Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Friday, May 9, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ናይ ሎሚ ናይ ኣፍርቃ ኩሻውያን

ናይ ሎሚ ናይ ኣፍርቃ ኩሻውያን

0
By Mekonnen T. on January 12, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብዛዕባ መፈጠር ወዲ ሰብ ናይ’ዚ ግዜ’ዚ ዓውደ ፍልጠት ኣቕሪቡዎ ከም ዘሎ መረዳእታ’ኳ መፈጠር ወዲ ሰብ ብመሰረቱ ኣብዚ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃና ምዃኑ እዩ። ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንሰሜን ኣቢሉ እናተጓዕዘን እናተዘርግሐን ከኣ፡ ንእስያ፡ ን ኤውሮጳ፡ ንኽፍለ ዓለም ኣመሪካ ተዘርግሐ።
ስነፍልጠት ከጣልሎ ካብ ዝኸኣለ ክሳዕ ሎሚ ተበጺሑ ዘሎ መረጋገጺ መፈጠር ወዲ ከምቲ ዝእመን ዝነበረ፡ ኣብ እስያ ዘይኮነ ኣብ ኣፍሪቃ እሞ ድማ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እዩ። ክሳዕ ሎሚ ኣብ ዘሎ መረዳእታ ከኣ ናይ ወዲ ሰብ ናይ መዘራግሖ ማእክል ኣፍሪቃ ኢዩ ኔሩ።
ካብ ኣፍሪቃ ነቒሉ ናብ ዓለም ካብ ዝተዘርግሐ ዓሌታት ወዲ ሰብ ከኣ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዘበናት ስልጣነ፡ ሓድሽ ናይ ዝርግሐ ምዕራፍ ጀመረ እሞ ስልጣነ ዚፈልጡን ዝረኣዩን ካውካዝያውያን ናይ ማይ ኣይሂ ያታኦም ሒዞም ንዓለም ተዘርእዋ። ሓደ ክፋል ናይዚኣቶም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ንደቡብ ገጹ ከም ዝተኻዕወን ኣብ ዝተፈላለየ መዋዕልን ብዝተኸታተለ ማዕበላትን ከኣ ንምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ዝተዘርግሐን ይፍለጥ።
ዝኾነ ባህሊ ወይ ቋንቋ ይቀበሉ፡ ናይ ሎሚ ናይ ኣፍሪቃ ኩሽ፡ ካብ ምብራቕ ኒል ክሳዕ ዝባናት ግብጺ፡ ካብ ኡ ንደቡብ ኣቢልካ ንኖባ ክሳዕ ምብራቕ ሱዳንን ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልን ክሳዕ’ቲ ዓበይቲ ኤኳቶሪያዊ ቀላያትን፡ ታንዛንያን ክሳዕ ቀላይ ኣልቤርቶን፡ ብምብራቕ ክሳዕ ኣኽራናት ኬንያ ወዘተ . . . . ኣጣሚሩ፡ ክሳዕ ኒጀር ደሴታት ዝሓዘ እዩ።
ከም ኣከፋፍላ ሊቃውንቲ ከኣ
ሀ. ታሕተዋይ ወይ ናይ ደቡብ ኩሽ፡ ምናልባት ነቲ ቀዳማይ ሰገማዊ ማዕበል ዝውክል።
ለ ላዕለዋይ ወይ ቀንዲ ኩሽ፡ ነቲ ካል ኣይ ሰገማዊ ማዕበል ዚውክል። ኣውራ ገለ ክፋል ናይዚ ኩሻዊ ጨንፈር’ዚ እዮም ከኣ ምስ ደቡብ ዓረባውያን ፍጹም መጽዮምን ኣሕቂቖምን ሴማዊ ባህሊ ብምውራስ ሓበሻ ዝተባህሉ።
ሐ ስሜናዊ ኩሽ ነቲ ዝደሓረ መዋእል ስገማ ዝውክል።
መ ኣብቲ 2ይ ስገማዊ ማዕበል ምስ ጸለምትን ኒላውያንን ብዝገበሮ ዝያዳ ምትሕውዋስን ምድቕቓልን ዝተፈጥረ ሓደ ካልእ ራባዓይ ክፋል ወዘተ እዮም። ብቛንቋታቶም ዘይኮነ ኣብ ኣርባዕተ ዝኽፈሉ ከኣ መሸከሎም እዉን ልሉይ ዝኾነ መንነት ኣለዎም። ኣብ ወውሽጦም’ውን ነብስ ወከፎም ኣብ ብዙሓት ቋንቋኣዊ ጉጅለታት ይኽፈሉ።
ሓፈሻዊ ኩሻውያን
“ሰብነታዊ ፍሉይ መለለዩ ጠባያት ግን፥- ከደራይ ሕብሪ ቖርበት ብዘይካ’ቶም ሰሜኖት ቀቢላታትን ገለ ምሒር ንምዕራብ ዘበሉን ከኣ ዘለግ ዝበለ ቁመት፡ ዕጥርጥር ዝበለ እንተኾነ ግን ካብቲ ናይ ጸለምቲ ዝወሓደ ምትዕኹላል ዘለዎ ጻምራዊ ዘይኮነ ጸጉሪ ርእሲ፡ ዝነኣሰ መንጋጋን ዝነውሐ ቅርቅርትን፡ ሓፈሻዊ ኣሰራርዓ መሸከል ናብቲ ካውካዝያዊ ዝተቐራረበ፡ ብፍላይ ምስቲ ማእከላይ ባሕርያዊ ዝጽብጸብ እንተኾነ ከኣ ኣብቲ ናይ ኣፍንጫ፡ናይ መኻፍቲ ኣፍ፡ ናይ ጉንጪ ቅርጽታት ውሑድ ዘይኮነ ጸሊማዊ ነግሮይድ ተምሳል ዘለዎ”
ይብል ካርሎ ከንቲ ሮሲኒ
ተባሂሉ ዝንገረሎም ኩሻውያን ኣበየናይ ደረጃ ስልጣነ በጺሖም ከም ዝነበሩ ዘረጋግጽ ኣሰራት ገና ኣይተረኽበን ብጀካ እቶም ምስ ግብጺ ዝዳወቡ ሰሜኖት። ሓያሎ ካብዚኣቶም ምስ ጥንታዊት ግብጺ ዚተኣሳሰርን ምስ ኡ ዝግለጽ ታሪኽን ስልጣነን ነበሮም።
ገለ ካብ ሰሜኖት ኩሽ ከኣ ብ 750ዓም ኣቢሉ ንግብጺ ሓዙ። ሓንቲ ናፖቲ እትበሃል ከተማ ማእክሎም ጌሮም እዉን ንግብጺ ገዝ ኡ። ካል ኦት ኣብ ስልጣነ ዝበጽሑ ኩሻውያን ክሳዕ ራብዓይ ክፍለ ዘበን እዉን ዝጸንሑ፡ እቶም መሮወ እትበሃል ስልጥንቲ ማእከል ዝነበረቶም ናይ ሰሜን ምብራቕ ሱዳን ኩሻውያን ነበሩ።
ብሰሜን ብደቡብ ምናልባት’ውን ብምብራቕ ንዝነበሩ ከም “ግእዝ፡ደዋዖት፡ላዚነ፡ ዓጋመ” ወዘተ ዝበሉ ተረርትን ዓበይትን ህዝብታት ጨፋሊቑ ግዝ ኣተ-ሃጸዩ ዘስፋሕፍሐ እሞ፡ ነዚ ፍጻመ’ዚ ኣብ ሓወልቲ ኣዱሊስ ዝሰነዶ ንጉስ ሓበሻት “ዶበይ ክሳብ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብጻሕኩዎ” ዚብል’ኳ ክሳዕ ዶብ ግዝ ኣት መሮወ ስለዝደፍ አ ጥራይ እዩ።
ናይ ሎሚ ኩሻውያን ኣውራ ኣውራ ጽዒቖሙሉ ዚርከቡ ዞባ ዓለም፡ ቅድሚ ኢሉ ከም ዝተዘርበሉ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እዩ። ካብ ዝኾነ ዞባ ጎሊሑ ብዚልለ ከኣ ኩሻዊ ህዝብታት
ኣብ ሶማል
ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ኤርትራ
ኣብ ሱዳን
ይርከቡ። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን፡ እቶም ዝተጠቕሱ ኣርባዕተ ክፋላት፡ እንተ ተደባሊቖም ብሓባር ኣብ ናይ ካልእ ዓሌታት ባህሊ ብምእታው ይኹን ገለ ካብ ቋንቋታቶም ብምዕቃብ፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ብምሉኦም ወይ ገለ ካብኦም ተዘርጊሖም ይርከቡ። ቆጺርካ ብዘይ ወዳእ ድሒሩን ቀዲሙን ብዝተቐብሉዎ መጸውዕታት ከኣ ይስመዩ። ኣብ ኤርትራ ን ኣብነት ክፋላት ናይቶም ሰለስተ ጨናፍር ኣብ ልዕሊ ካል ኦት ውሑዳን ዓብሊሎም ስለዝርከቡ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ምድረ ኩሽ ኢያ።
ካብ ግብጺ ተቐቢሎም ካል ኦት ህዝብታት እዉን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ “ኩሽ” ዚብል ቃል፡ ዕብራውያን እውን ግብጻዊ ባህሊ ከም ዝመጸዩን ዝተለቅሑን መጠን። ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ኣሒዞም ከም ዘዝውትርዎ ይፍለጥ። ወላ’ኳ ኦሪት ዘፍጥረት ከም ስመ ተጸውዖ ናይ ውልቀ ሰብ ጌሩ ዘቕርበልና እንተኾነ፡ ኣብ ግእዛዊ ትግርኛ እውን “ኩሳ” ከምዝበሃል ምስ ትርጉማቱ ተጠቒሱ ኔሩ። ዕብራውያን ብዙሕ ካብ ግብጺ ዝተቐበሉዎ ኣስማት ከም ዝነበሮም ምእንቲ ምእማት እዉን ውሑድ ኣብነታት ኣብ ቦታኡ ተጠቒሱ ኔሩ። ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ክንረኽቦ እንኽእል ውሑድ(ታሪኻዊ) ሓበሬታታት ዳርጋ ኩሉ ብግብጺ ኣቢሉ ዝመጽኦም ልባስ ስለዝኾነ ክሳዕ 3ይ ዘበል ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዝተጻሕፈ ዘበለ ቅዱስ ጽሑፋት ብኸምቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት እታ ኩሽ ትብል ቃል ትዝውተርን ትጸሓፍን ነበረት።
ብ336 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ምስ እስክንድር ዓቢ፡ ጽር ኣዊ ወይ ግሪኻዊ ስነ ጽሑፍን ባህልን ናብ ዓለም ተዘርጊሑ ምስ ዓብለለ ግን ዕብራውያን እዉን በዚ ተጸልዉ። 70 ሊቃናት ብዝብል ዝፍለጡ ናይ ሽዑ ሊቃውንቲ ከኣ ንቕዱስ ጽሑፋት መብዛሕትኡ ናይ ሽዑ ዓለም ምሁር ናብ ዝጥቀመሉ ናብ ግሪኽ ተርጎሙዎ። ኩሽ ትብል ዝነበረት ቃል ከኣ ብግሪኽ ኢትዮጲስ ተባሂላ ተተጎመት። መብዛሕት ኡ ካብ ግሪኽ ኣብ ዝተተርጎመ ናይ ግእዝ ቅዱስ ጽሑፋት ከኣ ከም ዘላቶ ብግሪኽ ኢትዮጵስ ተባሂላ ተሪፋላ።
ካብ ነዊሕ ጥንቲ ኣትሒዙ እምበኣር ሓደ ካማዊ ዝተባህለ ሕመረተ ሰባት፡ ኣብ ዞባታት ማእከላይ ኤኳቶርያዊ ኣፍሪቃ ይነብር ነበረ። በብቑሩብን ኣብ ነዊሕ ዘበናትን ዝተፈጸመ ዝርግሐታቱ ከኣ መዋዕሉ ካብ ዘይተፈልጠ ርሑቕ ጥንቲ ኣትሒዙ ዳርጋ ንኹሉ ሰሜን ኣፍሪቃ ካብ ሳሃራ ክሳዕ ማእከላይ ባሕሪ፡ ካብ ደሴታት ካናርየ ክሳዕ ቀይሕ ባሕሪ ሓዘ። ጥንታዊ ካብ ዝኾነ ካብዚ ካብዚ ሕመረት ሰባት እዚ ከኣ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ኣብ ዝተፈላለየ መዋእላትን ብዝትፈላለየ ኣንፈተ ጉዕዞን ብተኸታታሊ ማዕበላት ንምብራቕ ገጾም ከዱ እሞ፡ ናብዚ ሎሚ ኩሻዊ ዞባ ኢልና እንጽውዖ ዘለና ኪበጽሑ ከኣሉ።
እዞም ጉጅለታት ወይ ሕመረት ሰባት እዚኣቶም ናብቲ ካብ ከበሳታት እናተሓተን እናገፍሐን ዚኸይድ ዓበይቲ ቆላታት ኣስፋሕፍሑ። ገሊኦም ምስቲ ጎቦታት ተጋጨው። ደየቡዎ እዉን። ካል ኦት ንባሕሪ ገጾም ኣበሉ። እንተኾነ መጓሰዩ ምድርታት ኣብ ምድላይ ከኣ ነንሓድሕዶም ተጎናኒፎም ተዋግ ኡን ተጻነቱን። ምናልባት’ውን ሓድሕድ ተተረኣኣሱ። እቲ ሓደ ነቲ ካልእ እናተከኦ ቦታ ተሓዳደጉ። ናይ ብዙሓት’ኳ ኣሰሮም’ውን ጠፍ ኡ። ገሊኦም ግን ኣብ ታሪኻዊ ሰነዳትን ጽውጽዋያትን ቁሩብ ይፍለጥ ይብል ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒ ኣብታ ብ 1913 ዓም ዘሕተማ መጽሓፉ።
ካውካዝያውያንን መሰልቶምን (ኒላውያን፡ ጸለምቲ) ይዝርግሑሉ ኣብ ዝነበሩ መዋእላት ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤስያ ከም ኡ’ውን ኣብ ኤውሮጳ፡ ነገደ ጥፍራርያ ወይ ድንኪት ዝተባህሉ ደቀቕቲ ፍጥረት ሰባት’ ስሑው ኢሎም ንዓለም ኪነብሩላ ጸንሑዎም’ሞ፡ እዞም ዝሓየሉን ጉልቡታትን ዳሕረዎት ከኣ ጠሓስዎምን ኣጥፉዎምን። ድንክታት ግን ጠፊኦም ኣይጠፍኡን። ብኸፊል ጥራይ እዮም በቶም ሓያላት ዝተመጽዩን ምስ ኣታቶም’ውን ዝተዳቐሉን።
በቲ ናይ መጀመርያ ጥሕሳን ጥንታዊ ምትሕውዋስን ህዝብታት ናይ ዝተፈጥረ ድብሉቕ ዓሌት ትርፍራፍ ኪውክሉ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ከኣ ከምቲ ኣልበርቶ ፖለራ ዝብሎ ገና ሎሚ’ውን ኣብ ገለ ዞባታት ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ውሽጢ ኩናማን ናራ መግረብን ወላ ድሕሪ’ቲ ምስ ካልኦት’ውን ዝተፈጸመ ምድቕቓላት ከይተረፈ በቲ ምጡን ዝሕጽረቱ ቁመቶም፡ ንተረፍ መረፍ ናይ’ቲ ጥንታዊ ዓሌት ብጽቡቕ ኪውክሉ ይኽእሉ።
ከምኡ ስለዝኾነ ንናራ ወይ ንኩናማ “ኩሽ” ኣይብልዎምን ተመራመርቲ። ካም’ውን ኣይብልዎምን። “ካም” ዝተባህሉ ህዝብታት ብዓንተቦ’ውን ከምቲ ልሙድ ዚእመን፡ ደቅ ሓደ ሰብ ኣይ ወይ ከኣ ሓደ ዝዓሌቶም ኮይኖም ዘይኮነስ ብጉጅለ ወይ ብስድራ ቋንቋታቶም እዮም። ኩሻውያን ኩሽ ዝተባህሉ ገለ ክፋል ካማዊ ቋንቋታት ዝዛረቡ ዝነበሩ ህዝብታት ኣብ ነንሓድሕዶም ምስ ካል ኦት ምሉእ ንምሉእ ብምድቓቓል ሓድሽን ፍልይ ዝበለን ዓሌተ ሰብ ኮይኖም ስለዝተቐልቀሉ እዮም። ናራን ኩናማን ከምቲ ዝተገልጸ ኣብቲ ቀዳማይ ምድብላቕ ስለዝተረፉ “ቅድመ ኩሽ” ብዝብል’ውን ይጽውዑ።
እቲ ዝዓበየ ካማዊ ወይ ካውካዝያዊ ህዝብታት ግን ዝርዝር ኣካውናኡ’ኳ ከምዚን ብኸምዚን ኪበሃል እንተዘይከኣለ ምስ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ፍጥረት ምድፍፋእን ምጽናትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ፍጹም ምትሕውዋስ እዉን ገበረ እሞ ፍረ ናይዚ ምትሕውዋስ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ጨንፈረ ሰብ ተቐልቐለ ይብል ካርሎ ኮንቶ ሮሲኒ።
ነዚ እዮም ከኣ ቀዳሞት ግብጻውያን “ኩሽ” ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ። ናይ ደቡብ ህዝቢ፡ ከደራይ፡ ካብ ጸለምቲ ጎረባብቱ ዝተፈልየ ሕብረ ቆርበት ዘለዎ ከም ማለት ከኣ ነበረ። ብኻልእ ኣዘራርባ ወዮ ኣቐድም ኣቢሉ ካውካዝያዊ ዝበሃል ዝነበረ ምስቲ ጸሊምን ካል ኦት ካውካዝያውያንን ነዊሕ ምትሕውዋስ ምስ ገበረ እቲ ኩሽ ዝበሃል ዘሎ ነብሱ ዝኸኣለ ፍጥረት ሰብ ኮይኑ ተቐልቀለ። ስለዚ እዩ ቅዱስ ጸሓፊ ነቶም ናይ ሽዑ ሰማዕቱ ብዝርድኦም ንኩሽ ከም ውልቀ ሰብን ከም ወዲ ካምን ጌሩ ዘቕርቦ።

* እዚ ጽሑፍ ኣብታ ፍርዱ ዘርእስታ ብዶክተር ኣባ ይስሓቕ ገብረየሱስ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ሰፊሩ ይርከብ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኤርትራ፤ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን፡ 1956-1962 ብኣለምሰገድ ተስፋይ
Next Article ምህሮ ወይስ ካብ ምህሮ ምሕሮ?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?