Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, June 8, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ነዊሕ ምዕራፍ”

“ነዊሕ ምዕራፍ”

0
By Mekonnen T. on August 10, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

 “ሰሪ ቀንጠብጠበይ ዘይግንጸል ገንጺለ
በራሕ፣ ኳዕናን ወዲ፣ ጭሕሚ ፈይ ዘበለ፤
ነቢበ……ነቢበ ኣይ ክውድኦ
ጠል-ጠል ዘብል ዛንታ፣ ጸሊአ ከይጸልኦ፤

…

“ኣብ ስራሐይ፣ ሓላፊየይ ንሱ
ንሓሳበይ ወናኒኡ ንሱ
ኣቃጺሉኒ’ምበር ልበይ ኣናኺሱ!

“ካብ ርዝነቱ – ዕምቈቱ
ካብ ንውሓቱ – ስሕበቱ፤
ትርኢተ-መቕድሙ ሓንጐፋይ ኢሉኒ
መንፈግቲ ዕላሉ ህልኽ ኣትሒዙኒ፡፡

“ምዕራፍ እጅምር
ምዕራፍ እውድእ
ምዕራፍ እጅምር…..
ንምሸቱ ነዊሕ ምዕራፍ
ብጊሓቱ ኣብ’ቲ ምዕራፍ
ሳልስቲ ኣብኡ
ድሕሪ ዓመት ኣብኡ!

“ከም ቃሕታኡ ዝኰላለፍ ዋሕዚ
ዝባነይ ከይህቦ፣ የጻውድ መትሓዚ፤
‘ታ ዘላ ከይነግሮም ንስምዒታቱ
ከም ዘይጸላኢቱ – ከም ዘይጐዳኢቱ፤
እንታይ ከም ዘዕጥቖም እንድዕሉ
ንልቡ ኣሕሊፎም ከይህቡ
ንኽፍንጫሓለይ መስዋእቲ ይኸፍሉ፡፡

“ ‘…………ዋይ ስጋ ቐላቲ
ብወድስ ካኣ ክንድዚ……
ኲሉ-ምሉ ክጥንጥኖ’ዶ’ንቲ!’
ድንድው እብል ንዝጣዓስ ባዕለይ
መሊሰ’ግንጽሎ እቕጽል ንባበይ፡፡

“ጾር ሓሳብ ክኢለ
ጾር ኲርዓቱ ደሪበ
……እና’ንሰላሎኹ
ሳሕቲ-ሕልፍ ኢሉ
ኣጸምው ኣቢሉ
ማንታ ጕንዲ እዝነይ ኣላጊቡ
ብጥበብ ደጊፉ
ኣልጊቡ ሓቚፉ……
መምበስበስተይ ከም ዝሰዓመኒ
ናይ ልበይ ዲግዲግታ
የበስረኒ ብዓውታ፡፡
ሓፊስ ልኻይ ዝሑል ቅብኣት
የጥልለኒ ከም ምክኻት
ብጸረርታ፣ ብጠለስታ
ኣቤት ፍሳሃ……ዘሎ ባህታ!

“ወዲ ዝተነፍጋ’ሞ የላን ከማይ
ወዲ ዝፈለጠት ግን የላን ከማይ፤
እተን ‘ኣፍቀርና’ባ……..
…….ተቐንጠስና’ ዝብላ
ከናፍረን ዝሰጥሓ ፍቕሪ ክቕንጭባ
ተዓሚተን ያኢ ጡብ ብዕራይ ክሓልባ
ተተመጢጠን ከናፍሮም ዝጠብዋ፤
ዓይኒ-ማይ ፍቕሪ ወዲ
ከይነግረን እታ ሓቂ
ሓይሊ ስዕመት መምበስበስቲ፣
ከም ጥዕይቲ እናሓዘንኩለን
ከይቃጸጻኒ እበቀለን፡፡

…… ……. …….
……. …… ……..”

* * * * *
እንታይ’ዩ’ንታ’ዚ
ጥዕይቲ ድያ ‘ዛ ጓል……ሕምምቲ!
ግጥምስ እስከ ድራር ድዩ ምሳሕ
ኣይ ሓቁ’ንድዩ ዳኣ ክመውት’ዚ ስራሕ፡፡

ንመን’ያ ኸ ክንድ’ዚ…..
………እህም…….
ኣነስ ነዚ ዶ መሲሉኒ
ለካስ እቲ ሰሰሪቓ ትርእየኒ
ፈታዊት መሲላ ጽግዕግዕ ትብለኒ
ንኽትሓናጥጥ’ያ ግጥሚ ክትገብረኒ!!!

ኣነ ዶ’ሞ’ይገድድን
ንሕጂ ከም ሻሙ ከሕልፈላ’የ
እንተ ስራሕ ግን ከጽዕቐላ’የ
እንተ’ግዲዳቶ ኻኣ….፡፡

ቦኽረ ገብረየሱስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመርድእ ብሜላ
Next Article ናብ ዓርከተይ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?