Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 22, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ብሩኽ ወደይ

ብሩኽ ወደይ

0
By Mekonnen T. on September 13, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ስ ደ ት

 *****

ክዳነይ እንተ ጸበቐ

ማዳ ካብ ገጸይ እንተ ረሓቐ

‘ወደይ ጥዒሙዎ’ መታን ክትብሊ

ሕጉስ‘የ ዝመስል ኣብ ዝልእኮ ስእሊ

ውሽጠይ ዘለዎ ግን እንተትፈልጥዮ

ስደት ምህላወይ ማማየ ምፈንፈንክዮ።

ክዳነይ እንተ ጸበቐ

                                                                           ማዳ ካብ ገጸይ እንተርሓቐ

ብሩኽ ወደይ…  ዝሰደድካለይ ደብዳቤን ስእልን በጺሑኒ። ከም ወዮ ዝበልካዮ ማዳኻ ሃሲሱ ምርኣየይ ባህ ኢሉኒ’ዩ ዝወደይ። ሱዳን ካብ ዝነበርካሉ ግዜ ዝሰደድካዩ ኣሳእል ኣዚኻ ተቐይርካ። ናፊቐ ክመጽእ’የ ትብል ከምዘሎኻ’ውን ነዛ ደብዳቤን ስእልን ዘብጽሐ ልኡኽ ኣፍሊጡኒ ኣሎ። ቅድሜኻ ‘ስጠሓኒ ውሉደይ። ትናፍቕ እወ ሓቕኻ። ወደያ ‘ስመሮም ‘ኳ ኣደይ ናፊቐ ኢሉ ካብ ኣገልግሎት መጺኡ’ዩ ቀንዩ። ኣዱኡ ኣደይ ቀደስ ጥዕና ኣይረኸባን። ‘ጥዕና ኣደይ ሓዲኡ ከየፍለጠ ኣይምለስን’የ’ ስለዝበለ እንሆልካ ገፊፎም ናብ ተሃድሶ ከምዝወሰድዎ፣ ኣብ እንዳቦኻ ሃብቶም ኣብ ጸበል’የ ሰሚዐ።ሲራክ ወደ’ዴኻ መብራት ብድሕሬኻ ናብ ሱዳን ከምዝሰገረ ኸ ሰሚዕካ ዶ? ትራኸቡ ትኾኑ። ሓደራኻ ዝወደይ ደሃዩ ግብር። ሓዊ የብሉ ሓብቲ…በይኑ’ዩ።  ስደት ኮይኑ ዘመንኩም ‘ዞም ደቀይ። ጸላኢና ይሰደድ። ስደት ሲ ጸሊእካዮ ኣሎኻ ዝወደይ። እንታ ‘ሞ ክትገብሩ፣ ተካል ዘበን ኣርኪቡኩም። ኣብ ባሕሪ ናይ ዝጠሓሉ ደቅና ሕምስ ኣቢሉና’ዩ ቀንዩ።  ዘዝዓበየ ናብ ስደትን ሞትን ኮይኑ። ዘጸናንዕ ተሳኢኑ።

“ስደት መርገም’ዩ፣” እናሉ ዛንታ ወለዶ ሙሴን ሩት እታ ሞኣባዊትን ኣረዲእ’ዮም ከሪሞሙና ኣባት-ነፍስና ቀሺ ዘርኣብሩኽ። ለባም ቀሺ’ዮም። ወንጌል ጉዳዮም’ዮም ክፈልጡ። ፈጣሪ ክተዓረቐና ጾምን ጸሎትን ነዘውትር ምስ በሉ’ዮም። መን’ሞ ሰሚዑዎም ኢልካዮ ኢኻ። ባዕሉ ደኣ እቲ መድሃኔ ኣለም ገጹ ይምለሰልና’ምበሪ።ደሓር ከኣ ኣብ ስደቱ ዝተባረኸ ምህላዉ’ኳ ቀሺ ዘርኣብሩኽ፣ ዛንታ ዮሴፍ እቲ እብራዊ፣ እናሻዕ ይደጋግሙልና’ዮም። ብፍላይ’ካ ድሕሪ’ቲ በዘን ሬድዮታት እንሰምዖ ዘሎና ናይ ሲናይ ቃንዛ፣ “ዮሴፍ እቲ  እብራዊ ዘክሩ'”ዮም ዝምዕዱና ኣቦኻ ቀሺ። ኣሕዋቱ ካብ ገጽ ርስቶም ከርሕቕዎ ዝሸጥዎ ንኡስ ሓዎም፣ ኣብ ዘመነ ስደቶም ምንጪ በረኸቶም’ዩ ኮይኑ። ኣዴኻ ከኣ ዛንታ ዮሴፍ ክፍትዎ ጉዳም እንድየ፣ ቀሺ ዘራኣብሩኽ ክደጋግምዎ እንከለዎ ሲ ንብዓት’ዩ ዝስዕረኒ። እሞ ክቡር ወደይ ምስዳድኩም ዘይተረፈ ሲ ስደት ዮሴፍ ይግበረልኩም።

“ወደይ ጥዒምዎ” መታን ክትብሊ

ሕጉስ’የ ዝመስል ኣብ ዝልእኮ ስእሊ

ዓቢ ዕድል እዩ ውሽጠይ ዘይምስኣሉ

ኣብኡ ዘሎ ሓቂ ማማየ…

ብይምሰል ምኹዋሉ ።

ገጽ ኣስራሕተይ ጽውግ እንተ ኢሉ

ጾሎት’የ ዘቕድም “ስራሕ የለን ” ከይብሉ

ክዉላት ናይ ውሽጠይ ሽዑ’ዮም ዝቕልቀሉ

ብዓቢኡ ማማየ ተስፋኺ ከይምህምን

ኣነ ውን ድሕሪ’ዚ ኣየየየ …

(ንዘይረድኡ ከይልምን ) 3

ኣየየየ እዋይ ኣቲ ማ ማ የ !

(ንዘይ ረድኡ ከይልምን) 2

ኣየይ እዋይ ኣቲ ማማየ (ማማ) !

ኣንታ ብሩኸይ! ክመጽእ’የ ይብል ኣሎ ዝብሉኻ ዘለዉ’ሲ ሓቂ ድዩ?። ነዛ ዓይንኻ እንተዝርኢ ደጊም ሞት ከም ኣዳም ምበልኩ። ግና እዞም መንግስትና ገለ ከይብሉኻ። ዝበኣሰ ከይመጽእ። ደሓር ከኣ ዓዳ ብዓዳ ብስደትን ሞትን ሓዚና’ያ ዘላ’ሞ፣ ኣዴታቶም ኤህ! ከይብላኻ ብሩኸይ። ባሕሪ ገዲፍካዮም ዝኣቶኻ መሳቱኻ ዘክር። ስእልኻ ደጋጊመ ይርእዮ’ሞ ጽቡቕ ምህላውካ ይሕጎስ። መዓጓጉርትኻ መሊኡ፣ ማዳኻ ሃሲሱ ምርኣየይ ንእግዝትነ ወላዲት ኣምላክ ኣመስግን’የ ዘብላ።

“ውሽጠይ እንኳዕ ኣይተሳእለ ምባልካ፣” ልቦና’ዩ ዝወደይ። ኣብዚ ዘሎና፣ ውሽጥና እንተዝሰኣል’ሞ …እዝግዮ!!! ውሽጥናን ደጌናን ዝፈልጥ ፈጣሪ ባዕሉ ኣሎ። ደጌናን ውሽጥናን ስእሊልና እንተንሰደልኩም…. ደሓን ባዕላ እታ ኪዳነ ምህረት ኣላ። ደሓር ከኣ’ቶም ሰብ ወጻኢ ሲ ደሓን ደጌኹም እንተጸበቐ፣ ኣምላኽኩም ኣመስግኑ ብሩኸይ።

ዝልኣኽካለይ ገንዘብ ኣሽሪፉ ሂቡኒ’ዩ ዝወደይ። ኣኺሉ ከምዘይተርፈካ ፈሊጠ ኣለኹ። ደሓር ከኣ እዚ ኤውሮጳ ስራሕ የብሉን ክብሉ’ሲ ይሰምዕ’የ። እቲ ገዛ ኽራይኩም፣  መግብኹም፣ ናይ ኣውቶቡስኩኒ መሐሸሺኹምኒ ሲ መንግስቲ ኤውሮጳ’ዮም ዝኽእልኹም ኢሎ’ሞ ኣንታ ብሩኽ። ከመይ እግዜሄር ይባርኮም። ኣይሓረስኩም ኣይመሓስኩም፣ ደንጎላ ኣየቀበልኩም ኣይሃነጽኩም ሲ በቃ ብኸምኡ ይናብይኹም። ኣብዛ ዓድና’ሲ ባ ከምታ ትፈልጣ’ያ። እንኳዕ ደኣ ንነብስኻ ኮንካ’ምብር ዝወደይ ብኣይ ሲ ብዙሕ ኣይትሸገር።

ሓብትኻ’ውን ኣቐዲሙ ልኢኻትለይ ኔራ’ያ። ዘድልየኒ ኩሉ ካብዚ መንግስትና ዝቀረበልና ድኳን ሕድሪ ሸማሚተ’የ።  ዘይትን ሽኮርን ደኣ’የለን ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ኢሎምና’ምበር። ማሸላን ብርስንን ሲ እኹል ኣለኒ ‘ዞም ደቀይ።

እንቲ’ቲ ጋዝን ላምባን ደሓን ናቱ ገዲፍካ ተዛረብ። ምስ ቀመር ሰይቲ እስታዝ ዓብደራሕማን ምሉእ ለይቲ ኣብን ሪጋ ሓዲርና ክሳብ እዛ ሎሚ ኣይሰለጠናን። ወላ እታ ላምባ ከም ልብኻ እንተትኾነልና’ኳ ነዚ ጋዝ’ውን ኣይምደለናዮን።

ናብራ ስደት ዝመልኦ ቃንዛ !

ጽልኣት ስደት ዝመልኦ  ቃንዛ!

ዘየናሕሲ … ዘየናሕሲ

ምራቕ ከም ቆጽሊ ስምዕዛ ።

ደቂ-ሰባት ምስ ዘይንሳነ

“ሕጊ’ሎ” ይብሃል ብ’ኡ ክንዳነ

ሕጂ ግን ስማዊ ‘ዩ ተቐዪሩ

ገታኢ የብሉን ወደ-ባት እንተ ነዲሩ

በዚ ኽኣ’የ ምዩቕ ዝብል ብቐንዱ

ሎሚ’የ ፈሊጠ ንሰብ ክብረቱ ምዃኑ ዓዱ።

( ነዚ ስደት ከርተት ውርደት ሕስረት ምረት

ኣቲ ማማየ …

ጠንጢነዮ ክመጽእ’የ ምስ’ዚ መሪር ናፍቖት !

ኣቲ ማማየ    ) 2

ኣቲ ማማየ ኣቲ ሓላለይ

ኣቲ ማማ ! ኣቲ ሓላለይ

ኣቲ ዝያዳይ ኣቲ ሓላለይ ።

ደቂ ሰባት ምስ ዘይ ንሳነ

” ሕጊ’ሎ”   ይብሃል ብእኡ ክንዳነ

ምምሕዳር ገዛውትና’ውን ድሕሪ ስደትካ ካብ ኩፖን ክወጽእ ኣለዎ ስለዝበሉ፣ እዋእ 50 ሽሕ ክፈሊ ከይብሉኒ ማይ’የ ሓቒፈ ቀንየ። ገዲፎሞ ግዲ ኮይኖም፣ ኣይሓተቱኒን። ካብቲ መሻርፍ ደኣ’ዮም ኣጉዲሎሙኻ’ምበር ክሳብ ሕጂ ሲ ገለ ኣይበሉኒን። ደሓን ይእተዉ።

ብሩኽ ወደይ…

እዞም ሰብ ወጻኢ ብዘይካ መስተን ጓይላን ካልእ መዘናግዒ የብሎምን ክብሉ ‘ሰምዕ’ሞ፣ እሻቐል። ብፍላይ’ዞም ሰብ ስዊስ፣ ኣኣኺልዎም ኣብ መስተ’ዮም ዝውዕሉ ክብሉኒ እንከለዉ፣ ኣየርኢኻ ዝኾኖ።  ዝሓለፍክሞ መከራ ዘክሩ። ኣይትንእሱ ዝወደይ። ደጊም ክንድ ሰብ ኮይንካ ኢኻ። ቁሩብ’ኳ ኣብዚ እንሃለካ ዘየምሰልኩኻ እጥዓስ።

ሓብትካ እዛ ሚዛን፣ ኣምላኽ ባዕሉ ደኣ ካሕስኣ የርእየና’ምበር ምእንታና ክትብል ዘሕለፈቶ ከይትርስዕ ሓደራ ዝወደይ። ክንዲ ኣቦኣን ኣያኣን ንስኻ ኢኻ። ናብቲ ዘላቶ ሃገር ገይሽኻ ማእገር ኩና ኢኻ ብሩኸይ። እንተ ብኣይ ብዙሕ ኣይትሻቐሉ፣ ኣደይ! ምባልኩም ጥራይ ንዓየ ንሱ ዓለመይ’ዩ። ወላዲት ንሱ’ዩ መኽሰባ፣ ብሩኸይ።ርኢኻ ዝወደይ፣ እዚ ኹሉ መከራ ስደት ሓሊፍካ ዓድሰብ ምብጻሕካ፣ ሳላ ፈጣሪ’ዩ። ሰብ ደኣ’ንታይ ዓቕሚ ኣለዎ።  ሰብ ኣብ ስደቱ ብዙሕ’ዩ ዝርስዕ’ሞ ሓደራ ኣይትረስዕ። ኣውራ’ኳ ንፈጣሪኻ።ምንፋቕካ ግርም ኢካ ዝገበርካ ዝወደይ። ኣሓ ካብ በረኻ ናብ ደምቢኤን ክኣትዋ፣ ‘እምባሕ’ ምባለን ግዲ እንታይ’ዩ? ዓዲ ውዒል ንዝኾኑ ብፍላይ’ኳ ጠባዋት ደቀን ምንፋቐን ዶ ከይኮነ።

ዘለኻዮም ዓዲ ናብ ዓደይ ክምለስ’የ እንተልካዮም ከ እንታይ ምበሉኻ? ደሓር ደኣ ምእታዊ ከይከልኡኻ ተመሊሶም። እዞም ጸዓዱ ጎራሓት ከም ተመን’ዮም ዝወደይ። ጥንቕቕ ደኣ’በለሎም ኢኻ።

“እዞም ብዶብ ዝሃደሙ፣ ኣብ ኤምባሲታት ‘ተጣዒስና’ ኢሎም ፈሪሞም’ዮም ናብ ዓዲ ዝኣትዉ፣” እናበለ ህዝቢ ገጽ ኣይህቦምን’ዩ። ሽግር ንሰብኣዊ ክልተ ግዜ ስሪኡ ኣየፍትሖን’ዩ ዝወደይ። ሓንሳእ ስሪኡ እንተፈቲሑ እቲ ካልኣይ እንተ ሞተ’ዩ ዝሐሾ። ሰብኣይ ኩን ብሩኸይ። እዛ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ ደብዳዳቤ ሰብ ከይርእያ ሓደራኻ።

ሕጂ ግን ስማዊ እዩ ተቐዪሩ

ገታኢ የብሉን ወደ-ባት እንተ ነዲሩ

በዚ ኽኣ’የ ምዩቕ ዝብል ብቐንዱ

ሎሚ’የ ፈሊጠ ንሰብ ክብረቱ ምዃኑ ዓዱ።

( ነዚ ስደት ከርተት  ውርደት ሕስረት  ምረት

ኣቲ ማማየ …

ጠንጢነዮ ክመጽእ’የ ምስዚ መሪር ናፍቖት

ኣቲ ማማየ …) 2

ኣቲ ማማየ ኣቲ ሓላለይ!

ኣቲ ዝያዳ ኣቲ ሓላለይ !

ኣቲ ማማየ ኣቲ ሓላለይ ።

ግርማይ ምሑር

ድምጻዊ  ሳንድሮ

 

ዓድኻ፣ ዓደቦካን ዓዴካን ዝኸልኣካ የለን። እቲ ምምላስ ግና ምስ ኣሕዋታ እንተዝኾነልካ ዝሐሸ ምኾነ። ኣነ ካብ ሽቑረራ፣ ንስኻ ካብ ሕሜታ ዓዲ ንውዕል። ደሓር ከኣ ሕልሚ ኮይኑ ክሳብ ዝስምዓኩም ናብ ዓድኹም እትምለስሉ ግዜ እኮ ርሑቕ ኣይኮነን። ክሳዕ ንሱ ዝቐዱ ግና፣ ደፋእ ኢልካ ርእስኻ ከኣል። ክልተ ልመና ነውሪ’ዩ ብሩኸይ። ፈጣሪ ኩላ ኣለም፣ ካብ በረኻን ባሕርን ኣውጺኡ’ካ ኣሎ። ንሕና ቅሳነት ክንረክብ ንስኹም ድማ ሓማድ ዓድኹም ክትልሕሱ፣ ምውዓለይ ኣብ ቤትክርስትያን እንዳገብርኤል’ያ ኮይና ዘላ። ንፈጣሪ ካልእ ዝልምኖ ነገረ የለን።

መርዓኹም ክርኢ ድማ ሃረር ይብል ኣለኹ።

ካብ ወላዲትካ ብርኽቲ ሪጋ ሶማል

ዕባይ ኣኽርያ

16 ነሓሰ 2015

ፓሪስ

ስ ደ ት

*****

ክዳነይ እንተ ጸበቐ

ማዳ ካብ ገጸይ እንተ ረሓቐ

“ወደይ ጥዒሙዎ” መታን ክትብሊ

ሕጉስ’የ ዝመስል ኣብ ዝልእኮ ስእሊ

ውሽጠይ ዘለዎ ግን እንተትፈልጥዮ

ስደት ምህላወይ ማማየ ምፈንፈንክዮ።

ክዳነይ እንተ ተበቐ

ማዳ ካብ ገጸይ እንተርሓቐ

“ወደይ ጥዒምዎ” መታን ክትብሊ

ሕጉስ’የ ዝመስል ኣብ ዝልእኮ ስእሊ

ዓቢ ዕድል እዩ ውሽጠይ ዘይምስኣሉ

ኣብኡ ዘሎ ሓቂ ማማየ…

ብይምሰል ምኹዋሉ ።

ገጽ ኣስራሕተይ ጽውግ እንተ ኢሉ

ጾሎት’የ ዘቕድም “ስራሕ የለን ” ከይብሉ

ክዉላት ናይ ውሽጠይ ሽዑ’ዮም ዝቕልቀሉ

ብዓቢኡ ማማየ ተስፋኺ ከይምህምን

ኣነ ውን ድሕሪ’ዚ ኣየየየ …

(ንዘይረድኡ ከይልምን ) 3

ኣየየየ እዋይ ኣቲ ማ ማ የ !

(ንዘይ ረድኡ ከይልምን) 2

ኣየይ እዋይ ኣቲ ማማየ (ማማ) !

ናብራ ስደት ዝመልኦ ቃንዛ !

ጽልኣት ስደት ዝመልኦ  ቃንዛ!

ዘየናሕሲ … ዘየናሕሲ

ምራቕ ከም ቆጽሊ ስምዕዛ ።

(      ድ……ር…ብ……)

ደቂ-ሰባት ምስ ዘይንሳነ

“ሕጊ’ሎ” ይብሃል ብ’ኡ ክንዳነ

ሕጂ ግን ስማዊ ‘ዩ ተቐዪሩ

ገታኢ የብሉን ወደ-ባት እንተ ነዲሩ

በዚ ኽኣ’የ ምዩቕ ዝብል ብቐንዱ

ሎሚ’የ ፈሊጠ ንሰብ ክብረቱ ምዃኑ ዓዱ።

 

( ነዚ ስደት ከርተት ውርደት ሕስረት ምረት

ኣቲ ማማየ …

ጠንጢነዮ ክመጽእ’የ ምስ’ዚ መሪር ናፍቖት !

ኣቲ ማማየ    ) 2

ኣቲ ማማየ ኣቲ ሓላለይ

ኣቲ ማማ ! ኣቲ ሓላለይ

ኣቲ ዝያዳይ ኣቲ ሓላለይ ።

ደቂ ሰባት ምስ ዘይ ንሳነ

” ሕጊ’ሎ”   ይብሃል ብእኡ ክንዳነ

ሕጂ ግን ስማዊ እዩ ተቐዪሩ

ገታኢ የብሉን ወደ-ባት እንተ ነዲሩ

በዚ ኽኣ’የ ምዩቕ ዝብል ብቐንዱ

ሎሚ’የ ፈሊጠ ንሰብ ክብረቱ ምዃኑ ዓዱ።

( ነዚ ስደት ከርተት  ውርደት ሕስረት  ምረት

ኣቲ ማማየ …

ጠንጢነዮ ክመጽእ’የ ምስዚ መሪር ናፍቖት

ኣቲ ማማየ …) 2

ኣቲ ማማየ ኣቲ ሓላለይ!

ኣቲ ዝያዳ ኣቲ ሓላለይ !

ኣቲ ማማየ ኣቲ ሓላለይ ።

ግርማይ ምሑር

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?