Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 29, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»“ተረፍ፥ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”

“ተረፍ፥ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”

0
By Mekonnen T. on November 18, 2016 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ተስፊት ኣብርሃም

መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

ኣርታዒ፡ ሄኖክ ተስፋብሩክ

ደራሲ፡ ኣኸደር ኣሕመዲን

ቤት ማሕተም፡ ናለት

ዕለተ ሕትመት፡2014

መጽሓፍ ተረፍ፡ እንከተንብብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ነናቱ ጦብላሓታን ዝኽርን ዝገድፍ ዕዮ ዝሓቆፈት ኰይና፡ ኣስካላ ህይወት ናይ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ እና’ንጸባረኸት ተርኢ ኢያ። ነዛ መጽሓፍ ዝያዳ ተነባቢትን ተዘካሪትን ዘግብራ ድማ፡ ሓደ ደራሲ ብዝተፈላለየ ኣፈጻጽማ ቅዲታት ዛንታ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ኣካቲቱ ከቕርብ ምኽኣሉ እዩ። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ብጥምዛዜኣዊ ዛንታ (twisted end) ወይ እውን ዘደንቕ ሃንደበታዊ ዛንታ (surprise ending)፡ ትልሚ ኣልቦ (plotless story)፡ ዜላኣዊ ተመኵሮ (initiational story)ን ካልኦትን ኢዮም። [ኣስተዕል፡ ኣብዛ መጽሓፍ ኢኒሸሽናል ስቶሪ (ሌላኣዊ ዛንታ) እኳ እንተዘይ ኣጠቓለለት “መልሲ ጐደና” እትብል ዛንትኡ ግን፡ ኣብ መጽሓፍ 12 ሓጸርቲ ዛንታታት ምውካስ ይከኣል።] ብ ቾኮቭያን ሞድ ዝፍለጥ ምስ መንፈሳዊን ስጋዊን ስምዒታትካ ብምዝራብ ዝዕየ ወይ ዝፍጠር ፈጠራዊ ዛንታ እውን ኣብዛ መጽሓፍ ተኻቲቱ ኣሎ። ብሓፈሻ ነዛ መጽሓፍ እናኸተንብብ፡ ብዙሓት ካብ ልሉያት ደረስቲ ዓለምናንን ዛንታታቶምን ከተዘኻኽረካ ትኽእል። (እዚ ውልቃዊ ትዕዝብተይ እዩ። ነዚ ዝተጠቕሰ ብኸመይ ኣካቲትዎ ግን ቀዳማይ ክፋሉ እንሀ!)

ነዛ መጽሓፍ ንዅለን ዛንታታት ንክድህስሰን’ኳ እንተዘይ ክኣልኩ፡ ናብተን ዝያዳ ዝዓጀባኒ ክድህሥ ግን ክፍትን እየ። ንሎሚ ድማ በዛ ኣርእስቲ መጽሓፍ ዝዀነት ዛንታ ተረፍ ክጅምር።

ዛንታ ተረፍ በቲ ዝውቱር ዘይጽቡይ ሃንደበታዊ ኣወዳድኣ ( Surprise ending) እናተባህለ ዝግለጽ ቅዲ፡ ዝተዓየት ዛንታ ትዅን እምበር፡ ሓንቲ ካብተን እኑናት ዕዮ ናይዛ መጽሓፍ ኢያ።

ትልሚ ዛንታ ተረፍ፡ ሓንቲ ጐርዞ፡ ብሰንኪ ደሕረዋይ ውግእ፡ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ትነብረሉ ዓዲ ብጸላኢ ስለ ዝተትሓዘ፡ ንሳን ኣደኣን ድማ፡ ኣብቲ ዓዲ ስለ ዝጸንሓ፡ ከም ዝተዓመጻ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ዛንታ ድማ፡ ዘገርም ሓዘኔታዊ ፍጻመ ኰይኑ ንረኽቦ። እዚ ዅሉ ዛንታን ፍጻመን፡ በቲ ቀንዲ ጠባይ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዀነ መንእሰይ እዩ ዝዝንቶ። እቲ መንእሰይ ምስ ኣሃድኡ ኣብቲ ከባቢ ብምንባሩ፡ ነታ ጓል ወትሩ ጸሓይ ክትጽሎ ብማዕዶ ዪሪኣ ስለ ዝነበረ፡ ፍቕሪ ምስኣ ስለ ዝሓደሮ ድማ፡ ከም ዘፍቕራ ክገልጸላ እሞ፡ እንተሰለጦ ከኣ፡ ነታ ብጽምዋ ተዋሒጣ ዘላ ወላዲቱ፡ ካልኣይቲ እንተዀነታ ብምባል ባህጊ ናይ ምውናን ኣሕዲሩስ ክሓታ ምስ ከደ ግን፡ ዘይከምቲ ዝበሃጋ ዘይኰነትስ፡ ተዓኒዳን ፍጹም ዘይትዛተብን ዕብስቲ ኰይና እያ ትጸንሖ።

ዋና ጠባይ፡ ካብቲ ኲናት ካብ መስዋእቲ ድሒኑ ብምውጽኡ፡ ነታ ንኽልተ ዓመታት ዝተፈለያ ወላዲቱ፡ እንታይ መሲሉን ሒዙን ከም ዝኸዳ ዝሓርበቶ እንክመስል ኣብሓሳብ ጥሒሉ እንከሎ’ዩ እቲ ዛንታ ዝፍልም። (ጥቕሲ ክጥቀም)

“እቲ ዲቕ ዝበለ መሪር ኵናት ዝግ ምስ በለ፡ ንኽልተ ዓመታት ዝተፈለዅዋ ኣደይ፡ ‘እንታይ መሲለን፡ እንታይ ሒዘን ክኣትዋ እየ?’ዝብል ሓሳብ ክትል ክብለኒ ጀመረ።” ኢሉ ንዝጀመሮ ዛንታ፡ ጌና እውን እቲ ኲናት ክቕጽል ድዩ፡ ክዛዘም ኣብ ዘይ ንጹር ኵነት ከም ዘሎ እና ኣእንፈተ፡ ናብቲ ቀንዲ ዛንታ እዩ ዘእትወና። ግን፡ እዚ ወዲ ነቲ፥ “… መሲለን ሒዘን…” ዝብል ኣዋጣሪ ሕቶ፡ እንታይ እዩ ኢልካ ንኽትመራመርን ኣብ ሓሳብ ምስኡ ከም እትጥሕልን እውን ይገብረካ ኢዩ። እቲ ‘ሒዘ?’ ዝበሎስ ገለ ነዛ ቡና ዝኸውን ገንዘብ ወይ እውን ኣስቤዛ ንገጽ ወላዲቱ ንምርኣይ ዝዀኖ ዶ ሓሲቡ ይኸውን? ትብል እሞ? እቲ “መሲለ?” ዝብሎ ከ ‘ንዓ ነቡኻ ምሰል እዚ ወደይ!’ እናበለትዶ ዀን ተሸግሮ ኰይና’ያ? እናበልካ ድማ ኣብ ካልእ ሓሳባት ከም እትሽመም እገብረካ።

ኣዘንታዊ፡ ነታ ጐርዞ ብሓንቲ ወስታ ከም ዝፈተዋን፡ ብዝያዳ’ኳ ጦፍ ሓዲሮም ንጕሆ ንጕሆ ብኣፍ-ደገ ገዛኣ ክሓልፉ እንከለዉ፡፥ ወትሩ ብምርኣይ መመሊሱ ከም ዝፈተዋን ኣብ ልቡ ከም ዝሓደረን ኣብዚ ዛንታ ይንበብ። ብሰንኪ ፍቕራ ድማ፡ ኣብ ትዕዝብቲ ሓለፍቱ ከም ዝኣተወ። ብሕማቕ ገምጋም ሃዳምነት ከም ዝተጠርጠረን ካብ ትዕዝብቶም ከም ዝተረደአን እውን የዘንትወልና ኢዩ። ብፍቕሪ እታ ጐርዞ፡ ኣዝዩ ከም ዝተሃስየ፡ ብውሽጡ ክምጕሳን ንበይኑ ምስ ነብሱ፡ ብዛዕብኣ ከዕልል ከም ዝጀመረን ድማ ይረአ። ንኣብነት ‘ንምንታይ ተሪፋ ንበይና ኣብዚ ዓዲ’ ኢሉ ምስ ነብሱ ክመላለስ እንከሎ፡ ምስ ደጋዊ ጽባቐኣ እናዛመደ ክገልጻ እዩ ዝስማዕ። (ጥቕሲ ክጥቀም ኢየ)

“‘እዚኣ ደኣ ግርማን ቅርስን ናይዚ ዓዲ ትዅን ኢሎም እዮም ገዲፎማ ዝዀኑ እምበር! ዓዲ ብዓዳ ነዛ ጽብቕቲ ከተትርፍ ኢላ እንተትዋጋእ’ውን መጸበቐላ። ውግእ እንታ’ዲኡ ትርጕምዶ ኣለዎ ኢዩ ካልእ? ንምንታይ ግዲ ኢና ንዋጋእ? ዶራን ሓመድ ከተኽብር ኢልካ ጥራይ ካብ ምውጋእ፡ ንኸምዚኣተን ጽቡቓት ከተትርፍን ከተኽብርን ኢልካ ምውጋእ ዝያዳ ሽም እንተ ዝወሃቦ ምሓሸ. . .'” እናበለ ምስ ሕልንኡ ዓቕሉ ክሳብ ዝጸቦ ክማጐት እርአ። (እዚ ኵሉ ሓሳብ ዋርድያ ወጺሉ ኣብ ዝነበረ ለይቲ ኢዩ።)

እዚ ዋና ጠባይ ኣዘንታዊ፡ ብፍቕራ ኣዝዩ ከም ዝተስዓረ፡ ካብ ወትሃደራዊ ድስፕሊን ወጻኢ ሰዓታት ዋርድያኡ ኣእኺሉስ ንብጸቱ ከየተስኦም ብኣኣ ክሓስብ ብድሕሪኡ ዝነበሩ ተረኛታት ከም ዘየተስኦም እዩ ዘዘንቱ።

ኣብ መወድኣታ ድማ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብቲ ጦፍ ወጺኦምሉ ዝሓደሩ ክምለስ እንከሎ፡ ተሓቢኡ ብምትራፍ ክሪኣን እንተ ውሓደ እውን ነዛ ገጻ ቀሪቡ ብምርኣይ ‘ገለ ድሃይ ድምጻ’ኳ እንተሰማዕኹ፥’ ብምባል ኢዩ ክተርፍ ወሲኑ። ንውሳኔኡ ከም ዘተግበሮ እውን ንዕዘብ። (ሕጂ እውን ካብ ጥቕሱ ክውከስ ኢየ)

“ከመይ ሓዲርኪ ናተይ ጽብቕቲ?” . . . በላ ኣይመለሰትሉን። ንዅሉ ኣካላታ ክጥምታ ዓቕሚ ምስ ረኸበ ከኣ እንትርፎ መናድቕ ጽባቐኣ፡ እምበር ኣካላ ከራፊሑ፡ ጸጉሪ ርእሳ ብፎሮፎር ከም ዝፋእፍአ፡ ኣጻብዕታ ብርስሓት ከም ዝተመልአ፡ ኣልባሳታ እውን ካብ ኣካላ ከይወጸ ነዊሕ ከም ዝገበረ እየ ተዓዚበ፡ ብምባል እዩ ዘዘንትወልና።

ኣዘንታዊ ዋላ እዚ ይተዓዘብ እምበር፡ ጐስዩዋ ክኸይድ ወይ ክምለስ ግን ኣይመረጸን። ዘይምምላሳ ስለ ዝገረሞ፡ ምስ ነብሱ ክካታዕ ኢና ንዕዘቦ። ‘ክዳነይን ዕጥቀይን ዶ ተፍኒግዋ እኸውን ወይስ ነቶም ድሃዮም ዘጥፍኡ ኣሕዋታን ደቂ ዓዳን ኣናፊቕዋ እዩ ዝኸውን’ ኢለ ገመትኩ። ይብለና እሞ፡ ከምዚ ክብል ድማ እስማዕ፡

“ናይ ኣደታትኪ’ባ ውሰዲ በጃኺ…! ጋሻ ተቐቢልኪ ኣይትኽእልን ዲኺ ኣቲ ድራር ዓይኒ…! ማይ በሊ ኣስትይና!” ከምዘይ መለሰትሉ ይሕብረና።

ቀጺሉ፡

“ክሳብ ክንድኡ እባ ደረቕ ልቢ ኣይሃልኺ፡… ንዓኺ ክብል እኳ’የ ካብ መስርዐይ ተሪፈ!…” ብምባል ብሰንኪ ስቕትኣ ዝነበሮ ቅልውላው ናይ ማዕዶ ቆላሕታዊ ፍቕሪ ክድሕድሓላ ብዝመስል ቃና፡ ነዛ ድምጻ ንኽሰምዕ ከዛርባ እናፈተነ፡ ብውሽጢ ዝመጸት ኣዲኣ፡

“ተረፍ እያ ‘ወ እንታይ ዝዀንካ ኢኻ ተረፈ… ዝተረፈ ትብል ዘለኻ?” እናበልኦ፡ ምስ ረኣየዮን ምስ ኣለለይኦን ግን፡

“ኣዲኻ ትደፋእልካ! ወድና ኢኻ ከኣ!” ከም ዝበልኦ የዘንትወልና።

እሞ እዚ ርህራሀ ኣደ ንተስፋን ተርባጽን እዚ ደላይ ጓለን ትምልሰሉዶ ትኸውን? ንሱኸ ተቢዑ ጓልክን ፈቴያስ ትህባኒዶ እብላ እኸውን? ወይስ ሓፊሩ እዩ ሕስይስይ ክብል? ብምባል መሊስካ ነታ ዛንታ ከተንብባ ትቕሰብ። ንሱ ጌና ከይተዛረበ ግን ድምጺ እታ ኣደ ጓል ይስማዕ፡

“ዘለና የብልናን እምበር ብርክኻ ስበር… ዝወደይ!”

ንሱ ድማ፡ ናብታ ጎርዞ እናጠመተ፡

“ቡን ተስትይና ዲኺ እሞ ንማማ ክንሰምዐን…?” ከም ዝበላ የዘንትወልና። ኣብ መንጎ ድማ፡ ነታ ካብ ልቡ ዘየግልላ ኣደኡ እናዘከረ፡ ‘ናይ ልበይ ኣፍቂረኪ፡ ናተይ ክትዀኒ፡ ብወግዒ ብኽብሪ፡ ናብ ኣደይ… ንገዛና ክወስደኪ’የ…ንስኺ ኢኺ በቃ ንስኺ ኢኺ መረስረሲተይ…’ ክብላ እንከለኹ ብኸመይ ዝምቅር ቃና ክትምልሰለይ ትኸውን…? እየ ዝሓስብ ነይረ።” ኢሉ ኣብ ሓሳብ ከም ዝኣተወ የሪኤና፡

“እህም! ኣይትሰምዓካን እያ ወደሺ! ኣይትሰምዕንያ… ኣይትምልስን እያ… መድፍዕን ሓሶትን እንታይዶ ገዲፉልና እዩ። ኣጽሚሙዋ እዩ። ካልእ እውን ኣሎ ካልእ… ልባ ኣበይ ከም ዝተሸርበኳ ኣዲኣየ… ዋይ ኣነ ጓለይ…!”

“ኣንትን ማማ እዚኣ ትመስል’ሲ… እሞ ገለ ዘይትገብራ…?”

“እንታይ እየ እሞ ክገብር ኣዴኻ?”

“ሕክምና… ዋላ ማይጨሎት ገለ ዘይትፍትናላ?

“እህም! ማይጨሎትዶ በልካ…! ኣይ ዓሚጾማ እንድዮም… እንታይዶ ገዲፎምላ እዮም… ርጉማት ዓመጽቲ…! ንዕምጽቲ ጓል ሄዋን ዝኸውን ፈውሲ እንተ’ለካ ደኣ ሓብር እምበር… ድሕሪታ ናይ ሽዓ ኣውያታ’ኳ ኣፋ ኣይተኸፍተን… ዋይ ኣነ ጓለይ፡” ምስ በለኦ ንምዓቱ ብምግታእ ንምስሊ ኣደን ጓልን ክሳብ ከለልዮ ዝጽገም ከይወሰነ ድማ ብሓይሊ ዝባኑ ሂብወን ናብ ኣሃዱኡ ከም ዘምርሐ ብምንጋር እዩ ዝዛዝማ።

ዛንታ “ተረፍ” ኣበሳ ኵናት ከቢድ ምኳኑ፡ ብምስሊ እዘን ኣደን ጓልን ንምርድኡ ይከኣል ኢዩ። ኣዘንታዊ ድማ ነዲኡ ካልኣይታ ክትዀና ዝተመነያ ጐርዞ ብዘይ ምስማሩ፡ ልቡ ከም ዝተጐዘ ንርኢ። ኣዲኡ ድማ በቲ ካልእ ህይወት ብጽምዋ ከም ዝተውሓጠት፡ ብሻቕላ ወላዲኣ ከመይ ከም ትህሉ ንምግማቱ፡ ካብዛ ዛንታ ንምግንዛቡ ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብዛ ዛንታ ዘሎ ቦታ ምከና ድማ ካብ ጻት ንጻት ወሰናስን ዶባት ዘለዋ ዓድታት እዚ ከምዚታት ታሪኽ ይጸልወንን ዝጸለወንን ብምኳነን ኣብ ተትፈልጦ ቦታ ነፍሲ ወከፍ ኣንባቢ ኣብ ስእለ ኣእምሮኡ ክቐርጾ ኣይጽገምን።

በዚ ቅዲ እዚ ዝተዓዩ ሓጸርቲ ዛንታታት ሃገርና ዳርጋ ኵሎም ኢዮም። ይዅን እምበር ከምዛ ዛንታ መንፈስ ዘለዋ ዛንታ ግን ኣይረኸብኩን። ነዚኣ እትመስል ዛንታ ድማ፡ “ሕብእቲ መልኣኽ” ናይ ቢንያም ፍሳሃጼን ኢያ። እታ ብዓይኒ ማዕዶ ዘፍቅራ ሄዋን ምስ ራእያ ግን ስንክልቲ ዀይና ትጸንሖ።

ይቕጽል. . .

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleቃለ-መጠየቕ ገጣሚት ወሓዚት ኣብርሃም ምስ ዛራ ገጠምቲ
Next Article ተረፍ፥ ነጸብራቕ ሓደ መንእሰይ
Mekonnen T.

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

December 28, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?