Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 22, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

0
By Mekonnen T. on December 28, 2016 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ግርማይ የውሃንስ
“ቀያሕ እያ ነይራ ቀያሕ ጓል ኣኽሪያ”
ኣርቲስት ኣይኮንኩን ኣነ። እንታይ ደኣ ኢላ ነብሰይ እንተዋጢራትኒ ግን ቲፎዞ ኢለ’የ ዝምልሰላ። ቲፎዞ ብቲፎዙኡ ሓያል ቲፎዞ።
ሓያል ኣስተማቓሪት ናይ ኣርት ኢኺ ኢለ’የ ዘቀባጥረላን ዘተባብዓን። ምኽንያቱ ሓያል ባህጊ ኣርት ኢዩ ዘለዋ ነብሰይ።
ካብ ቲፎዞነት ክትሓልፍ ግን ኣይካኣለትን ምስኪነይቲ ምስዚ ኹሉ ባህጋን ህንጡይነታን። ዓይኒ እያ’ኮ እናግፈሐት። ኣብ ኩሉ’ያ ትቐንእ።
ኣብ ደርፊ፣ ኣብ ግጥሚ፣ኣብ ድርሰት መጽሓፍ፣ ሙዚቃ. . . ዋይ እንታይ ከ ዘይትምነ? እንታይ ከ ዘይትብህግ? እንታይ ከ ዘይትህንጠ? እንታይ ከ ዘይትጥምት? ኣብ መወዳእታ ግን ሓንቲ ከይረኸበት ተሪፋ።
ሰብኣይ ክልተ ናብትን ናብትን ክብል መተ ይብሉ መሳሎ። ካብ ናብራ መሳሎን ቲፎዞን ምውጻእ ስኢና። ናይ እንጽርጽሮት ግዲ ኮይኑ ድማ ከም መግለጺ ኣድናቖት ኢላ’ያ ትሓስቦ መስለኒ መሬት ብጣቕዒትን ፋጻን ተናውጾ።
ብድሕሪኡ ድማ ብቕንኢ ክትልሎን ክትቅሎን መሬት ተውገሖ እዛ ኣዝያ እተደንግጸኒ መስኪነይቲ ነብሰይ።
ሕጂ ግን እንድዕላ ነብሰይ ናብ ምንቃፍ ገጻ ወፊራ ከይትህሉ ተሰክፈኒ ኣላ። ፎልት ፋይንደር ይብሉ ጸዓዱ። ፈላስፋ ፎልቲ ካብ ምዃንስ የድሕና ‘ባ ይኸውን ፈጣሪ። ዝተቐረበ መኣዲ እንዳማቶም ሃሰስ ካብዝብሉ የድሕነና ትብል ጸሎት ድማ ምስኣ ከም ኣልግብ ከብላ’የ።
ዝተቐረበ መኣዲ ምብልዑ ቀሊል’ዩ። እቲ ዝቕረብ መኣዲ ካበይ ይምጻእ ዝብል ሕቶ’ዩ እቲ ዝኸበደ። መኣዲ ተተቐሪቡ ደኣ ኢድካ ምስ መኣድን ኣፍን ምርኻብ ጥራይ እንዳኣሉ እቲ ዕዮ። ዘይዙርያኻ ወለል ዘይጠስምኻ ጸረር’ውን ይበሃለሉ’ዩ ነዚ ኸምዚ።
ምባል ምባሉ ጽቡቕ ጌርካ እንድሕር ኢልካሉ’ውን ኣይጽላእን ይኸውን መቸም።
ብዝኾነ ግን ነብሰይ ኣንጸርጺራ ግዲ ኮይና ክሕዛ ኣይከኣልኩን። ስለዝኾነ ድማ ከይፈተኹ በፍንጫ ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዐ “ፎርሳ በሊ ሕራይ” ኢለያስ ሎምቅነ ዝተዓዘበቶ ነገር ቆለጭን ቆጭቆጭን ኣቢሉዋ።
“ቀያሕ እያ ነይራ ቀያሕ ጓል ኣኽሪያ
ኣበይ ከም ዝኣተወት ደልየ ስኢነያ”
እትብል ኣፈይ ዘኽፈተትኒ ጣዕመ ዜማ፣ ዘጎበዘትኒ ዜማ፣ ኣቐዲማ ብዓይነ ሕልና ኣስመራ ዘዘረትኒ ዜማ፣ ነታ ዘይፈልጣ ቀያሕ ጓል ኣኽርያ ከምዝናፍቓ ዝገበረትኒ ዜማ፣ ነገር ንእስነት ግዲ ኮይኑ ኣብተን ዝተጠቕሳ ቦታታትን ኣብ ኣኽሪያን ዝራኣኹወን ቀያሕቲ ኣዋልድ
“መነአን ኮን ትኸውን?” እናበልኩ ከምዝሓስብ ዝገበረትኒ ደርፊ ንእስነተይ-“ቀያሕ እያ ነይራ ቀያሕ ጓል ኣኽርያ. . .” እትብል ደርፊ ንሳን ሙዚቃኣን ኣብ ሓንጎለይ ዝተወቕረት ጣዕመ ዜማ-ቀያሕ ጓል ኣኽሪያ ከም ኣደንግጽ ኣቢላትኒ።
ዘያሚኣ’ውን . . . ኒያላ ኣምባሳደር ሓደርኩ ኣብዘይሕደር እናበለ ምስኡ ኣብ ዘይሕደር ዘሕደረኒ ምልእቲ ኣስመራ ጸብጺቡ ብመንፈስ ዘኹለለኒ ደራፋይ’ውን ምስኪን ኣደንጊጹኒ።
ከምዚ’ኳ ኣዴታት ሕማቕ ክርእያ እንከለዋ ኣዴኻ ኣይትርአ ኢለን ዝድንግጻልና ዝነበራ፣ ኣነ ድማ ነዛ ዜማ ደንጊጸላስ ዋናኺ ኣይርአ ኢለላ። ከም ናይ ኣዴታት ድንጋጸ ውን ቅድሜኺ ይስጠሓኒ ኢለላ መስኪነይቲ ዝኽሪ ንእስነተይ።
ምስ ጎበዝኩ ነዛ ደርፊ እናዘከርኩ ሻሂ ክሰትየለን ዝጀመርኩ ቦታታት፣ካራቨል፣ ኒያላ፣ ኣምባሳደር፣ ሞካምቦ፣ ማተኣ. . . ነዛ ደርፊ እስእና ስለዝነበርኩ ብውሽጠይ እናዜምኩ ቀያሕቲ ቁሊሕ ተብለኒ ዝነበረት-ቀያሕ እያ ነይራ እትብል ጣዕመ ዜማ
ንኻልኣይ ግዚኣ ሓፍ ፈጠቕ ክትብል ተዓዚበያስ ሓፍ ኢለስ ኮፍ ኢለ። ፈጠቕ ግን ኣይበልኩን እዝጊሀር ኣውጺኡኒ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleተራ ቆልዑ ባልካን ኣብ ምዕሻው ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ
Next Article ሽንፋእ፡ 16 ሰዓታት ኣብ ካምፓላ
Mekonnen T.

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

ትዕዝብተይ ብዛዕባ መጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’

November 26, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?