Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»ዝባን ጥበብ»ተረፍ፣ ነጸብራቕ ሓደ መንእሰይ

ተረፍ፣ ነጸብራቕ ሓደ መንእሰይ

0
By Mekonnen T. on November 26, 2016 ዝባን ጥበብ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሳልሳይ ክፋል

ተስፊት ኣብርሃም

ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ድማ ኣብቲ ብቸኮቭያን ቅዲ እናተባህለ ዝጽዋዕ ቅዲ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ ብምትኳር ኢየ፡ ነዛ “ዕርቂ” እትብል ሓጸር ዛንታ ክድህስስ። ቅድሚኡ ግን እዚ ቸኮቭያን ቅዲ ዝበሃል ብኸመይ ኢዩ መዓቢሉ? እንታይ ጽልዋ ኸ ኣሕዲሩ? ካበይ ኢዩ ኸ ዝብገስ? ስለምንታይ ከ ብስም ሓደ ደራሲ ክፍለጥ ኪኢሉ? ብሓጺሩ፡ ሩስያዊ ኢዩ። ሓደ ካብቶም ጸለውቲ ጽሓፍቲ ዓለምና ድማ ኢዩ። ምስ ብዓል እኒ ሞፑሳንት፡ ኣላንፖን ካልኦትን ማዕረ ማዕሪኦም ከጸውዖ ዝኽእል ኣብ ታሪኽ ስነ ጽሑፍ ሓጺር ዛንታ ዝኽኣለ እምበኣር፡ በቲ ኣገባብ ኣጸሓሕፍኡ ብ ‘ስነ ኣእምሮኣዊ ዛንታ’ ዝፍለጥ፡ ስምዒታትን ምጥርጣራትን ኣብ ኣእምሮ ዝፍጠሩ ጠባያት፡ እቲ ዝገብርዎ ዝርርብ ድማ ነጸብራቕ ናይቲ ምስ ነብሶም ዝመላለስዎ ምጕት ኢዩ። እዚ ብኣእምሮ ዝሰላሰል ዛንታ፡ ምስ ነብስኻን ስጋኻን ኣብ ዲቕ ዝበለ ምጕት ብምእታው ግቡቕ ግርጭትን መፍትሒታቱን ዘለዎ ዋሓዚ ሓሳባት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ሎሚ ብ “ቸኮቭያን ሞድ” ኢዩ ዝጽዋዕ። ምኽንያቱ እዚ ቅዲ እዚ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከብጽሖ ዝኽኣለ ቸኮቭ ስለ ዝኮነ ኢዩ።
እሞ ዛንታ “ዕርቂ” በዚ ቅዲ እዚ ዝተዓየት ስራሕ ድያ? ጽሓፊ እዛ ዛንታ ኸ ነቲ ቅዲ ጥራይ ድዩ ርዒምዎ ወይስ ነቲ ባህልን ልምዲን እውን ከም ዘለዎ እዩ ኮፍ ኣቢልዎ? ትርጕምን ምስጢር ጥበብን ከ ኣንጸባሪቑዶ እኸውን?
ሰናይ ንባብ

20161026_032607!

“ነብሰይ፡ እምብለይ ኣይቀውምን እየ!’ ኢላ ኣብያትኒ። እምባ-ሕልና ወሪድካ ውሽጥኻ ይረአ’ሎ። . . . ” ስለ ዝተሰምዐ፡ ‘ መዋእለይ መዓቡጥ ጸላም ኰይኑ፡’ ትብል ዝነበረት ነብሲ ካብ ስጋይ ተፈልያ ክትኸይድ እያ ወዲኣቶ።” ይብል:
እቲ ኣነ እናበለ ዝትርኽ። ‘ኣነ ምስ ነብሰይ ምስ ስጋይ እናበለ ነቲ ዛንታ ክቕልሶን ክትርዀን ዝርአ፡ በዓል ኣነነት ‘ኣነ!’፡ ነብሲ ክትግስጾን ክትሽድዶን ትርአ። ካብ እምባ-ሕልና ብምርሓቝ፡ ስጋኡ ንኸስብሕ፡ ነታ ናይ ብሓቂ ዓለሙ ብምኽሓድ ኣብ ማዓሙቕ ጸላም ከም ዘስፈራ ንነብሲ፡ እታ ‘ነብሲ!’ ትበሃል እና ተዛረበቶ ትረአ። ደጋጊማ ድማ ንኻልኦት ክትምስጥ ኢልካ፡ ምስ ስጋ ደርቢኻኒ፡ ኣይንረአአ ኣይንሰማማዕ. . . ኰይንና ደርቢኻኒ ድሕሪ ደጊም ኣነ ምስ ስጋ ኣይነብርን እየ። ክኸይድ እየ ናብ እምባ-ሕልና ብምባል ልቡ ክትምልሖን ከተፍርሖን ትርአ። ድሓር ንሱ ንስጋኡ ብምምእኻል ንሓንሳብ ድማ ምስ ስጋ ብምውጋንን ምስኣ ብምስምማዕን ከኣ ክግስጥዋ ወይ እውን ክሸድዋ እፍትኑ እሞ ስጋ ድማ ክትፈርሕን ከተንፈጥፍጥን ድማ ትርአ።

“ስጋይ . . . ንባዕሉ ብፍርሒ እዩ ከንፈጥፍጥ ጀሚሩ። ኣነ ግን ብሓይሊ፡ ‘እንታይ ኰይነ ኢኺ ትብሊ ዘለኺ’ሞ ሕጂ’ ” ምስ በላ

“ውሽጥኻ ኣይትርእን ኢኻ… እወ ምሳኻ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ጽቡቕ ዓለም ቍሊሕ ኢልካዮ ኣይትፈልጥን። ኣብቲ ናይ ብልጭልጭ ግዳማዊ ዓለም ፡ ሓሶትን ሓሰርን ተተርኢስካ እናደቀስካ… ናይ ባዕልኻ ሕልሚ ገዲፍካዮ። ምሕላም ኣቢኻ። ካብ ውሽጣዊ ንስነትካ ነቒሉ ንጽባቐ ርሑቕ እዋናት ዘተምኒ ራእይ ምርኣይ ፈሪሕኻ፡ ኣንታ ፈራሕ… ኣብ ዓለምና ናይ ክልቴና ጸሓይ ፈጢርና ሓቢርና ንሙቕ፡ ሓቢርና ንወነስ፡ ንሳዕስዕ ንቆጻጸ እንተ በልኩኻ እዝኒ ከሊእኻኒ ምሽ! ኣብ ጸላም ደኣ እሞ ክሳብ መዓስ ይንበር…? ስለዚ ኣነ ገዲፈካ ክኸይድ እየ ወሲነ። ኣብኡ ድማ ንዓይ ዝኸውን ዝስእን ኣይመስለንን።” ምስ በለቶ ነብሲ፡

“እዛ ትርኣየና ዘላ ጸሓይ ከ እንታይ ኰይናትኪ…?” ክብል እዩ ምላሽ ዝህባ።

ነብሲ ግን፡ ናይ በዓልኻ ጸሓይ ፍጠር፡ ናይ በዓልኻ ዓለም ፍጠር፡ ንውሽጥኻ ጥሓል ምስ ውሽጥኻ ንበር፡ ጽሓይ ውሽጥኻ ፍጠር፡ ጸሓይ ውሽጥኻ ኣብርህ ካብ ደርገፍገፍ ተገላገል፡ ክትብሎ ትርአ።

እዝን ካልእን ምስ በለቶ፡ ሰብ ምስ ነብሱ ክሰማማዕ ዝደለየ እንክመስል ከምዚ ክብላ እስማዕ፡
“ከተፍርሕኒ እምበር ጀሚርኪ፡ በሊ’ሞ ኣብኡ እንታይ ኢና ክንገብር… ቅድም ንላዘብ።”

“ኣብኡ ካብ ብዘላ ኵርናዕ ምስ ዝመጹ መሳቱ ንራኸብ’ሞ ነዋግዕ፡ መራሕቲ መገዲ ኣለዉ ክቕበሉና እዮም። …”
ከምኡ እውን ፈላልዮም ጥዋፍ ከም ዝዕደሉ ኣይሓባእትሉን። ነታ ንእሽቶ ብርሃን ጥዋፍ ብኸመይ የዕብያን ብኸመይ ዓለሙ የማእዝናን ናቱ ብልሕን ራእን ከም ዘገድስ እውን ነጊራቶ ኣላ። ሽዑ እውን ነቲ ንስጋኡ ከሕጉስ ኢሉ ዝገበሮ እልቢ ዘይብሉ ጌጋታት በብሓደ እናመጸ ክሪኦ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ናይ በሓቂ ንሱ ክረኽቦ ከም ዝኽእል እውን ኣይሓባእትሉን።

እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ ሰብ፡ ስጋን ነብስን እናዕ አየ ክኸይድ እረአ እሞ፡ እቲ ዛንታ እናተፈጸመ ክኸይድ እንከሎ ከኣ፡ ሰብን ስጋን ንናይ ነብሲ መትከል ክርዕምዎን ክረድይዎን እስምዑ። ኣዘንታዊ ሰብ ድማ ከምዚ ክብል ነቲ ዛንታ እቕጽሎ።
“…ኣብ ምግምጋም እምባ-ሕልና ምስ በጻሕና ስጋ፡ ‘እዋይ እቲ ጉደይ ሎም መዓልቲ…! ኣንቲ ነብሲ ሓብተይ እቲ ርጉም ሰብ እንድዩ ፈላልዩና እምበር ክሳብ ክንድዚ ዘባጽሕ እኳ ዘይነበረና… ዘይ ክልቴና እንተሰሚርና ኢና ሰብ ንሰርሕ… እንታይዶ ኣለዎ እዩ ክልቴና ዘይ ንሰማማዕ ግዳ…” ምስ በላ፡ “ሕጂ ኣይኮነን ነብሲ ሓብተይ ዝበሃል ፡ በይንኻ ክትዕንድር እንከለኻ ክትዝክረኒ ነይሩካ… ዘርባዕባዕ ግዜኡ ኣይኮነን…” ኢላ ገጽ ከልኣቶ። ኣነ’ውን ኣየናሕሰኹሉን፡ “ሃዝራጥ ጨናዊ ስጋ! በይንኻ ክትሰብሕ እንከለኻ ደኣ ንነብሲ ኸ ዘይትብለኒ… ይኣኽለካ ሕጂ ኣይተዕገርግረኒ…” በልክዎ።” ከም ዝተባሃህሉ የዘንትወልና።
ቅድሚ ናብቲ በሪሕ ሕልና ምድያቦም ግን ንነብሲ ዝተፈላለየ ሕቶታት ከውርድ ይርአ። ምስ ደየብኩ እንታይ እየ ክገብር? ዕግርግር ደኣ ከይብለኒ?. . .ዝብሉ ሃለውለው እኳ ከውሕዝ እንተተርኣየ። ነብሲ ግን ንኹሉ ብትብዓት ክትምልሶ ትርአ።

“ብድሕሪ እዚ ስጋ ዘበለ ብጸጋም፡ ነብሲ ዝዀነ ድማ ብየማን ክኸውን፥ ‘ስጋ… ታኼላ ድንቍርናኡ ምስ ደረቐ፡ ጩራታት ብርሃን ነቲ ድቕድቕ ጸላም ውሻጠኡ ክሰናጥቑ ምስ ጀመሩ ባዕሉ ከለልን ክረክብን ክጅምር ኢዩ።

. ”
“. . . ቀስ ብቐስ ስጋን ነብሲን ኣብ ዋላ እናተሰቕሉ ውሽጦም ከለልዩን ክርእዩን ትብዓት ረኸቡ. . . ።”
“እቲ ብፍርሒ ንእምባ-ሕልና ዝወረደ ስጋዊ ኣካል ቁሩብተይ ከለልያን ብማዕዶ ክርእያን ምስ ጀመረስ ስሒቑ። . . . ”

ዕርቂ ብስነ ኣእምሮኣዊ ዛንታ ዝተሃንጸት ዛንታ ኰይና፡ ብሰለስተ ኵርናዕ እናተቐለሰት ናይ ንጥርጣር መንፈስን ስምዒትን እናርእየት ድማ ትዝንቶ። ንሰብኣዊ ኣነይንነትን ስጋን ድማ ነብሲ ክትስዕሮምን ከተስግዶምን ትርአ። ኣብ እምባ ሕልና ክነብሩ ከም ዘለዎም ድማ ብምርኣይ ኣብ እምባ ሕልና ሰቒላ ብሞራላዊ ወይ እውን በቶ ኣድናቖታዊ ዛንታ ብምውዳእ ከኣ እታ ዛንታ ትዛዘም።

ኣብ ዝመጽእ ክፋል ራብዓይን ናይ መወድኣታን መጽሓፍ ተረፍ፡ ንዘለዋ ድኹም ጎድኒታት ብምድህሳስ ክዛዝም እየ።


 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleተረፍ፥ ነጸብራቕ ሓደ መንእሰይ
Next Article ትዕዝብተይ ብዛዕባ መጽሓፍ ‘ድምጺ ልቢ’
Mekonnen T.

Related Posts

ሓዳሚን ድምጻዊን – ጎፍ ንጎፍ

October 4, 2020
Read More

ተረፍ ፡ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ”መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት

August 4, 2020
Read More

እታ ዘሕዘነትኒ ደርፊ

December 28, 2016
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?