Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ቃንዛኻ ኣልምደኒ

ቃንዛኻ ኣልምደኒ

0
By Mekonnen T. on January 12, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ትላመዶ ዲኻ ኣንታ ጥበበኛ

ምስ ቃንዛኻ ምንባር

ንቐታሊ እናበልዎ ሓርበኛ

ተጣቢብካ ምፍጣር

ምስሏኽ በታ ዑንቂ ኣብ መላጸ ምህጣር

ከመይ ኢልካ ትኽእሎ ኣብ ሕልና ምስፋር?

ሰብ ክትከውን ደልዮም ያኢ ክትሕወስ!

መሳልል ፈጢሮሙልካ ለማጽ

ወስ እንተበልካ ሸተት በቲ ንፋስ

እናፈረዱኻ ንሞደሻ ንፋስ

ከመይ ኢልካ ትኽእሎ ሳዕሪ ደንደስ ምሓዝ?

ከመይከ ትመርጾ ስታቲኮ ኣርተ

ቃንዛ ትጭልጦ ጥበባዊ መስተ!

ይምቅረካዶ ክንዲ ምምሳል ምዃን?

ካብ ዓይኒ ወጺእኻስ ኣብ ልቢ ምድኳን

 ዓርኪ ህቦብላ መሓዛ ማዕበል

ምዝላል ክብ ምባል ይኹነኒ ቓል

ንመኣዛ ፍጡር ኣብ ቃንዛ ምግዳል

ሕሸኒ ዝበልካ ጠንቀላዕላዕ ምባል?

ዋእ! ንገረኒ ኣትሕዘኒ ምራን

ክድይቦ ብራኼኻ ኣኽራን

ክራሸ ክድርቢ ኣምርጸኒ ዕብራን

ኔው ክብሎ ምጥባር ልሳነ ምሁራን!

ኪኢልካዮ እንዲኻ ምውሓጥ ብደረቑ

ጎርዳዕ ምባል ቃንዛ ከይተዞቁ

ኣትሪርዎ ንጅማት ሰርኒቑ

ተሓዊሱ ምስቲ ደምካ ፍርቁ።

ኣዕትረኒ ኣትሕዘኒ ኢዱ

ኣቅኒእኒ መከራኻ ጉዱ

ሰዓሪ ሞት ንቓንዛ ጨሊጡ

ኣብ ዓለምካ ሞት ተለሚዱ።

ፈትሊ ስራይ ብጅማት ወጢረ

ኮኾብ ሰማይ ብሕልመይ ኣሲረ

ክመጸካ ክንደይ ሳብ ሃሪረ

መዓስሞ ተረካቢ ጭራ

ነትጒ ወዝቢ እሳተጎመራ

መዋዕልቲኻ በርቂ ሓጋይ

ዛርቲ ኣሲረናልካ ስራይ

ዘየዛርብ ምሳይ!

ሰሓበኒ ዋላ ይጽደፍ

ይቀባእ መንፈሰይ ስጋይ ይቀራረፍ

ሰፈፍታ መዓሩ ይበል ሰፈፍ

ብመከርኡ ይተሃረፍ

ግደፍ ዓርኪ ልመድ

ወርውረለይ ናይ ቅንዕና ገመድ

ኣፍቅደለይ ቃንዛኻ ክላመድ!

ወዲ ኣቢብ

 2016

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleደርዘን ሕቶ ንገጣማይ
Next Article ተኽሊ ቘልቋል
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?