Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ቅኒት ብርዒ»ነገር ከም ገላጺኡ

ነገር ከም ገላጺኡ

0
By Mekonnen T. on May 24, 2018 ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ኣካል ናይታ ዝፈረሰት ዩጎዝላቭያ ዝነበረት ከተማ ሓደ ካህን ንሓደ ዝሓመመ ኣማኒ ኪበጽሑ ናብ ሆስፒታል ከዱ። ናብቲ እቲ ሕሙም ደቂሱሉ ዝነበረ ክፍሊ ኣትዮም ሰላም ክብልዎን ክሓትዎን እንከለዉ ሽሕ‘ኳ ኣብ ኣፉ ናይ ኦክስጂን ማስክ ስለ ዝተገብረሉ ክዛረቦም እንተዘይከኣለ ርእሱ ብምንቕናቕን ብኣዒንቱን ደሓን ከም ዘሎን ኩነታት ጥዕናኡ ከም ዝተመሓየሸን ኣረጋገጸሎም። እቶም ካህን ገለ ናይ ምጽንናዕ ምዕዶታት ክዛረቡ ምስ ጀመሩ ግና ብኡ ብኡ ኩነታት ጥዕናኡ ኪብእስን ኪጭነቕን ጀመረ።

ሰላም ዓሲልዎ ዚጸንሐ ገጹ ተረቢጹ በኣእዳዉ ገይሩ ገለ ክዛረቦም ይፍትን እኳ እንተነበረ፡ በቲ ቁልጡፍ ምብልሻው ኩነታት ጥዕናኡ ንሶም እውን ስለ ዝተረበሹ ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ክርድእዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መውዳእታ ብምልክት ብርዕን ወረቐትን ክህብዎ ስለ ዝሓተቶም፡ ሂቦሞ ሓሳቡ ብጽሑፍ ኪገልጽ እናፈተነ ተሰኒፉ ኣብ ሃለፍታ ኣትዩ ሞተ። እቶም ካህን እቲ ጽሑፍ ኑዛዘ እዩ ዝኸውን ኢሎም ሃዲኦም ኣብ ገዛ ምእንቲ ክርእይዎ ኣብ ጁባኦም ኣእትዮም ኣብ ውራይ ፍትሓትን ቀብርን ተጸሚዶም ውዓሉ።

ምስ መሰየ ንስድራ መዋቲ ብምስንባት ናብ ቤቶም ተመሊሶም ምስ ሃድኡ እታ ወረቕት  ስለ ዝተዘከረቶም ሃሰስ ኢሎም ኣንበብዋ። መልእኽታ ከምዚ እዩ ዝብል ነይሩ፡

” ነቲ ናይ ኦክስጅን መተሓላለፊ ቱቦ ረጊጽኮሞ ኢኹም ዘለኹም፡ በጃኹም ተኣለዩለይ. . .”

እዞም ካህን ነዚ ሕሙም ክበጽሕዎን ከጸናንዕዎን እዮም ከይዶም ነይሮም። እቲ ሕሙም’ውን ናቶም ምብጻሕን ምጽንናዕን ዚጸልኦ ኣይመስለንን። ኣብ ሞንጉ እዞም ክልተ ሰባት ዝኾነ ሕዱር ጽልኢ ኣይነበረን። ግን እቲ ዘጋጠመ ኣጋጢሙ።

*                                                               *                                                                   *

ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ሂወት ምስ’ዚ ዝመሳሰል ነገር የጋጥመና እዩ። ምስ መታዓልልትና ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ዘለና መርገጺ ብዙሕ ዘይፈላለ ክነሱ ሰኣን ህድእ ኢልካ ምርድዳእ ኣብ ዘየድሊ ምጥርጣርን ምርሕሓቕን ንበጽሕ።

እቲ ኣብ ሞንጎና ዝተፈጥረ ምፍልላይ ብዓቢኡ ቦታ ዕላልናን እንነብረሉ ሃዋሁን ዝጸለዎ እኳ እንተኾነ ምስ ሓደ ፈታውየይ ነዚ ዚመስል ነገር እዩ ገጢሙና።

ብዘረባ ዘረባ ብዛዕባ ምድሪ ባሕሪ እናኣዕለልና እንከለና ባሕሪ ነጋሲ ይስሓቕ  ተላዕሉ እሞ እዚ ፈታውየይ ከም ሓደ ከዳዕ ኪገልጾም ፈተነ። መወከሲኡ ብኣቶ ተክለ ጻድቅ መኩርያ ዝተጻሕፈ ” የኢትዮጵያ ታሪክ ከዓጼ ልብነ ድንግል እስከ ዓጼ ቴዎድሮስ” ዚብል ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ኮይኑ፡ እዚ ንርእሱ ከም ኩሩዕ ሓበሻ ዚገልጻ ፈታውየይ ባሕሪ ነጋሲ ይስሓቕ ብምንም ምኽንያት ኣብ ትሕቲ እቲ ጸላኢኦም ዝነበረ ኦዝሚር ፓሻ ኪዕቆቡን ምስ ሱልጣን መሓመድ መንሱር ናይ ሃረር ምሕዝነት ኪገብሩን ኣይነብሮምን በሃላይ እዩ።

ኣነ ኸኣ ንባሕረ ነጋሲ ይስሓቕ ከም ወላዒ ሽግ ናጽነት ኤርትራ እየ ዝርእዮም። ኣብ 1555 ዓ.ም ኢማም ኣሕመድ ኢብን ኢብራሂም ኣልቃዚ ወይ ኣሕመድ ግራኝ ነታ ናይ ሽዑ ኣቢስንያ ወሪሩ ብዙሕ ዕንወት ከም ዘውረደ መብዝሕትና ሰሚዕና ወይ ኣንቢብና ኣለና።

እዚ ንሃጸይ ልብነ ድንግል ዓሰርተ ሰለስተ ዓመታት ከርተት ዘበሎምን ኣብ መወዳእታ ንሕልፈት ህይወቶም ዝደረኸ ፍጻመ  ንብዙሓት መኳንንቲ ኣምሓራ ምእንቲ ህይወቶም ከድሕኑ ኢሎም ክስልሙን ኣብ ጎኒ ግራኝ ተሰሊፎም ክዋግኡን ቀሲብዎም እዩ። ኣብቲ ፈታኒ እዋን ባሕሪ ነጋሲ ይስሃቕ ኣብ ጎኒ ሃጸይ ልብነ ድንግልን ንሶም ምስ ሞቱ ከኣ ምስቶም ንዕኦም ዝተክኡ ሃጸይ ገላውድዮስን ጸኒዖም መኪቶም እዮም። ድሕሪ ነዊሕን ተስፋ ዘቑርጸን ትጽቢት እቶም ብክሪስቶፎሮስ ዳ ጋማ ተመሪሖም ንሓገዝ ዝመጹ ኣርባዕተ ሚእቲ ነፍጠኛታት ፖርቱጓል ኣብ ባጽዕ ምስ በጽሑ ብጽቡቕ ተቐቢሎም ብዛዕባ ግራኝ ዘድሊ ሓበሬታ ብምሃብን ሓሙሽተ ሚእቲ ወትሃደራቶም ብምስናይ ካብ ግዝኣቶም ማለት ምድሪ ባሕሪ ንሓገዝ ንጉስ ገላውድዮስ ኣፋንዮም እዮም። ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ግራኝ ዝተቐትለሉን ሓይልታቱ ዝተበታተኑሉን ወሳኒ ኲናት 1543 ዓ.ም ወይና ደጋ ኣብ ጎኒ ንጉስ ገላውድዮስ ተሰሊፎም ዝተዋጉኡን ዘዋጉኡን መራሒ እዮም።

ባሕሪ ነጋሲ ይስሓቕ ኣብ 1557 ናይ ኦቶማን ራእሲ ኦዝሚር ፓሻ ካብ ጂዳ ሰጊሩ ንሕርጊጎ ምስ ተቖጻጸረን ናብ ድባርዋ ገስጊሱ ምስ ዘመታን ህዝቦም ኣኽቲቶም መኪቶሞ እዮም።

ኣብ 1560 ዓ.ም ድሕሪ ምንጋስ ሃጸይ ሚናስ ግና “ኣይግዛእን እየ!” ኢሎም። ሃጸይ ሚናስ ካብ ትግራይን ደቡብ ኤርትራን ደፊኦም ምስ ኣውጽእዎም ከኣ ከይፈተዉ ኣብ ዑቕባ እቲ ደመኛኦም ዝነበረ ኦዝሚር ፓሻ ኪኣትዉ ተገዲዶም።

ሃጸይ ሰርጸ ድንግል ምስ ነገሱ ፈለማ ተኣማንነቶም ገሊጾም ነይሮም እዮም። ስለ ዘይማእምኦም ግና ምስ ሱልጣን መሓመድ መንሱር ናይ ሃረር ምሕዝነት ፈጢሮም ኣንጻር እቶም ብሓይሊ ኪጎብጥዎም ዝመጹ ሃጸይ መኸተኦም ቀጺሎም። ኣብ መወዳእታ ብ 1578 ምስ ሃጸይ ሰርጸ ድንግል ኣብ ዝተገብረ ኲናት ከኣ ተቐቲሎም። እዚ ካብ ጽሑፋት ሚጉኤል ደ ካስታንሆዞን ( Miguel de Castanhoso) ሪቻርድ ፓንክረስትን ተዋጺኡ ኣብ ኢንተርነት ዝተፈነወ ታሪኽ እዩ።

ብወገነይ ነቶም ንሃጸይ ልብነ ድንግልን ሃጸይ ገላውድዮስን እሙን  ዝነበሩ ባሕሪ ነጋሲ ኣመሪሩ ናብ እምቢታ ዘብጽሐ ምኽንያት ጽሓፍቲ ታሪኽ ኣጸቢቖም ክምርምርዎ ይግባእ በሃላይ እየ። ምኽንያቱ እዞም ነቲ ንብዙሓት ካብ እምነቶምን መትከሎምን ዘናወጸ ወራር መሓመድ ግራኝ ክሳብ መወዳእታ ብጽንዓት ዝተቓለሱ መራሒ ከዳዕ እንተ ዝኾኑ ከምቲ ብዙሓት መሳፍንቲ ኣምሓራ ዝገበርዎ ብኣግኡ ምስቲ ሓያል ደገፍ ቱርኪ ዝነበሮ መሓመድ ግራኝ ወጊኖም ብዙሕ ምተበለጹ። ርግጽ እዩ ምስዚ ልዕል ኢለ ዝጠቐስክዎ ፈታውየይ ከነዕልል እንከለና ከምዚ ህድእ ኢለ ምስ ሓሳቡ ዘየሰማምዓኒ ምኽንያት ኣየነጸርኩሉን። በዚ ኾነ በቲ ግና ብድሕሪ እዛ ፍጻመ ምስ ፈታውየይ ዕላልና ናይ ቃልዓለም ኮይኑ። ፈታውየይ ከሲረ።

ነዚ ዛንታ ምስ ሰማዕቲ ክካፈሎ ዝደረኸኒ “ቁስሊ ክፍሕጥር” ስለ ዝደለኹ ኣይኮንኩን። የግዳስ ዘለና ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ተኸባቢርካ ናይ ምኻድ ተጻዋርነት ንምዕባይ ምእንቲ ክሕግዘና፡ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ብዝውዓሉ ፍጻመታት ምልምማድ ይሓይሽ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ እየ። ኣብታ “ሰብኣይ ብኸብዱ ኣይዛረብን እዩ!” ዘርእስታ ጽሕፍተይ ከም ዝተንከፍክዎ ሕጂ ኣብ ባይታ ዝኾነ ለውጢ ከምጽእ ኣብ ዘይኽእል ሕሉፍ’ውን ተኸባቢርና ኢህን ምሂን ክንበሃሃል ዘይምኽኣልና፣ እንተላይ ናይ ባዕለይ ስሚዒታውነትን ኩልፍ ኩልፍ ምባልን የገርመኒ እዩ።

  ኣብ ትግርኛ “ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ!” ዝብል ምስላ ኣለና። እዚ ኩሉ ግዜ ክንውከሶ ዝግባእ ምኽሪ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ፍጻመታት ክልተ ገጽ ኣለዎም። እንሓንሳብ ከምቲ ኣብ ጽውጽዋይ እቶም ንሓደ ሓርማዝ ዝዳህሰሱ ዕውራት ኢሎሞ ዝበሃል ፍጻመታት ከም ብዝሒ ገለጽቶም ክፈላለዩ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ ተደጋጊሙ ከም ዝተባህለ ታሪኽ  ዝተዓወተ እዩ ዝጽሕፎ።

ስለዚ ነገራት ከከም ገላጺኦም ዝፈላለ መግለጺ ክውሃቦም ይኽእል እዩ። ሓደ ቀሊልን ንኹልና ዘይፈላልን ኣብነት ከቕርብ። መቸም ኢትዮጵያ ንፈለግ ኣባይ ተጠቒማ ንህዝባ ዘርብሕ ስራሕ ካብ ምስራሕ ኪዓግታ ዚኽእል ሕጋዊ ይኹን ሞራላዊ ምኽንያት ከምዘየለ ኣይንጠራጠርን ኢና።  ከም ሓደ ሓበሻ ወይ ኤርትራዊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ሓጽቢ ህዳሴ ብተገዳስነት እየ ዝከታተሎን ዝሕበነሉን። መዋዳእትኡ ክርኢ ዝህንጠየሉ ታሪኻዊ ፕሮጀክት እዩ። ብኡ መጠን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ  ግብጻውያን ዞባና ከይረጋጋእ ዝገብርዎ ዝነበሩ  እከይን ሕጂ ዝገብርዎ ዘለዉ ምዕልባጥን ከም ሓሳዳት ክጥምቶም እዩ ዝገብረኒ። ብዘይ ብኡ ብዛዕባ ግብጺ እንኪልዓል ዚቕጀለኒ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ በረኻ ሲና ኣብ ልዕሊ ወገናትና ዝተፈጸመ ግፍዕታት ዝፈጠሮ ጽልዋ ኣሎ።

እዚ ኹሉ ኮይኑ ግና ሓንሳብ ሓንሳብ ከምቲ ጸዓዱ  ዝብልዎ ኣኣጋረይ ኣብ ሳእኒ ግብጻውያን ኣእትየ ክሓስብ እንከለኹ እቲ ጉዳይ ቁሩብውን እንተኾነ ሰገጥ የብለኒ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና እንተሪእና ሓይሊ ዝተሰምዖ ንጉስ ሓበሻ  ነዚ ትንፋስ ግብጻውያን ዝኾነ ፈለግ ኣባይ ከም ዝዓግቶ እናኣፈራርሐን እናፈከረን እዩ ኣብ ሎሚ ተበጺሑ። ሃጸይ ዘርኣ ያዕቆብን ሃጸይ ሰርጸ ድንግልን ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል እዩ። ገሊኦም ዓቕሚ ስኢኖም እምበር ቀደም ልኩት መበልዎ ነይሮም ዝብል ግምት ኣሎኒ። እዚ ኣብ ኣተሓሳስባ ግብጻውያን ብዛዕባ ማይ ናይል ዝፈጠሮ ናይ ባዕሉ በሰላ ኣለዎ።

ግብጺ ዓመታዊ እትረኽቦ ገምጋም መጠን ዝናብ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ካብ 20 ክሳብ 200 ሴንቲ ሜትር ኮይኑ፣ ኣብቲ ዝዓበየ ካብ ካይሮ ንደቡብ ዘሎ ክፋል እታ ሃገር ግና ክሳብ 0 ሚሊ ሊትር ይወርድ እዩ። ንምንጽጻር ምእንቲ ክጥዕመና ኣብ ማእከላይ ከበሳታት ኢትዮጵያ ዚዘንብ ዓመታዊ ገምጋም ዝናብ ብሓርፋፍ 122 ሴንቲ ሜትር ኮይኑ ኣብ ከባቢ ኦጋዴን ከኣ ትሕቲ 10 ሴንቲ ሜትር እዩ። ስለዚ እቶም ዝበዝሑ ግብጻውያን ብዘይ ማይ ናይል ሰሙን ክቕንዩ ኣይኽእሉን እዮም።

ሕጂ ሓደ ምሁር ግብጻዊ ምስ ሓዉ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ ዘለዎ ሻቕሎት ከዕልል እንከሎ ንስማዕ።

“ስምዓኒ ሙኒር ሓወይ፡ ካብቲ ኩሉ ኣብ ላዕለዋይ ተፋሰስ ናይል ዝሃርም ዝናብ 5% ጥራይ እኳዩ ብመገዲ ናይል ናባና ዚመጽእ። እቲ 95% ክጥቀሙሉ እንተኺኢሎም እኮ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ንሕና ግና ብዘይካ ማይ ናይል ካልእ ምንጪ ማይ የብልናን። ክሳብ ክንደይ ሱሱዓት ከም ዝኾኑዶ ይርድኣካ ኣሎ? ኩልና ኣፍሪቃውያን ኣሕዋት እንዲና፡ ነቲ 95% ብግቡእ ተጠቒሞም ነዚኤን ሸለል ዘይብልወን. . .”

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዓደየ ዓደይየ!
Next Article ታሪኽ ሂወት ስነ-ጥበበኛ ጸሃይቱ በራኺ! 
Mekonnen T.

Related Posts

“ኣብ መንጎ ክልተ ብኡሳት እቲ ሳልሳዮም ይረብሕዶ”

November 29, 2020
Read More

ከቶ ንጽባሕ ዝፈልጣ የለን

November 14, 2020
Read More

ነቲ ሓቂ ኩሉ ይፍለጦ

September 14, 2020
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?