Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣቦይ ቀሺ ዘገርግስ፡ እወታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ተግባር።

ኣቦይ ቀሺ ዘገርግስ፡ እወታዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ተግባር።

0
By Mekonnen T. on February 17, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Awet Mengistab (Netherlands)
መንቀሊ እዚ ዛንታ መኪናይ ተሰሪቓ ዝሓደረትሉ ሓደ ንግሆ እዩ።
ኣስመራ፡ መኪና ሰሪቖም ዝጎዛዝዩ ሰረቕቲ ተዘሪኦማ ኣለዉ እዩ ክውረ ወሪሑ። እዞም ወሓላሉ ሰረቕቲ ነታ መኪና ናብ መሕረዲ ቦታ ወሲዶም ድሕሪ ምጒዛይ፡ ባሌስትራኣን ኣእጋራን ንመደበር፡ ሞቶራኣ ንተሰነይ፡ ካራሶርያኣ ንቬርሙዳ ትርያንግል እዮም ያኢ ዝወስድዎ ኢሎሞም። እቲ ወረ እዩ። ኣነ ኣይኮንኩን። ነታ ወረ ሻዓ ኢላ ዝሰመዓታ ኣደይ፡ መኪናይ ናብ ውሽጢ ካንሸሎ ከእትዋ ደጋጊማ ክትምሕጸነኒ እያ ቀንያ። ብሰለስተ ምኽንያት ኣይሰማዕኩዋን!
እንሆ እምብኣር መኪናይ ተሰሪቓ ኣላ። ኣሕሕሕ! ክንደይ ኢኸ ኔሩ ደቀይ እቲ ሰሌዳ ቁጽራ? ሰሌዳ ቑጽሪኸ ኔርዋ ድዩ? ተፈጥሮይ ግዲ ኮይኑ ከምዚታት ዝበለ ሓበሬታ ኣብ ርእሰይ ምሓዝ ኣይኮነለይን እዩ። ግና ቀያሕ እያ። ቶዮታ እያ። ኣርባዕተ ኣእጋር ኣለዋ። መብራህትን ፍራቻን እውን ኣለዋ። ብድሕሪታ ድማ ቀልቀል ክትፍኑ ክብ ከምዝበለት ደርሆ ቀፋጽ እያ። ቀፋጽ! ሓደ ዓርከይ Efrem Tesfai እዩ ከምኡ ዝብላ። እታ ቀፋጽ ትብል ቃል እንታይ ማለት ምኳና እንድዕላ!
ሕማም ደኣ ይብሃል! እንታይ ኮይነ ኢለ እየኸ ዓዲገያ ደቀይ? ምኳን ብዕራይ ወለደ ኢሉ ከእምን ዝኽእል ሕሱም ደላላይ እዩ ከቲሩኒ። ክትብገስን ደው ክትብልን እንከላ ተስመዖ ድምጺ ዝሓረቐ ኣንበሳ ኣይዳረጋን እዩ። – – – ኣብዚ እንሄለካ ተባዓታይ ሞተረ! ድዩ ኣንታ ዝበለኒ ክዕድጋ እንከለኹ። ደላላይ ኢሎሞስ ደቀይ! መታለሊ! ግናኸ ጠቢብ ሰብ ከምዝበሎ “ኣብ ሕማቕ እውን ጽቡቕ ኣሎ።” ሳላ ድምጻ “መጺአ ኣለኹ” ኢለ ጥሩምባ ምንፋሕ ኣየድልየንን እዩ ። ድሩም- – -ጉሩም– – -ድሩም- -ጉምምምምምም- – ዱም ጉም- – ብምባል ምልእቲ ገዛውቲ እያ ተላህዮም። መጺኡ እዚ ቆልዓ! እያ ትብል እታ ወጺአ ብሰላም ዝምለስ ዘይመስላ ወላዲተይ። ሓቂ ይሓይሽ ነቶም ገዛውቲ እኳ ካብ ጥሩምባኣ ድምጺ ሞቶረኣ ይሕሾም። ቢብ ክትብል እንከላ ብኽሳዳ ዝተሓንቀት ነግራም ድሙ እያ ትጥዕም።
መኪናይ ቀያሕ ቶዮታ እያ። ኣንታ ነጊረኩም እባ እየ። እንታይ ክገብር ኢልኩምኒ፡ ኣይ ልበይ እንድዩ ጠፊኡኒ። እዋይ መኪናይ! ሓላለይ፡ ቀፋጸይ፡ ከመይ ዝበለ ዕጫ ኮን ክገጥመኪ እዩ? ብሓቂ ምስዚ ኩሉ ድምጽኽስ ክጎዛዝይኺ ድዮም? ብሓቂ ዲኺ ተሰሪቕኪ?! እንድዒ! ኣይኣምንን እየ። ከመይ ጌሮምከ ድምጺ ከየስምዑ ሰሪቖምኺ ? ክሳዕ እቲ ዓቢ ጽርጊያስ ብፎሎ ደፊኦሙኺ ክኾኑ ኣለዎም። ካብኡ- – -ካብኡ ድማ- – – ካብኡ ደኣ እንታይ ጸገም ኣለዎ። ከም ኣንበሳ እናጓዘምኪ ተሓንቢብክሎም ትኾኒ እምበር- – – –
መምርሒ ፍቓደይን ደብተር ዋንነትን (ሊብሬቶ) ድማ ኣብታ መኪና እዩ ዘሎ። ፖሊስ ኬድካ ብውሕዱ ቁጽሪ ሰሌዳ ምሃብ ከድሊ እዩ። እንታይ ደኣ እዩ ዝግበሮ? ንመን ደኣ ክሓትት እየ ደቀይ? እንታይ ኢለ እየኸ ክሓትት? ታርጋ ናይ መኪናይ ትፈልጥዋዶ? እዋይ ውርደት! ኦውውውው! ኣብ ገዛና ዝሓደረት ህጻን ጓል ሓፍተይ ኣላ። ተኺሎ እየ ዝብላ ኣነ። ራእሳን ንምባል ዝሃብክዋ ሳጓ እያ። ከም እሾኽ ብበላሓ እያ ተፈጢራ። ዘምጸኣን ዘየምጸኣን ኣብቲ ነግናግ ርእሳ ምኽዛን ድማ ሆቢ ናታ እዩ።
” ተኺሎ፡ ታርጋ ናይ መኪናይ ትፈልጥያዶ?”
ተኺሎ ኣየላበወትንን። ነታ ሰሌዳ ቁጽሪ ተረርርርር ኣቢላ እያ ነጊራትኒ። የዕብየለይ! ንተኺሎ ግምባራ ስዒመ ናብ ፖሊስ ክኸይድ እየ መዲበ። ትሙስሙስ ክሳዕ ዝብል ግን ኣደይ ሰሚዓስ ድሮ ኣብ ኣፍደገ ኮይና ምምራር ጀሚራ ጸኒሓትኒ። በየን ከምዝመጻ እንድዒ፡ ክልተ ኣንስቲ ድማ ተጸምቢረናኣ እየን። ደቂ ገዛውትና ድማ ዘርጠብጠብ እናበሉ ኣብ ኣፍደገ ገዛና ዕጒግ ኢሎም።
ካልአይ ከይኣኽለኒ፡ ብዙሕ ርእይቶን ወቐሳን ከአንግድ ጀሚረ። እታ ናይ መጀመርታ ወቐሳ ካብ ኣደይ እያ መጺኣ። ከይተቆጥዓኒ ብምባል ልስልስ ኢላ እያ ኣውጺኣታ። ” ናብ ውሽጢ ካንሸሎ ከተእትዋ ብዙሕ ግዜ ነጊረካ እየ። ኣይሰማዕካንን ዓወት ወደይ’። ኣይነገርኩዋን እምበር ናብ ውሽጢ ካንሸሎ ምእታው ቀሊል ኣይነበረን። ቅድም ቀዳድም እቲ ቦታ ጸቢብ፡ እቲ መእተዊ ድማ ጠላዕ እዩ። ኣብ ርእሲኡ እታ ንክልቲኡ ክፋል ካንሸሎ ዓጊታ ትሕዝ ሽንጣር ሓጺን ቁሩብ ንውጽ ስልዝበለት ንትቦ ስካፓሜንቶ ወይ ገንኢ ዘይቲ ከትቀደለይ እያ ዝብል ስክፍታ ኣለኒ። ብዓቢኡ ድማ እቲ ኣሰቃቒ ድምጻ ኣሎ።
እቲ ርእይቶን ወቐሳን ቀጻሊ እዩ። ብዘይካ ኣሉታ እወታ ዝሓስብ ሰብ የለን። እዋይ ገዛውትና! እንታይ ወሪድዎም ኣንታ!
‘ ተጋግዩ። ናብ ውሽጢ ካንሸሎ ከእትዋ ኔርዎ’
‘ ኦሮማይ፡ ቀደም ቀደም ጎዛዝዮማ ኣለዉ’
‘ ኣብዚ ጥቓና እኳ መሕደሪ ጋራዥ ኣሎ። ኣብኡ ከሕድራ ኔርዎ’
” ኣብዚ ግዜ እዚ መኪናኻ ኣብ ግዳም ምሕዳር ዕሽነት እዩ’
ዋና እዛ ናይ መጨረሽታ ርእይቶ ሰመረ ዝብሃል ጎሮቤት እዩ። ንሱ ንባዕሉ እውን ሓንቲ ገርማዕን ኣረጊትን መኪና ኣላቶ። ሕኔኡ ድዩ ዝፈዲ ዘሎ ኣንታ? መኪና ዝዓደገሉ መጀመርታ ሰሙን ‘ ባዕልኻ ኣብልያ ከይንብለካ ብላይ ዓዲግካ’ ኢለ ድኢለሉ ኔረ። ሽዑ ግን ኣይሓረቐን። መጽረዪት ኢድ ምኳና ሓቢሩኒ እዩ ተመርቂፉ። ሓቁ ድማ እዩ። ምስ መንደቕን ካንሸሎን እናተላተመ፡ ኣእጋር ደርሁ ገዛውቲ እናኸርተመ፡ ደማሙ እናሓምተለ፡ ኢዱ ኣጽርይላ እዩ። ተማዊቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ካንሸሎ እዩ ዘሕድራ።
ዛንታ ኣሉታ መታን ክቕየርሲ ኣቦይ ቀሺ ዘገርግስ ሕውስ ኢሎሙና ኣለዉ። ቤተክርስትያን እዮም ኣርፊዶም መሰለኒ። ብሽክለትኦም እናወጠጡ እዮም ተጸምቢሮሙና። ርግእ ዝበሉ መስተውዓሊ ቀሺ እዮም። ኣዳም ጽዒሩ ክበልዕ ከምዘለዎ ግርም ጌሮም ዝተረድኡ ጻዕረኛ ነዳቓይ ድማ እዮም። ነቲ ኩነታት ናባይ ጽግዕ ኢሎም ምስ ኣጣለሉ ከምዚኣ ክብሉ ሓቲቶሙኒ፥-
‘ ዓወት ወደይ፡ እንታይ ኮንካ ኢኻ ንውሽጢ ካንሸሎ ዘይተእትዋ?”
” ኣባ ቐሺ፡ ብሰንኪ እታ ሓጺን እየ ዘየእትዋ። ብሰንኪ እታ ናይ ልዳት ሓጺን። ነዊሓ- – – –
ዘረባይ ክዛዝም እውን ዕድል ኣይሃቡንን። “መጻእኩ!” ኢሎሙኒ ንገዘኦም ገጾም እዮም ከይዶም። ካብኡ፡ ኣነ ናብ ገለ ሰባት እናደዋወልኩ ድሮ መሳርሒኦም ሒዞም ክምለሱ ርእየዮም። ሕያዋይ ኮይኖም እምበር ቁርሲ ኣይለኸፉን። ብርኮም እውን ኣይሰበሩን።
” ዓወት ወደይ፡ መኪናኻ ብርግጽ ክትረኽባ ኢኻ። ምስረከብካያ ስተት ኢላ ክትኣቱ እያ። ኣነ ነዛ ሓጺን ፍሒረ ኣውጺአ ኣዕሙቕ ከእትዋ እየ ንስኻ ሃየ ኪድ መኪናኻ ድለያ’
ግዜ ኣየጥፋኣኩን። እወታዊ ዘረባ ኣቦይ ቀሺ ሰኒቐ፡ ቅድም ቀዳድም ንፖሊስ ከመልክት ካብኡ ድማ ቀፋጸይ ክደሊ ተበግስኩ። እግረ መንገደይ ከዳልዩኒ ይኽእሉ እዮም ናብ ዝበልኩዎም ሰባት ካብ ምድዋል ኣየብኮርኩን። ንባዕለይ እውን ብርክት ዝበለ ጻውዒት ተቐቢለ ኣአንገድኩ። መብዛሕቱ “ተረኺባዶ?” ዝብል እዩ። ክቕንጭበልኩም እየ፥-
ሓደ ካብቶም ዝደወሉ እቲ ሰመረ ዝብሃል ጎሮቤትና እዩ።
“ገለ ኣይተረኽበትን?”
“ኣይተረኽበትን”
” እንታይ ደኣ ይባሃል?”
” መኪናይ ክሳዕ ሕጂ ጠፊኣ ኣላ ይብሃል’
” ክሳዕ ሕጂ እንተ ዘይረኺብካያ፡ ቀደም- – -ቀደም- – –
ጥርቅም ኣቢለ እየ ዓጽየዮ። ፍሉጥ እዩ። ዓሰርተ ግዜ “ቀደም- – ቀደም’ ድሕሪ ምባል ‘ጎዛዝዮማ ኣለዉ’ እዩ ክብል። ካልእ የብሉን። ሰብሲ ክሳዕ እቲ ዝኾነ ዝኸውን እወታ እንተ ሓሰበን እንተ ተዛረበን እንታይ እዩ ዝጎድሎ? ከምዛ ናይ ኣቦይ ቀሺ ክንዪ እታ ሽግር እንተ ጠመተኸ እንታይ ይኸስር? ዕላጅ ደኣ ይብሃል! ሰዓት ኣርባዕተ ድማ ኮይኑ። መከረኛ ከብደይ ልክዕ ከምታ መኪናይ ክጓዝም ከይጀማመረ ኣይተረፈን። ኣይቆረስኩን። ኣይተመሳሕኩን። እቲ እኳ ዘይጓዝም!
እታ ዜና ብስራት ሰዓት ኣርባዕተን ሓሙሽተን እያ መጺኣ። ሽዑስ መደበር እየ ኔረ።
” ሓንቲ ቀያሕ ቶዮታ ኣብ ፓራዲዞ- እንዳ ሜራንተ- ኣብ ጎልጎል ተደርብያ ኣላ። መጺእካ ረኣያ”
ኩንትራት ታክሲ ሒዘ ናብ እንዳ ሜራንተ ክበጽሕ ግዜ ኣይወሰደለይን። እታ ኣብቲ ጎልጎል ተሰንድያ ዝነበረት መኪና፡ መኪናይ ምኳና ብማዕዶ እየ ኣለልየያ። ንሳ እያ! እታ ቀያሕ፡ ቀፋጽ፡ ጓዛሚት ቶዮታይ። ካብ ታኽሲ ከም ሓውሲ ኮማንዶ ወሪደ ቅርብ ኢለ መርመርኩዋ። ናብ ፖሊስ ድሕሪ ምድዋል ድማ ምትንኻፋ ጀመርኩ። ዝጎደለ ነገር የለን። ኣርባዕቲኡ ኣእጋራ ኣሎ። ሞተረኣ እውን ኣሎ። ዝተመለአ ነገር ግን ኣሎ፡ ቅድም ቀዳድም እታ መኪና ሃገግ ዝብል ሽታ ፈረንጂ ዓሲልዋ እዩ። ጉቺ ራሽ እዩ መስለኒ። ኣብ ዝባን እቲ ዳሽ ቦርድ ድማ ሓንቲ ካሴት፡ ባኮ ማስቲካን ጽሑፍ ዝሰፈራ ጭራም ወረቐትን ኣለዋ።
ነታ ጭራም ወረቐት ኣንበብክዋ
” ታንክ ዩ ዝዓርከይ። መኪናኻ ተኻያዪፍናላ ኢና። ሓንቲ ማስቲካን ካሴትን ንዓኻ። ቺርስ!
ቺርስ! ፍሽኽ በልኩ።
“ቀፋጸይ ደኣ ኣብ ኢድ ሕያዎት እንድያ ሓዲራትለይ። ነዳዲ ዶኾን ወዲኦሙለይ ይኾኑ እምበር ገለ ኣይገጠማን። ደጊምሲ ሳላ ኣቦይ ቀሺ ግዳም ኣይክትሓድርን እያ። ኣብ ልበይ ደኣ የሕድሮ እምበር ኣነ እውን ካብዞም ክቡር ኣቦ ሓደ ምህሮ ቀሲመ ኣለኹ። እወታዊ ኣተሓሳስባ!”
መፍትሕ ኣእትየ መኪናይ ኣልዓልክዋ። ድምጻ እውን ኣይተቐየረን። ድሩም- – ብሩም- — -ድሩም ንገዛይ ገጸይ ተሓንበብኩ።
ድሕረ ታሪኽ
ኣብዛ ለጢፈያ ዘለኹ ስእሊ ኣቦይ ቀሺ ዘገርግስ ምስ ኣደይ ወላዲተይ ኣብ ወግዒ እዮም ዘለዉ። ደጊም ክልቲኦም ዓዲ ውዒሎም እዮም። ንኽልቲኦም ብዝምልከት እምብኣር ጸሓፊ ሓንቲ ትምኒት ኣላቶ። ዓይኒ ንዓይኒ ምርእኣይ። እግዝኣብሄር ኣምላኽ ንወለድና ክሳዕ እቲ እዋን እቲ ይዕቆሮም። ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም። ኣሜን!።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleናብ ዛራውያን: ጦብላሕታ ዳንነት !
Next Article “”ጸጋይ በራኺ ” ኣቦ ጊታር
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?