Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»እተን ጠያይት መስከረም

እተን ጠያይት መስከረም

0
By Mekonnen T. on September 21, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብግርማይ ዮውሃንስ

“ዘይኣውደኣመትካ ይግበረልካ!” ይብል ርጉም ረጋሚ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑስ ንኤርትራዊ ኣብዚ ቅነ መስከረም ዝባዓላ ቀንዲ ሃይማኖታውያን ባዓላት ማለት ቅዱስ ዮውሃንስ፣ ዒድን መስቀልን ዘይኣውደኣመቱ ካብ ዝቕየራ ዉሑድ ዓመታት ኣይገበራን።
ብጭቃ ክረምትን ብጭቃ ሂወትን ክትሰራጠ ዝኸረመት ነብሲ ሓረስታይ ባና ሺሻይ ጻማ ራሃጹ ርእዩ ዝፍሰሃሉ ወርሒ “መስከረም ዕምበባ ንስኻ ክትመጽእ ይሓልፍ ጸበባ ኣወል ባሕቲ ዓመት ናይ ሓጋይ ዕምበባ. . .” እናተባህለ ዝዝየመሉ፣ በዓለ ሃንሰ መስቀለ ድማ ሰናይ ትምኒት ትገላለጸሉ፣ ምስ ብዕምበባታት ዘጌጸ ሓምላይ ትርኢት መንፈስካ ዝሕደሰሉ፣ “ኣነ ዝምነ ንዓመታ’ዛ እዋን ከምዛ ቕነ!” ኢልካ ትምኒታዊ ደርፊ ጌርካ ባህግኻ እትገልጸሉ፣ መለወጢ ዘመን ስለዝኾነ ሰናይ ዘበን ክኾነልካ ሰናይ ትምኒት እትገላለጸሉ ወርሒ እዩ።
ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝኽሪ ዘይብሉ ሰብ የለን። ብባቑመንን ሆየ ሆየን ጀሚርካ ማለትዩ። ክሳብ በዓለ መስቀል ይጸንሕ እቲ በዓልን ሓጎስን መቐረቱ ከይነከየ። ዓይነታት ሸዊት ካብን ናብን እናቀያየርካ ማለት ካብ ስገም ናብ ዕፉን፣ ካብ ባልዶንጋ ናብ ዓተር. . .እናማረጽካን እናነጠርካን እትጠጥመሉ እዋን’ዩ መስከረም።
ገጠራትና ከምዚ ሎሚ ዓይኑ ዘንቁሐ እግሩ ናብ ዝመርሓቶ ከይሰጎመ እንከሎን ሃራሚ ዝሰኣነ ከበሮ ኮፍ መበሊ ከይተቐየረን እንከሎ ካብ ዝባን ኣዋልድን ኣወዳትን ቅድሚ ቅዱስ ዮውሃንስ ምስተሰቕለ መስቀልዩ “ኣነ ዝምነ ንዓመታ ‘ዛ እዋን ከምዛ ቕነ” ተደሪፉ ካብ ዝባን ዝወርድ ዝነበረ።
ኣብ ዘበነ ኣምሓርኛ ዝዛረብ ደርጊ ድማ ናይ ምሕረት ወርሒ ተባሂላ ትፍለጥ ነይራ። መስከረም ክልተ (ድሕሪ ቅዱስ ዮውሃንስ ዘላ ዕለት) ብምኽንያት ኣውደኣመትን መስከረም ክልተ ናይ ኣብዮት በዓለ ደርግን ዋላ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከይተረፉ ምሕረት ዝግበረሉ ፈላሚ ወርሒ ነይሩ። ትፈልጦ እሱር እንተሎ ድማ “ይወጽእ ዶ ይኸውን?” ኢልካ ብሃንቀውታ ትጽበ። በብሓደ ዝተኣስሩ ሰባት ብእኩብ ክወጹ ትርኢ ነይራ ዓይኒ። ኣብ ሂወት ናትና እንተርኢና ግን ኣብዛ ትስፍውቲ ወርሒ እዚኣ ብጅምላ ዝተኣስሩ ሰባት ነጢሩ ንፈውሲ ማሕላን ፈውሲ ሕሜታን ዝቕልቀል ተሳኢኑ። ቤት ማሰርቲ ዳስ ሓውያ ተቐይሩ።
ባቑሜን ተሓጺቦም ቅዱስ ዮውሃንስ ውዒሎም ኣብ መስቀል ዓኾኻይ ክብሉ ዘይተዓደሉ ሰባት ብዘይ ዳሃይ ዓሰርተታት መስከረም ኣቑጺሮም በቃ! ገሊኦም ናይ ምንባርን ብሂወት ናይ ምቕናይን ዕድል ተነፊጉዎም። ገሊኦም ንፋስ ኣዱንያ ናይ ምስትምቓር ዕድል ተነፊጉዎም። ገሊኦም ብጥዕና ናይ ምቕናይ ዕድል ተነፊጉዎም።
ኣብታ እትበሃግ ወርሓ መስከረም ሓደጋ ወዲቑዎም። ክእሰሩ እንከለዉ ድማ ገለ ዓርከ መሓዙቶም ቀንዲ ተጸናጸንቶም ነይሮም። ኣብቲ ቅነ እቲ ድማ ማዓት ጠያይት ተቶኪሱ። ናይ ፍርሒ ጠያይት፣ ናይ ስክፍታ ጠያይት፣ ናይ ሓልዮት ጠያይት፣ ናይ ተንኮልን ክፍኣትን ጠያይት። ናይ ብደዐን ምንእኣስን ጠያይት። ኣብቲ ቅነ እቲ ዘጽመሙና ጠያይት’ሞ ክንደይ ክንብሎም። ኣንፈቶም ዘይፍለጡ ጠያይት ይትኮሱ ጥራይ ነይሮም።
“ክሸጡና ሓሲቦም፣ ክልውጡና ሓሲቦም፣ ከካርዩና ሓስቢቦም፣ ምስ ኣመሪካ መኺሮም፣ ምስ ወያነ ተዘራሪቦም፣ ን ኢሰያስ ክቐትሉዎ ሓሲቦም ቀዲሙዎም’ዩ ምበር፣ ን ኤርትራ ሱማል ክቕይሩዋ ተበጊሶም. . ምስ ኢትዮጵያ ክሕውሱና ሓሲቦም. . .” እዚ’ውን መጠርነፊ የብሉን።
ልዕሊ ኩለን ጠያይት ናብቲ ሓንሳብ ምስ ኣመነ ዘይካሓደ፣ ሓንሳብ ምስ ፈተወ ዘይጸልአ ድንግል ዝልቡ ህዝቢ እዘን ቃላት እዚአን ተቶኪሰን ተጋሲሰነኦስ ድንግል ልቡ ኣፍሪሰን ተቖጻጺረነኦ፣ ጠውየነኦ፣ ኣእሚነነኦ ካኣ። ኣብ ስልጣን ዘሎ እንድዩ ሓቀኛ ድማ።
ልቢ ዘመድ ቤተሰብ፣ ፈተውትን ዓርከ ማሓዛን ኣብ ፈተና ኣትዩ። ውሑዳት ዘይባሃላ ልብታት ኣብ ፈተና ወዲቐን። ህዝቢ ቀጥታዊ መቓልሕ መሊሱ። ደረጃ ንቕሓቱ ዘረከሰን ቃልዕ ዘውጸን ታሪኻዊ ዕሽነቱ ኣጉሊሑ። “ቁልቁል ኣፎም ክትከሉ ኣለዎም፣ ምሕረት ክግበረሎም የብሉን። ስጉምቲ ይወሰደሎም፣ ኣጥፊኦምና ነይሮም፣ ኣበላሽዮምና ነይሮም. . .” ሽዑ ዝነበሩ ናይ ሕምብርጁሉ ጠያይት ክንደይ ክንብሎም። በጻብዕቲ ዝቑጸሩ ድማ “ሓቆም’ዮም ግዜ ስለ ዘይመረጹ ግን ክግድዑን ኣማኒ ክስእኑንን ግድን’ዩ” ኢሎም ምስ ነብሶም ዘዕለሉ ኣይተሳእኑን።
“እንታይ ገደሰኒ፣ ናዓይ ጥራይ ኣይተንክፉኒ” ዝብላ ጠያይት ግን እተን ዝኸፍኣ ጠያይት ነይረን። እዘን ክልተ ጠያይት እዚአን ግን እተን ዝኸፍኣ ጠያይት ኮይነን ክሳብ ሕጂ ዝትኮሳን ብተመልከተለይ ህዝቢ ዝውዳኣን ዘለዋ ጠያይት የን። ንሚኒስተራት የዕሩኽቶም ኣግዲዐሞም፣ የዕሩኽቶም በሊዐሞም፣ የዕሩኽቶም ኣብሊዐሞም። ንጋዜጠኛታት የዕሩኽቶም ኣግዲዐሞም የዕሩኽቶም ኣብሊዐሞም። ብሂወት ዘለዉን ብሂወት ዘየለዉን ማለት’ዩ። ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዉን ዝሃደሙን። መባልዕቶም በሊዐሞም መባልዕቶም ኣብሊዐሞም። መሳትይቶምን መማኽርቶምን ኣግዲዐሞም የሕሊፎም ሂበሞም።
ኤርትራ ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ናይ እምነትን ጥልመትን ባሕሪ ኣንሳፊፋ። ድሒሩ ዝተረደኦምን መስመር ጉዕዞ ዝተራእዮምን “ባዕለይ’የ ዘንጊዐ’የ ባዕለይ’የ ዘንጊዐ’የን. . . ኣቦታትና ኣንቱም ሰብ ቀደመ ኣጥፋእናኩም ግዜ ምስ ሓሰመ ደለናኩም ምኽሪ ምስ ጸገመ” ዝዓይነቱ ዜማዊ ቑዘማ ኣቖዚሙዎም’ዩ።
ዘጋጠመ ኩነታት ንድራቤታቶም ጥራይ’ዩ እቲ ረመጽ እናገማጠለ ለብሊቡዎም። ዝተረደኦን ዘይተረደኦን ድማ “ጎብየ ምስ መዘዝካ ንየ” ኢሉ ጉዳያት ናብ ነብሱ ከየቕረበ ዝወራዘ ናብ ነብሱ ከይመጾ ኣብ ጋብያ ፍርሒ ዝተዓቑበ መሊኡ።
“ገለ ገይሩ” ትብል ጥይት ሓንቲ ካብተን ሓደገኛታት ጠያይት’ያ ክሳብ ሎሚ። “እገለ ገለ ስለዝገበረ ሰብኣይ ኣሲሩዎ። እገለ ገለ ስለዝገበረ ሰብኣይ ሶጊጉዎ ኣደስኪሉዎ። እገለ ገለ ገይሩስ ሰብኣይ የእትዩዎ። ሰብኣይ ጸፊዑዎ። ሰብኣይ ጸሪፉዎ. .” በቃ!! ንኣብነት ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ሓደ ጀነራል ወይ ሓደ ሚኒስተር ካብ ድቃሱ ትብርብር ኣቢሉ ምእንቲ ህዝቢ ብምሕሳብ ምስ ፕረሲደንት “ሆ!” ተዝብል’ሞ ተዝእሰር “እገለ ገለ ገይሩስ ሰብኣይ የእትዩዎ” ዝብል ዘረባ’ያ ምሰምዐት እዝኒ። ሕቶን ናይ ሕቶ ምልክትን ካብ መዝገበ ቃላትናን ካብ ልሳንናን ነጢረን ካብ ዝወጻ ሓያለ ገይረን ኣለዋ። “ስለምንታይ?” ዝብል ሕቶ ነውሪ ኮይኑ።
ናይ ሓባር ኣርእስቲ’ዩ ተሳኢኑዎ ንኤርትራዊ። ኣዝዩ ጎራሕ በደል ድማ’ዩ ከሙኡ ገይሩዎ። ናይ ሓባር በደል ዘይምህላው ናይ ሓባር ኣርእስቲ ኣስኢኑዎ። ኤርትራዊ ማርቴሎ ኣልዒልካ ርእሱ በገም ከየበልካዮ ዘይርደኦ ዓይነት ሰብ ኮይኑ ተፈጢሩ። ኣይኮነን ንትፈልጦ ሰብ ‘ሲ ንቤተሰብካን ንዓርክኻን እናተበደለ እናረኣኻ ናባኻ ከይሰግሩ ኣብ ምክልኻል ከምትሃልኽ ዝገብር ናይ ጎራሓት ድፋዕ ኣስሪሑዎ ንሰብ። ነብሰ ፍትወት ኣድሂቡሉ።
ድሕሪ ሰብ ተሪፍና። “ትማሊ ትማሊ ንሕና ኤርትራውያን ‘ኮ. . . ዝብል ትምክሕቲ ከምዘየስማዕና ሕጂ ክንሓፍርን ክንሕባእን ከፊኡና።
ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ክልተ ሽሕን ሓደን’ዩ ተኾሚሩን ተኾዲሙን ዘሎ። ኤርትራ ኣብ ክልተ ሽሕን ሓደን’ያ ስታክ ገይራ ደው ኢላ ዘላ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ሳዓት ድማ ግድን ኢና ናብኡ ክንምለስ። እታ ኣብኡ ደው ኢላ ዘላ ፈትሊ ናብ ሕጂ ከነምጻኣ ኣለና። እተን ናይ ጥፍኣት ጠያይት እቲአን ናይ ሰላምን ልምዓትን ጠያይት ክቕየራ ኣለወን ግድን። ከምዚ ክንገብር ከለና ግን ኣብ መንጎ እዚ ዘሎ ገደል መስገደልን ሸለው ዝበለ ሃጓፍን እናለሓምናን እናሓከምናን’ዩ ክኸውን። ሽዑ ግን እታ ኣብ ሕጂ ገዲፍናያ እንምለስ ዓለም ሹዑ ኸ ኣብኣ ዶ ትጸንሓና ትኸውን??

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleጻውዒት ንዕርቂ ዓርሞሽሽ !
Next Article ሳዋን ኣብርሂሞን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?