Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ትዕዝብቲ ትርኢታዊ ዕላላት በቲ ካልእ ኩርናዕ

ትዕዝብቲ ትርኢታዊ ዕላላት በቲ ካልእ ኩርናዕ

0
By Mekonnen T. on May 25, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ተስፊት ኣብርሃም

ክሊፕ፥ ዘይእድብቲ

ግጥሚ፥ ሃብቶም ተወልደ

ዜማ፥ ናሆም ዮውሃንስ

ድምጻዊ፥ ናሆም ዮውሃንስ

ዳይረክተር፥ ሃብቶም ተወልደ

ኣርትዖ፥ ቢንያም የማነ

ኣልባሳት፥ ኣማን ተኽለኣብን HT fashion

መረጻ ቦታ፥ የለን

ኣፍራዪ፥ ኤላ ሪከርድስ

 

መንቀሊ እዚ ጽሑፍ፥ ገጥሚ ሃብቶም ወልደዮውሃንስ ኣብ ትርኢታዊ ዕላላት “ዘይእድብቲ” ዘለዎ ተመስጦ ድሕሪ ምቕራብ፥ ነቲ ጽሑፉን ነታ ትርኢታዊት ዕላላትን ደጋጊመ ድሕሪ ምርኣይ ፈለልየ ክሪኦ ፈቲነ ኣለኹ።

ትርኢታዊ ዕላላት “ዘይእድብቲ” ዘይከምቲ ኣብ ኩርናዕ ሕደማዊ ግጥሚ ዘልዓሎ ዛዕባ፥ ኣብ ትርኢታዊ ዕላላት ዝተሰርሐ ወይ ዝተዓየ ትርኢት ፈጠራዊ ስራሕ ኣሎ ክብል ኣይደፍርን። ዝብላዕ የብላን ከስምዕ ግን የብሉን። ንሓያልን ድኹምን ጎድንታት እዛ ክሊፕ ክርኢ ክፍትን እየ።

ዛንታ፥

ኣብዛ ክሊፕ ልሉይን ወሓዙ ዝሓለወ ኣዘናትዋ ዛንታን ኣሎ ክትብል ዘድፍር ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ሃሳስ ግምት ብምውሳድ፥ ነታ ብፍቕሪ ኣእሚኑ ካብ ወላዲታ ብምፍላይ፥ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ገዛ ፈልዮም ናብራ እንተፈተኑ፥ እቲ ፈተነ ናብራ ግን፥ በቲ ተጻይ ጠባይ (ማለት ዓርካ) ናብ ካልእ ሃብታም ጓል ብምዝዛው፥ ፍቅርቱን መብጽዕኡን ብምጥንጣን፥ ኣብ ልዕሊኣ እውን ስንብራት ብምግድስፍ፥ (ዘእምን ስንብራት ደኣ ኣይኮነን እምበር) ንዓኣ ናብ ዘይተደልየ ባህርያት ብምሽማም፥ ንዘውረዶ ሕማቕ ተግባርን ስንብራትን ክንስሓሉ እዩ ዝፍትን።

እሞ እዚ ዛንታ፥ ኣብ ትርኢታዊ ዕላላት ከመይ ተኸናዊኑ? ውህደቱን ኣከናውንኡን ከ ከመይ ነበረ? ተኣማንን ተጨባጥንዶ ኔሩ።

 

ኣልባሳት

ተዋሳእቲ፥ ደረጃ መንብሮኦም፥ ንስርሖምን ሞያኦምን ከምኡ እውን ንኹነተ ኣእምሮኦም ዝገልጽ መሳርሒ ኮይኑ ምስ ዛንታ ተደሚሩ ንግዜን ቦታን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ኣብዛ ትርኢታዊ ዕላላት ዘሎ ኣልባሳት ከይተጋነነ ዕዉት ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ንኣብነት ንኣድያም ስብሃቱ ዝተመርጸ ኣልባሳት ካብቲ ቀዳማይ ትርኢት ክሳብ ኣብቲ መወዳእታ ግዜ ምስ ኩነተ ኣእምሮኣ ዝኸደ ኔሩ።

ምከና

ኣብዛ ክሊፕ ዘሎ መረጻ ቦታ ብልክዕ ዝተረኽበን ዝተመርጸን ኣይኮነን። ኩሉ ሕውስውስ ዝበለ እዩ። ገለ ቦታታት ከማን ኣገዳስነት ዘይብሉ እዩ። ንኣብነት እቲ ፋንታዝያ ኣብ ንእሽቶ መርከብ ዝነበረ ምስታ ዳሕረወይቲ ዘስዳዕቶ ሄዋን እቲ ዝነበረ ፈንጠዝያ ዕላላት ዘይጽላእ እኳ እንተኾነ ብሃንደበት ዝተሓስበ ምንባሩስ ርዱእ ጌርዎ እዩ። ምኽንያቱ ተኸታታሊ ፍጻሜኣዊ ንጻረ ዛንታ ስለ ዘይነበሮ፥ ብኸመይ ናብታ መርከብ ኣትዮም ዝተርኣየ ብዘይ ምንባሩ።

ሜክኣፕ

ኣብዚ መዳይዚ ሜክኣፕ ተዋስኣቲ ጽቡቕ ኔሩ ክትብል ዘድፍር ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ኣድያም ዝተገብረ ሜክኣፕ ምስ ኩነተ ኣእምሮኣ ዝኸይድ ኣይኮነን። ናብ ፍጹም ጓሂ ክዓርግ ዝነበሮ ጽላለ፥ ናብ ዘየድሊ ኣይሆይሆይታ፥ ኣይሓዘነይታ ብምርኣይ እቲ ዝተገብረ ሜክኣብ ምኽንያታዊ ክትብሎ የጸግም።

ንብረት

እቲ ቀረብ ንብረት ኣእማንን ምኽንያታውን ኮይኑ እኳ ንተተረኽበ፥ ዝተቀመጠ ንብረት ዝተደርበየ ኣቕሓ ኣብቲ ዝተደርበዮ ኣብ ክንዲ ዝጸንሕ ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ ይርአ። ንኣብነት ኣብ 03፡23 ናሆም ሰኺሩ ዝመጸሉ፥ እግሩ ክትሓጽቦ ኢላ ንዝቀረበቶ መሕጸቢ ጎማ ናሆም ንነብሳን ንዓኣን ድሕሪ ምድርባይ፥ ኣብ 03:37 ኣብ ቦታኣ ተመሊሳ ትርአ። ኣድያም ከኣ እግሩ ሒዛ ትልምኖ። ኣብዛ ውሽጢ ትርኢተ ፍጻመ፥ 03፡38 ተገላቢቱ መሊሱ እርአ።

ሲነማቶግራፊ

ንጻረ ስእሊ፥ ኣብዛ ክሊፕ ዘሎ ሕብሩን ደረጅኡን ከም ዓዱ ዝተሓለወ እዩ። ፍሉይ ፈጠራ ኣርእዩ ክበሃል ግን ኣይከኣልን። ዝወሰዶም ቅላዓት ግን ድሓን እዮም። ዋላ እኳ ብዙሕ ክገብሮ ዝግብኦ ዘይገበሮ እንተሎ። ብተዛማዲ ግን ዝዓበየ ስራሕን ዕማምን ኣተግቢሩ ክንብል ንኽእል። እዚ ክብል እንከለኹ፥ ኣብ ገለ ገለ ሃጓፋት ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣድያም ናብ ፍጹም ጽላለ ምስ ኣተወት ነቲ ትሰትየሉ ዝነበት ባር ወይ ክለብ ነቲ ከባቢኣ ብምርኣይ ንኽወርዳ ዝኽእል ሓደጋ ክእምት ምተገበአ። ብድሕሪኡ እውን ካብቲ ትሰትየሉ ዝነበረት ምስ ወጸት እቲ ከባቢ ዝነበረትሉ ብጀነራል ሾት ብምልኣት ዘርኢ እዩ ነይሩ ዘብል ኣይነበረን።

ብርሃን ሕብሪ

ኣብ ዝበዝሕ ትርኢታት ናይዛ ፊልም ዓቐን ብርሃንን ሚዛን ሕብሩን ዝተሓለወ ስእልታት ቀሪቡ እዩ። እዚ ይኹን እምበር ኣብ ገለ ከኣ ብጽሓይ ዝነደደ ስእለ ግን ኣይተስኣናን። ንኣብነት፥ ኣድያም ዓሳ እናቐለወት ዘሎ ትርኢት ምምልካት ይከኣል።

ኣርትዖት

ኣብ ኣተኣታትዋን ኣቆራርጻን ስእሊ ዘርኣዮ ስራሕ ዝነኣድ እኳ እንተኮነ፥ ኣብ ዝተቆርጸ ስእሊ ብፍለይ ከማን ናይ ደራፋይ ቅላዓት ከኸልጥፍን ከዝሕልን ብምሕሳብ ንዝመጠጦ ስእሊ ነቲ ዕቱብን ቃዛኒ ዜማ ግን ከፍርሶን ከዕንዎን ክኢሉ እዩ። ንኣብነት ኣብ 05:25 ክሳብ 05:36 ዘሎ ምርኣይ ይከኣል።

ካልእ ኣብ ስእሊ ምልግጋብ ኣብ 00፥23 ዘሎ ናይ ገዛውቲ ምውህሃድ ናይ በበይኑ ስእልታት ውሂዱ እኳ እንተሎ ግን ብሰንኪ ንእሽቶ ነገር ወጅቢሩ እርአ።

ኣብ ኣሰራርዓ ንዝተራእዩ ጸገማት ናይ ኣርታዒ፥ ኣብ 03፥37 ዘላ ትርኢት ኣቃውማ ተዋሳእትን ንብረትን፥ ቀጺላ ኣብዛ ህሞት 03፡38 ንብረት ተገላቢጡ ይርአ።

ኣብ 01፡49 ዘሎ ትርኢት ኣርያም ኮፍ ኢላ ኣብ ዓራት፡ ንዝተወስደ ቅላዕ ስእሊ ናይ ቀትሪ እቲ ምድሪ ቤት ናይቲ ገዛ ዝርአ፥ ኣብቲ ኣብ 03፡23 ዝርአ፥ ናይ ዝተፈጸመ ዝፈሰሰ ማይ ምኳኑ ኣብዚ ጠቂሰዮ ዘለኩ ግዜ ምስ በጻሕካ ይርድኣካ። እዚ ከኣ ድኽመት ኤዲተር እዩ። ነቲ ዛንታ ብዝግባእ ስለ ዘየለለዮ እውን ክኸውን እኽእል እዩ።

ዳይረክተር/ኣላዪ

ተራን ስራሕን ዳይረክተር ኔሩ ክበሃል፥ ኣይከኣልን። ዘላዕሎ ዛዕባ ኣይነበረን። እቲ ዝተጀመረ ዛንታ እውን ኣብ ክውንነት ዘየእምን ኣብ ርእሲ ምኳኑ፥ ነቲ ግርጭት ብዘይ ርዱእ ምኽንያት ገንፍግሎን ከዝሕሎን ይኽኣል እምበር ምኽንያታዊ እዩ ክበሃል ግን ኣይከኣልን።

ጸገማት ዳይረክተር ቀንዲ ጎሊሑ ዝተርኣየ፥ ነቲ ትርኢታዊ ዕላላት በቲ ሕደማ ግጥሚ ክወስዶ ስለ ዝፈተነ እዩ። በዚ ከኣ ትርጉም ዘለዎ ዛንታን ትርኢትን ክፈጥር ኣይከኣለን። ናይ ቅዳሕ ቅዳሕ ኮይኑ ጥራይ እዩ ተርኣዩ።

ኣብ መወድኣታ እዛ ትርኢታዊት ዕላላት “ዘይእድብቲ” ምስቲ ኩሉ ድኽመታታ ርኢካ ግን ትምኖ ኣይኮነትን። ካብተን ዘለዋ ናይዚ ቅንያት ክሊፓት እውን ትሓምቕ ስለ ዘይኮነት ንርኣያ። ነናትና ጦብላሕታን ርድኢትን ክትፈጥረልና ትጅእል እያ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleተምሳጥ ኣብ ደርፊ ” ዘይእድብቲ”
Next Article “ምስ ገጠምቲ ክትላለ የብልካን” – ኦሾ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?