Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, May 11, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣነን እታ ናይ ኣረቂ ቦርሳይን

ኣነን እታ ናይ ኣረቂ ቦርሳይን

0
By Mekonnen T. on November 27, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ግርማይ የውሃንስ

“ሰብኡት ዓድና ከምቲ’ኳ ኣንስቲ ኣረቂ ብነጸለአን ሸፊነን ናብ ውራይ ዝኣትዋ፡ ንሳቶም’ውን ኣረቆም ተኾልኲሎም ክነግዱ ጀሚሮም ኣለዉ። ይኽደነና’ምበር ቡን ቀሊኻ ሕሜታ’ውን ከይተሓሓዙዋ የስግእ’ዩ።” ዝብል ቃል፡ ቃለይ ቃል ጸሓፊ እዩ ነይሩ። እንተ ሎሚ ግን ዋእ እንድዕለይ’የ ግዲ. . .”ኣይትመካሕ ተነሳሕ!” ድዮም ዝብሉ ዓበይቲ?

ብዝኾነ ብሰሙኑ’ኳ ሸቐልቀልን ሸገርገርን ክብል እንተቐነኹ ናብ ዕለተ ንግደት ማርያም ጽዮን ዘውገሐት ለይቲ ግን ንበይና እያ። ሕማም ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ “እህህ. . .” ክብል’የ ሓዲረ። ምኽንያቱ ናብ ትሸዓተ ገዛ’የ ክበጽሕን ክነግድን። ብሓጺሩ ዙራ ነስመራ’የ ከካይድ።
ንሕሰቦ’ሞ። ብማይ ጭሆት ድማ ንጀምር። ድሕሪ ፎሮቭያ፡ ደበዚቶን ገዛ ከኒሻን ናብ ገዛ ባንዳ ሓበሻ ነብል። ድሕሪ ኣርባዕተ ኣስመራን ዕዳጋ ዓርብን ኣባሻውል ኣሎ። ካብ ሓድሽ ዓዲ’ውን ናብ ገዛ ብርሃኑ ምውራድ ኣሎ። ሹቕ፡ ማእከላይ ሰፈርን ከባቢ እንዳ ማርያምን እሞ ኻኣ ብቐንዱ እንዳኣሉ።
ምስ’ዚ ኹሉ ቦታታት ብቑጽሪ ብዙሓት’ውን ምሃለዉ-እንተተጸብጺቦም ማለተይ እየ። ብኣድላይነት ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ግና እዘን ዝጠቐስኩወን ትሻዓተ ገዛውቲ ጥራይ እየን።
መቸም ዝብላዕን ዝስተን ዘይገበረ ተነጋዲ ኣይነበረን። ናበይ ከ ከብል? ነጋዲ ስለ ዘሎ። ነጋዲ’ውን እንታይ ዘይገበረ? ለቕሑ ክመልስ እንዳኣሉ። ስለዚ፡ ተነጋዲ ዝእውዶ ክቕበል ነጋዲ ዝእወዶ ለቓሕ ክመልስ ምርብራብ’ዩ። ፍሉጥ’ዩ ግን ለቓሕ በሰሮ ዝበሃል ከምዚ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ገግዚኡ ካኣ ነጋድን ተነጋድን ምዃን ኣሎ። ገዛ ዓጺኻ ኸ ናበይ ክኽየድ? ወይ ከም ኣማራጺ ንግደትካ ክትቀርብ ከላ “ተጸሊኡኒ” ኢልካ ተውሪ’ሞ “ማይ ጨሎት ክኸይድ’የ” ኢልካ ኻኣ ትውስኸላ። ማዓልቲ ንግደት ኣብኣ የሕሊፍካያ ትመጽእ ማለት’ዩ።
ብዝኾነ ኣነን ኣረቂ መሊኣ ዝተጠርነቐት ቦርሳይን ብእዋኑ ኢና ካብ ገዛ ነቒልና። ዋጋ ናይ’ቲ ኹሉ ኣረቂ ብዘይ ምግናን ናይ ሓደ ወርሒ ደሞዝ’ዩ። ኣብ ቦታ ንግደት ገለ ሃንደበታት እንተዘየጋጢሙ ካኣ ይኣኽለኒ እዩ ዝበልኩዎ ኣረቂ እየ ጽዒነ። ንመጓዓዝያ ዝኸውን ታክሲ ወይ ዓረብያ እንተ ደልየ ናይ ዓሰርተ መዓልቲ ደሞዝ ክሕተት ስለ ዝኽእል ነብሰይ የሕሲመ “ተፈተን ንእስነት!” ኢለ ተሰኪመዮ እየ ተበጊሰ።
ቦርሳይ እንተዘይ ኣማሪራ እሞ ድማ እንተዘይተቐዲዳን እንተዘይተበላሽያን ትሻዓተ ኣረቂ እያ ተጻዒና። ኣነን ጽዕነተይን ንጉዕዞ ንግደት ብንግሁኡን ብእዋኑን ኢና ተተሓሒዝናዮ። ጸሓይ ክትጠልምን ክመስን ስለዝኽእል ናይ ንግደት ዕዮ ገዛይ (ኣሳይንመንተይ) ከይወዳእኩ እንተጠሊማ ዕላጅ’ዩ። ስለዚ ምስ ጸሓይ ክቀዳደም ኣለኒ። ንጽባሒቱ እንተቐጺለ “ተረፍ ሕሳቡ. . .!” ከይበሃል ክጎይይ መሪጸ። “ለቕሑ ዘይመልስ. . .” እትብል ቋንቋ ዝዓበየትን ዝኸፍአትን ጸርፊ ኮይና’ያ ትስማዓኒ። ከተሰክፈኒ ድማ ጉድ! ብተፈጥሮይ ‘ውን ዝእውደኒ ኣይፈቱን። ስለዚ ዝበላዕኩዎ ለቕሐይ ክመልስ እሞ ድማ ኣብ ሰዓቱ. . .ክጎይይ ኣለኒ። ዋላ እንተዝገይሽ’ውን ኣረቅን ንዑኡ ዘብጽሕ ናይ ሓደራ ሰብን ምገደፍኩ ኣነ ህልኸኛ ኣነ።
ዳርጋ ንኹሉ እቲ ዝበጽሖ ገዛውቲ ሓውሲ ኣራእያ በርቂ’የ ክገብሮ። ማዕጾ ኳሕኲሐ “እንኩመ ኣረቅኹም!” ዝዓይነቱ ማለት’ዩ።
ዘይረስ ዝበጻሕኩዎ ገዛውቲ ክቖጽር ጀሚረ’የ። ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተሳገርኩ ክጓዓዝ ስለዝዋዓልኩ ነብሰይ ብድኻም ፋሕፋሕ ኢላ እያ። ኣጋ ግዜ ክኸውን ከሎ ካኣ. . .ስኽራን ዝጅመረሉ ሳዓታት ምዃኑ እንድዩ. . .ብሰንኪ ናይ መጓዓዝያ ስእነትን ናይ ቦታ ሓዲግነትን ከምቲ ዝድለ ክዕወት ስለ ዘይካኣልኩ ገና ኣርባዕተ ሓሙሽተ ገዛውቲ ጥራይ እየ በጺሐ። ናይ ኣረቂ ቦርሳይ ዝኾረየት ክትመስል ብሰንኪ ምውጣር ናይ ጠራሙስ ተቐዲዳ’ያ። ምስኪነይቲ ቦርሳይ ምኹራይ ከማን ክውሕዳ። ዘይስማዕ ኮይኑ’ምበር የእውያ’ውን ትኸውን። ብርግጽ ካኣ የእውያ ኣላ።
ሰብ እሾኽ ተወጊኡ እንድዩ ዘእዊ። ቆርበቱ ከም ቦርሳይ ተዝቕደድ ከ ዳኣ. . .? እእእ. . .! መቸም ስነይ ነኺሰ ንቦርሳይ ካኣ እናቀባጠርኩ ድሕሪ ምጉዓዝ ዝሰኸሩ ሰብ ኣባትር ኣብ ዝርከቡሉ ቦታ’የ ጸኒሐ። ቦርሳይ ምስ ኣረቃ ድማ ከተሰክፈኒ ጀሚራ’ያ። ሓንቲ በትሪ እንተ ዓሊባታ ኣኸለ! ተረካቢ ይዓድዮ እንድዩ፡ ኩሉ ንዓይ’ዩ። ከምብሓድሽ ኣረቅታት ምግዛእ ኣሎ።
ስለዘይካኣል ግን ከም መፍትሒ ገዛኻ ትምለስ’ሞ. . .ሓሚመ ደቂሰ ውዒለ ኢልካ ተመኽኒ። ንምጥንቃቕ ዝኣክል ግን ከምዛ ናይ ሎምዘበን ኣታሓዝላ ቆልዓ ንቕድመይ ገይረ’የ ተሓንጊጠያ። ብቕድሚት ዝመጽእ በትሪ እከላኸለላ። እንተተዓንቂፈ ግን ናዓይን ነረቀይን ኣይጽቡቕን’ዩ።
ፈውሲ እዚ ድማ ከም ናይ ሮቦት ሰለይ እናበልኩ ክኸይድ ጀሚረ። ግዜ ግን’ሞ ማዓስ ዕድል ይህብ ኮይኑ ኣቀዳዳም’ዩ ዝጻወት። ጻሓይ ክትሃድም ደልያስ ክመሲ ጀሚሩ። ኣብቲ ሳዓት እቲ ድማ ከባቢ ዕዳጋ ዓርቢ’የ ነይረ።
ምስ ቦርሳይ ዝረኣዩኒ ፈለጥተይ ስፖርቲ ዝጀመርኩ መሲሉዎም ምጥማት የብዝሑለይ ነይሮም። እንተዝቐርቡኒ ግን ኣረቅን ጸብሒ ንግደትን ክጨኑ ምጸናሕኩዎም። ዕዳጋ ዓርቢ ዘለዋ ሳላ ገዛ ኽራይ ዝፈልጣና ሰበይቲ ተራር’የን። ንዓባየይ ካኣ ክፈትዋኣ ጉድ! “ዓቢ ሰብ ግዜ ንእስነቱ ስለዝራኣዮ መስተማሰሊ’ዩ። ንዓባይካ ጸበል ተማላኣለን” ኢለን ብኽሳደይ ሒዘን ስለ ዘዋጠራኒ ኣዝየ’የ ተሸጊረ። ቦርሳይ ግን ስለ ዘደንገጸትኒ ኣይጸዓንኩዋን። ብዘይንሱ’ውን ዓዲ ውዒላ’ያ። ነተን ዝተረፋ ኣረቂ’ኳ እናቀባጠርኩ’የ ኣሳልየያ። ስለዚ በቲ ሓደ ኢደይ ስዋ፡ በቲ ሓደ ኢደይ ስልጣንያ፡ ዝኾረየት ቦርሳይ ካኣ ምስተን ዝተረፋ ኣረቂ ኣብ ቅድመይ ምስ ከብደይ እናተጋጨወት ትጓዓዝ። ሕጂ ግን በትሪ ወይ እምኒ እንተመጺኡ ጠራሙስ ኣረቂ ኣኺሉወን’ዩ። ቦርሳይን ርእሰይን ማዕረ ብዘይበጃ’የን ተሪፈን።
ሓድሽ ዓዲ ናብ ዘላ ኣሞይ ክኣቱ ከለኹ ኣማራጺ ዳኣ ኣይነበረንን እምበር ሓደ ጌጋ ፈጢረ። ስዋን ስልጣንያን ኣብ ጎረቤት ዘላ ድኳን ገዲፈዮ ኣትየስ ክወጽእ እንከለኹ ኣሞይ ንዓባየይ ዝኸውን ስዋን ስልጣንያን ኣቐቢላትኒ። ክቃወም ኣይከኣልኩን። ነሞይ ኣብቲ ርእሳ ምስቲ ጾግራ ዝተቖነነ ጋኒን ኣለዋ። ኣሞይስ ብቐንዳ’ውን ጋኒን እያ። ኣይኮነን ዶ ማዓልቲ ሱዋ ኮይኑስ ብቐደማ’ውን ገለ እንተ ኢልካያ ጽፍዒት እዩ ዝቕድማ። ክንዲ መድፍዕ’ውን’ያ ትኸውን።
ብምንታይ ከም ዝሕዞ’ዩ ጨኒቑኒ። ነቲ ኣብ ጎረቤት እንዳ ኣሞይ ዘሎ ድኳን ዘቐመጥኩዎ ትሕዝቶ ገዲፈዮ ክኸይድ ኣይጸላእኩን። እንተኾነ ግን ዋና ስልጣንያ ስልጣንያይ እንተ በለት ከ? ዓባየይ’ውን ሰባብ’ያ። እርጋን ግዲ ኮይኑስ መን በጺሑዋ መን ዘኪሩዋ መን ሸለል ኢሉዋ ክትጽብጽብ’ያ ትውዕል። ስለዚ ምስ መጽኣ እንተተቋየቐተን ከ? ውርደተትይ ክትፈጥጥ’ያ። ስለዚ ክምክት ወሲነ።
ናይ ኣረቂ ቦርሳይ ኣብቂዓ’ያ። እተን ዝተረፋ ክልተ ኣረቂ’ውን ከይተውድቐለይ ፈሪሐያ’የ። ኣሞይ ዝሃበትኒ ናይ መሸማዕ ቦርሳ ብገመድ ተጣቢበ ተሓንጊጠያ እየ ክጓዓዝ ጀሚረ። ሰከም ብቕድመይ፡ ሰከም ኣብ ዝባነይ፡ ሰከም ኣብ ክልተ ኢደይ። በዓል ቤላ ሮባ ክመስል ሰከም ንሰከም እየ ኮይነ። ብድሕሪ’ዚ ካልእ ሰከም እንተተወሲኹ ግን ኣኺሉኒ’ዩ። መትሓዚ ይኹን መንጠልጠሊ የብለይን። ብኹሉ ተታሒዘ’የ ብዘይካ ኣስናነይ። ኣእዛነይ ካኣ ኣይክእላለይን’የን። ክብንጠሳ ዶ!? “እዚኣ ንዓባይካ. . .” ዝብሉ ገዛ እንተተረኺቦም ግን ኮላይ ናይ ዓረብያ እየ ክሓቶም።
መስዩ እዩ። ከምዘይ ብጻሕ የለን ካብ ሓድሽ ዓዲ ንንዳማርያም ገጸይ ወሪደ’የ። ኣብ ምዝዛም ገጸይ ካኣየ ነይረ። ካብ ሹቕ ንፒያሳ ብምስጋር ናብ ናይ መወዳእታ ገዛ ኣምራሕኩ።
ኣነን ሰከመይን ኣፍሪቃ ጆርናል ኢና ንመስል። እቲ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ሰፈር ዝርከብ ኣብ መወዳእታ ዝነግዶ ገዛ እንዳ ዓርከይ እዩ። ክኣቱ ምስ ቀረብኩ ግን ሓደ ነዊሕ ጠፊኡኒ ዝነበረ ኣገዳሲ ሰብ ካብ ኣሃዱኡ ዕረፍቲ መጺኡስ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ረኺቡኒ። እቲ ሰብ ኣሃዱኡ ዓሰብ’ኳ እንተ ኾነ ብወገን ገዛ ኽራይ ግን ንሱን መርዓቱን ኣብታ ውጽእ ኢሉ ዝረኸበኒ ገዛ እዩ ተመዲቡ። ናይ ግድን ካኣ ክኣቱ ኣለኒ። ክኣቱ ግድነት እዩ። በቲ ሓደ ድማ ጽቡቕ ጉዕዞ ሓዳር እብሎም። መቃልዒ ግን ከድልየኒ እዩ።
ዓስረይቲ ገዛ ክበጽሕ እንተ ኾይነ ግድን ዓስረይቲ ኣረቂ ከተድልየኒ እያ። ኣማራጺ ስለዘይነበረኒ ናብቲ እንዳ እቲ ዘሕምቖ ዓርከይ ብምእታው “እዛ ኣረቂ ናባኹም እያ ነይራ። ሕጂ ግን ኣማራጺ ዘይብላ ጉዳይ ስለ ዝረኸብኩ መብጽሒ ክጥቀመላ እየ” ኢለ ሒዘያ ወጺአ። ኣርእየ የሕዲገዮም። ኣሸቲተዮም ጥራይ በቃ! ብልበይ በቲ ዓርከይ ኣረቂ ከምዝእወድ እና ኣመንኩ መብጽሒ ተጠቂመላ።
ንግሆ ኣደልዲለ ቆሪሰ ስለ ዝወጻእኩ ኣብ ዋላ ሓንቲ ገዛ ኣይበላዕኩን። ንብልዒ ዝኸውን ግዜ’ውን ኣይነበረንን። ኣራእያ በርቂ’የ ዝገብሮ ነይረ። ከምኡ ገይረ “ዙራ ነስመራ” ዝዓይነቱ ናይ ንግደት ዑደተይ ብዓወት ዛዚመ ኣብ መወዳእታ ዝኣትዋ ገዛ ክበልዕ ምስ ነብሰይ ቃል ስለ ዝኣተኹ ናብታ ኣረቂ ኣርእየ ዘሕደግኩዎም ገዛ እንዳ ዓርከይ እየ ኣትየ።
ከብደይ ብጥሜት ጡሩምባ ቢምቦሪ ክጥዕም ከእዊ ጀሚሩ’ዩ። ኣብራኸይ ረሸሽ ኢለን ኣብቂዐን’የን። ኣብ ሳሎን ረፈጥ ድሕሪ ምባል ድማ ነፍሰ ገርግሽ ከድሕኑ ዝብላዕን ዝስተን ክህቡኒ ተላብየዮም። ኣብቲ ገዛ ግን ዝሽተት እምበር ዝብላዕ ይኹን ዝስተ ኣይነበረን። በጋይሽ ተጎቢኦም’ሲ ድሮ ተወዲኡ። ኣነ ኣረቂ ረሺነዮም ንሶም ካኣ ምግቢ ረሺኖምኒ። ዘብቃዓለይ ኮይኑ ተሰሚዑንስ ቀባሕባሕ በልኩ። ዳሓር ግን ነቲ እተን ጎረቤትና ዝነበራን ኣሞይን ንዓባየይ ክኾና ዘሰከማኒ ብልዒ ሰስሒበ ክሳሃሎ ጀሚረ። ስልጣንያ ምስ ኢደይ ኢደይ ምስ ኣፈይ ኣራኺበዮ። ክስከሞ ዝወዓልኩ መግቢ ግዲኡ ተሰኪሙኒ ማለት’ዩ።
ገዛ ምስ ኣተኹ ዓባየይ. . .ቁሊሕሊሕን ውሪሕሪሕን እናበለት ብዘይ ዝኾነ ዘረባ ኢድ ኢደይ ጠመተት። ንዓባየይ እተን ጎረቤትና ዝነበራ ኣደይ ኣበባን ኣሞይ ትብለጽን ከም ዘይረሳዓኣ ነጊረያ። ኣብ መንገዲ ምስ ጠመኹ ግን ሓደጋ ከምዝወደቕኩዎ ምስ ነገርኩዋ እተን ኣብ ባዓቲ ዝተሓብኣ ቆቓሓት ዝመስላ ዝቖርቆራ የዒንታ ውሪሕሪሕ እና ኣበለት ተገሪማ ጠመተትኒ። ዝበለትኒ ግን ኣይትሓዙለይ ዳኣ’ምበር ኣይነግረኩምን’የ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሕምምቲ መዓኰር
Next Article ምስ መዕበያኻ ጥፋእ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?