Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ናይ መወዳእታ ንብዓት

ናይ መወዳእታ ንብዓት

0
By Mekonnen T. on February 15, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣብ 4ይ ዓመት ውድድር ዛራ ገጠምቲ፡ ናብ ውድድር ካብ ዝተላእካ 42 ግጥምታት ቀዳመይቲ ዕውቲ ግጥሚ ተሸላሚት 300 $ ዶላር ዝኾነት ዮሃና እንቋዕ ሓጎሰካ ገጣሚ ።
ናይ መወዳእታ ንብዓት
መርድእ ፋንዋ፡ ቅብጸት ቅድሚ ሕልፈት
ካብ ወዲ መኻን፡ ሕሩም ሽታ ሓመድ
ኣሰር ኣልቦ ሳጋሚ፡ መራግጾኡ በረድ
ጉዕዞ ዝባን ሑጻ፡ ኣብ ወርወርታ ረመጽ
መሓውርን ኣሰርን፡ ኣሕቢሩ ዝውሕጥ
ኣሰሩ ሽታ ማይ፡ ብራርያ መረበት፣
ኣይተናድዪ ኣሰረይ፡ ኣይትናፍቒ በቃ
ኣይትበኣስዮ ግዜ፡ ንዝተሃሞኸ ተስፋ፣
መስ ወደቐ ስጋ፡ ሓመዱ ካብ ሰኣነ
ኣይወለድክንን ወላዲተይ፡ ደጊም ኣይንደላለ፡
ማህጸንኪ ክሓድዮ፡ ዕትብተይ ክዓብስ
ጓጓኺ ረግጢ፡ ሰራውረይ ክብንቁስ፣
ቃንዛ ናፍቘት፡ መሰነይታ ዕድመ
ዝናብ ንብዓት፡ ከም ህጡር ሓምለ-ሰነ
ኣንቃዕሪረ – ናፊቐ – ስቓይ ጐሲመ
ቤትና ሓሊመዮ፡ ኣብ ዘየሕልም ግዜ፣
ወሓይዝ ንብዓት፡ ካብ ኣዒንትኺ ዝረገፈ
ብረስኒ ስቓይ፡ ገሪሩ ምስ ሃፈፈ
ናብ ሰማይ ተመርቂፉ፡ ዝሒሉ – ከቢዱ
ናብ ምድሪ እንክንቆት፡ ደበና ጓሂ ከዲኑ
ካብ ንብዓት ማህጸናት፡ ብሽታ ከለልዮ
ፍትሓት ጸዊዐ – ‘ንብዓት ኣደይ’ ክብሎ፣
ናሕሲ ህዋ ኣሚነ፡ ከዕርገለይ ንሰማይ
ብሃረርታ ንብዓትኪ፡ ወዲአ’የ ንብዓተይ፣
ግዲ፡ ዓይኒ ውዑይ ንብዓትኪ ተደፊኑ
ስትዮ ሰጊሩ፡ ኣብ ጽምኦ ደው ኢሉ
እምበር – በቲ ፍቕሪ ዘቑሓመኒ ማህጸን
በቲ ውሻጠ ባህታይ – ጓጓ ሰፊሕ ዓለም
ካብ መንጫዕጫዕታ ሰማያት ምፈለኹዎ
ሽታኡ መጢጠ፡ “ደሓን ኩን” ምበልኩዎ፣
ምስ እምባ ዕዳይ፡ ምስ እምባ ልግስኺ
ንመወዳእታ ነቢዐ፡ ንመወዳእታ ከቕብጸኪ፡
ስለ ዘይክእሎ ግን፡ ክነብዕ እየ’ሞ
ንዓስኺስ ይትረፍኪ፡ ንነብሰይ ደኣ ይግበሮ
‘ቻው’ ወላዲተይ – ኣይትጸናጸኒ ማህጸን
ምርኩስ ኣይተናድዪ፡ ተመለኽሉ ንእርጋን
ርሑቕ እየ ዘለኹ፡ ከም ኣብ ካልእ ፕላኔት
ጋህሲ ኣሎ ኣብ ቅድመይ፡ ሃንቀውታ ዝውሕጥ
የለኹን ኣብ ዓለም፡ ‘ወሊደ’ ኣይትበሊ
ድሕሪ’ቲ ስቱር ሞት፡ መርድእ ኣይትጸበዪ፣
ብገጣሚ 888

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleፍቕራ ፍቕርኺ
Next Article ምስሊ ነብሰይ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?