Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ናይ ሳዋ መዳቕስትና- ኣበይ ኣሎ፧ ኣበይ ኣላ፧

ናይ ሳዋ መዳቕስትና- ኣበይ ኣሎ፧ ኣበይ ኣላ፧

0
By Mekonnen T. on August 14, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ድሕሪ ክልተ ቅነ …ካብ መዘክረይ ቁ.8…

ወይኒ ሱሌማን

ሰንበት 7 ነሓሰ 2011

ናይ ሳዋ መዳቕስትና- ኣበይ ኣሎ፧ ኣበይ ኣላ፧

” ኣንቲ… ኣለኺ ኣብዛ ‘ስመራ። ኣነ ድኣ ቀደም ወጽያ ትኸውን ኢለ።” ኣነውን ፍጹም ተጋጢምና ዘይንፈልጥ ብምዃና፣ ኣብ ኣስመራ ብዓቢኡውን ኣብ ኤርትራ ኣላስ ኣይበልኩን። ግምተይ ምስ ኣዕለልክዋ። ክልቴና ገሪሙና። ታሪኽ ዓለም ዝተቓለሱ’ምበር ዝሃደሙ ከምዘይተዓወቱ የዘንቱ። ዘመና ግና ገንጫር’ዩ። ኣርባዕተ መዓልቲ ይገብር ከተማ ኣማስየ ንገዛ እናተመለስኩ፣ ኣብ ከባቢ ማክላይስ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ኣብ ሳዋ ጓል መስረዐይ ንዝነበረት ፌቨን ረኺበያ። ዎዮ ከምቲ ዝበሃል ግዲ ኮይኑ ” ፍቕሪ ሳዋ ክሳብ ፎርቶሳዋ” ድሕሪ ካብ ሳዋ ምውጻእና ሓንሳብ ረኺበያ ነይረ። ትማሊ ከኣ።

” ሎሚ ከምኡ እዩ ዘሎ። ኩስቶ ኣቤሎ ኣይትብልን ኢኻ” ኢላትኒ ፌቨን ኣብ መንጎ ዕላልና ብናይ ምስትምሳል ቃና። ፋሕብትን ኣእትዩልና ዘሎ ሽኩሽኳ ዶ ፣ ኩሉ ወጽዩ ድሕሪት ተሪፍና ዝብል ስምዒትዩ ኣቓዚንዋ ግና እንድዒ…፧

ስምዒትካ ይኹን ስምዒት ኣብ ከባቢኻ ዘለው ሰባት ከተንበበሉ ዘይትኽእል እዋን ኣለና። ሩዑ ጠቕሊሉ ሃጽ ዝብል ድሕሪት ዝገድፎ ዘሎ ዘይትካእ ኩለንትና ምንም ከይዓጠጦ፣ ብታሕጓስ ድዩ ረስኒ ከይብተን እናተሻቐልካ ኢኻ ተጣቕዓሉ። ተሓጊሰለኹሞ ንጸንብሎ ‘ብለካ። ተጣይሰ! ኣይውዕል ኣይሓድር ፓስፖርት ኣውጺአ እግረይ ናብ ዝመርሓኒ’የ። ቪዛ ኣህሪሙ ናይ ዝነፍጽ ክንደይ ድግስ ተኻፊለለኹ መስለኩም። ሓቂ ምንግጋር ዝፈልጥ ባህልን ልምድን ስለዘየዕበየካ ሱርካ እናተበርቖቐን እናተስኣኣንካን ተጣቕዕ በስ፧ ክሳብ እዋንካ ኣኺሉ ንስኻ’ውን ከምኡ ትገብር። ስምዒት’ቶም ምሳኻ ሻሂ ክሰትዩ ኣማስዮም፣ ጽባሕ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን ኣትዩ ዝብሉኻ። ካብ ኢድካ ምሉቕ ኢሎም ዝጠፍኡ ኣዑናቚ-ፈትውትን መቕርብን፣ ብስእነቶም ትዕነዶ! ትወድቆ! ውሽጥኻ ዝብተኾ! ንኹልና ዝኸውን ግዜ የምጸኣልና ከውግዑና ከነውገዖም።

ሕጽረት ትንፋስ ናብራ እኹል ምኽንያት ሃጽ መበሊ ኳ ተኾነ። እተደባለቐን ዘይርጉእን ስምዒት ኩልና መስመር ቀይሕ መብራህቲ ኣርጊጹና ዘሎ ይመስለኒ። ዘይንቡር ገልታዕታዕ ፈቐድኡ። ናይ ረኣዩለይ ሓጎስ፣ ናይ ሓሶት ፍሽኽታ፣ ጸዓትካ ዘጸንቅቕ ህልኽን ውድድርን ኣብ ቀንጠመንጢ።

ሰበይ ምድረሰማይ እኩት ኢላታ ብጸበባ ከተዕልል እንከላ፣ ” ንሕናስ ኣብ ፋሚልና …ኢሉ ዝጅምር ሕልና ዘዕርብ ቆልዓዊ ናይ ጽቡቕ ኣለና፣ ወይልኹም ንስኹም ዝዕላሉ ሰብ ውን ኣሎ። ኣነ’ኳ ዳርጋ ደንዚዘ ግዲ ኮይነ ለሚደዮ እየ። ነዚ ኣካውናና እናከስተውዕል። ጋዝ ተሸጊርና ወላ ላምባ ከኣ ስኢና። ተራ ዕላልዩ ኣብ መንጎኻ። ዎዮ ኣብ ሪጋ ሓዲርካን ውዒልካን ዘይተረኽበ ላምባ መለክዒ ደረጃ መነባብሮ ተረኺቡለይ…

” ንሕናስ ኣምላኽ ይመስገን ፔርሙስ(ናይ ላምባ መኸሸኒት ጸብሒ) ከማን የብልናን።”

ኢሎም ምስ ዘዕሉሉኻ  ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ….ነቲ ሃዋሁ ዝልክዕ ምስላታት ካብ ምድላይ ሓሊፍካ ትገብሮ ኣይህልወካን።

” ነናትና ሰለስተ ላፕቶፕ ስለዘለዋና ኤለክትሪክ ኣብ ትመጸሉ በቢ ሪጋ ቻርጅ ጌርና ኢና ንጥቀም።” ልቺ ጠፊኣ ከተዕነንዩ እንከለኹም ፊልም ኢና ንርኢ ዝዓይነቱ እዩ። ኢንተርነት ጸባ ደርሆ ኣብ ዝኾና ኤርትራ ካብኡ ዝኸይድ ኣጋልግሎት ብዘይትረኽበለን ላፕቶፕ ኣብ ልዕሊ ወገንካ ትንየት።

ናይ ገሊኡ እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና እዩ። እንታይ ኮይንና ኣሎና፧ እንታ’ዩ ጸገምና፧ ናይ ኩልና ጸገም ድዩ ኸ፧ ንግጠምዶ ንህደም፧ ደው ዘብልን ዝሓትትን ዘይብሉ ተብተብ ኩልና ናብ በበይኑ ክዉንነት። ንጸገም ኤለክትሪክ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኣሕዋትና ብዝለኣኹልና ላፕቶፕ ኣቃሊልና ጽቡቕ ኢና ዘሎና ኢሉ ምስ ዘዕልልካ መዘና፣ ዝረብሕኳ እንታይ ከይትገብር እታ ናይ ውሽጥኻ ኢሂን ምሂን ግና ትሕረመካ።

” ኣንቲ ኣለኺ ኣብዛ ‘ስመራ፧”

ሓሚቕኪ ማለታዶ ይኸውን ፌቨን፧ ኣበሃህላኣን ኣጠማምተኣን ኣብ ሓሳበይ መላሊሰዮ፣ ኣይተረድኣንን። ክግምት ግና። እንታይ ትገብሪ ኣለኺ እዩ ዝኸውን። መን ይፈልጥ ቁሩብ ተሓጒሳ ነይራ ትኸውን ውን፣ ካብ ደቂ ዙራ ሰብ ምርካባ፧ ሎሚ ስሕት ኢልካ ንጣር ብገለ ኢኻ ካብ ደቂ ዙርካ ትረክብ። ንግዚኡ ዘጸናንዕ በይነይባ ኣይኮንኩን ዝብል ስምዒት ክፈጥረላ ይኽእል እዩ።  ለቕዊሱ እምበር እዚ ሕልፈትና።

*    *     *

ድሕሪ ምዕጻው ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ናይ ፈለማ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርታት ናብ ቤት ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ ዝወረድና ኣባላት 17 ዙር ኢና። ንዝነበረ ኣተሓሕዛ፣ ምትእትታው ሓድሽ ካሪክለም ትምህርቲ ዘስዓቦ ገልጠምጠም ሰፊሕ ትንተና ከድሊ ስለዝኾነ- ኩነታትና ንመፈተኒ ሓድሽ መድሃኒት ከምእተዳልዎ እንስሳ እዩ ነይሩ። መቐጸልታ ናይቲ ሰኣን ንጹር መመርሒ ዝገላበጥ ዝነበረ ኣካይዳ። ኣብቲ ፈለማ ተተሓሒዝካ-ሕማቕካ ንፉዕካ ንማይነፍሒ ዝተባህለ ኣባል 17 ዙር ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2004 ማይነፍሒ ንምኻድ እናተሸባሸበ እንከሎ፣ ኣኣብ ምምሕዳራት ከተምኡ ንሳዋ ተመለስ ዝብል ምልክታ ተጻሒፍዎ። ኣወዳት ዓሊግድር ኣብ ዓጺድ ቀንዮም ድሕሪ ምምላሶም ከኣ ተመሃራይ ኣብ መርመራ መልቐቒ ካልኣይ ደረጃ ናይ ዝረኸቦ ነጥቢ ተነጊሩ። ነጥቢ ዝረኸበ ንማይነፍሒ ዘይረኸበ ንኣፍሂምቦልን ኣደርሰርን ምስ ተፈናጨለ። ዝበዝሑ ብፍላይኳ ኣወዳት ስግረዶብ ከይዶም። ሰሪ’ዚ ኣብ ሳዋ ዝነበረት ኩላ ሮምዮን ጁሌትን ናብ  ማይነፍሒ ሲንግል ይብሉ እንግሊዛውያን ሲንግል ኮይና መጽያ። ካብ ዙር ናብ ዙር ምጽርራፍን ምልግጋጽን ስለዘይተርፍ ገለ ተረጋማት ኣባላት 18 ዙር፣ ንኹልና ብምኽንያት ስግረዶብ ዝሰንገልና ተመሃሮ 17 ዙር ” ኣንስቲ ስዉኣት ” ዝብል ሳጓ ኣጠሚቐናና ምንባረን ይዝክር።   ካብ ተራ ዋዛ ዓርከ መዘና ዝኸይድ ትርጉም ስለዘለዋ ከዕልለላ ትጎድኣንን ተገርምን ኣገላልጻ እያ።

” ዑስሜ ክንደይ ትሓስም

ኣንታ ክንደይ ትሓስም

ክንደይከ ትጭክን

‘ና ፈለጥካዮ ዝልበይ ከመይ ከም ዝኸውን

ንዓጺድ ትውስን ”

 

ድሒሩ ንዝሰዓበ ፍጹም ምፍልላይ ዘይተገንዘባ ኣፍቀርቲ፣ ኣወዳት ንዓጺድ ተወሲዶም፣ ምስ ጸሓይ ሳዋ ጸጸረ እናኣረኻ ብዘይ ሓበሬታ ሕልምልም ምስ ኮነ። መረርአን ናብ ሚኒስተር ትምህርቲ እቲ እዋን ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝገልጻላ ዝነበራ ናይቲ እዋን ፍቕራዊት ደርፊ ፌቨን ጸጋይ እያ።

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ጐስዒ ባሕሪ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?