Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ነቐፌታን ነቐፍትን

ነቐፌታን ነቐፍትን

0
By Mekonnen T. on July 3, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣማኑኤል በርሀ

ኣብ ስነ-ጥበብ ነቐፌታ ማለት ንሓንቲ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ገሊጽካን ተንቲንካን ኣብ ልዕሊ ዘለካ ኣሉታውን ኣወንታውን ርእይቶኻ ምግላጽ ማለት’ዩ። እዚ ድማ ንስነ-ጥበባዊ ስርሓት ንምብርታዕን ንተዓዛቢ ድማ ሕሉፍን ህሉውን ስርሓት ንምምዛን ይሕግዞ። ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ወይ’ውን ኣገባባትን ዝርዝራዊ ቴክኒካትን ጽባቐን ጥራይ ምንቃፍ ድማ ይከኣል።

ብሓፈሻዊ ኣረኣእያ ነቐፌታ ኣብ ኣርባዕተ ከፊልካ ምርኣይ ይከኣል።

  1. ቅርጻዊ ነቐፌታ

እዚ ዓይነት ነቐፌታ ኣብ ቅርጽን ኣገባባትን ናይ ሓንቲ ስነ-ጥበባዊት ስራሕ የተኩር። ኣብ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ከይጠለቐ ድማ ኣብ ናይ ኣባህህላ ተክኒክ ይግደስ።

2. ጣቋኣዊ ነቐፌታ

እቲ ቀንዲ ኣተኩርኡ ኣብ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ኮይኑ ናይ ቃላት ግቡእ ኣጠቓቕማን ጽልዋታቶምን ድማ የጠቓልል። ንመቦቆላውነትን ንሞራላዊ ጽልዋን ናይ ሓንቲ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ድማ ይነቅፍ።

3. ገላጺ ነቐፌታ

ንስነ-ጥበባዊ ድሕረ ባይታን ንቕሓትን ምስ ህሉው ደረጃታት ስነ-ጥበብ እናዛመደ ይዛረብ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ንስርሓት ሓደ ደራሲ ክትነቅፍ እንከለኻ፡ ናይቲ ደራሲ ቅድን እምነትን ብግቡእ መታን ከተለሊ ንሕሉፍ ስርሓቱ ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ።

4. ሚነቲክ ነቐፌታ

እዚ ዓይነት ነቐፌታ ሓቅነትን ማሕበራዊ ህይወትን ብኸመይ ተንጸባሪቑ የገድሶ። ደረስቲ ንማህበራዊ ህይወት ወይ’ውን ንሓቀኛ ህይወት ነንጸባርቕ ኣለና እናበሉ ከም ድላዮም ከይህውትቱ ድማ ይቕይድ። መጽናዕቲ ንኽገብሩ ድማ ይደፋፍኦም። (ኢንሳይክሎፐዲያ)

ብዙሓት ናይ ስነ-ጽሑፍ መጻሕፍቲ ንነቐፌታ ከም ሓደ ባእታ ንዕውት ስርሓት ጌሮም’ዮም ዝገልጽዎ። ንኣብነት ባእታት ናይ ሓንቲ ፊልም እናገለጹ ዳይረክተር፡ ተዋሳእቲ፡ ድምጺ፡ ካሜራ፡ ወዘተ ድምሕሪ ምዝርዛር ንነቐፌታ’ውን ማዕሪኦም ሰሪዑ ይጠቕሶ። ውሩይ ምዕራባዊ ስነ-ጥበባዊ ዶክተር ጆንሰን ንነቐፌታ “ ደቂ ሰባት እናፈርሑ ዘዕብይዎ ጠቓሚ ረቛሒ” ብምባል ይገልጾ። ብዙሓት ድማ ሓጋዚ ኣርት እናበሉ ይረቑሕዎ። ነቕፌታ ኣብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ምዕራባውያን’ዩ ተጀሚሩ። ብፍላይ ድሕሪ 14 ክ/ዘመን ድማ ንብዙሓት ደረስቲ ስርሓቶም ብግቡእ ንኽምርምርዎ ጉድለታቶም ኣለልዮም ንቕድሚት ንኽስጉሙን ኣዚዩ ሓጋዚ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ። ሓያለ ደረስቲ ድማ ብገዛእ ስርሓቶም ዘይተፈልጡ ብነቐፌታ ከም ዝውረዩ ጌሩ’ዩ። ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታትን ግን ገለ ደረስቲ ካብ ነቐፌታ ንምህዳም ናይ ቀዳሞት ደረስቲ ቅዲ ከየጽረዩ “እዚ ናተይ ቅዲ’ዩ” ዝብል መመኽነይታ ከዘውትሩ ይረኣዩ። ነቐፍቲ ግን ናይ ገዛእ ርእሶም ኣካይዳ ስለዘለዎም ብመመኽነይታኦም ከይተደናገሩ ከም ቀደሞም ኣይነሓፍዎምን። እዚ ግን ሓደ ደራሲ ዘይነበረ ቅዲ ሒዙ ክስጉም ኣይክእልን’ዩ ማለት ኣይኮነን። ይግዳስ ብስርሓቱ ከእምን ክኽእል ኣለዎ። ምኽንያቱ ነንዘበላሸኻዮ ናተይ ቅዲ’ዩ ክትብል ስለዝድርኸኻ። (ክድርኸካ ስለዝኽእል)

ብዙሓት ስነ-ጥበባዊያን “ነቐፌታ ኣብ ጽባቐን ቴክኒክን ዝያዳ ከተኩር ኣለዎ፡ ትሕዝቶኡ ግን ብዙሓት ሰባት በብናቶም ክትርጉምዎ ስለዝኽእሉ ካልኣይ ጠመትኡ ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ” በሃልቲ’ዮም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን ነቲ መልእኽቲ ሸለል እናበሎ ክመጽእ ስለዝኽእል ብዙሓት ይቃወምዎ ኢዮም።

ኣብ ሃገርና ብዙሕ ግዜ “ደረስቲ ዓድና ነቐፌታ ኣይቅበሉን’ዮም” እናተባህለ ይጉርምረም’ዩ። ንነቐፍቲ ዘማርር ዘረባታት ግን ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ገለ ነቐፍቲ ድማ ከም ድልየቶም ክሻድኑን ኣብ ልዕሊ ስርሓት ደረስቲ ብዘይ ርጡብ ቆላሕታ ክዕንድሩን ይረኣዩ ወይ’ውን ይፍትኑ። ይኹን ደኣምበር፡ ብዙሕ ንነቐፍቲ ዝቕይድ ቅጥዕታት’ዩ ዘሎ።

ነቐፍቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ቋንቋ፡ ሞራላዊ ጽልዋ። ኣገባባትን ቴክኒካትን፡ ኣገዳስነት ጽባቐን ሓቅነትን ሓፈሻዊ ትሕዝቶን ኣተኩሮም ክነቕፉ ምሉእ መሰል ኣለዎም። ኣብ ውልቃዊ ጠባያት ደራሲ ወይ’ውን ደራሲ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ዝተዛረቦም ቃላት ግን ምስ ድርሰቱ

ኣተሓሒዞም ክዛረቡ ኣይግባእን። ነቐፍቲ መጀምርያ እንታይ ዓይነት ድርሰት’ያ ክፈልጡ ይግባእ። ሓቀኛ ምድባ ብጉብእ ምስ ኣለልዩ ድማ ደጋጊሞም ክትንትንዎ ኣለዎም። ንኣብነት ንሓንቲ ድራማ ዝነቅፍ ነቓፋይ፡ እታ ድራማ ኮሜዲ ዲያ ትራጀዲ ወይ ከም ትራጀዲ ከፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ነቐፍቲ ንዝኾነ ስራሕ ቅድሚ ምንቃፎም ናይ ግድን ኣብቲ ዓውዲ መሰረታዊ ኣፍልጦ ክህልዎም ይግባእ። ነቓፋይ ንጌጋታት ናይ ሓንቲ ድርሰት ጥራይ ጸብጺቡ ዝኸይድ እንተኾይኑ ነቐፌታ ዘይኮነ ሪፖርት’ዩ ጽሒፉ ክበሃል ይከኣል። ስለዚ ፡ ንጌጋታት ብግቡእ ኣለልዩ ምስ ዘርዘረ ክእረመሉ ዝኽእለሉ መንገድታትን ውልቃዊ ርእይቶን ድማ ከጠቓልል ይግባእ።

ነቐፍቲ ንዝጽሕፍዎ ነቐፌታዊ ጽሑፋት ናይ በይኖም ተሓታትነት ምዃኑ ተገንዚቦም ብጥንቃቐን ብንጹህ ልቦናን ክነቕፉ ይግባእ። ዘይነበረ ጌጋታት ጸብጺቦም ንህዝቢ ጉጉይ ስእሊ ክህቡ እንተፈቲኖም ግን ካብ ተሓታትነት ከድሕኖም ዝኽእል ሮቛሒ የለን። ዊልያም ኤልፕስ፡ ክሪስቶፎር ሪቻርድን ገለ ካብቶም ብደረስቲ ዓዲ እንግሊዝ ፍቱዋት ዝነበሩ ንቑሓት ነቐፍቲ’ዮም። እቶም ደረስቲ ድማ ንውልቃዊ ርእይቶ ናይ’ዞም ነቐፍቲ ሓንጎፋይ ኢሎም’ዮም ዝቕበልዎ ኔሮም። ደረስቲ ብመን ተነቒፎም ዘይኮነ ኣንታይ ተነቒፎም ከገድሶም ይግባእ። ኣብ ቁም ነገር ናይቲ ነቕፌታ ድኣ’ምበር፡ ኣብ ትርን ርዝነትን ቃላት ከተኩሩ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ሓቅነት ናይቲ ነቐፌታ እምበር ኣገባብ ኣገላልጻ ንዕኦም ዘይኮነ ንነቐፍቲ’ዩ ዝምልከት።

ሓደ ኣሜሪካዊ ጸሓፊ ንሓደ ብዛዕባ ኩናት ዝደረሰ ደራሲ ዝነቐፎ’ሞ ከም ብሉጽ መደምደምታ ተባሂሉ ብቐጻሊ ዝደጋገም ጽሑፍ ምስ እንምልከት

1. ደራሲ ብዛዕባ ኲናት ዝፈልጦ የብሉን። ብኣካልስ ይትረፍ ኣብ ጽሑፍ’ውን ብዛዕባ ኲናት ዘንበበ ኣይመስለንን መንገዲ ምጽራጉ ግን ኣመስግኖ።

2. ብዛዕባ ዘልዓሎ ኣርእስቲ ገለ’ኳ ክብል ኣይከኣለን ብላሽ’ዩ።

3. ኣእምሮኡ ብዛዕባ ኲናት ጥርሑ ምዃኑ ኣብ ስርሑ ተንጸባሪቑ’ዩ።

4. ብሓፈሻ ኣዚያ ድኽምቲ ድርሰት ኢያ’ሞ ደጊምካ እንተተመሓይሻ።

ኣብ ሃገርና ከምዚ ዓይነት ቃላትስ ይትረፍ ንድርሰቶም ኣልዒልካ ነቐፌታ እንተጽሒፍካ ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ከይ ኣተዉ ዘንጸርጽሩ ደረስቲ ውሑዳት ኣይኮኑን። ክነቀፍ ዘይደሊ ግን ክሰርሕ የብሉን። እቲ ንምዕባለ ስነ-ጥበብ’የ ዝጽዕር፡ ነቐፌታ ኣይፈርሕን’የ” ዝብል ደራሲ ምስ ተነቕፈ ከዕለብጥ ይርአ። ቅንጣብ ኣፍልጦ ዘይብሎም ብስምዒት ዝሽርጥጡ ነቕፍቲ’ውን የለውን ማለት ኣይኮኑን።

ደረስቲ ንዝኾነ ዓይነት ነቐፌታ ድልዋትን ፍቓደኛታትን ክኾኑ ይግባእ። ነቐፍቲ ድማ ምስ ውልቃዊ ርእይቶታቶም ኣተሓሒዞም ናይ ህዝቢ ግብረ መልሲ’ውን ክግንዘቡ የድልዮም’ዩ። ሞራላዊ ጽልዋ ናይ ሓንቲ ስርሓት ድማ ብውልቃዊ ርእይቶኦም ዘይኮነ ብናይ ህዝቢ ሓሳባት ክገልጽዎ ይግባእ። ሓያለ ነቐፍቲ ግን ነቲ ደራሲ ብዙሕ ዝጸዓረሉ ገለ’ውን ከይጸዓሩን ከይመርመርዋን ይነቕፉ። ግደ ሓቂ ግን ነቓፊ’ውን ማዕረ ደራሲ ክጽዕርን መጽናዕቲ ከካይድን ኣለዎ።

ሓዳስ ኤርትራ 25 ሓምለ 2002

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleናብ ንጠፍኦ’ኮ ጠፊኡና
Next Article ግጥሚ ጋሻ ውሕጅ’ዩ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?