Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጒዕዞ ስደትን ጻማ ዘይተረኽቦ ፍቕርን (1ይ)

ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጒዕዞ ስደትን ጻማ ዘይተረኽቦ ፍቕርን (1ይ)

0
By Mekonnen T. on January 16, 2018 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

AMAN TEKESTE W.

 

እዋኑ – ሕጂ፤

 

ኦ …! ምጽዋዕ፡ ከመይ ኣለኺ ከይብል፡ ከመይ ከም ዘለኺ ኣዳዕዲዐ’የ ዝፈልጥ። ኣለሊኽኒ ዶ ኣለኺ? ወዲ ተኸስቲኖ እየ፡ ወዲ’ባ’ጆባዕ። …. እወ ንሱ። ግጥሚ መባልዕተይ ስለ ዘይኮነት እምበር፡ ንዓኽን ስለኽን እናገጠምኩ ምነበርኩ። አፍቅረኪ’የ! ኣብ ጉዕዞ ሂወት ዘይልወጥ የለን፣ ኩሉ ይቀያየር እዩ። ፍቕርኺ ግን ነባሪ’ዩ። ዓንተወይ ዝሓንጠጥኩዋ ኣላ ከስምዓኪ፡ ኣርእስታ ‘እንተ ዘመሩ’ እያ ትብል፤

 

እንተ ዘመሩ

 

እቲኦምን እዚኦምን

ሰብ ቅድምን ሰብ ሕጅን

እንተበሉ፡ ‘ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ’

እንተዘመሩ፡ ‘ባጽዕ ስየ ጽባቐ ባህርይ’

እንተደገሙ፡ ‘ፈቃር ህዝቢ ብሩኽ ምድሪ’

ፈሊጥክዮ ዶ ምዃኑ መጠበሪ?!

 

ሕሰብዮ’ንዶ ሽዑን ሕጅን

ኣበ’ሎ ሰብክን ግርማኽን?!

ብርሰትን ዕንወትን

ንኲናትን ስደትን

ኣደዳ ሞትን ከርተትን

ዝተረፉ ንማእሰትርን ጊልያነትን።

 

ብዘይካ ስምኪ

ዘለኪ’ኳ ዘይብልኪ?!

***

 

(ከቢድ ስቕታ!)

 

ባጽዐይ፡ ዝን ኣይትበሊ ሕጂ። ዘለኪ ከም ዘይብልኪ፡ ጸምዩኪ ከም ዘሎ እፈልጥ። ናይቶም መንእሰያት ከምዚ ቀዲመ ዝገጠምኩዎ እዩ። እቶም ግርማኺ ዝነበሩ ማሳዊኖታት ኣቦታት ከኣ ዳርጋ ኩሎም፡ በብሓደ ሓዲጎምኺ ዓዲ-ኹላትና ይኸዱ ኣሎዉ። ከምኒ ተኸስቲኖ፡ ዑቕባንኪኤሊኖ፡ ሃብታቲኖ፡ ክልተ ገብረሚካኤሊኖ፡ ምስግና ጋይም፡ ሓመድ ስዒድ ረዳእ፡ ኣቦይ ኣርኣያ፡ ኣቦይ መስፍን፡ ወዲ-ምስጉን …. ክንደይ’ሞ ክብሎም።

 

ሓቅኺ፡ ነዊሕ ኣየዕለልናን ቅድሚ ሕጂ። ሎሚ ግን ተዓጢቐ’ለኹ ከዕልለኪ። ኣብ ዓሰርተ ዓመታት ህይወት ስደተይ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ምቊጻሮም ዘሸግሩ ኣጋጣሚታት ጎኒፎምኒ እዮም። እዞም ዝጠቕሶም ግን ብቐሊሉ ዝዝክሮም ዘጋጠሙ ተራ ትዕዝብታት እዮም። ድሓን፡ በብመዓልቱ ከዕልለኪ’የ። ኣርእስቲ በቲ ዘጋጠመሉ ግዜን ቦታን ገይረ ከዕልለኪ። ንግዚኡ ትልሚ ዘይብሉ ፋሕ ዝበለ’ኳ ክመስለኪ ዝኽእል እንተኾነ፡ ቀስ ብቀስ በብመዓልቱ በብክፋላት ምስ ኣዕለልኩኺ ግን፡ ኩሉ ክተኣሳሰረልኪ እዩ።

 

#1 – መጋቢት 2015 – ዱባይ

 

ኣብ ዱባይ፡ ጎልድ ሱቅ ኣብ ዝብሃል ኣከባቢ፡ ሰለስተ ዘይፈላለዩ ኤርትራውያን የዕሩኽ ኣሎዉ። ቦጥ፡ ባጡቕን ስንጡቕን ይብሃሉ። እዚ ዝብለኪ ስፍራ፡ ካብ ዓድና ዝመጻ ሓበሻ ሸቃጦ ዝዕድጋሉ ቦታ ምዃኑ’ዩ። እዞም ሰለስተ የዕሩኽ፡ ዝበዝሕ ብዛዕባ ስራሕ፡ ዘምሰይዎ ዲስኮ፡ ዝረኸብዋ ጓል፡ ናይ ፈይስቡክ ዕላላት (ኤርትራዊ ደራፊ ሮቤል፡ ኣምሓርኛ ክደርፍ ነይሩዎ ዶ ኣይነበሮን ዝዓይነቱ ሕክያ)፡ ደሃይ ኣስመራ ከተመኦም … ወዘተ’ኳ እንተዀነ ዕላሎም፡ ነይሮም ከኣ ሓሸውየ ፖለቲካ ኤርትራ ይትንክፉ እዮም። ሓደ ፋዱስ፡ ኣብ ሓንቲ ሓበሻ ዘዘውትሩዋ፡ ‘ቢርያኒ-ደርሆ’ ዝበልዑላ ቤት-መግቢ እናተመገቡ ከለዉ፡ ንዘረባ ዘረባ የምጽኦ … ባጡቕ፥ “እዚ ወያል ስርዓት ነዛ ክስታይ ክሳዕ ሕጂ ሎኲቱዋ እምበር፡ ብኮንተይነር ጸጺዕንካ ትሰዶ። ንዓሰርተ ኩንታል ፊኖ እኳ’የ ብ215 ዶላር ረኺበ። ኢናዓል-ኣቡኾም ፍጉራት ዋሒድ፡” ገለ ኢሉ፡ ብድሕሪኡ ከምኡ መሳሊ ነዊሕ ኣዕሊሎም። ሕክያ ተወዲኡ፡ ንምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ኣብታ ዘማስዩላ እንዳ ሽሻ ክራኸቡ ተሰማሚዖም፡ ነንስራሕኻ ኮይኑ።
ከባቢ ሰዓት 5፡55 ድ.ቐ. ሞባይል ባጡቕ ካብ ዘይፈልጦ ቊጽሪ ዱባይ ተደዊሉሉ። ባጡቕ፡ ጻውዒት ኣልዒሉ፥ “መርሓብ፡ ኣሰላም ዓሌኩም?” ይብል። ሓደ ሓፊስ ዝድምጹ መንእሰይ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ዱባይ ምዃኑ ብምሕባር፥ “ስማዕ መንእሰይ፡ ባጡቕ ድዮም ዝብሉኻ ጡቕጡቕ?! ኣብቲ ጎልድ ሱቅ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኤርትራ ትብሎን ተጸልሞን ዘለኻ፡ ኩሉ በጺሕናዮ ኢና። ካበይ ተበጊስካ ኣበይ ክትበጽሕ ደሊኻ ከም ዘለኻ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና፡ ኣብ ካልእ ከይተባጻሕና፡ ኣፍካ ትዓጹ፡” ይብሎ።
ንእለቱ ብርሃጽ ገጹ ዝተሓጽበ ባጡቕ ድማ፥ “እእ … ኖ፡ መዓስ ንመንግስቲ ምጽላም ኮይኑ። ምሽ ኣለካ፡ ንስለ ዘረባ እዩ እምበር፣ ምስ መንግስትና እንታይ ዘባእስ ኣለና። እንታይ በዲሉና፡ ሶሪ ዝሓወይ”። ኢሉ ተፋኒዎ። እብለኪ፡ ብድሓን ዝሓለፈሉ ባጡቕ፡ ሓንሳእ እንቅዓ ሓንሳእ ካዕቦ እናስተንፈሰ ናብታ እንዳ ሹሻ ብምእታው፡ ንኣዕሩኽቱ ቦጥን ስንጡቕን ተሓዊስዎም።

 

“ኢሂታ እንታይ ደኣ ክንድ’ዚ ርሃጽ?” ቦጥን ስንጡቕን ብሓባር ሓቲቶሞ።
“ኣንታ እዘን ፍጋራ ኤምባሲ እንድየን ደዊለናለይ ጸኒሐን!?”
“እንታይ ደልዮሙኻ? ናይ ክልተ ካብ ሚእቲ ድዩ?” በለ ቦጥ ምንም ስምዒት ብዘይብሉ ኣጣምታ፡ ትፋሕ ሹሻ እናሰሓበ።
“ኣንታ እንታይ ንሱ ደኣ፡ ኣብ ጎልድ ሱቅ ብዛዕባ ፖለቲካ ዶ መንግስቲ ኤርትራ ዶ ትብሎ ዘለኻ ሰሚዕናዮ ኣለና ኢለናኒ።”
“እሞ እንታይ ደኣ ኢልካዮም?” ስንጡቕ ሓተተ ንቦጥ እናጠመተ።
ባጡቕ፥ “እንታ’ዲኤን ከምጽኣ፡ ብዓሌዴኽን ፍለጣ ኩሱ ጢዝክን ኢለየን፡” ምስ በሎም፡ ቦጥን ስንጡቕን፡ ተተሓሒዞም “ካርካርካር ….!” ኢሎም ስሒቆም። የዒንቲ ባጡቕ ውሪሕሪሕ ይብላ ነይረን።

…. ድሓር ደኣ ነጊሮሞ፡ እቲ መጻወድያ ክልቲኦም ባዕሎም ከም ዝኣለሙዎ፡ ብመገዲ ሓደ ኣብቲ እንዳ ሽሻ ዝመጽእ ኤርትራዊ ዓሚል ገይሮም ከም ዝደወልሉ። ኣይ ሽኦላት እንድዮም። ነገር ግን ከምዚኣ’ያ ዘላ ይብለኪ። ኣብኡ ከይኣክል፡ ኣብዚ’ውን ፍርሒ። ገዚፍ ጽላሎት ባዕልና ፈጢርና፡ ብዘየሎ ጽላሎት እንክንፈርሕ ወጊሑ ይዓርበና ኣሎ።

 

*** *** *** *** ***

ኦ …! ምጽዋዕ፡ ኣለና ዶ ብሓንሳብ?

ኣሎኹ እሰምዓካ፡ ኣዕልለኒ ጥራይ!

ኮይስ!

 

#2 – ግንቦት 2014 – ዱባይ

 

ናብ ዱባይ ብስራሕ ዝመጸ ሓደ ኢትዮጵያዊ (ትግራዋይ)፡ ኣብ ሓደ ጽንብል ተላሊና። ኣሸገርቲ ኣዕሩኽቲ ኣሎዉኒ፡ ኣብቲ ጉዳዮም ምስ በጻሕና ከላልየኪ’የ ስሞም። ሓደ ካብኣቶም፡ መተዓቢቲ፡ ወዲኺ’ዩ። ነዚ ትግራዋይ ብዛዕባኺ የዕልሎ ነይሩ፡ ብዘረባ ኣምጸኦ ድማ፡ ቅብጸት እቲ ደብዳብ የዕልሎ።

“ኣማን፡ ትሰምዖ ዶ ኣለኻ?” ዝብል ድምጺ’ቲ መተዓቢቲ ምስ ሰማዕኹ፡ ከይፈተኹ ናብቲ ዕላሎም ኣእተዉኒ። እቲ ትግራዋይ ዘረባ ጀሚሩ፡ “እዙይ ባዕልትኹም ቕብጸት ብኢቶጵያውያን ተወቒዕናዮ ትብልዎታ እቱይ ስእልታት ብሱሩ እማን ለይኾነ። እቲ ቪዴዮ ተቐናቢሩ ኡ፡ ገሊኡ ላይ መቐለ ላይ 1998 ንባዕልትና ዝተደብደብናዮ ኡ። ኸዚ ላይ ምጽዋዕ ደብዳብ ዓርሰይ ኣያምነሉይ።” ኢሉና። ኣስደሚሙኪ ዶ? ኣነ ብሓያል ጉስጢ ስምዒት ከም ዝተሃረምኩ፡ ርእሰይ ኣርብዓን ኣርባዕተን ሰይጣውንቲ ዘርዎ። ብኸምኡ ዓይነት ስምዒት ተተንኪፈ ኣይፈልጥን። ኣብ ትግራይ ኣብ ሓውዜን ዘጋጠመ ደብዳብ፡ ከም ዘይኣምነሉ እንተ ዝነግሮስ እንታይ ኮን ምተሰምዖ? ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ኩሉ ዘጋጠመ ክትፈልጦ ጽቡቕ እዩ። እንተዀነ፡ “ከምዚ ጌርኩምና፡ ከምዚ ጌርናኩም” ኣበይ ከብጽሓና እዩ።

 

ተሃነይ ካብ ኣብኡ ዘውጽእ ብምባል ግን ንምሸቱ ገዛ ከይደ፡ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዳያሪ ዝጸሓፍኩዎ፡ ቃላት እናኣረኹ ክልተ ግጥምታት መሰል ክሃንጽ ፈቲነ። ስዲ-ንባብን ዕላልን ደኣ’ምበር ግጥሚ መባልዕተይ ኣይኮነትን፡ ኣንቲ ምጽዋዕ ሽኮር። ….. እንታይ’ስከ፡ ዕድሜኺ ልዕሊ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመታት ጌርኪ ከለኺ፡ ከምዛ መዘናይ እየ፡ ‘ማሳዋ ሽኮር’ ዝብለኪ። እታ ሓንቲ ናይ ሲነማ ኣይዳ ደብዳብ ካልእ ግዜ። ንሕጂ እታ ሓንቲ ግጥሚ፤

 

ዘመን ተለመን

 

ብርሑቕ ይስማዕ ሓያል ነትጒ

ኣብ ጥቓኻ ይወድቕ ዘየቋርጽ በርቂ፡

ብቕድሚት ረመጽ ተጋደልቲ

ብድሕሪት ስሕለት ጸላእቲ

ብላዕሊ ሓዊ ዝንስንሳ ነፈርቲ፣

 

እልፊ መዳፍዕ ክወድቕ ትርእዮ

ኣየናይ ካብ መኖም ከተለልዮ?!

“እዝጊዮ..! እዝጊዮ..! እዝጊዮ…!”

ኣቤት ከብድኻ ሓቊፍካ ትጽልዮ!

 

መዓት ብመዓት ክደጋገም

ግዜ ነቒጹ፡ ኮይኑ ዘልኣለም።

 

ካብ ዑና ናብ ዑና ትሳገር

ኣየናይ ናይ መን ከተለልዮ?!

ፍጡር ፋሕ ኢሉ ብዝኸድካዮ

ሕልሚ ድዩ ጋህዲ ምፍላዩ ስኢነዮ!?

 

“ይፋጺ’ሎ …!”

(ውሪሕሪሕ ዝብላ ደርዘን ኣዒንቲ

ዓሰርተ ፍሩያት ክልተ ደቀቕቲ)

“እዝጊዮ..! እዝጊዮ..! እዝጊዮ…!”

 

_________________________________

 

***

 

ንዮ በልዮ ጀለምታ። ….. ሽዑ ግን፡ በታ ናይ ቈልዓ ልቢ፡ ‘ወይ ማርያም ጥዋለት ወይ ንስኺ፡ ምስቃጥክን ተሰሚዑኒ’ዩ። ንነዊሕ እዋን፡ “ንምንታይ ክንድዚ ስቕታ” ኢለ’የ ምስ ጀለምታ።

*** *** *** *** ***

(ድሕሪ’ታ ግጥሚ ምንባበይ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት)

ባጽዐይ፡ ይኣክል ትዝታ፣ ከዕልለኪ ጽሕፈት ዝጀመርኩሉ ኣጋጣሚ።

 

#3 – ሓምለ 2013 – ኣቡዳቢ

 

ናብ ኢማራት ብመስከረም 2009 እየ ኣትየ። ብስራሕ ምህንድስና እናሰራሕኩ፡ ኣብ ትርፊ ግዜይ ከኣ ንባብን ምስ ኣዕሩኽተይን እየ ዘሕልፎ ነይረ። ዝበዝሕ ግን ከም መሃንድስ መጠን ንጽባሒቱ ንእንገብሮም ስርሓት ውጥን ከዳሉ ምሸተይ ትዛዘም። እቲ ብኣምሆ ዝነፈረኩኺ ፈይስቡክ፡ ይጥቀመሉ’ኳ እንተነበርኩ፡ ንሃልኪ ሓበሬታን ዕላልን ኣብ ምጥቃም እዩ ነይሩ ሓይለይ። (ማይኮ ተኽለ ዝብሃል ዓርከይ ዘይትፈልጦ ኣይፍለጥካ ኣብ ትብል ግጥሚ፡ ንሃገረ ፈይስቡክን ገጸ-ባህርያት ፈይስቡክን ስኢልዎም ኣሎ)። ምስ ብዙሓት ፋሕ ዝበሉ ቤተ-ሰብ፡ ደቅኺ መተዓቢቲ፡ መማህርቲ፡ ኣዕሩኽ … ወዘተ ስለ ዘጣመረኒ፡ ምስጋናይ ይብጸሓዮ ንመስራቲ ሃገረ-ፈይስቡክ።

 

ሓደ ግዜ’ዩ፡ ኣብቲ መፋርቕ ሓምለ 2013 ኣቢሉ፡ ቀደም ዝፈልጦ፡ በዚ ፈይስቡክ’ውን ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጠኒ ወዲ-ስእለ ዝስሙ፡ ኣብቲ ሕጓ ውልቃዊ መልኣኺ ቤት፡ “ብኣገዳሲ ጉዳይ ደልየካ ስለ ዘለኹ፡ ቊጽሪ ስልክኻ ጽሓፈለይ ክድውለል?” ይብለኒ። ወዲ-ስእለ፡ ኣብ ኣመሪካ ትሕተም መጺሄት ይጽሕፍን ኣባል-ቦርድን ብምንባሩ፡ ቀዲሙ ዝመጸኒ ሓሳብ እንተ ነይሩ፡ ‘ምናልባት ብሰንኪ ሕጽረት ግዜ ምትእኽኻል ስኢኑሉ ዶ ዝኾነ ጽሑፍ ደልዩ ይኸውን? ካልእ ካባይ ዝኾነ ነገር ክደሊ ኣይክእልን እዩ …‘ እናበልኩ ንገዛ ብምኻድ፡ ንምንኣስ ሓወይ -ወዲ ነገደ- ድራር ባዕሉ ሰሪሑ ኣብታ ጣውላይ ኣቐሚጡ፡ ብድሕሪኡ ኣብቲ ካፈታት ከይዱ ኩዕሶ ርእዩ፡ ድሕሪ ሰለስተ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣቢሉ ንኽምለስ ነጊረዮ።

 

ብድሕሪኡ ሰለስተ ጻዕዳ ወረቐትን ፒሮን ብምቕራብ፡ ንግዚኡ እቲ ዝኽርታት ክደምቀለይ ኮካ እናሰተኹ ንኸባቢ 15 ደቓይቕ ኣብ ነብሰይ ጥሒለ። ቅድሚኡ ዝነበሩ ዓመታት አንብብ እምበር፡ ካብ ደብዳቤ ዝሓልፍ ጽሒፈ ኣይፈልጥን እየ። ንስኺ ምስክረይ። ….. እቲ ዝኽርታት ደሚቚስ ኣብ ሓደ ትልሚ ምስ ኣተሓሐዝኩዎ ክጽሕፍ ጀሚረ። ቀዲመ ዝጸሓፍኩዎ ኣርእስቲ እዩ። “ዓረባውያን ካብ ምስሓብ ገመል፡ ክሳብ ቡርጅ ከሊፋ!” – ንኡስ ኣርእስቲ ከኣ፡ “ዙረት ምስ ቀሺ ጉዑኖ ኣብ ኢማራት ዓረብ” ብኣማን ተኸስተ ኣቡ-ዳቢ፡ ዕለት 15/07/2013። በቃ …! ሓሳባት ፈሲሶም፡ ተጻሒፎም። ጽባሒቱ፡ ንፋልማይ ግዜ ኣብ ስራሕ ዝነውሐ ሰዓታት ዝሰራሕኩዋ መዓልቲ እያ። ኣብታ ምሸት፡ እታ ፋልማይ ዝጸሓፍኩዋ ሕጥበ-ጽሑፍ ከንብበልኪ፤

 

(ብድርኺት ቀሺ ጉዑኖ ብዛዕባ ዱባይ፡ ብሓፈሻ ድማ ኢማራት ዓረብ ክጽሕፍ ኣብ ዝወሰንኩሉ እዋን፡ በየናይ ሰፍኢ ትረኻ – ኣየናይ ስግርፍኦ ሓሳባት’ሞ ንሰበይ ከካፍሎ ኢለ ተሸጊረ። ዱባይ ምስ ዝለዓል፡ እቲ ክጸሓፍ ዝኽእል ብዓቐን ይኹን ብዓይነት ብርክት ከም ዝብል ርዱእ’ዩ። እንተዀነ፡ ናይ ጉዳይ ስደትን ስነ-ጽሑፍን፡ እቲ ቀንዲ ማሕንቖ ዕምቈት ዝህቡ ቃላት፡ ኣምራት፡ ሓረጋት ብሓፈሻ ቋንቋን ስዋስዉ ትግርኛን ከምቲ ትብህጎን ከም ናይ ቀደም ምልከትን ክዀነልካ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ። ነቲ ትምኰሮ ድንቂ ክውንነት፣ ተስተማቕሮ ሕብረ ጽባቐ፣ ትትንክፎ ዕምቈት ሓቂ፣ ዝቕጀለካ ሕልማዊ ርእየት፣ ብሓፈሻ ኪኖ ደረት ተመኲሮ ሃገርካ ዝኸይድ ናይ ስደት ትዕዝብትታት፡ ናብ ቃላት ክልውጥ ዝኽእል ሓይሊ ካበይ ይምጻእ። ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ዝተፈላለዩ ቋንቋታትን ባህልታትን እናተነብረ፡ እሞ ኸኣ ካብኡ እናተጠቐምካ፡ ንፈጠራዊ ጽሑፋትካ ይኹን ንትዕዝብታዊ ተመኲሮታት መግለጺ ዝዀነካ ቃላት ትግርኛ ክትረክብ ዓቢ ብድሆ’ዩ። ቀሺ ጉዑኖ ደፋፊኦሙኒ’ምበር፡ ኣነ ቃላት ይኹን ምሉኣት ሓሳባት ፈቲለ ኣሊመ ዝልለ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሓት ዘዳሉ ኣይኰንኩን። ሕጥበ-ጽሑፍ ዘይኰነስ ሕጡብ እናጸረብኩን እናኣላገብኩን’የ ዝናበር ኣብዚ ስደት።

 

“ኣሚን ወደይ፡ በጃኻ ኢለካ እዚ ምዕባለ ናይዞም ደቂ ኣብ ጭራም ወረቐት ሓንጥጡዎ። ኩላትኩም ነናይ ዘለኹሞ ምዕባለታት ይኹን ስልጣነታት ሰኒድኩም፡ ናብ ሃገርኩም ኣምጽእዎ። እንተወሓደ ምስ ናብራና ከዛምደና ዝኽእል ቅዲ ምዕባለ ሓሪኹም ጽሓፍዎ። ሃገር ካባኻትኩም’ያ ትጽበ። ሃገር እንክበሃል ከሎ፡ ‘መን መኻሪ፡ መን ተመካሪ’ ዝብል ስምዒት ኣይሓዝኩም። ነቶም ኣብ ስልጣን ዘሎዉ፡ ‘ጠፊእዎም መዓስ ኮይኑ’ ዝብል ሓሳብ ኣይዕገተኩም። ነዚ ምዕባለ ይኹን ነቲ ዘሎ ኩነታት፡ ዘኢትነገር ኢልኩም ኣይትዛዝምዎ። ስቅ ኢልኩም ጥራሕ ጽሓፍዎ።” ዳርጋ ልማኖ ዝመስል ምሕጽንታ ቀሺ ጉዑኖ ኣብ መወዳእታ ምፍናው ዝበሉኒ’ዩ። ……………. )

 

ከምዚ ኢላ’ያ ትጅምር እታ ጦብላሕታዊት ዓንቀጽ። ኣብ ሰሙን ኣዳልየ ወዲኤያ። ንወዲ-ስእለ ዓርከይ ቊጽሪ ስልከይ ጽሒፈሉ ስለ ዝነበርኩ፡ ባዕሉ ክሳብ ዝድውል ምጽሓፋን ምጽፋፋን ተታሒዘዮ ይብለኪ ነዛ ጦብላሕታ ናይ ቀሺ ጉዑኖ። ቀሺ ጉዕኖ ካብቶም ውሑዳት ኣብ ሕቊፎኺ ዘሎዉ እዩ። ሰላም በልለይ።

 

ድሕሪ ሰሙን ይኸውን ዓርከይ ደዊሉ። “ኣማን ዓርከይ፡ ምስዚ ናይ ምህሮ ጉዳይን ሓዳርን ሂወት ኣመሪካን ኣጥፊኡና። ሶሪ ክድውል’የ ኢለ ጠፊኤካ። ስራሕን ሂወትን ኢማራት እሞ ከመይ ኣሎ?” ኢሉ እቲ ሕውነታዊ ዕላል ምስ ወዳእና፣ “ኣማን ዓርከይ እንታይ ድየ ደኣ ደልየ መስለካ፡ ሓንቲ ነገሰት ትብሃል ሓፍትና ኣብቲ ኣቡ-ዳቢ መጺኣ ኣላ’ሞ፡ ስራሕ ንኽትረክብ ተሓባበራ። ብኡ ጌርኩም ከኣ ትፋለጠ፡ ኣሕዋት ትኾኑ” ኣይብለንን! ብውሽጠይ ዝሰሓቕኩዎ ባዕለይ ይፈልጦ። ክሳብ ሕጂ’ውን የስሕቀኒ እዩ። ጸገም ከም ዘይብሉ፡ ወሸሎ ምስ ጓል-ኣንስተይቲ ኣላሊኻኒ ኢለዮ፡ ነዊሕ ድማ ኣዕሊልና። ኣብ መዛዘሚ ዕላልና፡ “ኣታ ሓንቲ ዝጸሓፍኩዋ ጦብላሕታ ኣላ’ሞ፡ ክሰደልካ-ዶ? ኣብቲ ወርሓዊ መጽሄትኩም ቦታ ትረኽበላ ዲኻ?” ኢለዮ። “ጸገም የብሉን፡ ወሸሎ ሰዲድኩም” ብምባል ዕላልና ወዲእና፡ ተፋኒና።

 

ብድሕሪኡ፡ ገዛ ምስ ኣተኹ፡ ‘ንምንታይ ከ እጽሕፍ?’ ኢለ ንነብሰይ ሓቲተይ። ናተይ ምላሽ ጽሒፈ። ናይ ዓበይቲ ጸሓፍቲ ምላሽ እንታይ ኮን ይኸውን? ኢለ ምስ ፈታተሽኩ፡ ቱርካዊ ኦርሃን ፓሙክ ኣብ 2006 ብስነ-ጽሑፍ ኖቨል ሽልማት እናወሰደ ዘቕረባ ጽሕፍቲ ረኺበ። ሽዓ ተርጒመ፡ እንደገና ወላዊለ፡ ሽዓ ምሸት ሰዲደሉ። ንጽባሒቱ “ኣገዳሲት ጽሕፍቲ እያ፡ ካልእ እንተ ለካ’ውን ስደድ።” ዝብል መልእኽቲ ኣብ ፈይስቡክ ገዲፉለይ ጸኒሑ። ነዛ ‘ዓረባውያን ካብ ምጉታት ኣግማል ክሳብ ብሩጅ ከሊፋ’ ንሳልስቲ ቀሪመ፡ ኣሪመ፡ ወላዊለ ሰዲደሉ። “ኬፍ ዘለዋ ጦብላሕታ ጽሒፍካ። ናይ ቀ/ቐ – ከ/ኸ ዝስተኻኸል ኣሎ ንኽትርእዮ ኣሪመ ክሰደልካ እየ፡ ግና ልዕሊ 4500 ቃላት ስለ ዝኾነት ብኽልተ ክፋል ኣብ ክልተ ወርሒ እያ ክትወጽእ” —

 

ይብለኪ፡ በቃ ብኸምዚኣ ኣብ ዓለም ስነ-ጽሑፍ ኣትየ። ክሳዕ ሕጂ ኣይፈልጥን እዩ፣ ዝኾነ ካልእ ሰብ’ውን ኣይፈልጥን እዩ፡ ብዘይካኺ። ወድኺ ምስጢር ኣብ ምዕቓብ ሓያል እየ። ሳላ’ዛ ኣጋጣሚ ግን፡ እቲ ጽሕፈት ጀሚረ ቀጺለዮ። ዓቕመይ ብዝፈቀዶ ከኣ ዓንቀጻት ንመጽሓፍቲ ዝትንክፍ፡ ንዓኺ ክናፍቕ ከለኹ ከኣ ብዛዕባኺ ሸርጠጥ የብል፣ ካልእ ቀንጠ-መንጢ’ዩ። ትረኻይ-ከ ፈቲኽዮ ዶ? ………………..

ካብቶም ምስ ዓቕሞም ከሎዉ፡ ስምዒቶምን ታሃኖምን ዓቢጦም ኣስኪኦም ዝነብሩ ዘሎዉ ርኢኻስ ኣይከፍእን’ዩ። ትዕዝብተይ ድዩ ሓሳባተይ ጠራኒፈ እታ ንዓኺ ከዕልለኪ ምኽኣለይ ጥራይ ዝዓበየት ዓወት እያ ንዓይ።

 

ብሩኽ ለይቲ ማሳዊነይ ናይ ውነይ። ሓሙስ የራኽበና!

 

በቃ ሓሙስን ሰንበትን ይኹን ሕራይ።

***** ***** ***** ***** *****

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleትጽቢተይ ካብ መጽሓፍ እኩብ ግጥምታት ‘ጽቡቕ ዕድል’
Next Article ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ጒዕዞ ስደትን ጻማ ዘይተረኽቦ ፍቕርን (2ይ ክፋል)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?