Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ተምሳጥ ኣብ ደርፊ ” ዘይእድብቲ”

ተምሳጥ ኣብ ደርፊ ” ዘይእድብቲ”

0
By Mekonnen T. on May 22, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ሃብቶም ወልደየውሃንስ (ሸሪፎ )

ኣርእስቲ ፡ ዘይእድብቲ
ድምጻዊ ፡ ናሆም ዮውሃንስ ( መስተ )
ገጣሚ ፡ ሃብቶም ተወልደ ( ሃፋ )
ዘያሚ ፡ ናሆም ዮውሃንስ ( መስተ )
ኣላዬ ፡ ሃብቶም ተወልደ ( ሃፋ )
ኣፍራዬ ፡ ኢላ ፕሮዳክሽን
ሰኣልን መዋልን ፡ ዮናስ ሰሎሙን ( ዮናን )
ንውሓት ግዜ ፡ ምስ ክልተ መወዓዊዒታት ኣፍራዬ 7፡13 ደቂቕ

ውርጹጽ ዘይኮነ ሃሳስ ዳህሳስ ድሕሪ ደጋጊመ ምዕዛበይ ንክዛረብ ዘየምሕረለይ ኣይኮነን ፡ ጽቡቕ ከምዘለዎ እቲ ኣዝዩ ዝበዝሐ ሸነኽ ኮይኑ እታ ስራሕ ባዕላ ስለትዛረብ ምልዓሉ ኣየድልየንን እዩ፡፡
ኣነ ትሕዝቶ ግጥሚ ምስ ድራማዊ ምንቅስቃስ ኣብ ምውህሃዱ ምኽኑይን ርእሰ ብሩሁን ኮይኑዶ ተሰሪሑ ኣሎ ? እቲ ድራማዊ ምንቅስቓስ ናይ ብሓቂ ነቲ ግጥማዊ ትሕዝቶ ወኪልዎዶ?
ነቲ ብምልውዋጥ ናይ ሕብሪ ( ሕብራውን ጸሊምና ጻዕዳን ) ኣብ ክኾኖ ዝግብኦዶ ተሰኺዑ ኣሎ? መሰነይታ ኮይኖም ንግጥሚ ናብ ድራማ ዝቐየሩ ተዋሳእቲ ነቲ ክውክልዎ ዝግብኦም ገጸባህሪ ተላቢሰሞዶ?
ምንቅስቃስ ናይ ካሜራ ካብ የማን ንጸጋም ፡ ካብ ጸጋም ንየማን ፡ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ወይ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ክትገብር እንከላ ምኽኑይ ብዝኾነ ድያ ትንቀሳቐስ ኔራ ኣብ ዝብል ነገራት ክብሎ ዝኽእል እይስኣንን እዩ፡፡
እቲ ጽቡቕ ነገሩ Habtom Tewelde ( hafa ) ባዕሉ ገጣምን ኣላይን ስለዝኾነ ፡ ነቲ ግጥሚ ክትጽሕፎ እንከለሎ ዝነበሮ ናይ ውሽጡ ሕልሚ ፡ ናብ ግብራዊ ኣብ ምቅያሩ ዝውሓደ ጽዓት እዩ ከውጽእ ፡ እዚ ድማ ነታ ስራሕ ዝያዳ ሓይሊ ንኽእልዋ ከም ሓደ ምኽንያታዊ ሮቋሒ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡

ዛዕባ ግጥሚ ( premise )
ብሰንኪ ናቱ ጌጋታት ፡ ንመቋርንቱ ( ናይ ብዓልቲ ቤት ምልክት ስለዘይርኣኹላ ምናልባት በባሃህላ ባጽዕ ” ተኸርቸም” ) ናብ ጌጋ ይመርሓ’ሞ ፡ ንብዛዕባኣ ንዝዛረቡ ፡ ብሰንከይ እያ ናብዚ ደረጃ እዚ ወሪዳ ክብል ጣዕስኡ ክገልጽ ዝርአ ገጸ ባህሪ፡

ወከልቲ ድራማዊ ምንቅስቓስ
ናሆም ዮውሃንስ ( ድምጻዊ ባዕሉ ) ተዋሳኢት ኣድያምን ካልኦት መሰነይታን።

ምዝማድ ዛዕባ ግጥምን ድራማዊ ምንቅስቓስን ምስ ደቃይቕ ናይ ግዜ እናዛመድኩ ክርእዮ ክፍትን’የ።
> ካብ 00፡00 ክሳብ 00፡14 መወዓውዒ ኣፍራዬ
> ኣብ 00፡22 ዘሎ፡መስመስታ ናይ ስእሊ ነቲ ኣብ ህርመት ሙዚቋ ዘሎ ድግምጋም ምንብድባድ ናይ ከበሮ ተሰንዩ ስለዝተገብረ ኪኖ’ቲ ውህደቱ ዝፈጥሮ ውክልና ( ሲምቦሊዝም ) ፡ ኣብ ቦትኡ ዘሎ ይመስል ፡ ምኽንያቱ ፡ ውልዕ ጥፍእ ናይ መብራህቲ ዋላ ተወሰድና ምልክት ዋሕዲ ወሓዚ ኤለክትሪክ እዩ ዘመልክት ፡ ወይ’ውን ብበርቂ ተመሰልናዮ ፡ ምምጻእ ብርቱዕ ዝናብ ስለዝውክለልና ፡ ክልቲኡ ክኣ ምልክት ሓደጋ ምኳኑ ኣይተርፎን እዩ። ስለዚ ብድሕሪ’ዚ ስእሊ’ዚ ዝመጽእ ነገር ነቲ ኣቀዲሙ ተነጺፉ ዘሎ ውክልና ዘጽድቕ ክኸውን ኣለዎ። ስም ድምጻዊ ምስ ኣርእስቲ ደርፊ ክጽሓፍ እንከሎ ተነጺፍዎ ዘሎ እንተሪኢና ፡ ናይ ርሑቅ ብዙሓት ዝወድቁ ዝመስሉ ወርቃውያን መብራህቲ እዩ ክረአ ጸኒሑ ፡ እዚ ክኣ ክብጻሕ ንዝኽእል ናይ ርሑቕ ጽቡቕ ነገር ስለዝውክለለና ምስዚ ልዒሉ ዝተገልጸ ድራማዊ ምንቅስቃስ ምግርጫው ከይፈጥር ስክፍታይ እዩ። ስም ድምጻዊ ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም ( ንዛዕባ ግጥሚ ብዝውክል ድሕረ ባይታ ፡ ንኣብነት ብጸሊምን ጻዕዳን ዝተሰኣለ ፈራስ ገዛ ) ድሕረ ባይታ ተዝጽሓፍ ባህ ምበለኒ ።
እዚ ኩሉ ዝብል ዘለኹ ዋላ ሓንቲ’ውን ቃላ ካብ ድምጻዊ ከይሰማዕኩ’ዩ ፡ ቀሊል ዝመስለና ግን ክኣ ንምሉእ ናይ ደርፊ ክሊፕ ከዕንዋ ዝኽእላ እየን እዘን ቀዳሞት ካልኢታት ፡ ዛዕባ ንገልጸለን ፡ ኩነታት ነአንፍተለን ፡ ሕልምና ነተንብሃለን ፡ እምበር ካብዚ ንንዮ ድምጻዊ’ውን ብቃሉ ስለዝሕግዘና ስራሕና ቅልል ይብል እዩ።

> 00፡37 ክሳብ 01፡13 ኣብ ዘሎ ስእሊ ድምጻዊ ጠንቂ ናታ ተግባር ( ኣብ ከባቢ 00፡25 ዝረኣናዮ) ግዳይ ሰኺራ ኣብ ሓደ እንዳ ሊስትሮ ደቂሳ ትረኣየሉ ፡ ንሱ ምኳኑ እቲ ጠንቂ ክገልጽ ብሕደማ ናይ ደርፊ ንሰምዖ ፡ ኣብ ስእሊ ግን ኪኖ ጻዕዳ ክዳን ( ምልክት ንጽህና ፡ ምልክት ሓቂ ፡ ምልክት ድንግልና ፡ ምልክት ጽድቂ ብዓቢኡ ምልክት ክንቆርብ እንከለና እንገብሮ ) ጌሩ ክደርፍ ኢና ንርእዮ ፡ ነቲ ንሱ ዝብሎ ግን ኣብ ስእሊ ኣይንርእዮን ፡ ክንዲ ከምኡ ዝኸውን ፡፡
ሙዚቋ ህርመት ክጅምር እንከሎ ድምጻዊ ( ተዋሳእይ’ውን ባዕሉ ስለዝኾነ ) ክንቀሳቀስ ንርእዮ’ምበር ካልእ ከይተወሰኾ ጸኒሑ ፡ ነታ መቋርንቱ ፡ ሰሪ ናቱ ጌጋ እትገብሮ ተግባር ምስ ቃላቱ ተሳንዩ ኣብዚ ተንርእዮ ስጡም ምግጥታም ሕደማን ተግባርን ምፈጠረ።

> 01፡27 ዘላ መሰጋገሪት ብጫምኡ ጥራይ ትውከል ፡ንብዙሓት ፍጻሜታት ኣብ ክልተ ካልኢት ክትውክል ምኽኣላ ሓይሊ ኣላይን ጎሊሑ ይረአ ፡ ሓጊዝዋ ፡ ተላልዮም ፡ ኣብ መኪና ክድይብ እግሩ ንርእዮ ፡ ካብ መኪና ክወርድ እግሩ ንርእዮ good job።

> ክሳብ 02፡01 ኣብ ዘሎ መቋን ግዜ ቀንዲ ዛዕባ’ዚ ኩሉ ዞይና ዘላ ግዳይ ( ኣድያም ) ብጀካ እቲ ኣብ ከባቢ ( 00፡25) ዝረኣናዮ ዘይእድብቲ ከብላ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ኣይረኣናላን ዘለና፡ ናይ ሸፈነ ግዜ ዝሓጸራ ኮይኑ ይስምዓኒ።

> 02፡45 ዘሎ ቅላዕ ናይ ካሜራ ፡ ካሜራ ላዕሊ ናሆም ክኣ ኣብ ታሕቲ ምትካላ ፡ ንውድቀት ፡ ንምፍራስ ፡ ንምዕናው ፡ ንሃደሽታ ዝውክል ምኳኑ ምስ ሕደማ ናይታ ደርፊ ብምስናይ ጽቡቕ ኣንግል እዩ።

> 04፡45 ኪይኑ’ሎ ግዜ ፡ ድርብ ንኣቱ ኣለና ክሳብ ሕጂ
# ሰትያ ረኺብዋ
‪#‎ብሰላም‬ ኣብ ገዝኦም ምኣዲ እናበልዑ ይረእዩ
‪#‎ምስ‬ ሓንቲ ጓል ተላልዩ
#ምስ’ታ ጓል ዙሮት ጀሚሩ
‪#‎መቋርንቱ‬ ክትጽበዮ ርኢናያ
‪#‎ሰትዩ‬ መጽዩ
‪#‎ምክሪ‬ ናይ ኣዲኣ ( ኣዲኣ እያ ትኸውን ካብ ዝብል እዩ እምበር ዝኮነ ምልክት ተግባርን ናይ ኣደ ኣይረእኹን ) ሓዲጋ ምስ ናሆም ክትከይድ ትረአ።

መስርዑ ሓልየ ክኣስሮ ምስ ዝፍትን ።
ምኽሪ ወላዲታ ( ወላዲታ እንተኾይና ) ነጺጋ ብዝኣመነትሉ መንገዲ ፡ ንፍቕሪ ኣፍቂራ ምስ ኣፍቃሪኣ ንክትነብር (ክትክርቸም ) ዝወሰነት ጓል እቲ ትኣምኖ’ሞ ምስኡ ክትነብር ዝወሰነት ሰብ ኣብ ጽርግያ ምስ ዝተላለያ ሰብ ዓበድበድ ክብል ( ብዓይና እኳ ኣይረኣየቶን ) ፡ ሰትዪ መጽዩ እግሩ ክትሓጽቦ ክትብል ሽንዲሑ ስለዘቆጠዓ ናብ ካብ ናቱ ዝገድድ ዓበድበድ ከተምርሕ ኣብ ገዛ ብዝጸንሓ ኣረቂ ትጅምሮ ፡ ኣብዚ ክብሎ ዝኽእል ኣለኒ ኣብ ታሕቲ ከስፍሮ እየ።

ንቐጽል ናብ ድርብ
ምንቅስቓስ ናይ ናሆም ክሳብ ሕጂ ክጻወሮ ጸኒሐ!!!
> 05፡24 ክሳብ 05፡35 ኣ ዘሎ ምንቅስቃስ ናይ ኖሆም ግን ኣብ’ቲ ተጣዒሰየ ዝብሎ ዘሎ መንገዲ ወጽዩ ፡ ናቱ ቅዲ ፡ ናቱ ቃጥያ ከውጽእ ክብል ነቲ ድራማዊ ምንቅስቃስ ምሉእ ብምሉእ ደዊንዎ።

> 06፡07 ነቲ ኣብ 00፡25 ዝረኣኽዎ ተግባር ዛንታ ተኣሳሲሩለይ ኣሎ ፡ ( ነዛ ዛንታ ኣዘንታዊ ኣበየናይ ባይታ ኮይኑ የዘንትዋ ኣሎ ብርዱእ ወሲደ ክቅጽል እየ )
እምበር ከም ግቡእ ፡ ኣብየናይ ባይታ እዩ ዘሎ እዚ ነዚ፡ዛንታ ዝነግር ፡ ዝትርኽ ዝደርፍ ዘሎ ምትሓዙ ኣገዳሲ እዩ ፡፡ እብዚኣ’ውን ምስቲ ዛንታ ናይታ ሕደማ ኣሳንየ ኣብ ትሕቲ ገለ ክብል’የ።

> 06፡36 ዘላ ቅላዕ ናይ ካሜራ፡ ካሜራ ታሕቲ ፡ ጠባይ ድማ ኣብ ላዕሊ ዘላ ምናልባት እቲ ቅርጺ መሬታ ናይቲ ደንደስ ባሕሪ ተምሳጥ ክፈጥረልኩም ይኽእል ይኸውን’ምበር ፡ እዚ ዓይነት ቅላዕ ናይቲ ጠባይ ዕቤት ፡ ብልጻገ ፡ ልዕልና ስለዘርእየና ንተሃኒጹ ዘሎ ዛንታ ኣብ ግምት ኣእትየ ኣድላይነታ ኣይተራእየንን፡፡

> 06፡50 ኣስማት ዓየይቲ ክዝርዘር ጀሚሩ’ሎ ፡ ተለጢፉ ዘሎ ደረቕ ስእሊ ናይ ናሆም ግን ክንዲ ፍረ እድሪ’ውን ትኹን ነቲ ክብለና ዝጸንሐ ጉዳያት ዝውክል ኣይኮነንን ፡ ተፈሲሁ ” ሓስየ እየ ፡ ተላጊጸልኩም ” ዝብለኒ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ።

> 07፡00 ክሳብ 07፡13 መወዓውዒ ኣፍራዬ።

መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ላዕሊ ክብሎ እየ ዝበልክዎ ።
ንዓይና ከይርኣየት ፡ ሰብ’ውን ክብላ ከርኣና ፡ ብተግባር ናይ ሓደ ምዓልቲ ሰኺሩ መጽዩ እግሩ ክትሓጽቦ ክትብል ደፊእዋ ካብ ገዛ ስለዝወጸ ፡ ሕነ ሕነ ናቱ ናብ ዕቡድ ተግባር ብኣብ ገዝኣ ዝጸንሓ ኣረቂ ጀሚራ ፡ ብሽጋራን ናብ ሃለወትካ ዘጥፍእ ዕብዳን ከተምርሕ ምኽኑይ ኣይገንሮን ፡ ኣኣብ ገዛና’ሞ ንፈትሽ ፡ እዛ ሰብ ወካሊት ናይ ሓደ ኣካል ዕድመ ክሳብ ዝኮነት ፡ ኣዴታትና ንኣንስትና ትውክልዶ እንተኢልና ፡ ነቲ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድመ ንዘለዉን ብተግባራ ( ሽጋራ ፡ መስተ ) ክጽለዉ ንዝኽእሉ ኣብ ግምት የእትየ ኣብዚ መዳይ’ዚ ባዶ ነጥቢ እየ ክህባ ፡፡

ካልእ ቀንድን ኣገዳስን ጉዳይ ፡ ነጋሪ ዛንታ ኣበየናይ ባይታ ኮይኑ እዩ ዛንትኡ ( ግድን ኣይኮነን ዛንትኡ ክኸውን ፡ ንሱ እናደረፈ ነቲ ድራማዊ ምንቅስቃስ ካልኦት ክውክልዎ ይኽእሉ’ዮም ) ዝነግር ዘሎ ኣብ ዝብል ጉዳይ ፡ ኣብ ብዙሕ ክሊፓትና ዝስገር ነጥቢ እዩ ፡ ኣብዚ ናይ ” ዘይእድብቲ ” ነጋሪ ዛንታ ፡ ድሕሪ ምፍልላዮም ፡ ንሱ ሓዳሩ ጌሩ ክዛወር ምስ ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ናብ ባጽዕ ምስ ወረደ ፡ ቀደም ብዝገደፈላ በሰላ ፡ ክሳብ ሕጂ ምሕዋይ ዝኣበያ ግዳይ ፡ እቲ ” ዘይእድብቲ ” ከብል ዝኽእል ተግባር ክትገብር ትጽንሓዮ’ሞ ( እዚ ኩሉ ተግባር እዚ ድምጻዊ ቃላት ካብ ኣፉ ምውጻእ ቅድሚ ምጅማሩ ብምንቅስቓስ ጥራይ ክንገር ዝክኣል’ዩ ) ፡ ኣብዚ ባይታ’ዚ ኮይኑ ዛንትኡ ምንጋር እንተዝጅምር ዓይነይ ምመልኣለይ፡፡

ግንቦት 2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleግንቦት ወደስመራ
Next Article ትዕዝብቲ ትርኢታዊ ዕላላት በቲ ካልእ ኩርናዕ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?