Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 29, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ናብ ዓርከተይ

ናብ ዓርከተይ

1
By Mekonnen T. on August 10, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደብዳቤኻ ኣንቢበዮ

ካብ ስግር ባሕሪ ዝሰደድካዮ

በል ሕዝ

ካብቲ ኩሉ ንሓንቲ ክምልስ፤

ሕቶኻ “ከመይ ኣለዉ ስድራ᎒”

ደብሪ ነቕኒቕካ ግዝፊ እምባሶይራ

ስድራዶ ኢልካ᎒!

እቶም ክልግሱ ኢዶም ዝቖርጹ

ኣፎም ገዲፎም ዘኾልሱ

ረጊሞም ዘብጽሑ ጸልዮም ማይ ዘፍስሱ፤

ዝለምለመን ዝመቀረን

እንቛቑሖ ኣርሕን ልግዐ ብተይን

ቅድመይ ንውሉደይ ዝብሉ

ንሶም ደኣ ኣዕቢዮም ኢዶም ከይተፈድዩ

ምንባብ ደብዳቤ’ኳ ከይከኣሉ

ገጽ ከባብን ንፋስን ኣንቢቦም ዝጸሩ

ኣለዉ ከይተዛረቡ ውዒሎም ይሓድሩ!

ብልጭ-ብልጭ ምስ በለ በርቂ ጥፍኣት

ህቦብላ ፈረስ ተሰቒሉ

ተሓምበለ ክብል ተዃሉ ኣኸቲሉ

ንዓኻዶ ምንጋሩ ተደልዩ

ገጽ ስድራ ንእለት ዓሚሉ።

ኣነ ድማ፡

ገጾም ይጥምት የፍርሃኒ

ዘረባ ኮይኑ’ሎ ብቕርኒብ ዓይኒ፤

ከይተዛረብኩ የንብብዎ ገጸይ

ንጠማመት ኣለና ዓርከተይ፡

ይምስሉ ከኣ’ባ ረሲዐልካ፤

“ዓርከትካ ክፍለ ፍቕሪ ቅበር

ውሉድካ ክፍለ ሃብቲ ቅበር”

እንከለኹ ምስኦም

ኣብ’ቲ ግርማ ገጾም ሃንቀውታ ይንበብ

ኣብቲ ቅርኒብ ዓይኖም ለውሃቶም ይሰርብ

እናሻዕ እምህለል ከይፈልጡኒ የምስል።

ቅርኒብ ዓይኖም ዘዋህለሎ ሰርቢ

እንተዘኒቡ ምእባድ ከይኣቢ

ዓይኒ ምስ ዓይኒ ኣይንጋጠምን

ተስፋ ከይስእኑለይ ኣይደንንን!

ንናሕሲ ህድሞና ብዓይኒ ይኸዶ

ከምዛ ዘይፈልጦ ይጥምቶ

ሓርከሙን ሰርዉኡን ይፈቓቕዶ።

ከመይ ኣለውዶ ኢልካ᎒

ከምዘይክወን የለን ተኻዊኖም

ነዚ እምባ ብመርፍእ የሕሊፎም

ይጥምቱኒ ኣበሪኾም

ከይሽቑረር ብኢዶም ደጊፎም

ጥሪት ዓዲ ክሕሉ ክሓቁፍ

ጭርናዕ ከይለግብወን ንኸናግፍ

ብቕናቶም ይሰርሑለይ ወንጭፍ።

ኣነ ድማ፡

ትርጉሙ ይኸብደኒ ብዘዘው ይዕዘም

በዓል ቀርኒ ህይወት ንሕልፈት ዝቕድም

ኣንጎልሒጡ እንከሎ ዘይሃድም ሕሰም

መዋእል ይቖጽሩ ምሉእ ተስፋ ሂቦም፡

(ንርፍራፍ ቅራፍዶ ምተረኽቦ መግደፍ

ብጨው ደፍደፍ ጠርቆም ኢልካ ሕለፍ)

ተጻዊሩ ከርሲ ስድራ

ኪኖ ሕርሲ ዘሎ መከራ ከም መረቕ ዝስተ ከርተት

ኣብ ገጾም ዘሎ ድርሰት፤

ስእሊ ባቡር ሓዲዱ

ውቑር መጥሓን ምስ ሓዲዱ

ቅርጺ ትኮም ንልቦም የማዕዱ

ሑዕ ከይበሉ ሰዓል ዘሰንብዱ ።

ንሶም ከይቆሩ ምስኦምየ ዝመክር !

ናብራ እዛ ዑንቂ ዓይና ከተስርር

ንዓኣ ሶሊኽካ ራህዋ ንኽትፈጥር

ብዓይኒ መርፍእ ሕለፍ እንተ ኢሎም ተ ኣምር

ብሓንቲ ለይቲ እየ ናብ ፈትሊ ዝቕየር

እንሆ ድማ ጾር ክልተ ከራግፍ

ዓይኖም ርእየ ብዓይኖም ይሓልፍ

በል ከምዚ ኢና ምስ ስድራ ነሕልፍ

እናተናበብና ኣለና ኣይትሰከፍ!

መለስ ንጉሰ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Article“ነዊሕ ምዕራፍ”
Next Article ኣቤት ክትዕሸዉ! ኢለዮም
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Anonymous on September 1, 2014 10:49 pm

    🙂 ft nj5’ë5´+6b ki296t85l-b srejg

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?