Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»እቲ ጻድቕ

እቲ ጻድቕ

0
By Mekonnen T. on May 30, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሚኪኤል መዓሾ

ግርማይ፣ ነቲ ኽደልዮ ዝቐነየ መንፈሳዊ መንእሰይ፣ ንሰሙን ዝኣክል ድሕሪ ምክትታል ናብ ቤቱ ኽኣቱ ኸሎ ረኣዮ። ንዕኡ እንተረኺቡዎ እንታይ ከም ዝሰርሕ ተቐጀሎ’ሞ፣ ብሓጐስ ኣኽመስመሰ።

ንሱ፣ ቅድሚ ናብኡ ምኻዱ ተንቀሳቐሲት ስልኪ ኣውጺኡ ምስ ካልእ ሰብ ሓጺር ምይይጥ ኣካየደ። ንኣስታት ሽዱሽተ ወርሒ ዝጸዓረሉ ውጥን ፍረኡ ኣብ መዓልቦኡ ክበጽሕ ከም ዝተቓረበ ድማ ኣስተብሃለ።

ግርማይ፣ ናብቲ ዝተጸጋገነትን መኣዝና ዝዘበለትን ገዛ ኣቢሉ ሰጐመ። ኣብ በሪኽ ቦታ ዀይኑ ስለ ዝረኣያ፣ ብትርኢት እታ ገዛ ተገሪሙ ሰሓቐ። ኣብ ከምኡ ውሕስነት ዘይብሉ ቤት ‘ሰብ ይነብር’ዩ’ ኢሉ ኽሓስብ ኣጸገሞ። እንተ ዀነ ግና፣ በቲ ኽውንነት ከይፈተወ ኣመነ።  ብርቱዕ ማይ ከሃርም ስለዝጸነሐ ውሽጢ እታ ገዛ ኽርእያ ተሃወኸ።

“ኣብዚ ዝነብር ሰብ ፍሉይ ዓቕሊ ክህሉዎ ኣለዎ፣” ንበይኑ ተዛረበ።

ገለ ኽፋል ናይታ ገዛ፣  ብንፋስ ንየማነ ጸጋም ዝንቀሳቐስ ዚንጎ ከም ዘሎ’ውን ኣስተውዓለ። ዝበዝሕ ክፋላ ብዝማህመኑ መሸማዕ ዝተጸጋገነት’ውን’ያ።

“እንዳ ሰብ ድያ እንዳ ደርሁ!?”  ተገሪሙ ብውሽጡ ኣድሃየ።

“ምዃን እዚ ገሚተዮ ዘለኹ ሰብ እንተ ዀይኑ ትጽበዮ ኢኻ! ፍላስፋ’ኮ’ዩ!” ደጊሙ ኣሕሸዅሾኸ። ካብቲ ዝጸነሖ ቦታ ብዘብዘ ክውርድ ጀመረ። ኣይደንጐየን’ውን ኣብ ጥቓኣ በጸሐ።

ግርማይ፣ ኣበታ ገዛ ምስ ተጸግዐ። ንቝመቱ ምስታ ገዛ ኣመዓራረዮ። ቍሩብ ስለ ዝነወሐቶ ኣኽመስመሰ። ቅድሚ ምዅሕዅሑ ጥቢቆኡ ኣመዓራረየ፣ ብዅለንትናኡ ኣቓልቦ ናይቲ መንፈሳዊ መንእሰይ ክሰርቕ ከምዝኽእል ነብሱ ገምገመ። ንዝሓሰቦ ከእምንን ከተግብርን ዓጢቑ’ዩ መጺኡ። ብዓንተዉኡ’ውን ኣቓልቦ ሰባት  ንምጥምዛዝ ዝተዋህቦ ግሩም ተፍጥሮ ኣሎዎ። ጐደሎ ከይርከቦ ኸኣ ተወላወለ።

”ሰብ ቤት ኣሎኹምዶ?” ኢሉ  ኣብቲ ልጋብ ማዓጾ ቘስቈሰ። ኣይደንጐየን፣ ሓደ ሓጺር ዝጸጕሩ ቐይሕ መንእሰይ ከፈቶ። ርእሱ ብምድናን ብትሕትና ተቐበሎ። ነቲ ዝኸፍቶ መንእሰይ ርእዩዎ ከምዘይ ፈልጥ ተገንዘበ። ብኣቃባብላኡ እናተመሰጠ ተኸቲሉዎ፣ ንርእሱ ልዳት ከየርክቦ  ሕቖኡ ኣድኒኑ ኣተወ።

ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተወ፣ ከምቲ ዝተጸበዮ ዝላሓዀ ማይ ጥብ ጥብ ክብል ኣብ ዝርያ እታ ገዛ ረኣየ። ዋና ገዛ ኸይተሰከፈ ናብ ሓደ ውሑስ ቦታ ኮፍ ክብል መርሖ። ነቲ  ብዘይ ዕረፍቲ ዘንጠብጥብ ላሕዂ ማይ ክከላኸል ላዕሊ ታሕቲ በለ። ሰሰሪቑ ግና ንግርማይ ጠመቶ። ንሱ’ውን ርእዩዎ ከም ዘይፈልጥ ኣረጋገጸ። ናብ ቤቱ ጋሻ ኣትዩ  ስለ ዘይፈልጥ መንነቱ ከረጋግጽ ተሃወኸ። ብፍጥረቱ ናብ ሰብ ምሕዋስ ኣይብሮሆን’ዩ። ዓርኪ ይዅን መሓዛ የብሉን፣ ዝቐርቦ ዘመድ’ውን የለን።

“ምስ ኵለንትናኻ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቤት ክትነብር ኣይተጸበኹኻን?” ዝብሎ ክሰምዕ ብፈታሺ ኣዒንቱ ጠመቶ።

“ኵሉ ካብ ፈጣሪ እንደኣሉ፣ ዓለም ከኣ ገዛ ኽራይ’ያ። ደቂ ሰባት ግና ነበርቲ መሲሉና ናይ ስጋ ነፍቅር!” ኣዋሕሊሉ ተዛረበ። ከምኡ እናገበረ ግና ነቲ ዝነጥብ ማይ ኣብ ምዕቛር ተጸሚዱ ጸንሐ።

“ትሕትናኻ ርእየ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃንካ ፈለጠ ኣለኹ!” በለ ናብቶም ኣብ መንደቕ ዝተሰቕሉ መንፈሳዊ ጥቕስታት ብተምሳጥ እናጠመተ።

“እግዚኣብሄር ይባርኽካ! ብሩኽ ኴንካ እምበር ኣነሲ ነቲ ትብሎ ዘለኻ ኣይበቕን’የ፣” በለ ኣዒንቱ ዓሚቱ። ኣቀራርባኡ ወትሩ ንሰብ ዝሰልብ ምዃኑ፣ ሕሉፍ ተመኵሮ ኣለዎ። “ምቁር ዘረባ፣ ካብ ምቁር መግቢ ይበልጽ!” እናበለ’ዩ ንኻልኦት ዝመከር።

“ኣብዚ ዝለናዮ ምዕቡልን ግዕዙይን ዓለም ከማኻ ዓይነት  መንእሰይ  ክሪኢ ምኽኣለይ በረኸት ኣምላኽ’ዩ፣” መመሊሱ ወደሶ። ከምቲ ናቱ ማራኺ ቓላት ክጥቀም ጀመረ። ናብቲ ዝደልዮ ዘሎ ዕላማ ኸእቱዎ እንተ ዀይኑ ንዕኡ ኽመስል ኣለዎ።

“ክብረት ይሃበለይ ክቡር ሓወይ፣ ግና ኣይፈለጥኩኻን፣ ዘመደይ ዲኻ?”

ንእግሩ ዝኸውን ማይ ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊኡ ደው በለ። ጸኒሑ ኣብሪኹ ኣእጋሩ ክሓጽቦ ሓተተ።

“ንዓይ ዲኻ እግረይ ክትሓጽበኒ?” በለ ብኣግርሞት።

“እወ፣ ዘይበረኸትካ’የ ዝቕበል! ደሓር ከኣ ብዕድመ ንስኻ ካባይ ትዓቢ፣”  ንልቢ ዝትንክፍ ቅኒት ተጠቕመ።

“በል የቕንየለይ!” ብዓውታ መለሰ፣ እቲ መንእሰይ ነቲ ዝምጸኦ ማይን መዕቘርን ናብ ቦታኡ መለሶ። ግርማይ፣ ንዝለበሶ ክፉት ጫማ ርእዩ፣ ንምስትንዓቅ ዝተራቐቐሉ ሜላ ከይከውን’ዩ ብጥርጣረ ኸኣ ኽጥመቶ ጸነሐ። ኰይኑ ግና ኣብ ገጹ ንጽህና እምበር ክፋእ ክረኣዮ ኣይከኣለን። ብኡንብኡ ነቲ ሓሲቡዎ ዝመጸ ውጥን ከየፍርሶ’ውን ተስፋኡ ከይሃጥም ፈርሐ። ንኣኽብሮቱ ኣመስጊኑ ዘረባ ኽኸፈት ኣዕጠጠየ።

ክዛረብ ግና ኣይከኣለን፣ ነቲ ጕዳይ ተዳልዩሉ ከም ዘይመጸ ኣፉ ተለጕመ። ኣብ መንጎኦም ከኣ ንገለ ደቓይቕ ስቕታ ነገሰ። ግርማይ መሊሱ ኣብ ናይ በይኑ ሓሳብ ሰኸነ። ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዅነት በየናይ ብልሓት ከምዝብድሆ ንኣኣምሮኡ ከነቓቕሕ ጀመረ። ቀሊል ሰብ ከምዘይ ኰነ ተገንዚቡ’ዩ መጺኡ። ይዅን እምበር ወይ ካብ ዝገመቶ ንላዕሊ ወይ ካላእ ሰብ ከይከውን ክቱር ስክፍታ ኣሕደረ። ተቢዑ ዕማሙ ክዓምም ከም ዘለዎ ግና ይፈልጥ’ዩ። ከመይሲ  ንነዊሕ እዋን ዝጻዓረሉ ውጥን’ዩ።

“ሓወይ! ሕቶ’ኮ ሓቲተካ ነይረ? ኣበይ ኢና ንፋለጥ?”  ካብቲ ዝጸንሖ ሓሳብ ኣበራበሮ።

“እወ፣ ኣይንፋለጥን ኢና፣  ኣነ ግና እፈልጠካ’የ። ወትሩ ብትሕትናኻ ምስ ተማረኽኩ’የ።  ናብቲ ዘለኻዮ ህይወት’ውን ክኣቱ ኣመና ይብህግ።” ብሸለላ ዓይኑ ረኣዮ።

ተዓጻጻፊ መልሲ ከም ዝምልስ ኣይሰሓተን። ዘረባኡ እንክውድእ ኣብ ጸግዒ ዓራት መንገፊ ሽጋራ ተዓዘበ። እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ መንእሰይ ክኢላ ተዋሳኢ ኽኸውን ከም ዝኽእል ዘራጕድ ጭብጢ ረኸበ። እቲ ንኣዋርሕ ዝሃደኖ ሰብ ኽኸውንከም ዝኽእል’ውን  ከም ብሓዱሽ ምሉእ ተስፋ ኣንበረ።

“ብዙሕ ፈላጢ የብለይን፣ ኣነ ምስ ኣምላኸ ጥራይ’የ ዝራኸብ፣ ብኸመይ ኢኻ ክትፈጠኒ ኽኢልካ?” ኣዒንቱ’ውን ትዅን ደፊሩ ምጥማት ዝሰኣኖ መሰለ።

“እንድዒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናባኻ መሪሑኒ፣ ኣይትሰከፍ፣ ኣብዚ ከባቢ ክትኣቱ ክትወጽእ ይርእየካ’የ። መምጽእየይ ከኣ ናብዚ ዘለኻዮ ቕዱስ መንፈስ ክኣቱ ኢለ’የ።” ዘራባኡ ወዲኡ መልሲ ተጸበየ። እቲ መንፈሳዊ መንእሰይ ኵሉ ግዜ ዝኽተሎ ነገር ሃዲእካ ምዝራብ’ዩ።

“ተባረኽ ዝሓወይ፣ ግን ናብ እየሱስ እንተ ደሊኻሲ ካብ ናባይ ናብኡ ኺድ “ቤት መቕደስ ኣብ ልብኹም’ያ” ኢሉና እዩ። መንገዲ ኣምላኽ እናተጠራጠርካ ኣይኰነትን ትእቶ። ‘እቲ ንዓይ ዝስዕበኒ  መስቀሉ ኣልዒሉ ደኣ  ይስዓበኒ፣ እቲ ክሓርስ ዕርፊ ዝሕዝ ንድሕሪት ኣይጠምት’ እዩ ዝብል መጽሓፍ ቅዱስ!” በለ ሽዑ’ውን በቶም ልስሉሳት ድምጹ።

“ንዓኻ ኽረክብ ፍሉይ ባህጊ ነይሩኒ ዕድል ከኣ ገይረ ረኺበካ። ገለ ገለ ኽሓተካ ዝደለኹ ሕቶታት ኣለዉ፣” ዘረባኡ ጠምዘዘ።

“ጽቡቕ፣ ሕራይ ሕተት!” ኮፍ መበሊኡ ኣመዓራረየ።

“ሚልዮን ዝሰረቐን መርፍእ ዝሰረቐን፣ ሓጢኣቶም ሓደ ድዩ?”

“እወ ሓደ’ዩ ስርቂ ስርቂ እንደኣሉ፣ ግን ካብ መን ሰሪቕካ’ውን የገድስ’ዩ። ነቲ ኽልተ ሚልዮን ዘለዎ ሚልዮን ተሰሪቕካ፣ ነቲ ሓንቲ ሳንቲም ዘላቶ ነታ ዘላቶ ተሰርቕካያ ዝያዳ ነቲ ብዓል ሳንቲም ኢኻ ዝበደልካ” ብስክፍታ መለሰ።

“ስለምንታይ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ?”

“ስለ ረብሓ ወደይ! ኣብ ሰማይ ከይድና ጽድቂ ንኽንረክብ፣ እዝግኣብሄር ግን ብፍቕሪ ኣበሳና ይጸሮ። ወዲ ሰብ ግና ንሱ ንዝጸድቆ ብዙሕ ንፈጣሪኡ የቘጥዖ።”

“ጽቡቕ፣ ስለ’ዚ ኣነን ንሰኻን”ውን ረብሓ ኣራኺቡና ክኸውን ይኽል እዩ!” ነታ ቐዳመይቲ ሓሳብ ከራጕዳ ፈተነ።

“ከመይ ማለት’ዩ ኣይተረድኣንን?”

“እቲ ዝዃሕኰሐ ኽኽፈተሉ’ዩ ካብ በለ፣ ተጋጊና ኢልና ኸኣ ንኵሕዅሕ። ስለዚ ገለ ንህይወትና ዝቕይር ኣጋጣሚ ክህሉ ተኽእሎ ኣሎ። ኣባኻ’ዩ ግን ዝምርኰስ።” ኣዒንቱ ኣጨምቲሉ ጠመቶ። ገጽ እቲ መንፈሳዊ መእሰይ ክለዋወጥ ተዓዘበ።

“ሕጂ’ውን ኣይተረድአንን?” ከብርሃሉ ሓተቶ።

“እወ እንታይ መስለካ፣ መንዩ’ሞ ስምካ?”

“ዮሴፍ!”

“ዮሴፍ! ጽቡቕ ስም፣ እንታይ መስለካ ኣብ ሓደ ኣንዳ ሃብታማት፣ ናይ ሚሎዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ዝተቐመጠ ኣሎ። ነዚ ኸኣ ኽንዕወተላ ኣለና፣ ኣነ ኣብቲ ገዛ ስራሕተኛ ስለ ስዀንኩ  ብዘይ ጸገም  ናብቲ ገዛ ኣቲና ኸም ንዕወት ኣይትሰከፍ!?” ኵነታቱ እናተዓዘበ ተዛረበ።

“ብኽብረትካዶ ቤተይ ክትሓድገለይ! ናይ ኣምላኻ ሰብ ተመሲልካሲ ሰይጣን ክትከውን?” ዓይኑ ኣፍጢጡ ተንሰአ።

“ጆሲ…! ጆሲ! ኣይትሕረቕ ድሕሪ ዓወት ዘሎ ነገር ረኣዮ፣ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮን እኮ’የ ኢለካ ምናልባት ነዚ ብዝሒ ገንዘብ ሰሚዕካ ጠርጢርካኒ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። እመን ከሓድ እዚ ዝብለካ ሓቂ’ዩ!”  ምናልባት እቲ ዝተዛረቦ ነብሰ ምክልኻል ከኸውን ስለ ዝኸእል ካልእ መንገዲ ኸናዲ’ውን ተዳለወ። ኣቐዲሙ ኸኣ ኸተሃዳድኦ ሓለነ።

“ንምንታይ ኢኻ ንዓይ መሪጽካ?” ዮሴፍ ነቓዕ ፈኸከ።

“ዮሴፍ ኣጸቢቐ’የ ዝፈልጠካ፣ ከምቲ ናትካ ስዉር መንገዲ፣ ኣነ’ውን ከምኡ’የ ዝኽተል፣ ግን ኣዚኻ ስልጡን መንእሰይ ኢኻ!” ከም ውዱእ ወሲዱ ስለ ዝተዛረበ፣ ዮሴፍ ስንባደኡ ከይተቛጻጸረ፣ ኣስተናፍሳኡ ለወጠ።

“መንኻ ንስኻ?” ኣእዳዉ ኸንቀጥቕጥ ተራእየ። “እ እ! ኣነ ስዉር ዝበሃል ኣይፈልጥንየ!” ኣብ ገጹ’ውን ቲፍ ቲፍ ዝበል ረሃጽ  ተራእየ። ግርማይ፣ ኵለንትናኡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ከም ዘእተዎ ኣረጋገጸ። ንሰባት እንክስዕሮም ኸሎ፣ ቀልጢፉ ጸግዒ ናቶም’ዩ ዝኸውን፣ ሽዑኡ ጌጋታቶም ከይተሰከፉ የረክቡዎ።

“ዮሴፍ! ኣብ ቤት ጸሎት ንዝነብረ ብርክት ዝበለ፣ ገንዘብ በዚ ረቂቕ ሜላኻ ተዓዊትካሉ ኢኻ! ኣነ ኸኣ ኸምቲ ናትካ ብዙሕ ርቀት ዘለዎም ስርቂ ፈጸመ’የ። ስለዚ ኽትሰግእ የብልካን።” ንልቡ ዝወግእ ቃላት ነስነሰ።

“ብኸመይ ፈሊጥካ ግን?” ከመቅጽበት ኢዱ ሃበ።

“ኣብቲ ፍጻመ፣ ብተመሳሳሊ ሜላ ምሳኻ ነይረ።”

“ሓያል ሰብ ኢኻ?”

“ኣይከማኻን!” ብውሽጡ ዝደፍኦ ሰሓቕ ክመልቆ ስለ ዝደለየ፣ ከምዝሰዓለ መሲሉ ተሸፊኑ ናህሪ ሳሓቑ ቐነሰ።

“ንዓይ ዝፈልጥ ሰብ ኣሎ ኢለ ገሚተዮ ኣይፈጥንየ፣ ክንደይ ግዜ ተኣሲረ፣ ግና ዝተዓወተ መርማሪ ኣይነበረን፣” ዮሴፍ፣ ከምኡ ዓይነት ኵነት እንክፍጠር ከሎ ሽጋራ ምትካኽ ባህ’ዩ ዝብሎ። ኣብ ትሒቲ ወጮኡ ዝሓብኦ ሽታ ኣልቦ ዝዀነ ሽጋራ፣ ኣውጺኡ ወልዖ። ንገለ ደቓይቕ ከኣ ብስቕታ ቐጸሉ። ግርማይ፣ ሽዑኡ’ውን እና ኣኽመመሰ ዘረባኡ ጠምዘዘ።

“ተሰፋ እገብር ኣሚንካኒ ኽትከውን፣ ኣዕሩኽ ኰይንና ዓለም ዘዛሩቡ ደቂ ኣሕድርትና ኽንከውን!”

“ኣይተጋገኻን፣ ብልሕኻ ኸኣ ኣመና ኣድኒቐዮ!” ብትሑት ልሰን ተዛረበ።

“እስከ ፉሉያት ፍጻሜታት ዓወታትኻ እትብሎም  ኣዕልለኒ?” በለ ግርማይ፣ ዮሴፍ ንዝሰሓቦ ሽጋራ ናብኡ ስለ ዝነፋሓሉ እናተጸዋወገ።

“ገለ ካብቲ ዝተዓወትኩሉ ዝዝክሮ፣ ኣብ ዝተፋለለየ ገዛ ናይ ሃይማኖት ሰብ ኰይነ ይኣቱ፣ ብፍጹም ኣብ ዘይጥርጥሩኒ ደረጃ ምስ በጻሕኩ ተራቒቀ እሰርቕ። ድሕሪኡ ነቲ ጕዳይ ከምፈታዊ ዀይነ ኽሲ እና መስረትኩ ባዕለይ ይከታተሎ። ኣሰር ከይርከበኒ ንሓንቲ ፍጻመ ብዙሕ መጽናዕቲ የካይደላ። ነሓንቲ ስልቲ ኻልኣይ ግዜ ኣይጥቐመላን’የ። ካልእ ርቕቕ ዝበለ ሓዱሽ ሜላ እምህዝ፣ ንፖሊስ’ውን ብዝረቐቐ መንገዲ የእምኖም። በዚ ምኽንያት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዘኻዕበትኩዋ ሃብቲ ኣሎኒ።” ንሓንሳብ ዕላሉ ኣዕረፈ። ግርማይ፣ ንዅሉ ዝዕልሎ ኣጸቢቑ’ዩ ዝፈልጦ ግና ንሱ ምዃኑ ኣጸቢቑ መታን ከረጋግጽ ዕላሉ ኽሰምዕ ኮፍ መበሊኡ ኣጣጥሐ።

ግርማይ፣ ንዝገበሮ ፍጻመታት ምስ ነገሮ፣ ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ኰለል በለ፣ ነቲ ጕዳይ ናበይ ገጹ ክመርሖ’ዩ  ንኣእምሮኡ ኣነቓቕሖ። ነቲ ኣብ ሕልሙ ኸይተረፈ’ውን ዝመላለሶ ኽኢላ ሰራቂ ብምርካቡ ተደሰተ።

“በል ልዕሊ ናትካ ዝኸውን ሃብቲ ኣሎኒ፣ ነገራት ብኸመይ ኣማዕቢለዮም ኣብ ዝቕጽል ጕዕዞና ከዕልለካ’የ። ሕጂ ግና ነዚ ዝበልኩኻ ብዙሕ ገንዘብ ግዜ ኸይወሰድና ንኺድ ንተዓወተሉ። እታ ኽንዕወተላ ኣንኽእል መዓልቲ ሎሚ’ያ። ንዓይ ከም ዘይረብሕ ሰራሕተኛ ስለ ዝርእዩኒ ኣይትሰከፍ፣” ብምባል ኣብቲ ቤት ምዅላል ቐጸለ። ላዕለዋይ ኢድ እኳ እንተ ሓዘ ብልሒ እቲ መንእሰይ ግና ኣመና ኣሰከፎ። ግርማይ፣ ኣብ ልዕሊ ዮሴፍ ዝጠጅኦ ሽርሒ፣ ልዕሊ እቲ ኣማኺሩዎ ዘሎ መጠን ገንዘብ ኣዕቢዩ’ዩ ዝርእዮ። እቲ ናይ ዮሴፍ ሜላ ኣብ ካልእ እወታዊ መዳይ ክኸውን ተመነየ።

ዮሴፍ ቃናኡ ዀነ ትሕትናኡ  ዝእመን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ቤቱ ንዝረኣየ ሰብ  ‘ሰራቒ’ ኢሉ ዝግምት  ከምዘየለ ኣመነ።

“ሽምኻ እኮ ኣይነገርካንን?” ሽጋራኡ እናመጥመጠ ሓተተ።

“ግርማይ!” ኣሕጺሩ መለሰ።

“ግርማይ! ግርማይ…!” ነታ ስም ኣኰማሰዓ፣ ከምኡ ዝስሙ ሰብ ከም ዘይፈለጥ ኣረጋገጸ።

“ግን ንምንታይ ኢኻ በይንኻ ክትከይድ መሪጽካ?” ሓተተ ግርማይ።

“ምስጢር ሓደ ትሕቲ ምድሪ፣ ምስጢር ክልተ ልዕሊ ምድሪ እኳ ዝበሃል! ከይትግረም ብዘይካ ሽጋር መስተ ዀነ ካልእ ወልፍታት ሓራ’የ። ዕላማ ተጀመርካዮ መስዋእቲ ክትከፍለሉ ኣለካ።” ዘረባኡ ወዲኡ መሊሱ ካልእ ሽጋራ ወልዐ።

ግርማይ፣ ምስ ኣዝዩ ሓደገኛ ሰብ ምህላዉ ደጊሙ ተሰወጦ። ኣብቲ ወጢኑዎ ዘሎ፣ ውድድር ከይስዓር ንውሽጡ ኣበራትዐ። መኖም ከም ዝበልሕ ከሳብ መወዳእታ እቲ ኵነት ብተርባጽ ተጸበየ።

“እሞ ንኺድ ስራሕና ንጀምር? ሰዓት ይኣኽለና ኣሎ?” ሓተተ ግርማይ።

“ሕራይ እንድያሞ፣ ጸገም የለን ብሩኸይ!” ቅሩብነቱ ኣረጋገጸ።

”ብኸመይ ኢኻ ትኽእሎ እዚ ናይ መንፈስ ዘረባ?”

“ለመደዮ’የ ወላ ክቕይሮ እንተበልኩ ንሱ’ዩዝመልቈኒ፣” ኢሉ ብሸለላ ዓይኑ ጠመቶ።

“ፍሉይ ተውህቦ’ዩ ዘለካ ዮሴፍ?”

“ኣምላኽ ይባርኽካ ግርማይ ሓወይ!” ግርማይ፣ ሃንደበት  ብዘረባኡ ሓረቐ። ብስምዒት ከዋርዶ’ውን ሓሰበ። ድሒሩ ግና ዕላማኡ ክሳብ ዝሃርም ብዓቕሊ ኽጽበ ኸምዘለዎ  ተሰወጦ።

“ይኣክል እባ ኣታ ጆሲ፣ እዚ ሰብኣይ ከይቅየመልኻ?”

“ከምታ ዝበለኩኻ’ያ፣ ልምዲ’ዩ!” ንኽወጹ እናተበገሱ ዝተዛረቦ’ዩ። ግርማይ ምስ ካልእ ሰብ ክዘራረብ ስልኪ ኣውጽአ። እቲ ኽልተ ሚልዮን ክምቀል ተቐሪቡ ዘሎ መንእሰይ እሱር ዝብኢ ዀይኑ ንኽተርፍ ደቓይቕ ከምዝተረፎ ተኣማመነ።

“እወ ስለጡ! ሕራይ ተዳለዉ!” ዝርርቡ ወዲኡ ስልኩ ዓጸወ።

ዮሴፍ፣ ገዛኡ ዓጽዩ ክስጕም እናፈለመ፣

“ኣምላኽሲ እቲ ንዓይ ዝኣመነ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክረክብዩ’ ከምዝበለ በዚኮ ኢኻ ትተኣማመን፣ ሎሚ ቕነ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝረክብ ኣሚነየ’የ…” ደኒኑ ተዛረበ። ግርማይ ብዕምቘት እናጠመተ  ስቕታ ስለ ዝመረጸ፣ ንስቕታኡ ብዓይኑ ክዕዘብ ርእሱ ኣቕንዐ።

ብዝረኣዮ ኽኣምን ኣጸገሞ። ፖሊስ ክኸቡዎ ኸኣ ተመልከተ። ከመቅጽበት ንግርማይ ጠመቶ። ግርማይ ኣኽመስመሰ። ኣእዳዉ ንድሕሪት ብመቝሕ ተኣሰረ። ግርማይ ናብ ዮሴፍ ቀሪቡ ፖሊስ ምዃኑ ዘራጋግጽ መንነት ኣርኣዮ። ሰሪቡ ዝጸነሐ ንብዓት ዮሴፍ ከኣ ኣንጠብጠበ።

“ጻድቕ ዮሴፍ፣ ግርማይ እበሃል! ብልሕኻ ኣድኒቐዮ ግና ኣብ ካልእ ክኸውን ነይሩዎ፣ ካብ ዓይኒ ፖሊስ ተሰዊሩ ዝነብር ገበንኛ ድማ የለን። እሞ ድማ ብስም ኣምላኽ እትሽቕጥ ሰብ!” በለ  መሪሑዎ ናብታ ዝተቐረበት ፒክኣብ ዝዓይነታ መኪና ክስቀል ኣናተበገሰ።

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleከም ድላየይ ከም ድላያ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?