Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ናይ ኩሉ ግዜ ዝበረኸ ኤርትራዊ ስፖርታዊ መን’ዩ? [Greatest of All Time]

ናይ ኩሉ ግዜ ዝበረኸ ኤርትራዊ ስፖርታዊ መን’ዩ? [Greatest of All Time]

1
By Mekonnen T. on March 22, 2019 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 

 ናትናኤል ብርሃነ (ዝተወለደሉ 1991) – ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ቅድድም ብሽክለታ ናትናኤል፡ ጎብለል ዙር ኤርትራ 2010፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ውድድር ጽርግያ 2011ን 2012ን፣ ሻምፕዮን ዙር ኣልጀርያ 2012፣ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ 2012፣ ናይ መጀመርታ ኤርትራዊ ሻምፕዮን ዙር ቱርኪ 2013፣ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክሮኖ-ሜትር 2011፡ 2012፡ 2013፡ 2015፣ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ስፖርታዊ 2013፣ ብሉጽ ኤርትራዊ ስፖርታዊ ኑማ 2013፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖ-ሜትር 2014፣ ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ ሻምፕዮን ዙር ጋቦን 2014፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ውድድር ጽርግያ 2015፣ ሓደ ካብ’ቶም ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ዓበይቲ ዙር ዓለም (Grand Tour) ማለት፡ ዙር ፈረንሳ፡ ስጳኛን ኢጣልያን ንሓሙሽተ ግዜ ዝተሳተፉ … ወዘተ. ክብርታት ጨቢጡ ዝርከብ ኣትለት እዩ።

ኣብ ዙር ርዋንዳ 2010 ካልኣይ ደረጃ፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖ-ሜትር 2015 ሳልሳይ፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖ-ሜትር 2017 ካልኣይ ደረጃ ዝርከብዎም ብዙሕ ብሩርን ነሓስን መዳልያታት ዝወሰደሉ ወይ ፖድዩም ዝደየበሉ ኣጋጣሚታት ነይሮም። ብዓለማዊ ፈደረሽን ብሽክለታ ጥራይ ዝምዝገብ ፕሮፌሽናል ውድድራት፡ ካብ 2009 ክሳዕ መወዳእታ 2018፡ ኣብ ውሽጢ 552 መዓልታት ውድድር፡ ብጠቕላላ 94,443 ኪሎ-ሜትር ተጓዒዙ ይርከብ። እዚ ማለት ንመዓልቲ ብገምጋም 171 ኪሎ-ሜትር ምዃኑ’ዩ። ዝተሳተፎም ዓበይቲ ዙር (Grand Tour) ኣብ ዙር ፈረንሳ 2016፣ ጂሮ ዲ ኢታሊያ 2017ን 2018፣ ዙር ስጳኛ 2014ን 2015 ከምኡ’ውን 5 ክላሲክ ውድድራት እዮም።

 

 

* ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት ግርማጽዮን (ዝተወለደሉ 1988) – ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዳኒኤል፥ ሻምፕዮን ዞባ-ማእከል 2008፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ውድድር ጽርግያ 2012፡ 2016፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖ-ሜትር 2011፡ 2012፡ 2015፡ 2016፡ 2018፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክሮኖ-ሜትር ውልቂ 2010፡ 2011፡ 2012፡ 2013፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክሮኖ-ሜትር ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ 2010፡ 2011፡ 2012፡ 2013፡ 2015፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ውድድር ጽርግያ ብውልቂ 2010፣ ጎብለል ዙር ርዋንዳ 2010ን 2011ን፣ ኣንበሳ ዓቐብ ኣብ ውድድር ዶፊይን/ፈረንሳ 2015ን 2016ን፣ ቦኽሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ዙር ፈረንሳ ዝተወዳደረ፣ ኣብ ታሪኽ ዙር ፈረንሳ ናይ መጀመርታ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ማልያ ንጉስ ዓቐብ (Polka dot Jersey) ዝለበሰ (ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ መድረኽ)፣ ተዓዋቲ ብሉጽ ስፖርታዊ ኑማ 2015፣ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ስፖርታዊ 2012፣ ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2015 … ወዘተ ክብርታት ጨቢጡ ዝርከብ ኣትለት እዩ።

ኣብ ዙር ኤርትራ 2009 ካልኣይ፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ውድድር ጽርግያ 2011 ካልኣይ፣ ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክሮኖሜትር 2015 ካልኣይ፣ ኣብ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክሮኖሜትር 2016 ሳልሳይ፣ ኣብ ጂሮ ኢጣልያ 2017 ብጠቕላላ ነጥቢ ራብዓይ፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖ-ሜትር 2017 ሳልሳይ፣ ዙር ኣልዔይን 2018 ሳልሳይ ኣብ ኣንበሳ ዓቐበት … ዝኣመሰሉ ናብ ፖድዩም ዝደየበሉን ብሉጽ ውጽኢት ዘመዝገበሉን እውን ይርከቦም።

ብፈደረሽን ብሽክለታ ዓለም ጥራይ ዝምዝገብ ፕሮፌሽናል ውድድራት፡ ካብ 2007 ክሳዕ መወዳእታ 2018፡ ኣብ ውሽጢ 538 መዓልታት ውድድር፡ ብጠቕላላ 92,964 ኪሎ-ሜትር ተጓዒዙ ኣሎ። እዚ ማለት ንመዓልቲ ብገምጋም 172.8 ኪሎ-ሜትር ምዃኑ’ዩ። ዝተሳተፎም ዓበይቲ ዙር (Grand Tour) ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015ን 2016ን፣ ጂሮ ዲ ኢታሊያ 2017፣ ዙር ስጳኛ 2012ን 2014ን፣ ኦሎምፒክ 2012፣ ከምኡ’ውን 6 ክላሲክ ውድድራት። ምስ’ቲ ኩሉ ኣብ ኣህጉራዊ ዓወታት ዝተኾልዐ ዳኒኤል፡ ንዙር ኤርትራ ክዕወተሉ ኣይከኣለን ዘሎ። ኣብ 2009 ድሕሪ በረኸት የማነ፡ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ዝዛዘሞ እቲ ዝበለጸ ዓወቱ ኣብ ዙር ኤርትራ እዩ።

 

 

* ዘርእሰናይ ታደሰ (ዝተወለደሉ 1982) – ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ጉያ እግሪ ነዊሕ ርሕቐት ዘርእሰናይ፡ ናይ መጀመርያ ኤርትራዊ ተሸላሚ መዳልያ ኦሎምፒክ (2004)፣ ሓሙሽተ ግዜ ሻምፕዮን ዓለም ፍርቂ ማራቶን (2006-12)፣ ብቕልጣፈ ግዜ ክብረ-ወሰን ዓለም ናይ ፍርቂ ማራቶን (ካብ 2010 ክሳዕ 2018)፣ ዝበዝሐ ወርቂ መዳልያ ዝተሸለመ ኤርትራዊ ኣትለት (ዝያዳ 40 ወርቂ)፣ ዝበዝሐ መዳልያ ዝተሸለመ ኤርትራዊ (ዝያዳ 73)፣ ኣብ ቅልጣፈ ግዜ ሓሙሽተ ሃገራዊ ክብረ-ወሰን ሒዙ ዝርከብ፣ ወናኒ ፋልመይቲ ወርቂ መዳልያ ብኤርትራዊ ኣብ ጉያ መሮር (2007)፣ ወናኒ ፋልመይቲ ወርቂ መዳልያ ብኤርትራዊ ኣብ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ (2007)፣ ክብረ-ወሰን 10 ሽሕ ሜተር ኣብ ጸወታታት መላእ ኣፍሪቃ (2007)፣ ወናኒ ፋልመይቲ ወርቂ መዳልያ ብኤርትራዊ ኣብ ፍርቂ ማራቶን (2006)፣ ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ (4 ግዜ፡ ማዕረ ምስ ዮናስ ክፍለ)፣ 11 ግዜ ንውድድር ፍርቂ ማራቶን ብትሕቲ ሓደ ሰዓት ብምፍጻሙ ልዕሊ ዝኾነ ኣትለት ዓለም ነዚ መድረኽ ዝበሓተ ….. ወዘተ. ክብርታት ሓፊሱ ይርከብ።

ኣብ ያፍ ዝተመዝገበ ኣህጉራዊ ዓወታቱ ብመልክዕ መዳልያታት፤ ካብ 2002 ክሳዕ 2015 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ዓመታት 2003፡ 2006፡ 2007 ሓሓሙሽተ ወርቂ መዳልያታት፣ ኣብ ዓመተ 2011 ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያ፣ ኣብ ዓመታት 2010ን 2015ን ሰሰለስተ ወርቂ መዳልያታት፣ ዝተረፈ ሸውዓተ ዓመታት ከክልተ ወርቂ መዳልያታት ዓቲሩ። ከምኡ’ውን 21 ብሩርን 13 ነሓስ መዳልያን ጨቢጡ። ብድምር ኣስታት 75 መዳልያታት በጺሑ ይርከብ።

ሓሙሽተ ሃገራዊ ክብረ ወሰናት ብዘርእሰናይ ተታሒዙ ዝርከብ

5 ሽሕ ሜተር ብ12፡59.27 ደቓይቕ (ኢጣልያ 07/2006)፣

10 ሽሕ ሜተር ብ26፡37.25 ደቓይቕ፣

10 ኪ-ሜ ብ27፡24 ደቒቕ (ብርጣንያ 05/2007)፣

20 ኪ-ሜ ብ55፡21 ደቒቕ (ፖርቱጋል 03/2010)፣

ፍርቂ ማራቶን ብ58፡23 ደቒቕ (03/2010) – ንሸሞንተ ዓመታት ዓለማዊ ክብረ-ወሰን ዝነበረ እዩ።

 

 

* መኽሰብ ደበሳይ (ዝተወለደሉ 1991) – ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ መኽሰብ ደበሳይ፥ ጎብለል ዙር ኤርትራ 2013፣ ሻምፕዮን ዙር ኣልጀርያ 2014፣ ሻምፕዮን ዙር ካሜሮን 2014፣ ኣንበሳ ዓቐብ ዙር ርዋንዳ 2014፣ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ ዓመተ 2014፣ ኣባል ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ክሮኖ-ሜትር 2015፡ 2018፡ 2019፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖ-ሜትር 2017፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ብውልቂ ክሮኖ-ሜትር 2018፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ውድድር ጽርግያ 2019 … ዓወታት ዝዓተረ ኣትለት እዩ።

ዙር በርኪናፋሶ 2015 ካብ መንእሰያት ካልኣይ፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖ-ሜትር 2014 ካልኣይ፣ ዙር ብሊዳ ኣልጀርያ 2015 ቀዳማይ፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2016 ሳልሳይ … ናብ ፖድዮም ካብ ዝደየቦም ውሑዳት እዮም።   

 

 

* መርሃዊ ቅዱስ (ዝተወልደሉ 1994) – ኣንበሳ ዓቐብ ዙር ጋቦን 2013፣ ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ተዓዋቲት ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2015፣ ቦኽሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተሳታፊ ውድድር ዙር ፈረንሳ 2015፣ ዙር ዖማን 2017 ካብ መንእሰያት ቀዳማይ፣ ተሸላዊ ብሉጽ ኤርትራዊ ስፖርታዊ ኑማ 2017፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ውድድር ጽርግያ 2018፣ ሻምፕዮን ዙር ሩዋንዳ 2019 … ጋማ ዓወታት ዝጨበጠ፣ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ዙር ዓለም (ፈረንሳ፡ ስጳኛ፡ ኢጣልያ) ዝተወዳደረ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ እዩ።

ኣብ ዙር ኤርትራ 2013 ኣብ ዓቐብ፡ ሓፈሻዊ ግዜን መንእሰይን ካልኣይ፣ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2013 ሳልሳይ፣ ዙር ማለዥያ 2014 ብሓፈሻዊ ግዜ ካልኣይ፣ ዙር ዖማን 2016 ካልኣይ ካብ መንእሰያት፣ ዙር ስዊዘርላንድ 2016 ሳልሳይ ካብ መንእሰያት፣ ሻምፕዮን ኤርትራ ክሮኖ-ሜትር 2016 ሳልሳይ፣ ዙር ቫለንሺያና ስጳኛ 2017 ካብ መንእሰያት ካልኣይ፣ ሻምፕዮን ኤርትራ 2017 ሳልሳይ፣ ቮልታ ቫለንሺያና 2018 ካብ መንእሰያት ሳልሳይ፣ ዙር ዖማን 2018 ካብ መንእሰያት ሳልሳይ … ገለ ካብቲ ናብ ፖድዮም ዝደየቦ እዩ።

ብፈደረሽን ብሽክለታ ዓለም ጥራይ ዝምዝገብ ፕሮፌሽናል ውድድራት፡ ካብ 2012 ክሳዕ መወዳእታ 2018፡ ኣብ ውሽጢ 394 መዓልታት ውድድር፡ ብጠቕላላ ኣስታት 63,610 ኪሎ-ሜትር ተጓዒዙ። እዚ ማለት፡ መዓልታዊ ኣስታት 161.44 ኪሎ-ሜትር እዩ። ካብ 2014-2018 ሽዱሽተ ግዜ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት ዓለም (Grand-Tours) ማለት፡ ዙር ፈረንሳ (2015)፡ ዙር ኢጣልያ (2016)፣ ዙር ስጳኛ (2014፡ 2016፡ 2017፡ 2018) ተቐዳዲሙ ይርከብ፣ ከምኡ’ውን 4 ክላሲክስ።

 

 

ወልደሚካኤል ኣስገዶም /በርበረ (3 ግዜ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣብ 40ታትን 50ታትን)፣ ሳላምቢኒ ካርሜሎ (5 ግዜ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ከምኡ’ውን ክልተ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ 1964ን 1968ን ዝተሳተፈ)፣ የማነ ተኸስተ (5 ግዜ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ)፣ ዮናስ ዘካርያስ (3 ግዜ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ)፡ ሃብተ ወልደስምኦን (3 ግዜ ጎብለል ዙር ኤርትራ)፡ ፍስሓጽዮን ገብረየሱስ (3 ግዜ ኦሎምፒክ ዝተወዳደረ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣብ ‘64፡ ‘68ን ‘72ን)፣ ነብያት ሃብተማርያም (ዝበዝሐ ኦሎምፒክ ዝተሳተፈት ኤርትራዊት፡ ካብ ኩሉ ጾታ፡ 5 ግዜ)፡ ዮሃንስ ዘሚካኤል (ፋልማይ ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ኲዕሶ እግሪ)፣ ይድነቃቸው ሽማንጉስ … ዝኣመሰሉ ናይ ዘመኖም ብሉጻት ስፖርታውያን’ኳ እንተ ነበሩ፡ ዳርጋ ኩሉ ዓወታቶም ኣብ ሃገራዊ መድረኻት ጥራይ ዝተወሰነ ወይ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ከምቲ ዝድለ ዓወታት ዘየምጽኡ ብምዃኖም፡ ምስ’ዞም ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት — ምስ ብሉጻት ስፖርታውያን ዓለም ተወዳዲሮም — ብቕዓቶም ዘመስከሩ ኤርትራውያን ክምድቦም ርትዓዊ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን።

ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፡ ናትናኤል ብርሃነ፡ መኽሰብ ደበሳይን መርሃዊ ቅዱስን ናይ ኩሉ ግዜ ዝበረኹ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት እዮም። ዘንጊ ሰንደቕ ዕላማ ሃገሮም ከበርኹ ወትሩ ምስ ተመነዩን ጸዓሩን እዮም – ይሰምረሎም ድማ። ሃንቀውታ ህዝቦምን ኣፍቃሪኦምን ከርውዩ ምስ ተማወቱ’ዮም – ይኾነሎም ከኣ። ዘርእሰናይ ኣብ ኦሎምፒክ ኣቴንስ 2004 ንኤርትራ ፋልመይቲ መዳልያ ምስ ኣግዘማ መን ዘይተኸየፈ! ዳኒኤልን መርሃውን ኣብ ዙር ፈረንሳ 2015 ናይ መጀመርታ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ዝሳተፉ ዘሎዉ ምስ ተባህለ መን ዘይተሓበነ! ኣብ’ቲ ውድድር ዳኒኤል ናይ ዓቐብ ማልያ ምስ ወደየ መን ዘይሰኸረ! ናትናኤል ዙር ጋቦንን ቱርክን ኣፍሪቃን ሻምፕዮን ምስ ኮነ መን ብብራኸን ዘይጸዓድ መንፈስ ደቂ ሃገሩን ዘይኮርዐ! መኽሰብ ደበሳይ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ኣፍሪቃ ምስ ተባህለ መን ብተኸታታሊ ዓወታት ኤርትራውያን ዘይዓገበ! እዚኦም ውህደት ቀስተደበናዊ ሕብርታት እዮም። ካልኦት ውልዶ’ውን ክውሰኹዎም ምዃኖም ኣይጠራጠርን። 

 

ምንጭን መወከስን፤

https://www.procyclingstats.com

https://www.iaaf.org/athletes

http://www.shabait.com/haddas-ertra

መጽሓፍ ‘ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ 1939-2011’ መዋእል መሃንሾ

 

AMAN TEKESTE WEL.

 

23/03/2019

 

 

home
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጋቢትን መጋቦን
Next Article ጭልፋ ንሌላ መጽሓፍ ምጽኦተ ሰይጣን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Abraley on April 17, 2019 3:29 pm

    Well said

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?