Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ

ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ

0
By Mekonnen T. on June 6, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

Berhane Gebrehiwot

(ካልኣይ ክፋል)

ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ዓውደ ግርጭታትን ሸማቲ ሓጺነመጺንን ዓለምና’ዩ። ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ሰነዳቱ ገና ኣብ ኢድ ጸሓፍቲ ታሪኽ ዘይኣተወ ክነሱ፡ ዶባዊ ኲናት ነይሩ እናበሉ ዝድምድሙን ጸግዒ ሓደ ወገን ሒዞም ነቲ ካልእ ወገን ዘጸልሙን እናኽርኢ የስገድግደኒ። ቍጠባውን ፖለቲካውን’ምበር ዶባዊ ግጭት ከም ዘይነበረ ግን ልሳን ቀየስቱ ከይተረፈ ደርጒሑዎ ኣሎ። ብወገነይ፡ መጻእየይን መጻኢ ብዙሓትን ንዝጸለወን ዘጸልመተን ግስሩጥ ዕንደራ ንሓደ ወገን ከሸክሞ ኣይመርጽን። ኣጀማምራኡ፡ ኣመዓባብላኡን በጺሑዎ ዘሎ ደረጃን ኣንፈታቱን፡ ንዓቕሚ ህዋሳተይ ንልዕሊ ፍርቂ ዕድመይ ተቛጻጺሩዎ’ዩ። ዘኸተሎ ዕንወትን ማሕበራዊ ነውጺን ድማ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ደሚቑ ክረአ ክኢሉ’ሎ። ስደትን ከርተትን ህዝብታት እቲ ዞባ ብሓፈሻ ህዝብታት ኢትዮ ኤርትራ ከኣ ብፍላይ። “ጽንብላሊዕ መዓኮራ ዘይከደነት ምድሪ ከደነት” ከም ዝብሉዎ፡ ሕፍረት ድኽነቶም ዘይሰተሩ ብሓዊ ዝጻወቱ ምርኣየይ ወትሩ እግረም። “ወሓለ ሓዊ ቈራይ” ከም ዝበሃል፡ ገና ውሕልነቶም ከርእዩ ህርዲግ ዝብሉ ገልጣማት ካብታ ሃንቀው እንብላ ሰላም ክጋርዱና ይቃለሱ ምህላዎም የተሓሳስበኒ። ኵሉ ግን ብገንዘብን ንገንዘብን’ዩ!

ስደትና ኣብ ዝለዓለሉ፡ ጠንቂ’ኳ እንተለዎ፡ ተዋሳእቲ ናይ ዝኸፈአ መልክዑስ ነንሓድሕድና ምዃንና’ዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ካብ ዘለና ፖለቲካዊ ነውጺ ንላዕሊ ማሕበራዊ ነውጽና ዝዛይድ እመስለኒ። ዘመኑ፡ ዘመን እግርኻ ናብ ዝመርሓካ ብምዃኑ፡ ዕምት ኢልካ መገዲ ኣሎ። ግርህነት፡ ንእስነት፡ ዓሻ ድፍረት፡ ዕድለይ ዕድል እገለ ኣይኰነን እናበልካ ተሃንዲድካ ምምራሽ፡ መለለዪ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ጕዕዞ ስደት ኤርትራውያን’ዩ። “እዛ ግዋ ግዋ እያ፡ መሬት ከኣ መስያ እያ፡ ሓደው ኣሰንዩዎ ሓደው ሕደር በሉዎ” ዝበለት ሕጽይቲ ብዘይምኽንያት ኣይነበረትን። መጠንቀቕታን ክግበር ንዘለዎን መልእኽታ ብግቡእ ኣመሓላሊፋ’ያ። ባህርያውን ሰብ ዝሰርሖን መጻወድያ ብዘለዎ መገዲ ምጕዓዝ ካብ ምስ ድፍረት ወይ ዕሽነት ሓሊፉ ምስ ምንታይ ክቝጸር ይከኣል፧ መለበሚ ዘይረኸበ መለበሚ ክዀኖ እናተገበኦ ዝዕሹ በዚሑ። ማዕረኡ ድማ ኩለንትናዊ ዕንወትን ክሳራን።

ዛንታ ምድረ በዳ ሲናይ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ዝተቐርጸሉ ዘመን’ዩ። በሰላኡ ብቐሊል ክሃስስ ዝኽእል ኣይመስለንን። ክንደይ ሰኣን ገንዘብ ህይወቶም ስኢኖም፡ ክንደይ ብወረቓቕቲ ገንዘብ ካብ ሞት ድሒኖም። ብሰብኣውነታዊ መዳይ ዕድል ምድሓን ዝረኸቡ ክንደየናይ ከይህልዉ። ምስ ዝህልዉ ግን ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ’ዮም። ገንዘቦምን ህይወቶምን ቁማር ዝተባህሉ ከኣ እባ ኣለዉ። ዕዳጋ ሕኑቕ ምድረ በዳ ሲናይ ንብዙሓት ለኪሙን ኣጐሳቒሉን። ንኽንደይ ጾም ኣሕዲሩ፡ ንኽንደይ ኣዘኽቲሙ፡ ንኽንደይ ድማ ዕድል ስራሕ ፈጢሩን ‘ኣህብቲሙን’። ኣብ ክንደይ ስነ ልቦናዊ ዕንወት ኣኸቲሉ። ኣብ ክንደይ ገንዘባዊ ርውየት ፈጢሩ። ኵሉ ግን ንግዲ ስሙ። ሰብ ዝነገደን ጨው ዝነገደን ኵሎም ነጋዶ ይበሃሉ። ብኩሊት ዝዋገን ብማርሾ ጸብሒ ኣቡን ዝዋገን ኩሎም ሸመትቲ። ዕዳጋ ምስግጋር ደቂ ሰብ ልዕሊ ዕዳጋ ማዕድናት ክብሪ ረኺቡን ሒዙን። ንዋጋ ዘዕርጉ ደላሎ ድማ ኣብ ማእከል የውደኽድኹ።

ደዊለ ሰብ ክረኽበሉ ናብ ዝኽእል ቦታ ኣምሪሐ ኣለኹ። ቅድመይ ደዊሉ ክዘራረብ ዝጸንሐ ሰብ ዘረባኡን ኣዘራርባኡን ደስ ኣይበለንን። ጭቕጭቑ ብቋንቋ ትግርኛ’ዩ። ከይፈተኹ ክሰምዖ ተገዲደ። ምስ ኣቦኣ ይዘራረብ ነይሩ። ዘረባኦም ጥዕና ኣይነበሮን። ኣቦኣ ስለ ዘይብሉ ወይ ዝጐደሎ ክኸውን ይኽእል። ጓለይ ኣትያ እያ እሞ ዘኽፍል የብለይን ዝብል ስምዒት እውን ሓዲሩዎ ይኸውን። እንታይ ይፍለጥ ናይ ሰብ ነገር-ከም ዝብኢ ክሳዕ ዝደልዎ እንደኣሉ ዝሕንክስ። በቲ ኰይኑ በዚ፡ ዕድል ክህቦ ይልምኖ ነይሩ። ወዲ ግን ውለደን ይብሎ። እቲ ብትሕትና እቲ ከኣ ብምጕብዕባዕ ከይተረዳድኡ ተፈላልዮም። “ጓልካ እንተ ረኺብካያ ክትርእይ ኢኻ። እዘን ከይትሕውለን ኣቢኻ ዘለኻ ገንዘብ ብኸመይ ከም ዝረኽበን ባዕለይ እፈልጥ።” ኢሉ ኣብ እዝኑ ዓጽዩዎ። ወዲ ኣብዚ ኣይተዓግተን። ኣብ እዝኑ ንዝጸንሐት ተለፎን ናብ ፊት ኣዒንቱ ብምቕራብ፡ መላጉም ቁጽርታት ብዘይ ዝዀነ መወከሲ ካብ ዝኽሩ ብኣድራጋ ብምጽቃጥ፡ ቀጥታ ኣብ ካርቱም ሱዳን ናብ ዝነበረ ሰብ’ዩ ደዊሉ። ሕርቃኑ ገና ከይዘሓለሉ፡ ብዘይ ዝዀነ ሰላምታ፡ “ክሕውል ፍቓደኛ ስለ ዘይኰነ ኣብ ኢድካ ዘሎ ስጉምቲ ውሰድ።” ህጹጽን ቀጢንን ሓውሲ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ጋን ኰይነ ጥራይ ሰሚዐዮ። ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን። ፈትዮም ኣብ ዝጀመሩዎን ብምጥልላምን ምጭኽኻንን ኣብ ዝዛዘምዎ ዝነበሩን ጉዳይ ዘእቱ ድማ ኣይነበረንን። ዕድል ናይታ ኣብ ኢድ ኣሰጋገርቲ ዝነበረት ሰብ ከመይ ኰይኑ ይኸውን፧ ዝፈልጦ የብለይን። ገንዘብ ልዕሊ ሰብ ተመዚኑ ምንባሩ ግን ኣረጋጊጸ። ንሰብኣውነት ገኒዙ ገንዘብ ነጊሱ። ብዓል ገንዘብን ደላዪ ገንዘብን ድማ ንጉሰ ነገስት።

ይቕጽል……

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ- ገንዘብ
Next Article ኣብ ዓለም ሓደ ሓባራዊ እምነት ኣሎ – ገንዘብ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?