Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ተዝካር

ተዝካር

0
By Mekonnen T. on February 29, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

(ዋይ ብገለ ተቐዘፍ!)

“ቅዙፈይ’ያ”!?
ኣንታ ጽቡቕ ወዲ
ንዓይ ከኣ ሕጽይተይ’ያ።

ተቓጢብካ ድዩ መናጢልካ
ኬክን ካፑቺኖን ትጋብዛ ምንባርካ፤
ዘልኣለም ብሓደ ክትነብሩ
ምሒልኩም ምንባርኩም ሰሚዐዮ ዅሉ።

ናይ ጓል ነገር
ሓዲሱካ’ምበር
’ታይ ገደሰካ ነብስኻ ተውድቕ?
ሎሚ ትጥለም….
ጽባሕ ማይ ትመስል ተምጽእ።

ቅድሚ ዓመታት’ዩ
’ዛ ዕስራ’ኳ ረገጽኩ’ይረገጽኩ
ከም’ዚ ከማኻ ንእሽቶ ከለኹ
ከም’ዚ….
ኣብ ክንደይ ዓቕመይ
ኣብ ክንደይ ትርኢተይ፤
ኣብ ክንደይ ምትሓዙ
ጸጕረይ እጥቕልሎ
ፍሒሰ ፈሓሒሰ ዝባን ቅንፍዝ አምስሎ፤
ድንን ’ተይሉ
ብኸፊል ዝስጣሕ ኣዕውዲ-መዓዃዅሩ
ዕርቃኑ ክኸድኑ
ጸሓይን ንፋስን ዝቀዳደሙሉ፤
ሓላፍ-መገዲ ረርእዩ ዝንዕቆ
በትኪ’የ ኔረልካ – ወዛል መዓጥቖ!

ሽዑ ሓንቲ መማህርተይ ነይራ
ዝዓብደላ – ኣመና ዘፍቅራ፤
ቅልጽማ ብኢደይ ዓቲረ
ስረይ ከይመልቈኒ ኣእጋረይ ገቲረ
ሸናዕ እንክብለልካ ኣብ’ቲ ጐደና
ይመስለኒ ነይሩ ኣነ’ምበሳ
ሕዛእተይ ድማ ንሳ።

ምሒልናዮ ማሕላ ዘንተ-እለት
ማንም ከይፈልየና ብዘይካ ሞት፤
ምስ ግዜ ግን እንድዕሉ
ኣእምሮይ ክሻቐል ጀሚሩ።

ስምዒተይ በቲ
“ሰዓማ፣ ሕቖፋ….ኣብላ” ይብለኒ
በቲ ድማ
ወዝቢ፣ ቀልጢፋ ትረግፍ ይመስለኒ።
ሓልዮት ማለት ከምኡ መሲሉኒ
ከም ስብሕቲ ለሚን
መላእ ኣካላታ
ገላቢጠ ’ናደራረዝኩዋ
ፍረ ጥብ ከየበለት
ደም ወዲኣ ከይትጥምቡቐኒ፤
ምክንኻን ማለት ንሱ መሲሉኒ
ካብ ገበታ ሽኰር
ከም’ቲ ዓንኳር ሽኰር
ከናፍራ ፈልየ ክመጽዎ’ንክመጽዎ፣
ሓድ-ሓደ ሳዕ ውን ናጽላ ተቐይረ
ከንፈር መሲሉኒ
ጡባ ’ንክሰሃሎ ንቝት ኢለ፣
በቲ’ምቅሩኒ
በቲ የሻቕሉኒ
ኣብ ሓዲድ መልሓሰይ ተጣሒኖም ሕቕቕ ከይብሉኒ፤
እና ተጣበብኩዋ
ንዘልኣለም ከመይ ተናብረኒ፤
ግዲ መዝሚዙኒ
ግዲ ቐቢጹኒ
ብዓቢኡ ፍቕሪ ሓቒቑኒ
ኣብ ኢደይ ሞይቱኒ።

በጃኻ….ትም ኢልካ’ዩ።
ፍቕሪ ግን እንታይ’ዩ!?

ንስኻትኩም ከ’ባ ገለ ፈቲንኩም ዶ?
ማለተይሲ….ዓራት ተማቒልኩም ትፈልጡ ዶ?
ፐፐፐፐእ!…..’ሔውው
ይትረፈኒ ወደይ – ግደፎ።

ብድሕሪኡ’ብለካ
ሕጹያ ርእየ ክርሕቀላ
ክተላልየኒ ክንደይ ተጋዲላ።

መርዓኣ ተቘጺሩ ሰሚዐ
ነቢዐ….ነቢዐ….ነቢዐ፣
ሓሓሲብካ፣ ዘዘኪርካ ብስጭት ጸሊአ
ድሮ’ቲ መርዓ
ካብ’ቲ ከባቢ ሃጽ ኢለ ጠፊአ
እነኹልካ ክሳብ ሎሚ ጠፊአ
ሓዘነይ ረሲዐ
አዘንቱ ኰሪዐ።

ስለዚ….ኣለካ ምሽ
ንዓኻ ዶ ጠፊኡካ
ከም’ቲ ትግጥሞ…..በቃ ተበሊዕካ።

ኣይትብከ’ታ’ጆኻ፣ ቸድ!
ደኒንካ ኸይትነብር
ድንን-ድንን ኣይትበል ከም ሰራቒ
ዕምት ኢልካ’ኮ ትወሓጥያ ሓቂ።
ግዳ መርዓ ከይትተርፍ – ክጽበየካ’የ
ንዓኣ ውን “ብኽብሪ ዓድምዮ” ክብላ’የ።

2-2016
ቦኽረ ገብረየሱስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ደርዘን ሕቶ ንገጣሚ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?