Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, May 11, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 4ይ ክፋል

ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ 4ይ ክፋል

0
By Mekonnen T. on July 20, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ብሓው ሰለሙን ገብረክርስቶስ

እዚ ጽሑፍ ካብ “ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ” ከም ዘለዎ ዝተወስደ ኢዩ። ብዘይካ ሓደ-ሓደ ናይ ፊደላትን ስርዓተ-ነጥብን ምቅይያር፡ ዝኾነ ካልእ ለውጢ ኣይተገብሮን። ዝተገብረ ለውጢ ናይ ፊደላትን ጌጋወይ ዝጎደለ ፊደል ዝነበረ እንተ ኾይኑ ብናይ ብርቡዕ ኩርናዕ ሓጹር (ማለት []) ተመልኪትሉ ኣሎ። ጌጋ ዘይነበሮ ግን፡ ብናይ ቅድም ኣጠቓቕማ ዝተጻሕፈ ፊደላት ግን ዝየመልከትናሉን። ንኣብነት፡ “ሠ” ብ “ሰ” ፡ “ኀ” ብ “ሀ”፡ “ፀ” ከኣ ብ “ጸ” ተተኪኦም ኣለዉ። በተመሳሳሊ፡ ናይ ግእዝ ቁጽርታት ናብ ናይ ዓረብ ቁጽርታት

ተቐይሮም ቀሪቦም ኣለዉ። ገለ ገለ ንቃና ናይ’ቲ ጽሑፍ ኣድለይቲ ዝኾኑ ፊደላትን ኣጸሓሕፋኦምን ግን ዓቂብናዮም ኣሎና። ንኣብነት፡ “ሕዝቢ” ኣብ ክንዲ ብ “ህዝቢ” ምትካእ፡ ከም ዘለዎ “ሕዝቢ” ቀሪቡ ኣሎ።

4ይ ክፋል

ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ኣብ ኣውራጃ ሓማሴንን ሰራየን ዚርከቡ ስርዓታት እንዳባ መሰረት ባህላዊ ፍትሒ ኣብ ሕዝቢ ከበሳ ኤርትራ ኣሕጽር ኣቢልና ከም ዘውካእናልኩም፡ ሕጂ ከኣ “እተኣልመ ይለብሱ፡ እተገብረ ይጎርሱ” ከም ዝበሃል፡ ንቡር ንምድጋም ስርዓታት እንዳባ ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ኣየኖትን ብኸመይ ኣገባብ ከምእተሰርዑን፡ ጨብጫቢ መልክ ዖምን፡ ሊላዊ ዝኾነ ትሕዝቶኦምን ከነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና።

ስርዓተ ምዔም ምሓዛ (ኣከለጉዛይ)

ብዛንታ ከም ዝዝንቶ ራእሲ ወልደስላሴ ብ1759 ኣብ ትግራይ ገዛኢ ኣብ ዝነበርሉ ጊዜ ብዘመነ መሳፍንቲ ካብ ክልተ ዓበይቲ ወለዶ ኣከለጉዛይ፡ ልቕሳይትን (ካብ ኣጥሖ ምላሽ) ሰራዩትን (ካብ ማይ ጉንዲ ምላሽ) ማለት ካብ ሰለስተ ወድ ኣከለን (ጽንዓደግለ፡ሓደግቲ፡ ደቂ ድግና) ካብ ሓሙሽተ ደቂ ጉዛይ( ዓረት፡መጽሐ፡ዝባውንቲ፡ ደቂ ዘርእሰናይ፡ደረጽዮን፡ ሃዳድም ጨዓሎ)፡ ካብ ሽመዛናይ፡ ካብ መረታ ሰበነን ከምኡ’ውን ካብ ብዙሕ ዓሌታት ኣከለጉዛይ ዝተዋጽኡ ወከልቲ ሕዝቢ ንክልተ ወርሒ ዝኣክል ዋዕላ ድሕሪ ውዒሎምን ኣብ ፈጽሚ ኣብጺሖም ሰርዕዎ(1)

ካልኦት ከም ዝብልዎ ከኣ ብዘበን መስፍንነት ራእሲ ስባጋድስ (1823) ስርዓት ምዔም ምሓዛ ዝሓገጉ ወራዙት ኣከለጉዛይ ትሽዓተ ሓጋጎን ሸውዓተ ጸራቦን ወቦ(ዘይዓሰርተክልቱ) ኮይኖም ካብ ሓደ ቦታ ናብ ሓደ ቦታ እናኸዱ ውዕሎ ይውዕሉ ነበሩ። ብሓደ ዓመትን ሸውዓተ ወርሕን ብዝሓገግዎ ሕጊ ምስ ተሰማምዑ ንሕዝቢ ኣከለጉዛይ ኣብ ምዔም ምሓዛ(መጽሐ) ዝተባህለ ቦታ ኣኪቦም ኣቆምዎን ኣወጅዎን (2) እምበኣርከስ ነቲ ልሙድ ኣሰማምያ ስርዓታት እንዳባ ብምኽታል እዚ ቀዳማይ ስርዓት እንዳባ ኣብ ሕዝቢ ኣከለጉዛይ ብሽም መኣኽቦ ባይቶ ወይ ዋዕላ ተጸውዐ።

ናይ ስርዓት ደፍተር (ደብተር) ኣብ ኢድ ገዛኢ ሃገር ክቕመጥ ኣለዎ ብዝብል ብሂል፡ ንገዛእ ሃገር ተዋህበ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ዑቕባ እቲ ዓቢይ ገዳም ናይ ዓጋመ እንዳማርያም ጉንደጉንዶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ ጠፊኡ ዚብሃል። ኣብቲ ዋዕላ ብዝወዓሉ ተፈላጦ ሓጊር(ኣብ ሽመዛና ዝርከብ) ብላላ (ኣብ ጥቓ ኣውህነ ) ማይ ሰራው፡ ዓብዲ ናይ ደጀን ማይ ኣድጊ (ጥቓ ኩርባርያ) ወዘተ ስርዓት ምዔም- ምሓዛ ብጥንታውነቱ ኮነ ብኣሰራርዓኡ ብፍሉይ ዓይኒ ኪጥመት ይርከብ፡ ከመይ ምስቶም ካልኦት ስርዓታት እንዳባ ክነጻጸር ከሎ ኣብ ኣገባብ ምቋም ስርዓት፡ መንፈስ ሕዝባዊ ሕግታት ሰፊንዎ ስለዝር አ እዩ።

እዚ ስርዓት’ዚ ብዙሕ ጊዜ ምምሕያሽን ምሕዳስን ምምዕባልን ይገበረሉ ደኣ እምበር፡ እቲ ዓይነተይና ዝኾነ ተሓድሶ እተገብረሉ ግና ብመሪሕነት ራእሲ ተሰማ ኣስመሮም በዓል ማዕረባ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ እዩ። ኣብዚ ባይቶ’ዚ “ስርዓት ምዔም ምሓዛ” ዝበሃል ዝነበረ ጥንታዊ መጸዋዕታ ናብ (ስርዓት ኣድግና-ተገለባ) ዚብል ሽም ተለወጠ። ስርዓት ምዔም ምሓዛ ማለት ቅድሚ’ቲ ናይ መጠረሽታ ምሕዳስ እተገብረሉ ስርዓት ኣብ ቤት ማሐትም ተሓቲሙ ይርከብ (3)። ብሓድሓደ ዓሌታት እንዳባ ኣከለጉዛይ ከኣ፡ ከም በዓል ሓደግቲ ዝኣመሰሉ፡ ዳርጋ ብርእሱ ዝቖመ ስርዓት ክሳብ ዝኸውን ዓቢይ ምምሕያሽን ምድልዳልን ተገቢርሉ እዩ።

ስርዓት ምዔም-ምሓዛ ኣብ 32 ዓንቀጻት ብምኽፋል ነዞም ዝስዕቡ ኣዕኑድ (ታኼላታት) ባህሊ ኩነታቶምን ኣገባቦምን ኣመሓዳድራኦምን ዕቅኖምን ኣዋድዳኦምን ተር ኣቢሉ ዘርዚሩ ይገልጸልና። ንመርዓን ድሕሪ መርዓን ዘድልዩ ነገራት ዘድልዩ ነገራት መሰልን ሓላፍነትን(1-10) ኣነባባር መሬትን ጥሪትን ገንዘብ (ንብረት) ገዛን ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ደቂ ዓድን ኣቀባብላ ጋሻን (11,16, 11, 18, 23) ገበንን ፍርድን ፈራዶን መቕጻዕትን (24-32)።

ስርዓት ሎጎ ሳርዳ (ኣከለጉዛይ)

ስርዓት ሎጎ ሳርዳ ሸውዓተ ደቂ ሳርዳ ዋዕላ ውዒሎም ዘቆምዎ ስርዓት እንዳባ እዩ(4)። ኣብ መወዳእታ ጽሑፍ ስርዓት ሎጎ ሳርዳ-ከም መዘኻኸሪ -“ጸሓፍነ በዘኢይትርሳዕ፡ ላሕመ ዮሐንስእም 9 ቤተ ሎጎ ሳብእታ፡ ወእምድሕሬኡ   ወዘተ” ዝብል ጥቕሲ ይርከብ እዩ። ብጥንቲ ሕዝቢ ደቂ ሳርዳ ብስርዓት ምዔም ምሓዛ እዮም ዝናበሩ ዝነበሩ።

እዚ ስርዓት እዙይ ከም ተግሳጽ ወይ ምኽሪ እንተዘይኮይኑ ከምዚ ይኹን፡ ከምዚ ይገበር ኣይብልን እዩ። እዚ ዚደጋገም ዋና ሓሳባቱ ከኣ እንኮ እዩ ዝመስል፡ ግና’ከ ብቑዕ ምክትታል ንኽረክብን ንምንቕቓሕንድጋፍ መንግስቲ ንኽጽንበሮን ተባሂሉ ዝተጻሕፈ ይመስል። ድሒሩ ግና ኣብ ስርዓት ኣድግና ተገለባ ተጸምበረ።

ስርዓት ሎጎ ሳርዳ ኣብ ቤት ክርትስትያን ሳርዳ ብቋንቋ ትግርኛ ብወገን ክልተ ጫፍ ኣብ ክልተ ገጻት ናይ ወንጌል ታጻሒፉ ይርከብ። ብሓቂ ብሓቂ’ውን ሓጺር እዩ። እንተኾነ ግና ብዝመስል ክሳብ ሕጂ ተረኺቦም እንካብ ዘለው ጽሑፋት ትግሪኛ መጀመርታ ስለዝኾነ ኣብ ኣስፍሖተ መጽናቲ ጽሑፋ ቋንቋ ትግርኛ ዕዙዝ ቦታ ሒዙ ይርከብ።

ስርዓት ሓደግቲ (ኣከለጉዛይ)

ሕዝቢ ሓደግቲ (ማዕረባ፡ዓደብዑር፡ ዓዲ ቐይሕ፡ ዓዲ ባዕኸል፡ ዓዲ ኣሕስእ፡ ደግራ መሬቶ፡ ሓድሽ ዓዲ/ዓደንስቲ) (7) ድሕሪ ዋዕላ ምዔም ምሓዛ መቐጸልታን መሓደስታን ስርዓት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ነገሮም መፍትሒ ዝኾንዎም ንቦቶኦም ዝሰማምዑ ስርዓታት እንዳባ ኪሰርዑ ጀመሩ፡ ይኹን ድ ኣ’ምበር ኣብ ባይቶኦም ውዕሊ ምዔም ምሓዛ ፍሉጥ እዩ ዝነበረ።

ስርዓት ሓደግቲ ካብቶም ንስርዓት ምዔም ምሓዛ ከደልድሉን ከማዕብሉን ተባሂሎም ዝተሓድሱን ዝተወሰኹን ስርዓታት ቀዳምነት ሒዙ ይርከብ። ብ1873ን ብ1904 ዓበይቲ ዓዲ ሓድግቲ ዋዕላ ውዒሎም ስርዓት ሓደግቲ ኣቖሙዎ(8) ነዚ ብሕዝቢ ሓደግቲ ወሰኽን ምምሕያሽን ዝተገብረሉ ስርዓት ምዔም ምሓዛ ዝጠርነፈ ጽሑፍ ኣብ ቤት ማሐትም ተሓቲሙ ይርከብ እዩ። (9) ድሒሩ ግና ስርዓት ሓደግቲ ናብ ስርዓት ኣድግና ተገለባ ተጸምበረ። እቶም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ምዔም ምሓዛ ብዋዕላ ዓበይቲ ዓዲ ሓደግቲ ዝተወሰኹ ዓንቀጻት እዞም ዝስዕቡ እያቶም።

1)ስልማት ሕጸ 2) ሕጽኖት 3) ገዝሚ 4) ግቡእነት መርዓዊ 5) ግቡእነት ኣቦ መርዓዊ 6) ፍትሕ፡ መሰል ሕጽኖቱ ክፍጽም ዘይክእል 7) ፍትሕ 8) ውዕሊ ደሞዝ (ድሞዝ) 9) ደቂ ከርሲ (ኣንጻር ደቂ ጡብ) 10) ዝሙት 11) ህያባት መርዓን ተስካርን 12) ስጋዊ ዓመጽ 13) ማህረምቲ (መውቃዕቲ) 14) ጸወታ 15) ዘራይ 16) ጸርፊ (ዓጽሚ፡ ዓሌት) 17) ሓለዋ እንስሳ (መጽዓይና) 18) ከብቲ ኣብ እተዘርኡ ግርሁ 19) ለቓሕ ከብቲ 20) ሕማቕ ሓለዋን ቅትለትን ከብቲ 21) ስርቂ ከብትን ናውቲ ማሕረስን።

ስርዓት ማይ ኣድጊ (ኣከለጉዛይ)

ስርዓት ማይ ኣድጊ ብኣርባዕተ ወለዶ ደቂ ኣግነ ማለት ብደቂ ገብሪ (ኮርባርያን )፡ ብደቂ የውሃንስ (እገላ ሓመስ)፡ ብደቂ ኣድመቖም፡ ብደቂ ጋፎ ግራቶ ምስ ሮብራን እንጋናኣን ሓቢሮም ዘቕዕምዎን ዝሓገግዎን ክኸውን እንከሎ (10) ሓገግቱ ኣብ ዋዕላ ምዔም ምሓዛ ፍሉጣት ዝነበሩ እዮም። ዝተሰርዓሉ ዕለትን ወርሕን ዓመትን ፍሉጥ ኣይኹን ድኣ’ምበር ቁሩብ ጸኒሑ ድሕሪ ምቛም ስርዓት ምዔም ምሓዛ ኣብ ማይ ኣድጊ ብጥንቲ ኣሕዋት እንገላን ሽዩም እገላን ባይቶ ዝእከቡላ ዝነበሩ ቦታ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ዓድታት እተመርጹ ወራዙት ዓዲ ተኣኪቦም ዋዕላ ምስ ዋዓሉ ስርዓት ማይ ኣድጊ የናብረና ቢሎም ሰሚሮም ዘጽደቕዎ እዩ።

እዚ ስርዓት’ዙይ ተቛውሞ ስርዓት ምዔም ምሓዛ ንምግላጽ ወይ ንእኡ ንምምሳል ዝተሰርዐ’ዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ብትውፊት ከም ዝመሓላለፍ ሰራዕቲ ስርዓት ማይ ኣድጊ ኣብ ዋዕላ ማይ ኣድጊ ተቐባልነት ኣይነበሮምን።

ብመስፍንነት ደጊያት ውቤ (1831-1855)፡ ቅድሚ ደጊያት ወልደንኪኤል ምስ ኣከለጉዛይ ኣብ ሓዲዳ ኩናት ምግጣሞም ስርዓት ማይ ኣድጊ ተሓደሰ፡ ቀጺሉ ከኣ ብዘበን ሃጸይ የውሃንስ (1881) ተመሓየሸ። ንመጠረሽታ ግዜ ድማ ብ1902 ከምቲ ኣቐዲሙ ብመስፍንነት ደጊያት ውቤ (1831-55) እተገብረሉ ከምኡ’ውን ብባሕሪ ነጋሲ ገብሪት በዓል ኮርባርያ ትሕዝቶ ናይቲ ጥንታዊ ስርዓት እንዳባ ተገልጸ፡ ብተጋባእቲ ባይቶ ከኣ ተሓደስን ይኹነልና ተባህለን። ኣብቲ ውራይ መጽሓፍ ኢላርዮ ካፓማጻ ከኣ ተሓቲሙ ይርከብ እዩ። (11)

ብሓጺሩ ስርዓት ማይ ኣድጊ ነዞም ዝስዕቡ ዓንቀጻት እዩ ዝጥርንፍ 1) ሕጸ ስልማት ሕጸ፡ መቕጻዕቲ 2) ኣገባብ መዓልቲ መርዓ፡ ገዝሚ (ፋርሸም፡መደበሊ፡ መጥፍኢ ሓዊ፡ መቃልዒ)፡ ውሕስነት (ሰደይና) ወዘተ 3) ሕጽኖት 4) ተገሲሳ ዝጸንሐት/ዝተረኽበት ጓል 5) ዕግት ኣብ መንጎ ተዋሰብትን፡ ወለድን፡ፍርዲ፡ መቕጻዕቲ፡   6) ዋሕስ መርዓ 7)ምልሶት 8)ግቡእነት መርዓዊ 9) ምውጻእ ሓዳር 10) ህያባት ብግዜ መርዓ 11) ዝሙት 12) ፍትሕ 13) ደቂ ከርሲ (ውሉድ) 14) ርስትን ወረስትን፡ መሰልን ሓላፍነትን (ግቡእነትን) ወረስቲ፡ 15) ዑናን ንብረቱን ወዘተ   16) ግርሁ (ግብሪ መለሳ ግብሪ፡ ገበራ) 17 ብዛዕባ እንስሳ 18) መጉዳእትን ጸርፍን፡ 19) ስጋዊ ዓመጽ (ዘረፋ፡ ጭዋ)፡ 20) ማህረምቲ፡ ጸወታ፡ ቅትለት፡ ዋጋ ደም (ጋር ነፍሲ) 21) ስርቂ፡ (ናውቲ ማሕረስ ) 22) ዓሰባ (ግዝእነት)፡ 23) ፈራዲ (ዳይና)፡ ፍርዲ፡ ምስክር፡ 24) ኣቀባብላ ኣጋይሽን ኣዝማድ፡ 25) ጎይቶት፡ ካህን(ቀሺ)፡ ቀታል ኣንበሳ።

ስርዓት ዝባን ሰራውን እንዳደቆን (ኣከለጉዛይ)

ሕዝቢ እንዳደቆ ብ 18 ክፍለ ዘመን ኣብ መሬት እገላ ሓመስ እተጣየሱ ኣንተደኣ ኾይኖም፡ ብዝመስል’ውን ካብ ኣታቶም ተፈልዮም ዝኸዱ ሰባት ናይ ርእሶም ምምሕዳር ምእንቲ ኪስርቱ ኣብ ዝባን ሰራው ኣብ ማዕዶ እናደቆ ተጣየሱ (ክልቲኦም ዓድታት ከኣ ደቂ ዓንዱይ እያቶም(12)።

ብ1902 ኣብ ማይ ኣድጊ ኣብ ዝተገብረ ዋዕላ ል ኡኻት ዓድታት እንዳደቆን ዝባን ሰራውን ክሳተፉ ፈተኑ፡ ምስ ተኣከብቲ ባይቶ ስለዘይተቓደው ግን ኣደና ኦም ፈጽሚ ዝረኸበ ኣይመስልን። ምድሪ እንዳደቆን ዝባን ሰራውን ዶብ እገላ ሓምስ (ተኸተልቲ ስርዓት ማይ ኣድጊ) እዩ።

እዞም ክልተ ዓድታት ኣብ ጥቓ ኣሕውይ ሽብጢ (ኣብ ምድሪ እናደቆ ዚርከብ) ብ 1902 ሰለስተ ገዛ እናደቆን ክልተ ገዛ ዝባን ሰራውን ዋዕላ ድሕሪ ውዒሎምን ስርዓት ዝባን ሰራውን እናደቆን ሰርዕዎ፡ (13) ቁሩብ ቅይር ብዝበለን ብዝተሓደሰን ኣገባብ ከኣ ልማዳት (ባህልታት) ማይ ኣድጊ ኣብ ስርዓት ዝባን ሰራውን እናደቆን ኣትዮም ይርከቡ እዮም። ግናንከ ሓደ ሓደ ምቅይያር ተገቢሩሎም እዩ። እንታይ ደኣ ምስቶም ካል ኦት ኣሕዋቱ፡ ልክዕ ብልክዕ ርስቲ ኣብ ኡ ተማቒሉ ክወርስ እዩ ዝኽእል።

ስርዓት ዝባን ሰራውን እናደቆን ነዞም ዝስዕቡ ባህላዊ ኣናባባር እንዳባ ዝጠርነፈ እዩ፡ 1)ኣገባብ ሕጸ 2) መርዓ 3) መሰል ሕጽኖት/ ቃል ኪዳኑ ንምፍጻም ዘይከኣሎ 4) ጥሪት/ኣቑሑት ገዝሚ፡ ግቡእነት መርዓዊ ጊደ ግብሪ (ፈሰስ ዕዳ) 5) ፍትሕ 6) ርስቲ 7) ጥሪት (ከብቲ) 8) ስጋዊ ዓመጽ፡ዘረፋ፡ ጭዋ (ምግሳስ)፡ 9) ግብሪ ዝሙት፡ 10) መጉዳእቲ   11) መውቃዕቲ 12) ጸወታ   13) ዘራይን ከትሪታትን፡ 14) መንቀጺ ደም ።

ይቕጽል  . . . . .

ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን ክፋል ረቡዕ 23 ሓምለ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሰኣን ድንን
Next Article “ግጥሚ ቋንቋ ህጻን’ዩ”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?