Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ኣልዓለኪ፥ ኣንበረኪ

ኣልዓለኪ፥ ኣንበረኪ

0
By Mekonnen T. on June 18, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብወቕቲ ዘይእዘዝ ክራማት
ንዝሓየረኪ ሰንሰለት ጸገማት
ነቲ ክተጽሕዪ፥ ነቲ ክትብጥሲ
እዝን’ትን ከይበልኪ ‘ተኸሳሲ’፥
ምስጢሩ ባዕልኺ ትፈልጢዮ
ንህይወት ተዀርሚኺ እናሳገምኪዮ፥
ካልእ መጸ ተወሳኺ
እናጸንቀቐ ተስፋኺ
‘ናዘመረ ኣብ ሓዘንኪ
ኣልዓለኪ፥ ኣንበረኪ!

መዛግብቲ ልብኺ ከይነብብ
ፊደል ፍቕሪ ዘይቈጸረ፡
መቓልሕ ስቕታኺ ከየዳምጽ
ኵሩዕ እዝኒ – ምስማዕ ዝሰኣነ፡
ከይምከር፡ ከይንገር
ብገዛእ ኢዱ ዙፋን ልሂቅነት ዝጸዓነ፥
ዘለኺዮ ከይኣኽለኪ
ብዕሩቑ ክኸድነኪ
ኣልዓለኪ፥ ኣንበረኪ፡፡

እናወጽአ መሞሊቑ
ድምጺ ስሒሉ ኣብ ምርሓቑ
ካብ ምርሓቑ
ለባሙ ሃዚሉ
ጥዑዩ ሕሙሙ ተተደባሊቑ
ማይ መሲሉ፡ ማይ ዓጢቑ፥
ዘለኺዮ ከይኣኽለኪ
ካልእ ስቓይ ከጥርየልኪ
ኣልዓለኪ፥ ኣንበረኪ፡፡

ካብ ዘሰቅቕ ጥፍኣት ወገናቱ
ኣመና ዘብኪ ትርግታ ብኽያቱ፥
ሓው ምስ ሓው እናተኻሰሰ
ንሓድሕዱ እናተታዀሰ፡
ኣብ’ቲ ኲናት – ሕማቕ ውዕሎ
ዒላማ ዝሰሓተ ኣእላፍ ዓረር
ብጭካነ ‘ጦሽ!’ እና’በሎ
ግን እንግድዓ ባሕሪ እናተቐበሎ
ግዳ ከም ሳዕቤኑ
ባሕሪ ንተኳሲ እናተበቀሎ፥
ዘለኺዮ ከይኣኽለኪ
ንባሕሪ ቀቲሉ ኣካ ከርህወልኪ
ኣልዓለኪ…ኣንበረኪ፡፡

ተኣኒኑ ንሩሕኪ ጠቢሑ
ቈርበትኪ ኣንጺፉ – ዘርጊሑ
መመሪጹ ክወስደኪ፡ ክቐልወኪ
ኣብ ሓምሳ ክጐዛዝየኪ፥
እናሓለመ ‘ምቅባጽኪ’
እናዘመረ ‘ምቕጻልኪ’
ኣልዓለኪ፥ ኣንበረኪ፡፡

ደልዩ ካብ ሰኣኖ ነቲ መፍትሕ
መፍትሕ ናይ’ቲ ተሪር መቝሕ
ኢዱ’ንጺሁ፡
ከም ሰብ ርሑቕ ዋኒኑ ከይመርሕ
ይወጣወጥ’ሞ እሾኽ ክነቕሰልኪ
ምስ’ቲ እሾኽ መርፍእ ይገድፈልኪ፡፡
ዘለኺዮ ከይኣኽለኪ
ኣብ’ዚ ‘ንሆ ተወሳኺ
ወወጊኡ ‘ና’ልቀሰልኪ
ሓንሳብ “እፎይ” ዘይምባልኪ
በዘልማድ ይሓ’መልኪ
‘ና’ልዓለኪ፥ ‘ና’ንበረኪ!

June 2016
bokre gebreyesus

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleግጥሚ ከም መድሃኒት
Next Article ተባዕ ፍርሒ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?