪ ዝነደዱ ኮተቴ ጎፍ ዝብሎም ተጻይ፡ በቲ ካልእ ከኣ ዝስመዖም ቃንዛን ተስፋ ምቑራጽን. . . ትነግሮም ኣለኻ። መዓልቦኦም እንታይ ከም ዝኸውን ግን፡ ገና ኣየተንባህካን።
ንስኻ ዛንታ እናጸወኻዮም፡ ሰማዕትኻ 100 ግዜ ናብ መደምደምታ ዛንታ ይመላለሱ። ኣብ’ቶም እንተስ ናይ ሓቂ፡ እንተስ ዝፈጠርካዮም ገጸ-ባህርያት፡ ድንጋጸ ይሓድሮም፣ ወይ ድማ ደገፍቲ ይኹኑ። ዛንታ ይቕጽል። ሰማዕቲ ናብ መደምደምታ ይመላለሱ። ናይ ገዛእ ርእሶም ዛንታ እናመልኡ፡ ከም’ቲ ባህ ዝብሎም ገይሮም ይድምድምዎ።
ኣመት ዛንታኻ እናተንተኑ፡ እንደ ገና ዛንታ ይፈጥሩ። ወላ ባህ ኣይበሎም፡ ስለ ፍቕሮም ኣብ ዝገብርዎ ቃልሲ ሓዲኦም ወይ ክልቲኣቶም፡ ኣደራዕ ከጓንፎም ከሎ ይረኣዮም። እንሓንሳብ እውን ንክውንነት ጥሒሶም፡ ምዉት እናኣተንስኡ መደምደምታ ይሰርሑ። መደምደምታ ዛንታ ኣብ ኢድካ ስለ ዘሎ ግን፡ ክሳብ ንስኻ እትበጽሖ ይህንጠዩ። ሓሙሽተ ህዋሳቶም ጥቕልል ኣቢልካ ሒዝካዮም ኣለኻ። ሽዑ ኣብ ከባቢኦም እንታይ ይፍጠር ከም ዘሎ ክሳብ ምዝንጋዕ ይበጽሑ።
ኣብ መጎ ዛንታኻ “ደሓር ደኣ እንታይ ኰነ?” እናበሉ እንተ ሓተቱኻ፡ ብዛንታኻ ሸለውለው እናኣበልካ ትወስዶም ከም ዘለኻ ተገንዘብ’ሞ ባህ ይበልካ። ብኣበሃህላ ማሪ ማካርቲ “ወትሩ ኣብ ዘይርጉጽ ትጽቢት (suspense) ኢና እንነብር። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንስኻ ደራሲ፡ ጎይታ ናይ ዛንታኻ ኢኻ። መጻኢ ከም ቃሕታኻ ክትገብሮ ስለ እትኽእል።
ኩሉ ፊደል ዝቘጸረ፡ ቃላት ዝፈልጥ፡ ምሉኣት ሓሳባት ከቕውም ዝኸኣለ፡ ፡ ብኡ ኣቢሉ ዛንታ ክጽሕፍ ወላ ሓንቲ ጸገም የብሉን። እቶም ዝንበቡ ግን ኣመና ውሑዳት እዮም። እቲ ናይ ጥበብ ጎራሕ፡ ንቀልቢ ሰባት መንጢሉ ቅፍድ ዘብል ኣጀማምራ ዛንታ ይፈልጦ እዩ። ዛንታኡ ጉሕጉሕ ኣቢሉ ኣብ ሓደ እዋን ኣይድርጉሖን። ናብ መደምደምታ ዘገም ኢሉ እዩ ዝኸይድ። ኣንበብቱ ንኸይስልክዮም፡ ካብ ስድሪ ናብ ስድሪ ዘይተጋህደ ኣመት እናሃበ የሳልዮም። ኰይኑ ግን፡ ንልቢ እንበብቲ ከንጠልጥል ኢሉ፡ ኣብ ጓል መንገድ እናሃውተተ፡ ሰዓብቱ ኣየህድምን።
ልቢ ሰባት ብገመድ ኣሲሩ ጠልጠል ከም የብልን፡ በብቑሩብ እናሰሓበ የኽርርን። ኣሰሓሕባኡ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ እናወሰኸሉ ይኸይድ። ኣብ መወዳእታ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ጫፍ ሰቒሉ፡ ልብታት ኣንበብቲ ባዕላተን ንኽወድቃ ይገድፈን። ከም’ቲ ኦስካር ዋይልድ ዝበሎ “እዚ ዘሻቕል ዛንታ እዩ፡ ተስፋ እገብር ክውዳእ” ከብል ዝኽእል ኣጀማምራን ዋሕዚን፡ ኣንበብቲ ከም ንህቢ ንኽዓስሉዎ ይዕድም።
ወዲ-ሰብ ጸገማት የፍርሕዎ እዮም። ብሓቂ፡ እቲ ፊትንፊት ንጸገማት ዝገጥም እውን ምስ መጽእዎ ደኣ’ምበር፡ ባዕሉ ኣይጽውዖምን። ብውቃበኡ፡ መሰናኽላት ዝበዝሖ ጉዕዞ ሂወት ኣይፈቱን። ሸቐልቀል ክብል ኣይደልን። እሞ ድማ ጉዕዞኡ እሾኽ እናኣለኻን እናነቐስካን ዝኽየድ ምዃኑ እናረኣዮ። ሂወቱ ከም ጉዕዞ ህዱእ ዛራ፡ ከም ጽሬት ሓቒቕ ማይ፡ ክትኰነሉ ይትምነ። ካብ ብድሆታት ክኽወል ሕጊግ እናበለ ግን፡ ጅግና፡ ተባዕ. . . ክበሃልን ከም ቀስተ ደበና ዝጎልሐ ዝና ክህልዎን ወትሩ ምስ ሓለመ እዩ።
ስለ ዝኹነ ጀጋኑ የድንቕ፡ ንተባዓት ሃረር ይብለሎም፣ ንእንታይነቶም፡ ኣብ’ቲ ቀውጢ እዋን ንኽርእዮ ይሃርር። ንሱነቱ ራሕሪሑ፡ ከምኣቶም ክኸውን ይምእምኦ። ንዛንታኦም፡ ከም ማይ ኣብ ጽምኣቱ ጠምጠም ይብሎ፣ ጸገም እናጸልአ፡ ምስኣቶም ይጽገም፣ ሻቕሎት እናጸልአ ብዛንታኦም ይሻቐል። ሞት እናርዓዶ፡ ትንፋስ ተጻይ እንክሓል ብባህታ ኣፍ ልቡ ይድክር።
ጎራሕ ጥበበኛ፡ ንባህሪ ወዲ ሰብ ግርም ገይሩ ይፈልጦ። ውረድ ደይብ፡ ሓርጎጽጎጽ፡ ምውዳቕን ምትንሳእን፡ ኣብ ኣፍ ሞት ምምልላስ፡ ጫሌዳ ዝበዝሖ ሓደጋታት፡ መዋጽኦ ዘይብሉ ዝመስል ወጥርታት፡ ዘይርጉጽ መጻኢ. . . ብኣህራፊ ኣጃማምራ ኣብ ዛንታ እናነዝሐ፡ ንሰማዕቲን ኣንበብቲን ኣብ ዙርያኡ የዕጉጎም። እቲ ግናይ ክርኢ ዘይፈቱ ሰብ፡ ግናይ እንክዝንቶ ምስ ንባብ ቀጨው ስለ ዝብል።
“ምንጥልጣል ካብ ሕርቃን ይኸፍእ” ድዩ ዝበለ ሮበርት በርንስ! ወዲ-ሰብ፡ ሂወቱ ልሙጽ ክዀነሉ እናበሃገ፡ ልሙጽ ዛንታ ሂወት ከም ምንባብ ገይሩ ዝጽልኦ የለን። ጠልጠል እናበለ ሒዙዎ ዝዕዘር ዛንታ ምንባብ ኣይምነዎን። ምስ ክንዲ እምባ ዝዀኑ ብድሆታት እናተላግዐ፡ ነዊሕ መንገዲ ዝጓዓዝ ገጸ-ባህሪ የፍቅር። ምዕራፍ ገጸ-ባህሪ ኣቐዲሙ እንተ ፈሊጡ፡ ይትረፍዶ ምንባብ ክቕጽል፡ ዳግማይ ክዝክሮ ኣይደልን።
ቀለም ብርዕኻ ካብ ሕብርታት ጥበብ እትጠምዓሉ ብልሓት እንተ ድኣ ረኺብካዮ፡ ኩሉ ምሳኻ እዩ ዘሎ። መጻኢኻ ኣብ ዘይውሑስ ኩነት ዝተሰረተ እዩ። ነዚ ዘይርጉጽነት ተጠቐመሉ። ነዚ፡ ንስኻን ኣንበብትኻን ሃረር ስለ እትብሉዎ።
ጽባሕ መን ምዃና ከቶ ብርጉጽነት ዝፈልጣ ሰብ የለን። ማእከል ዛንታኻ፡ ኣብ’ቲ ዘይርጉጽ መጻኢ ሰርቶ። እንተ ኣስተውዒልካ፡ ሂወት ኣብ ዘይውሑስ ሓዲድ እያ እትጓዓዝ። ዛንታ ሂወት ኣቐዲሙ ክድምደም ዝኽእል ከም ዘይኰነ ባዕላ ክትነግረካ እያ።
“ሳላ ጻዕረይ ሂወተይ ሰሪራ” ብምባል ዓወትካ እንተ ነጊርካ፡ ድሕሪኡ እንታይ ከተዘንቱ ቀለምን ብርዕን ትውድእ? ኣብ’ቲ ቅድሚ ዓወትካ ዝነበርካዮ ቃንዛ ኣንብሮ ንወዲ-ሰብ። ኣብ’ቲ ተስፋ ዝቘረጽካሉ እዋን፡ ተስፋ ከም ዝቘርጽ ግበሮ። ስቓይ ክትምዑግ ከለኻ፡ ምሳኻ ስቓይ ኣምዑጐ። ቅድም ብመንገዲ’ቲ ገልጠምጠም ዝበልካሉ ሂወት ውሰዶ። ከም’ቲ ኣብ ሂወትካ ጽባሕ እንታይ ከም እትወልድ ዘይትፈልጣ፡ ጽባሕ እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይትጠንቍለሉ።
“ሂወት ማእለያ ብዘይብሎም ዘንጠልጥሉ ፍጻመታት ዝተመልአት እያ። ገጽ ክሳብ እትግንጽል፡ እንታይ ክፍጠር ከም ዝዀነ ሓሳብ የብልካን” ሲድኒ ሸልደን። ጽባሕን እትስዕብ ገጽ ናይ መጽሓፍካን ሓደ ምዃነን ኣርኢ። ብርጉጽ መጻኢ ትጅምር እንተ ሃሊኻ ግን ዛንታ የብልካን።
<img class=”j1lvzwm4″ src=”data:;base64, ” width=”18″ height=”18″ />
<img class=”j1lvzwm4″ src=”data:;base64, ” width=”18″ height=”18″ />
13Kibrom Demoz, Far Shem and 11 others
4 Comments
2 Shares
Like

 

Comment
Share
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ
Next Article “ኣብኡ ‘ሓይሽ”
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

ታሪኽ ህይወት እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ መስራቲ ተጋድሎ ሓርነት፡

September 2, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?