Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, March 11, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»” ኣይመጻን፣ የለዋን ተዓጽየን’የን። ”

” ኣይመጻን፣ የለዋን ተዓጽየን’የን። ”

0
By Mekonnen T. on September 22, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ወይኒ ሱሌማን

ኣነስ ንኣማኑኤል ኣስራት ኣይፈልጦን’የ፣ ንዳዊት ሃብተምካኤል፣ ንማቲዎስ ሃብተኣብ፣ ጆሽዋ ይኹን ስዒድ ዓብደልቃድር ውን ኣይፈልጦምን እየ። ኣዕሊለዮም ወይ ጎፍ ተባሂልና ኣይንፈልጥን። ክላእ….! ብኻ ኣቐዲመ ተወሊደ። ሓንሳብ እሞ- ነዞም ጋዜጠኛታት ኣይፈልጦምን ድየ ኢለ። ነብሰይ ክእርም ካብ እግርስ ኣፍ ትዕንቀፍ እንድዩ። ንዘመን፣ ጽጌናይ፣ መቓልሕን ሰቲትን፣ ትርግታን ዊንታናን ይፈልጠን እንተድኣ ነይረ ግና ይፈልጦም’የ። ርሑቕ ሰጊረ’ኳ ጽልዋ ንዘሕደሩለይ ምስ ሓሳባቶም ዝዛወንኩ ጸሓፍቲ ባዕዲ መሓዙተይ እናበልኩ እጠቕስ።

*********&*******

ኣብ መንጎ ትምህርቲ ጸጸኒሐ ብፍንስትራ፣ ንጽርግያ ባረንቱ -ኣስመራ ዘማዕድወሉ እዋን ነይሩ። ተዘይ ኣማዕዴ’ያ ያኢ ካብ ኣፈፌት ባረንቱ ከም ትምለስ ኣውተቡስ እንዳ ሰታዮ። ጋዜጣ ምስታ ቀዳመይቲ ኣወተቡስ ሰታዮ እዩ ዝኣቱ ነይሩ። ካብ ሰዓት 11 ክሳብ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብተን ዝዝርገሓሉ ባንኮታት መሸጢ ሎተሪ እንተዘይበጺሕካ ኣኺሉካ እዩ። ልዕሊ ነበርቲ ሰራዊት ሓንሳብ ስለዘየጽንሕዎ። ናይ መወዳእታ ክፍለ ግዜ ምስ ተቓጨለት ብሽክለታይ ሰሪረ ንገዛ ይቡቀጽ። ፊት ዱኳና ኣብ እትርከብ መሸጢ ሎተሪ ድሮ ሰብ ዓጊጉ ኣሎ።

ኣብታ መዓልቲ ዝወጻ ሕታማት እናዘከርኩ፣ ብውሕዱ ልዕሊ ክልተ ጋዜጣ ንምግዛእ ዘኽእለኒ ምኽንያት ፈሓሒሰ፣ እቲ ነዊሕ ኣስካላ ዱኳና ሓኲረ ነደይ ኣብ ምቅብጣር ይኣቱ።

” ሓንቲ ዘይትኣኽለኪ ዳርጋ ሓሙሽተ በበይኑ ጋዜጣታት እኮ ኢኺ ትገዝኢ፧”  ሸብዳዕዳዕ ይመስላ።

” ሓሙሽተአን እንድየ’ሞ ሓደ ዘይኮና ” ይማጎት።

ዓባይ ሓፍተይ ኣብ ጋዜጣ ዊንታና ትከታተሎ ልብወለድ ስለዝህልዋ ንምግዛእ ሓንቲ ጋዜጣ ናይ ደገፍ ድምጺ ትህብ’ያ። ኣብቲ ካልእ ግና ‘ዋእ ኣየብዛሕክዮን’ዶ፧’ ዝዓይነቱ ኣጠማምታ ትስንድወለይ። ዝገደደ ኣብ ኩርሲ ነቒጸ በብሪጋ ከንብብ ኣብ ልኡኽ  ይኹን ምሕጋዝ ስለዘይርከብ ካልእ ዘባእስ ኣርእስቲ’ዩ። ብሰላም ክዕደገለይ ናይ ጠባይ ምትዕርራያት ክገብር ስለዝነበርኒ ተገዝአ ጋዜጣታት ኣብ ዘንቢል መመላለሲ ምሳሕ ብጎበ ዓይነይ እናማዕደኹዎ ኣፈይ ማይ መሊኡ ይውዕል ነይሩ።

ንገዛ ምስ ከድኩ ዘይከም ተርባጸይ ብኡንብኡ ኣብ ንባብ ኣይኣቱን ነይረ። ብሕት ኢለ ተኣኒነ ከንብቦ ይዓቑሮ። መብራህቲ ከተማ  ሰዓት 11 ምስ ሓደገና። ላምባዲና ኣብ መንኩበይን ክሳደይን ቀርቂረ ገሊኡ ዝዓብየኒ ገሊኡ ዝምህረንን ዘንቅሓንን ትሕዝቶታት ይሎቁም። ከም ኣብቲ እዋንቲ ብምንባብ ዝስመዓኒ ዝነበረ ሓጎስ ክሳብ ሎሚ ኣይተድግመን። ኩሉ ዓይነት ትሕዝቶ እተን ጋዜጣታት ነዓይ ንተመሃሪት ሻሙናይ ክፍሊ ኣብ ዓቢ ውቅያኖስ ካብ ዝርከብ ዑንቅታት ደስ ዝበልካ ከም ውነካ ከም ምውሳድ’ዩ ኔሩ። ነቲ ዘይትወስዶ ዕንቁ’ውን ሕብሩ፣ መልክዑን ቅርጹን ትላለዮ። ብፍላይኳ ኣብ ከባቢቲ ቅነ ሕማቕ ንፋስ ይወጽእ ንዝነበረ ሕቶታት ፖለቲካ፣ ደሞክራስን ባይቶን ዝብል ትሕዝቶታት ወልፊ ንባብ ደኣምበር ዋናነገሩስ ክርደኦ ይኸብደኒ ምንባሩ እዝክር።

ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዘንበብኩለን ኣዝየን ሓጸርቲ እዋናት ኣጠማምታይ ዝቐየራ፣ ተኽእሎታት መጻእየይ ገፊሕ ከምዝኾነ ዘገንዘባኒ እየን ነይረን ተበልኩ ኣየጋነንኩን። ኣብ ጋዜጣ ዘመን ኣንቢበዮ ክነሰይ ጸብጻብ ውዕለኡ ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ሰተት ዘየብሎ መደብ ቁርሲ ቀዳም ኣብ ጠዓምት፣ እተፈላለዩ ሰባትን ከባቢታትን ዓለም ዘላሊ ዓምድታት፣ ነቓፊ ትሕዝቶታት፣ ግጥምን ሓጸርቲ ዛንታታትን ክላእ! ክንደይ ክብሎ…መዓስ ነዓይ ጥራይ- ኣብ ገዛውትና፣  ዘዘየንበብካዮ ጋዜጣታት ክትቀያየር  ምብጽጻሕ ውን ነይሩ።

”ዘመን ኣላትኒ፣ ወዲአያ። ጽጌናይ ተላትኪ ቀይርኒ። ”

12004140_10204947625070843_8992236070286935296_n

ካብ እንዳቦይ ግርማይ-‘ንንዳባባ ምክኤልን ንገዛናን በቢ መሳቱ ዝካየድ ዝነበረ ልውውጥ ጋዜጣን ክትዓት ኣብ ትሕዝቶን ሓደ መዓልቲ ብምልቕቓሕ  ካሴታት ቲ ዝበዝሕ እዋን ዕምቆት ዝጎድሎ ደርፍታት ዓድና ካብኡ ሓሊፉ ውን ናይ ሓባር ኣርእስቲ ተሳኢኑ ብናይ ማዕዶ ሰላምታ ይትካእ ኣይበልናዮን። ጋዜጣታት ብሕቲ ክሳብ ሎም እንተዝጸንሓ ሕብሪ ሓበሬታ፣ ግንዛበን ሓርነት ምብህሃልን ኣበይ ምሃለወ፧ ካብ ኢሎምዎ ዘይሓልፍ ዘሎ ዕላላትና ካልእ መልክዕ ምሓዘዶ ነይሩ ይኸውን እብል፧

**********&*********

ኣብ ውራያት ዓድና ከም ቀንዲ ናይ ምብጽጻሕ ህያብ እንጥቀመሉ ኣረቂ ብወረቐት ተጠቕሊሉ እዩ ዝሸይጥ። ንብዝሒ ዝዕድጎ ጋዜጣታት ግርም ምኽንያት ኮይኑ ከኣ ኣገልጊሉኒ።

” ምስ ኣንበብክዎ ወላ ኮ ጥቕሚ ኣለዎ። ኣረቒ መጠቕለሊ ይኾነና” የእምናዩ ዝብሎ ስነመጎት የቕርበላ ነደይ። ሰላመይ ከኣ ረኺበ ነይረ…..ክሳብታ….

ከም ኣመለይ ጋዜጣ ክዕድግ ኣብ ባንኮ እንዳሎተሪ በይነይ ምንባረይ ሓጎሰይ ወሰን ኣይነበሮን። ንፈለማ እዋን ብዘይ ጽቕጥቕጥ።

” ጋዜጣ…” ገንዘብ እናቐበልክዎ ንውሽጢ ‘ቲ ባንኮ ብዙሕ ከየስተባሃልኩ።

” ሓዳስ ኤርትራ፧”

” ኖኖእ! እተን ኩሉ ግዜ ዝወስደን እንበር እተን ሎሚ ዝወጻ፧” ኣዳዕዲዑ እንታይ ከምዝዕድግ ዝፈልጠኒ  ክነሱ ሕቶኡ ድንግርግር ኢሉኒ እንከሎ

” ኣይመጻን፣ የለዋን ተዓጽየንየን። ሓዳስ ኤርትራ ጥራያ ዘላ ሎሚ።”

 

ድሒረ ምስ ምእሳር ኣባላት ጉጅለ 15 ጋዜጠኛታት’ውን ምእሳሮም ፈሊጠ።

 

” ጋዜጠኛታት ምስ ሓለፍቲ ንወያነ ኣሕሊፎም ክህቡና ከም ዝሓሰቡ-ከምዝኸድዑና ”

ነዚ ዝጥዕም ደጊምካ ክትሓትት ዘየድፍር፣ ነቲ ሕብረተሰብ ዘጽምሞን ዘዕውሮን ሓበሬታ ካብ ዘዝተወክስክዎ ሰብ ምስ መጸኒ። ዓው ኢልካ ምሕታት ገዲፈዮ፣ ምስ ዕድመይ ብዛዕባቲ ጉዳይ ልቡ ከፊቱ ኢሂን ምሂን ዝብለኒ ዓቢ ክረክብ ዝሕሰብ ኣይነበረን።

”እዚ እንተድኣ ኮይኑ እቲ ጸገም ኣፍቒረ ተፈቒረ ዝዛዕብኣ ጋዜጣ ዊንታና ደኣ እንታይ ጌራ፧

ኣበይ ኮይኖምዮምከ ምስ ወያነ ርክብ ገሮም፧

ስለምንታይ እቶም ናይ ኩሉ ግዜ ኣብነታውያን ሓለፍትና ክሒዶም፧

ምስ ዕድመይን ዘይበሰለ ግንዛበይን ዘኮማስዖ ዝነበርኩ እዩ። ምስ ኩሉ እቲ ዝሰማዕክዎ ንቡዙሕ ዘእመነ ሓበሬታ ግና ምዕጻው ጋዜጣታት ምውሓጡ ስኢነ። ብዛዕባ እቲ ውዒሎምዎ እተባህለ ፋዕራ ኣይነበረንን። ወላ በቲ ናይ ሽዑ ኣተሓሳስባይ ሞዕጻው ፍትሒ ዘይምንባሩ ተሰቊሩኒ ዶ ይኸውን፧ ‘ታይ ፈሊጠ፧ ተጎዲአ፣ ጸምዩንን ሰፍሊለን። ንነዊሕ እዋን ከኣ ሃንቀው ኢለ’የን። ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ መዓልቲ ዝርጋሐን ቁጽሪ ገጽን እናወሰኸት ብዝኸደት ግዳ ተስፋይ ቅሂሙ። ብኡ ኣቢለ ንነዊሕ ዓመታት ናብ ናይ እንግሊዘኛ መጻሕፍቲ ኮብሊለ። መንቋሕቋሕታይ ዝኸፈታ ኣንቢበ ዘይጸግበን ዝነበርኩ ጋዜጣታት፣ ሓዳስ ኤርትራ ኣፍ ከፊታ ዝወሓጠተን እናመሰለኒ ሽዑ ምስ ተጸየንክዋ፣ ምስ ኩሉ ህርፋን ንባበይ ሓንቲ መዓልቲ ዓዲገ ከይከፈትክዋ፣ ናይ ጋዘጤንኝነት ትምህርተይ ዛዚመ። ኣብቲ እትዳለወሉን ትዝርገሓሉን ቅርዓት ከኣ ተራኺብና። ገለ መሳርሕቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ኣገደስቲ ጽሑፋት እናኽጠቅሱ፣ ፍጹም ሕራመይ ንጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣሕፊሩኒ ናብ ኣርካይቭ እናተመላለስኩ ዝደለኽዎ ትሕዝቶ ከንብብ ጀሚረ።

*********&*******

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓደ ዝኽሪ
Next Article ህየሳ ግጥሚ፡
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?