Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ትሽዓተን ፈረቓን

ትሽዓተን ፈረቓን

0
By Mekonnen T. on October 18, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ስዒድ ሳልሕ

ሓንቲ ካብ ዕውታት ሓጸርቲ ዛንታታት ፈስቲቫል ኤርትራ 2005 ኣስመራ

ኣብ ናይ ዕረፍቲ ክፍለ ግዜ’ዩ። ህጻናት ተመሃሮ ቀዳማይ ክፍሊ: ኣብቲ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ፋሕ ኢሎም ክጻወቱ ይረኣዩ። መምህር ባህጉ ከኣ: ኣብ ናይ መማህራን ክፍሊ ኮይነን: በቲ መስኮት ነቶም ተመሃሮ እናተቖጻጸራ: ነቲ ንግሆ ዝኣከበኦ ናይ ፈተና ወረቓቕቲ ተዛንየን ይእርማ ነበራ።

ነታ ካብ ኣዒንተን ዘይትፍለ: ሓባሪት ዕድሚአን እትመስል: ኣብ ጸጋማይ መትሓዚኣ ብፕላስተር ዝተጸገነት ቡናዊት ገፋሕ መነጽርን: ኣብ ጫፍ ኣፍንጫአን ሰዂዐን ከብቅዓ: ናይ ነገር ኣመል ብኣጻብዕተን ደፊአን ናብ ኣዒንተን ኣቕረባኣ። ንዝተውዓለለን ምስቲ ቅጥኒ ገጸን ፍጹም ትሰማማዕ ኣይኮነትን፣ ንዐአን ግን ሓንቲን ጽብቕትን ብርቂ ነገር ኢያ!

ከምዚ ሎሚ ከይኮነ: ዕደመ ኣርኪቡ: ኣዒንቲ ደኺሙ: ሽምግልና ከይተጸገዐን ከሎ: ኣብ ግዜ ንእስነተን’ውን ፈታዊት መነጽር ኢየን ነይረን። ንጌጽ ዝቐያይርኦ ዝነበራ መነጽር ማእለያ ኣይነበሮን። ናይ’ቲ ግዜ’ቲ መንእሰያት መሳቱአን: ብሕልፊ እቶም ቅርብ ኢሎም ዘይፈልጥወን ብዓይኒ ማዕዶ ዘድንቕወን ዝነበሩ ሰባት: መነጽር ዘይፈልያ ብምዃነን: ሓውላል ወይ ሓባል ክትከውን ኣሎዋ ዝብሉ’ውን ነይሮም ኢዮም።

መምህር ባህጉ ግን ብኣንጻሩ: ጽቡቓትን ፍሩያትን ኣዒንቲ ዝተዓደላ ነበራ። ምስቲ ኣመራርጻ መንጽረን’ውን: ነቲ ቅጥንጥን ዝበለ ስርዕ ቅርጺ ኣካላተን ኣጉሊሑ ብዘማዕርግ ጐና ምስ ምሩጽ ካምቻ የዘውትራ ብምንባረን: ሆስተስ እምበር ገና ተመሃሪት ይመስላ ኣይነበራን። መማህርተንን መሓዙተን ኣፎም መሊኦም “ባህጉ’ኳ ኣብኣ ከሎኺ ሆስተስ’ኺ ትመስሊ፣” እናበሉ ኣድናቖቶም ይገልጹለን ነበሩ።

መምህር ባህጉ’ውን ካብታ ሆስተስ ዝነበረት ጐረቤተን: ብጽርየታን ኣካዳድናኣን ተማሪኸን ካብ ህጻንነተን ጀሚረን ሕልመንን ባህገንን ሆስተስ ናይ ምዃን ሓያል ድልየት ስለ ዝነበረ: ቋንቋ እንግሊዘኛን ኣምሓርኛን ብጉቡእ ኣጽኒዐን: ነቲ ስራሕ ክረኽባ ብሓይሊ ጸዓራ። ኮይኑ ግን ናይ ሕቶ ጽሑፈን ኣቕሪበን ከብቅዓ ገና ኣብ ፈተና ከይበጽሓ ብጉድለተን ንሆስተስ ብቕዕቲ ከም ዘይኮና ተሓበራ።

መምህር ባህጉ ኣብ ሕልመን’ውን ይኹን ጥርጣረ ዝብሃል ኣይነበረንን። እቲ ዘይተጸበየኦ ካብ ሆስተስ መትረፊኤን ምኽንያት ከም በርቂ ዝወቕዐን ብስንባደ ደረቓ።

ሽዑ ካብቲ ቀዳማይ ደርቢ ናይ ቤት ጽሕፈት ከመይለን ከም ዝወረዳን በየን በየን ኣቢለን ንገዛአን ከም ዝተመልሳን ክሳዕ ሎሚ ክዝክሮኦ ኣይከኣላን። እታ ዕለት እቲኣ ግን ኣብቲ ግዜ’ቲ ክገብሮ ዝኽእላ ብዙሕ ኣማራጺ’ኳ እንተ ነበረን: ርእሰ- ተኣማንነተን ከም ቆጽሊ ሓጋይ ረጊፉ ሕምሽሽ ስለ ዘበለ: ይትረፍ ካልእ ስራሕ ክመርጻ: ትርጕምን እንታይነተን ምንባር ዓርዓረን። ንዝተቖጽየ ሕልመን እናሰላሰላ ህይወተን ምንባዕ ኮነ። ለይቲን ቀትሪን ንብዓት። ሰብ ጸሊአን ኣብ ገዛአን ተሸጐጣ። ህይወተን ዝያዳ ምስትምሳልን ምቑዛምን ኮነ። “ሃጽ በሊ” ዝብል ስምዒት ረበጸን። ሓደ ረፍዲ ካብ ወለደንን ካብታ ተወሊደን ዝዓበያላ ዝፈትዋኣ ዝነበራ ከተማ ኣስመራን ሞሊቐን ንኸተማ ዓሰብ ጠፊአን ከዳ።

ድሕሪ ነዊሕ፣ ብዙሕ ከልበትበትን ጽምዋን ስምዒተን ላሽዩ መርዓን ደርዓን ዝብሃል ንቡር ከይፈተና፣ ኣብ ገዳም ዘይኣተወት ድንግል ኮይነን ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ከም መምህር ተቖጺረን ህጻናት ክምህራ ጀመራ። መዓልቲ ሰሙናት ወሊዱ ሰሙናት ኣዋርሕ እናሰዓበ ዓመታት ተቖጽረ።

* * *

መምህር ባህጉ ከም ኣመለን: ነታ መነጽር ናብ ጫፍ ኣፍንጫአን ኣውሪደን ምእራመን ቀጸላ። ኣብታ ዝሓዝኣ ወረቐት ዓሰረተ ሕቶ ብዘይ ሓደ ጌጋ ተመሊሱ ብምርኣየን ባህ በለን። እቲ ተመሃራይ መን ምዃኑ ንኽፈልጣ እውን ኣዒንተን ናብቲ ስም ዝተጻሕፎ ላዕለዋይ ቀዳማይ መስመር ለኣኻ። ስም’ቲ ተመሃራይ ጎሊሑ ተራእየን። ብገዛእ ኣዒንተን ተጠራጢራ። “ዋእ! አዒንተይ ዲዩ ወይስ…” ዝዓይነቱ ግንባረን እስር ፍትሕ ኣቢለን ኣትኲረን ጠመትኦ። ምእማን ስለ ዝሰኣና ነታ መነጽረን ኣውጺአን ብግንቦ ኢደን ነዒንተን ደራሪዘን ከም እንደገና መነጽረን ገይረን ነቲ ወረቐት ኣቕሪበን ነቲ ስም ረኣየኦ።

“እወ ኣነየ!” ዝብል ዘሎ ክመስል ፊዳላቱ ኮነ ሕብሩ ከይቀየረ: ካብቲ ዝነበሮ ብዝያዳ ፈርዚኑ ተራእየን። መምህር ባህጉ ጋን ኮነን። እቲ ህጻን’ውን ብሓሳበን ቅጅል በለን።

እቲ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ተመሃራይ ካብ መሳቱኡ ብወርሒ ደንጒዩ ኢዩ ጀሚሩ። ሓድሽ ተመሃራይ’ኳ እንተኾነ: ካብቶም ኣሎዉ ዝብሃሉ ሰነፋት፣ ብኹለንትናኡ እቲ ናይ መወዳእታ ሰነፍ ኢለን ዝኣምናሉ ኢዩ። ይተርፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝተሓላለኸ ሕቶ ክምልስ: ይፍለጥ ኣይፍለጥ ብዘየገስ: ከም ህጻን መጠን ብመሳቱኡ ቀኒኡ ንኣመልኳ ንኽምልስ ብወኒ ኢዱ ኣልዒሉ ኣይፈልጥን’ዩ። እቲ ዝያዳ ዘሕርቐን ከኣ ጽርየቱ ዘይሕሉ ምዃኑ’ዩ። ዝበዝሕ ግዜ ናይ’ቲ ዝተመገቦ መግቢ ነጠብጣብ ኣብ ደረቱ ተሰሊሙ ምምጻእ ልሙድ ተርእዮ’ዩ። እቲ ዝያዳ ዝገርመንን ዘጽልአንን ከኣ ዕረፍቲ ወጺኦም ኣብ ዝምለስሉ እዋን ከንገርግር ከም ዝጸንሐ ኣድጊ ኮይኑ፣ ንበይኑ ሓመድ መሲሉ፣ ምስቲ ጽልሙ ፍሩያት ኣዕንቱ ፈጠጠጥ ክብል ከሎ: እንቁሮዖብ ምድረበዳ እምበር ካልእ ኮይኑ ኣይረኣየንን።

እዚ ኩሉ ብእኡ ክሓርቃ: እንታይ ከም ዝሓዘን: ፈጺመን ኢደን ኣንቢረናሉ ኣይፈልጣን።

እንሆ ከኣ ሎሚ ካብኡ ዘይተጸበየኦ ውጽኢት ብምርኣየን ክውሓጠለን ኣይከኣለን። ነቲ ኣሪመንኦ ዝሓለፋ ከም እንደገና ተጠንቂቐን ክእርምኦ ጀመራ። ካብ ሓደ ክሳብ ቁጽሪ ሽዱሽተ ዘሎ ሕቶታት ብልክዕ ተመሊሱ፣ ሻውዓይቲ ሕቶ ግን: 5+5= _ ንእትብል ሕቶ፣ 010 ገይሩ ባዶ ስለ ዝወሰኸላ ጌጋ ረኸባሉ። ሓጐስን ሕርቃንን ብሓደ ተደባለቐን። እታ ከየስተውዓላላ ሞሊቓተን ዝነበረት ጌጋ ብምርካበን ሓጐስ ከተስንቐን ከላ፤ ኣመላልሳ ናይ’ታ ጌጋ ግን ከም ዝቐድሐ ሓባሪት ቅጥፈቱ ኮይና ስለ ዝተሰመዓትን ካብ ሓጐሰን ቁጠዐአን እናበኣሰ ከደ።

“መምህር ባህጉ ዝወዓልኦ ፈተና ይተርፍ ተጠ ውዮም ግልጽ ኢሎም ክቐድሑ ርሳስ ወዲቓቶም እውን ንኸልዕሉ ፍቓድ ኢዮም ዝሓቱ…” እናተባህለ ብኣጋንኖ ብብጾተን መምህራን ከም ዘይተመስከረለን ኣብ ሎሚ በጺሐን እቲ ሰነፍን ፈዛዝን ዝብልኦ ቈልዓ ክጻወተለን! እሞ ከኣ ሓንቲ ወይ ክልተ ከይከውን ብዓሰርቲኡ! ሕርቃነን ክግንፍል ደለየ።

“በስመኣብ በወልድ መንፈስ ቅዱስ፣” በላ፣ ዝገንፈለ ቁጠዐአን ንኸዝሕላ። ንሰን’ውን ብሕርቃን ተደፋፊአን ንኸይጋገያ፣ ህድእ ኢለን ነተን ዝተረፋ ሰለስተ ሕቶ ኣሪመን፣ ነታ ጌጋ ዝበለኣ’ውን ብጥርጣረ ህውኽ ፍርዲ ንኸይህባ ካብ ባዶ ፍርቂ ሓሲበን: ንግዜኡ ብድምር ትሽዓተን ፈረቓን ሃበኦ።

ነታ ሓቂ ክፈልጣ ተረበጻ። ናይ ዕረፍቲ ክፍለ ግዜ ከይተፈለጠን ዝሓልፍ ዝነበረ: ኣብ ሎሚ በጺሑ ዝነውሐ ኮይኑ ተሰምዐን። ሰዓት ምእካል ኣብዩወን እናዕለበጣ ከሎዋ: ደወል እተዉ ተደወለት።

ነቲ ክእርምኦ ዝጸንሓ ወረቓቕቲ ብሓደ ጸግዒ እቲ ጠረጴዝአን ኣንቢረን፣ ካብታ ተሳሓቢት ናይ ኮሞዲኖ ነታ “ኣባዲት” ኢለን ዝሰመያኣ ቀያሕ ሻሙጠን ኣልዒለን: ናብ’ታ ናይ’ቲ ህጻን ክፍሊ እናተሃንደዳ ከዳ።

መምህር ኣብ ክፍሊ ከም ዝኣተዋ ዘየስተውዓሉ ተመሃሮ ገሊኦም ብጸወታ ቅልስ ኣብ መሬት ወዲቖም፣ ገሊኦም ኣብ ልዕሊ ጣውላ ደዪቦም፣ ብዓውታ ክምድሩን ክደርፉን ዝጸንሑ: ምስ ርኣይወን ብስንባደ ኣኣብ ዝነበሩዎ ቅዝዝ በሉ። ተናዊጻ ዝጸንሐት ክፍሊ መርፍእ እንተ ወደቐት እውን ድምጻ ኣብ ዝስማዕ ደረጃ ጸጥ በለት።

“ቦቦታኹም ሓዙ!” በላ መምህር ባህጉ በቲ ዘርዕድ ድምጸን።  ወዮም ህጻናት ከምዘን ኣናጹ ስቱኽ ስቱኽ እናበሉ በቦታኦም ሓዙ። በቲ ዋዕዋዕታ ህላወኡ ተዋሒጡ ዝጸንሐ ገዚፍ ቀጠልያ ሃመማ በየን ከም ዝጸንሐ ቦሎኽ ኢሉ ኣብቲ ማእከል ዚዚ… ዚዝ… እናበለ ክልተ ግዜ ነታ ክፍሊ ኮሊሉ በታ ክፍቲ መስኮት ወጺኡ ዕዝር በለ። ምስ ምውጻእ ናይ’ቲ ሃመማ: ማዕጾ ናይ’ቲ ክፍሊ ዓቐቕ ኢሉ ተኸፍተ። መምህር ባህጉ ግልጽ በላ። ተመሃሮ’ውን ንዐአን ተኸቲሎም ብኹሎም ብሓደ ናብ’ቲ ማዕጾ ጠመቱ።

“ኣታ ምጹጹላይ!… ንስኻ ከኣ’ሞ’ዛ ልበይ ቶግ ከይበልካያ ኣይክትዓርፍን ኢኻ… ኣበይ ኢኻ ጸኒሕካ?” መምህር ባህጉ ኣጓጠጣሉ።

“ትሸይን፣ በለን” ሻርኔራ ናይ ስረኡ ዓጺዩ ናብአን ብፍርሒ እናቐረበ።

“መሸኒትካ ትሎኾኽ: ሕለፍ!” ኢለን ኣብ መንኮቡ ብኢደን ጠፍ ኣበለኦ። ናይ ጽልኢ ከይኮነ ናይ ፍቕሪ ጠፍታ።

ድቂ ኣካላቱን ሲኦል ዝኾነ ጠባዩን ገዲፍካ ዝፍቶ ህጻን ኢዩ። ካብቶም ኣሎዉ ዝብሃሉ ጽሬቱ ዝሓለወ፣ ዝመሰሎ ንኽሓትትን ክምልስን ድሕር ዘይብል፣ ንፍልጠት ህርድግ ዝብል፣ ሰሓቕን ዋዛን ዘይፍለዮ ተመሃራይ ኢዩ። ሽሉኽ ኢሉ ኣብታ ቦታኡ ብጐኒ እቲ ሰነፍ ተመሃራይ ኮፍ በለ።

“ለካ!” በላ መምህር እቲ ዓሰርተ ሕቶ ካበይ ከም ዝቐድሖ ተራእዩወን።

“ሕራይ ተመሃሮ… ሎሚ ንግሆ ዝነበረና ፈተና ትዝክርዎ’ዶ?”

“እወ!” ክፍሊ ከም እንደገና ብሓደ ድምጺ ተናወጸት።

“እምበኣር ኣጸቢቑ መዘኻኸሪ ክኾነና ሕጂ ብቓል ክሓተኩም እየ!”

ገና እቲ ሕቶ ከይቀረበ ከሎ: ናይ ቈልዕነት ነገር ተቐዳዲሞም ንኽምልሱ: ዝላ ዝተሓወሶ “ኣነ ኣነ” ዝዓይነቱ ብኹሎም ኣእዳዎም ሓፍ ኣበሉ።

ወዮ ሰነፍ ቈልዓ ካብ ኩሎም ንበይኑ ኢዱ ከየልዓለ: በቶም መማህርቱ ከም ዝተገረመ ክሳዱ እናጠዋወየ ንኹሎም ክርእዮም ጀመረ።

እዚ ዝረኣያ መምህር ባህጉ ኣዝየን ተገረማ። ሕርቃን‘ውን ተሰመዐን።

“እምበር’ዶ እዚስ ንሓዋሩ ሰብ ክኸውን’ዩ?” በላ ብውሽጠን። ከም ቈልዓ ብንእሱ ገረብ ብርሕሱ ዝብሃል ነቲ ቈልዓ እንተ ብምኽሪ እንተ ብተግሳጽ ካብዛ ዕለት እዚኣ ክቕይርኦ ከም ዘሎወን ወሰና።

“ንስኻ” በላ ካብቶም ዳሕረዎት ብጸግዒ ኣእዳዎም ሓፍ ኣቢሎም ክምልሱ ተዳልዮም ዝነበሩ ንሓደ መሪጸን።

“ሰለስተ ተደመሮ ሓሙሽተ ክንደይ ይኸውን?”

ወዮ ተመሃራይ መንፈዓቱ ከርኢ ቅድሚ ሰቡ ክምልስ ኣእዳዉ ከወጣውጥ ከም ዘይጸንሐ ድንግር ኢሉዎ “ሓሙሽተ ተደምሮ ሰለስተ…” እናበለ ነቲ ሕቶ ክደጋግም ከይኣኽሎ ብኣጻብዕቱ ክቖጽር ምስ ጀመረ ትዕግስቱ ዝወደአ ‘ሲኦል ምጹጽላይ’ ብድድ ኢሉ “ሸሞንተ” በለን።

“መን ንዓኻ ሓቲቱካ?” ብምባል ሓንቲ መራር ኣባዲት ኣቐመስኦ። ወዮ መላሲ “ሃይ” ኢሉ ቆርጢሙዋ ጸጥ በለ። እቲ ክወጣወጥ ዝጸንሐ ኣእዳው ተመሃሮ’ውን ብሓባር ወሪዱ እርንብ በለ። ሰጥ! ጸጥ!

“ካብ ሕጂ ንንዮው ከይሓተትኩዎ ዝምልስ ወይልኡ!” ብምባል ምሕረት ከም ዘይገብራ ብዘርኢ ነታ ኣባዲት ብሓይሊ ኣወዛወዝኣ። ተመሃሮ ጸጥ በሉ። ስነ-ስርዓት ብዝመልኦ ሓደ ሓሙሽተ ዝኾኑ ምስ ሓተታ: ናብቲ ቀንዲ ናይ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ሕማም ርእሲ ዝኾነን ሰነፍ ዝበለኦ ገጸን መሊሰን ቊሊሕ ኢለን ጠመትኦ። ንሱ ግን ፍጹም ኣየድሃበለንን። ድንን ኢሉ ነበረ።

“ንስኻ?” በላኦ።

ልቡ ፈግ በለት። “እ” በለን ብፍርሒ ዓይኒ ዓይነን እናጠመተን።

“ሓሙሽተ ተደመሮ ሓሙሽተ ክንደይ ይኸውን?”

“እ”

ሰንቢዱ ከም ተዳህለ ተረደአን። ፍርሒ ምእንቲ ከይስምዖ: ነታ ኣባዲት ሻቦጠን ኣብቲ ጣውላ ኣንቢረን: ብፍሕሽው ገጽ ክልቲኡ ኣእዳወን ሓፍ ኣቢለን ብኹሉ ኣጻብዕተን ብምዝርጋሕ “እዚኤን ተደመሮ እዚኤን ክንደይ ይኾና?” በለኦ።

እቲ ተመሃራይ ነተን ዝተዘርግሓ ኣጻብዕተን በብሓደ ከም ዝቖጽር ዘሎ ኣዒንቱ ናብቲ ኣጻብዕተን ተኺሉ ደረቐ።

እታ ክፍሊ ዝያዳ ጸጥ በለት።

“ኣጆኻ! እዚኤን ምስ እዚኤን እንተ ደሚርካየን ክንደይ ይኾና?” ህድእ ኢለን ሓተትኦ።

እቲ ቈልዓ: ሓንሳእ ነተን ኣጻብዕተን: ሓንሳእ ከኣ ነዒንተን እናረኣየ ቀባሕባሕ በለ።

“ወይለከ ባህጉ: ኣንታ ንዓኻ እኳ’የ?” ትዕግስተን ጸንቀቓ።

ገጹ ብፍርሒ ብረሃጽ ታህታህ ክብል ጀመረ። መምህር ባህጉ እታ ኣባዲት ሻመጠን ሒዘን ክቐርባ ምስ ጀመራ: ሃንደበት ብድድ በለ። ድምጹ ዓው ኣቢሉ ከኣ: <ትሽዓተን ፈረቓን፣” በለን።

እታ ክፍሊ ብሰሓቕ እቶም ተመሃሮ ተናወጸት። መምህር ባህጉ ግን በርቂ ከም ዝሃረመን ደረቓ። ነታ ጓል 10 ዓመት እንከሎዋ ብማዕጾ ፍርቃ እተቖርጸት ናይ የማነይቲ ኢደን ሓባሪት: ኣጻብዕተን ፍዝዝ ቅዝዝ ኢለን ጠመታኣ። ኣዒንተን ብንብዓት መልአ። ዘረብረብ ኢሉ ቅድሚ ምፍሳሱ ግልብጥ ኢለን ካብቲ ክፍሊ ወጻ። እቶም ተመሃሮ ብኹነታተን ሰንቢዶም፣ ሰሓቖም እናቓሃመ ነንሕድሕዶም ተጠማመቱ።

ዛራ ንብዓተን ተጸንቂቑ ዘፍ ምስ በለ፣ ካብታ ተደፊአን ክነብዓላ ዝጸንሓ መአረሚት ጣውለአን ቅንዕ ምስ በላ፣ ንፈለማ ግዜአን: ኣብ ዕድሚአን ምሉእ ተኸዊልወን ዝነበረ ሓቂ ተኸሰተለን። ብሰንኪ ጉድለት ኣጻብዕቲ ካብ ትምኒተን እንተ ተኾለፋ ህይወት ከም ዘብቀዐት፣ ዕድመ ንእስነተን ኮሊፈን ምሕላፈን ኣዝዩ ተሰምዐን። ስንፍና ማለት እቶ ሓቀኛ መኻልፍ ስንፍና ኣብ ግዜ ህጻንነት ዘይኮነ ኣብ ግዜ ንእስነት ከም ዝውለድ ወይ ከም ዘጓንፍ ንፈለማ ግዜ ብነብሰን ተመህራ።

እቲ ሰነፍ ኢለን ዝሓስብኦ ዝነበራ ቈልዓ ቅጅል በለን።

“ወይ ኣነ: ለካ ኣነ’የ ሰነፍ ነይረ!” ኣዒንተን ቁጽርጽር በለ። እህ! ኢልካ ኣብ ዘይምለስ ዕድመ እህ! ኢልካ ኣብ ዘይእረም ግዜ።

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleገጠምትና ብተሞክሮ’ምበር፣ ብትምህርቲ ወይ ብስልጠና ዝዓብዩን ዝተረኽቡን ኣይኰኑን፤
Next Article ምዕንባብ ብምንታይ፧
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?