Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ትእምርተ መጠራ

ትእምርተ መጠራ

0
By Mekonnen T. on March 26, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ትእምርቲ ወይ ምልክታት መጠራ ኢለዮም ዘሎኹ፡ ነቶም ፊደላት እየ። እዚ ኣሰማምያ’ዚ፡ ኣብቲ መጀመርታ ግዝየ ምናልባት፡ ግር ኪብል  ይኽእል ይኸውን። ሓቁን ምኽንያቱን ርዱእ እና ኾነ ምስ ዚኸይድ ግን፡ ልክዕነቱ ከም ዚፍለጥን ቅቡል ኣሰማምያ ከም ዚኸውንን ጥርጥር ዚበሃል የብለይን።

ብዛዕበኦም ዝተባህለ’ኳ እንተ ተባህለ፡ ኣስማት ዝወጽእ እንተ ወጽአ ናብ ዘስፋሕፍሑ’ውን  እንተ ኣስፋሕፍሑ፡ ታሪኽ ንመፈለምታ ግዝየ ኣብ መጠራ እዩ ዝፈልጦም።  ቅድሚ ኣብ መጠራ እዉን ኣብዛ ኣፍሪቃ ኣብ ካልእ ኣይተራእዩን።  እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ዝጠንተወ በዞም ምልክታት እዚኣቶም ዝተደርሰ ጽሕፈትሲ ንሱ እቲ ኣብ ሓወልቲ መጠራ ዚርከብ ዘሎ ክቡር ምልክታት ማለት’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ኩሉ መጽናዕትን ምርምራትን ይሰማማዕ።

ትእምርተ መጠራ ሒዞሞ ዘለው መልእኽቲ ኩሉ፡ ብ ኣና ርዱእ ድዩ ኣይርዱእን ብዘየገድስ፡ ከም’ዚኦም ዝ ኣመሰሉ ምልክታት ብኸምዚ ዝበለ ደረጃን ዕብየትን ኪሰርሑ ግዜ እንረክብ፡ ኣብ መጠራ ጥራይ ኢና። ኪፍጠሩ  ወይ ዕንክይክይ ኪብሉ ከኣ ዘይኮነስ፡ ተኣኒኖም ብመንግስታዊ ደረጃ ኣብ ሓወልቲ ተወሪቖም፡ ንቡር ስርሖም ኣብ ምስላጥ እዮም ኣብኡ ዘለው። መፈጠር ናይቶም ምልክታት፡ አርትራዊ ብዛዕባ ምዃኑ እምበር፡ ንረዳእ ደኣ እምበር ኣይንገረም። ምኽንያቱ ከኣ፡ 3-4 ሽሕ ዓመት ይገብር ን አርትራ ዚውንኑ ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተገልገሊሎምን ዝሰርሑሎምን እሞ፡ እቶም ዝጠንተው ፊደላት ግእዝ፡ ንሳቶም እቶም ኣብ ሓወልቲ መጠራ ዚርከቡ ምልክታት ምዃኖም ምርግጋጽ ጥራይ ን ኣና እኹል እዩ። ካብ ክንደይ ኣሽሓት ዓመታት፡ ካ’ብየናይ መዋዕል ንዚብል’ውን  ንታሪኽ እምበር ን ኣና ኣብዚ ብዙሕ ዝግድሰና ኣይኮነን።

ሓደ ክዝከር ዘለዎ ጭቡጥ ዝኾነ ጉዳይ ግን ኣሎ። ኣሽሓት ዓመታት ቅድሚ ምፍጣርን ምምጻእን ህዝብታት በለው ከለው፡  “ትእምርተ-መጠራ” ኣቐዲሞም፡ ኣብ ኣ ኣብታ ዘለውዋ ዝጸንሑን ዝነበሩን፡ ምስ ህዝብታት  በለው ከለው እውን ዘራኽብ ዘይሎምን ክነሶም፡ እቲ ንሳቶም ዚርከቡሉ  ቦታ “በለው ከለው” ተባሂሉ ብጌጋ  ይጽዋዕ  ኣሎ።

እዞም ትእምርትታት  እዚኣቶም፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝኾነ ፍጥረት ከይሃለወ ከሎ ገና፡ ካብ ዘይተነጸረ መዋዕላት ርግጽ ግን ካብ ሓያሎ ኣሽሓት ዓመታት ኣብ ኣ ነበሩ፦

ዘሐወለተ/ዘአገበረ/

ኣገ ዘ/ ለአበ ወ ሀ/ ወሰ

ሓበ/መሐዘ ተ/ አወ ዐ/

አለፈነ/ወአበለነ/

ወዘተ  . . .  ብዚብላ ምስጢራውያን፡ ግን  ከኣ ንጹራት  ትእምርታትቶም ኣብታ ዘለውዋ ነሮም። እንሀው ከኣ የድምጹን  ይዛረቡን ኣለው። ናይዚ ዞባና ናይ ዝኾነ  ጽሑፍ መሰረትን  ምንጭታን እምበኣር ንሳቶም እዮም እሞ፡  ትእምርተ መጠራ ምባሎም ብልክዕ ን ኣታቶም  ዚግባእ እዩ።

እዞም ምልክታት’ዚኣቶም ዝ ኣክል ከም ዝተኸላበቱ ከኣ እቲ “ፊደላት ኣምሓርኛ ተባሂሎም ምጽዋዖም’ኳ እኹል ዝኾነ መር ኣያ እዩ። ብውሑዱ ፊደላት ሓበሻ ተባሂሎም ምጽዋዕ’ኳ ተሓሪሙዎም፡ ምስቲ ካብ ሱዳን ተወሲዱ  ንሓበሻ ኣጎልቢቡ ዝዓበጠ፡ ሓዲሽ ስም ፦ “ፊደላት ኢትዮጵያ”  ክሳዕ ምባሎም ተበጺሑ።  ብፍላይ  እዚ መወዳእታ  ከኣ ንዓቢ ትምክሕትን ምድንጋርን ኣገልጊሉ የገልግል’ውን ኣሎ።  እዚ ነገር’ዚ ኪእረም ይግባእ፡ “ትእምርተ መጠራ” ብምባል። በቲ ንዘለኣለም ዘየቋርጽ  ትእምርቶም እናድመጹ፡ ኣብ ኣ ኣብ መጠራ ዝጸንሑን ዘለውን ናይ መጠራ ምልክታት ስለዝኾኑ።

ዶክተር ኣባ ይስሃቕ ገበረ ኢየሱስ

ኣብ መቕድም መጽሓፍ  ትእምርተ መጠራ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous ArticleUtopia Remembered
Next Article ዕላል ምስ ኣደይ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?