Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

0
By Mekonnen T. on November 29, 2020 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email
“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”
ወልደኣብ ወልደማርያም
ሰሙናዊ ጋዜጣ 14 ሕዳር 1946 ቁ 220
* * *
ስእሊ ሓርበኛ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ኣርማ እናገበርካ ንጽልእን ቅርሕንትን ካብ ምስባኽ ነቲ ጽሑፎም ሃሰስ ኢልካ ካብ ጽሑፎም ምምሃር ዝበለጸ’ዩ::
* * *
ኣብ ኤርትራ ዚነብር ሕዝቢ ነቲ ናይ ብሓቂ ጥቕሙን ምድሓኑን ኣብ ሕብረት ሓድሕዱ ኢዩ ክረኽቦ ዝኽእል። እንተ ደኣ ተፈላልዩ ግና ጣዕሳኡ ዘይወጽእ ጉድኣት ከም ዚረኽቦ፡ ህልምላሙን’ውን ከም ዘይረክብ እተረጋገጸ ኢዩ። ሕዝቢ ኤርትራ ኣውራ ኣውራ’ኳ በዛ ዝሓለፈት ፍርቂ ዘመን ሓንቲ ንብረት፡ ሓንቲ ዛንታ፡ሓንቲ ስም ፈጢሩ ይርከብ ኣሎ። እዛ ዛንታ እዚኣ ድማ እንተደኣ ብኣኡ ኣቢላ ቀጺላስ ንዕብየትን ንኽብረትን እትኸውን ዛንታ ኢያ። ከምዚ ዝበለ ከቢድ ኩነታት ኣብ ልቢ እቶም ዓበይቲ መራሕትን ምስሌነታትን ጉልሕን ሕያውን ኮይኑ ኪርከብ ኬድሊ ኢዩ።
ዝሰመረን ዝተሰማምዐን ሕዝቢ፡ ብስርዓትን ብጽቡቕ ኣገባብን ብውርዝነትን ዝመላለስ ጭዋ ሕዝቢ፡ ዝደናገጽን ዝደጋገፍን ርሕሩሕ ሕዝቢ፡ ግቡኡን መሰሉን ፈላልዩ ዝፈልጥ ደገኛ ሕዝቢ፡ ብንብረት ባርነት ዝሰልከየን እተሓለለን እሞ ነታ ናይ ሓቂ ሓርነት ብመንፈሳዊ ሓይሉ ሓይሉ ሃረር ዝብል ሕዝቢ።
ሓርነት ማለት ጥሪትካን ገዛእ ርእስኻን ኣብ መሰውያ ፍቕሪ ሃገር ምውፋይ ወይ ምስዋእ ማለት ከም ዘይኮነ ኣስተውዒሉስ ክህብ እምበር ክወስድ ዘይምነ፡ ንብጻዩ ከገልግል እምበር ኣብ ርእሲ ብጻዩ ክሽየም ኢሉ ለይትን መዓልትን ክጣበብን ክኣልምን ዘይነብር ህዝቢ፡ ሕድገትን ይቕሬታን ዝመል ኦ’ምበር ብቒምን ብበቐልን ክሕርቅም፡ ብቕንእን ብህርፋንን ነብሰ ስጋኡ ክብላዕ ዘይነብር ህዝቢ፡ ሓቅን ፍትሕን ደኣ ዘፍቅር’ምበር ዓመጽን መግፋዕትን ባህ ዘይብሎ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኢዩ ህዝቢኤርትራ።
ኣብ መንጎ ደቂ ኤርትራ ሕብረት ከይርከብ እሞ እዚ ዘሎን እቲ ዝመጽእን ኩነታት ኤርትራ ድማ ቅልጡፍ መወዳእታ ከይረክብ ዚምነዩ፡ ኮነ ኢላቶም’ውን ዝጋደሉ ሰባት ኣይተሳእኑታን ይኹኑ እዮም ቀዳማይ፡ ኣብ ህውከትን ዕግርግርን ዝዓበየ ረብሓ ምርካብ ዝለመዱ ወይ ከኣ ብምስላ ከም ዝበሃል ኣብቲ እተዘርገ ማይ ዓሳ ምግፋፍ ስለ እተማህሩ እዮም። ካልኣይ ከኣ ምናልባሽ ኣብ ውሽጢ ሕልና ኣቶም በቲ ዝሓለፈ ግብሮም ሕርኽርኽ ዚብሎም፡ ምዕራይ ከኣ ገና ዜድልዮ ነገር ከይህልዎም እሞ ብኽሳራ ሕዝብ ኤርትራስ ጊዜ እናመጠጥካ ምጽናሕ ዚሓይሽ ኮይኑ ስለ እተሰማዓቶም ከይኮነ ኣይተርፍን።
Image may contain: 1 person
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣበሳ ኵናት
Next Article ኣይጠዓስን’የ ( ኣልጸጸትም) ጀዋር መሓመድ-መጽሓፉ ” ካብቲ ዝኸፍአ ናብቲ ዝበኣሰ” ቀዳማይ ክፋሉ
Mekonnen T.

Related Posts

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

ታሪኽ ህይወት እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ መስራቲ ተጋድሎ ሓርነት፡

September 2, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?