Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 8, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ንበጻጻሕ”

“ንበጻጻሕ”

0
By Mekonnen T. on October 1, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

“ኣራሪኺ ጽንሒ…!
ቀሸም ወዲ ቐሸም፣ ገሊፍን ጨራሮን
ሓዊ ኣጓጉዲ፣ መሞቕን መጥበስን
ትሰምዕኒ’ዶ’ለኺ…!?
ጽንዒ’ኳ’ዩ ሎሚ፣ ሸዊት ንበልዓሉ
ገዛና ገዛኹም ንነጋገደሉ።

ገዛኹም’ባ ጽንሒ…!
ሸዊት ዕፉን ሒዘ፣ መታን ክመጸኪ
ድሓር ከኣ ንስኺ
ቅጫ ጐጐ ሒዝኪ
ገዛና ክትመጺ።

ናይ ብሓቀይ’ኳ’የ ንበጻጻሕ’ባ
ጠላሕ እንተበልናዮም፣
ስድራቤት ክልቴና
መን ይፈልጥ ሽዑ፣ እንተዋሰቡና
ቀውዒ ምስ ሓለፈ፣ እንተዀነ ጥሪና።

ትሰምዒ’ዶ’ለኺ…!?
ጽንዒ’ኮ’ዩ ሎሚ
ጽንዒ ባህሊ ኣቦኺ
ጽንዒ ባህሊ ኣደኺ
መቐይሮ ወቕቲ
ተስፋ ናይ ወለዲ።

ከመይ ደኣ…! ከመይ…!?
ከይትብሊ ብኸመይ…!?
ሎሚ እንድዩ ዓኾዃይ
ዓኾዃይ ዓኾዃይ
ሃንሰ-መስቀለ፣ ሸዊት ዝጥበሶ
ሓድሽ እኽሊ ዝቕመሶ
ተስፋ ጥዑም እዋን
ጸላም ተሳዒሩ፣ ዝነግሰሉ ብርሃን።

ሒዝክኒ’ዶ ኣለኺ…!?
ጽንዒ’ኳ’ዩ መጺኡ
ሒዙ ንዘመናይ፣ ክኸውን ለዘመን
ጽንዒ ብርሃን ዘመን
ቁራዕ ሓምሊ ወጺኡ
ገዓት ጠስሚ ኣትዩ
ንሕና ከኣ ምስኡ፣ ዘመን እናቋሰና
ንበጻጻሕ ‘ምበር፣ ከምቲ ዝመስለና።”
ትዝክርዮ ዶ ዓሚ
ልክዕ ከምዛ ሎሚ
ግዜ ከይሓሰመ
ግዜ ከይመረረ
ሰብ ከይሃደመ
ሰብ ከይተሰደ
ሓንካስ ብምርኩስ
ተጓሕጒሑ፣ዅሉ ከይግዓዘ
ወላዲ ከይተከዘ
ከለኹ ኣብ ዓዲ
ልክዕ ኣብ ዓመቱ ኸኣ ዘኪረኺ።
ጐዐይ…!
ጐዐይ፣ ጓል በራኺ
ግዳ ክሓተኪ
ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ንዓይ ዘሳጽየኒ
ትጽበዪ ዶ ኣለኺ፣ ወይስ መሲልኪ ነዲኺ
ወግዕና ረሲዕኺ
ከምኡ…! ከምኡ…!
ከምኡ ሰሚዐ እንድዒ!!

***
ተስፊት ኣብርሃም
27/9/2015

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣበራብርና
Next Article እንታይ እስከ ነይሩዎ!?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?