Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ ግጥሚ ተራ ዋሕዚን ሰዋስውን

ኣብ ግጥሚ ተራ ዋሕዚን ሰዋስውን

0
By Mekonnen T. on May 2, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብ 7ግንቦት 1986 ዓም ኣብ ካልካታ ዝተወልደ ህቡብ ህንዳዊ ገጣማይ ራቢንድራናት ታጎር ኣብ ስነጽሑፍ ህንዲ ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሰባት ሓደ’ዩ ኔሩ። ወዲ 8 ዓመት እንከሎ ምግጣም ዝጀመረ ታጎር ወዲ 16 ክበጽሕ እንከሎ ፋልመይቲ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ ከሕትም በቒዑ ነበረ። ታጎር ገጣምይ ጥራሕ ዘይኮነ ጸሓፊ ልበወለድን ደራሲ ሙዚቃን፡ መስራቲ ሰብ ኣውነት ዝምህረሉ ካብ ልሙድ ትምህርቲ ወጻኢ ትምህርቲ ዝወሃበሉ ዩኒቨርሲቲ፡ ቀባኣይ፡ ፈላስፋን ሰውራውን ነበረ። ኣብ 1913 ካብ ኣውሮጳውያን ወጻኢ ንፈለማ ግዜ ናይ ኖቨል ተሸላሚ ዝኾነ ታጎር ሽልማት ኖቨል ዝወሰደሉ ብስነጽሑፍ ( literature) ኮይኑ በታ ጊታንጃሊ ዝተሰምየት ብቋንቋ ቤንጋሊ ዝጸሓፋ እኩብ ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፉ’ዩ። ነታ መጽሓፍ ናብ ቋንቋ እንግሊዝ’ውን ባዕሉ’ዩ ተርጉሙዋ። ይኹን እምበር እቲ ትርጉም ቅኑዕ ኔሩዶ ኣይነበረን ርግጸኛ ኣይነበረን። ብፍላይ ግጥሚ ናብ ካልእ ቋንቋ ምትርጓም ከም ስዲ ንባብ ቀሊል ከም ዘይኮነ ኣስተውዒሉ ነበረ። ግጥሚ ካብ ናብ ሰዋስው ናብ ሙዚቃ፡ ካብ ናብ ሓሳብ ናብ ስምዒት ከም ዝቐርብ ተዓዚቡ ኔሩ። ግጥሚ ዝዓቖረ ቀላይ ዘይኮነ ዝፈስስ ወሓዚ ከም ዝኾነ ተገሊጹሉ ነበረ።
ታጎር ካብ መጽሓፉ ግጥምታት መመሪጹ ክትርጉም ሓያሎ መዓልታት ኣሕለፈ። ንኹሉ ግጥምታቱ ተርጉሙ ምስ ወደውን ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ክኸውን ኣይከኣለን። ስለዚ ንሓደ ሲ ኤፍ ኣንድሪውስ ዝበሃል ካህን ነቲ ዝተርጎሞ ክርእየሉ ሃቦ። ኣንድሪውስ ንማህተማ ጋንዲ ናይ ቀረባ ዓርኩ ንናጽነት ህንድውን ካብ ልቢ ዝተቓለሰ ሓርበኛ ነበረ። ነቲ ግጥምታት ኣጸቢቑ ርእዩ ምስ ኣንበቦ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ጥራሕ መሪጹ ንኸርዕዮ ከምዚ ዝብል መልእኽቲ ሰደደሉ።
“እቲ ትርጉም ብምሉእ ኣዚዩ ጽቡቕ ኣሎ፡ እንተኾነ ኣብዘን ዝሕበረካ ዘለኻ ኣርባዕተ ንጥብታት ናይ ሰዋስው ሕጊ ኣይተኸተልካን ዘለኻ” በሎ
ታጎር ብመሰረት ምኽሪ እንግሊዛዊ ቀሺ ነቶም ዝተባህ ልዎ ኣርባዕተ ቃላት ደምሲሱ ብካልእ ተከኦም ። ቅድሚ ናብ ማሕተም ምእታው ከኣ ናብ ሎንድን ድሕሪ ምኻድ ን20 ዓበይቲ ገጠምቲ ዓዲሙ ነቲ ትርጉም ናይታ ናይ ግጥሚ መጽሓፉ ከም ዝግምግምዎ ገበረ። ንኹለን ግጥምታት ኣንቢቡ ምስ ወደአ ከኣ
“ዝጎደለ ነገር ዘሎዶ ይመስለኩም?” ብምባል ነቶም ገጠምቲ ሓተቶም።
ዊልያም በትለር ዩትስ ዝተባህለ ውሩይ እንግሊዛዊ ገጣሚ ሃንደበት ሓፍ ብምባል
“ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ዝተጋገየ ነገራት ኣሎ” በለ
ታጎር ኣዚዩ ተገረመ። ብጅክኡ ቀሺ ኣንድሪውን ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ከም ዝቐየረ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ቀሺ ኣንድሪውስ ዝቐየሮም’ሞ በትለር ዩቱስ ዘይፈተዎም ቃላት ተመሳሰልቲ ነበሩ።
ዩቱስ ኣስዒቡ ንታጎር ከምዚ በሎ
“ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት እቲ ግጥሚ ዋሕዚ የብሉን፡ ኣይንቀሳቐስን’ዩ፡ እቶም ቃላት’ውን ንስኻ ዘይኮንካ ካልእ ሰብ’ዩ ሸኩዑዎም። ኣርባዕቲኦም ቃላት ነቲ ወሓዚ ከይውሕዝ ገዲቦም ዝሓዝዎ ደናጉላ’ዮም”
ታጎር ከኣ
“ጽቡቕ ኣለኻ።ኣርባዕቲኦም ቃላት ዝመረጾም ኣንድሪውስ’ዩ። እንግሊዛዊ ስለዝኾነ ካባይ ንላዕሊ ንሱ ይፈልጥ። ንዓይ ግን እንግሊዝ ኣፈይ ዝኸፈትኩሉ ቋንቋ ኣይኮነን። ኣንድሪውስ ቅድሚ ምቕያሮም ዝነበሩ ቃላት እዚኦም’ዮም ኔሮም።” በሎ
ዩቱስ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ
“እቶም ቃላት፡ ሕጊ ሰዋስው ኣይክተሉን’ዮም፡ ግን ቅኔ ኣለዎም። ሰዋስው ረሳዓዮም’ሞ ነቲ ዋሕዚ ተኸተል” በሎ
ታጎር ብነሐሰ 1941 ብሞት ክፈለ እንከሎ ናይ መጀመርያ ህንዳዊን ናይ መጀምርያን ኤሻያዊ ተሸላሚ ኖቨል ብምዃን ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዝሰፈረን ዕለተ ልደቱ ዓመታዊ ብክብ ዝበለ ድምቀት ዝበዓለሉን ገጣማይ’ዩ።
• ቴድሮስ ብኣምሓርኛ ካብ ዝጸሓፎ ምስ መወከሲ ካልእ ጽሑፍ ተመሓይሹ ንኣንበበቲ ትግርኛ ዝቐርብ ዘሎ ጽሑፍ’ዩ
መኮነን ተስፋይ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዶክተር ኣባ ይስሃቕ ገብረየሱስ እቶም ፈላሲ: ተጋዳላይ: ተመራማርን ጸሓፊ ታሪኽን
Next Article እናጠዓመ ከደ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?