Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, May 14, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ቃላትን ሓሳባትን

ቃላትን ሓሳባትን

0
By Mekonnen T. on July 29, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ቃላት መህነጺ ሓሳባት ደኣ’ምበር ንባዕሎም ሓሳባት ኣይኮኑን። ሓሳብ ድሮ ኣብ ውሽጢ ዝተሃንጸ’ዩ – ውዱእ ዲዛይን ኣለዎ። ነቲ ዲዛይን ኣብ ተግባር እንታይ ከምዝመስል ንኸተንጸባርቖ ድማ ቃላት የድልዩኻ። መልክዕ ናይ’ታ ውድእቲ ግጥማዊት ህንጻ ድማ ኣብ ኣመራርጻ ናይ ቃላት ኣእማንካ ይምርኮስ። ግጥሚ ከኣ እንታይ ትብል ጥራይ ዘይኮነስ ብኸመይ ትብሎ’ዩ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ። ብሓፈሻኡ ኣመራርጻ ቃላት ዕቱብን ውርዙይን ኢልና ኣብ ክልተ ክንከፍሎ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና እንጥቀመሉን እቶም ኣብ ጎደናታት ዝዝውተሩን ማለት’ዩ። ንኣብነት ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ገኒኖም ዘለዉ ናይ ትግርኛ ደርፍታት በዞም ፋሉል ቃላት ዝተዓብለሉ’ዮም። ሓቢቢ፡ ኣስሊ፡ ናይ ሕማመይ፡ መጸለሊተይ. . . ዝኣመሰሉ። ኣየናይ ኣመራርጻ ቃላት ዝያዳ የድምዕ ንዝብል ሕቶ ግን፡ እቲ መድረኽ ዝውስኖ’ዩ። ግን ከኣ ኣብ ኣመራርጻ ቃላት ክንጥንቀቐሎም ዘለና ነጥብታት ኣለዉ። ገለ ካብኦም፣

  1. ዝኣረገ ማስቲካ (ክሊሸ) ዘይምጥቃም። ካብ ኣመና ምድግጋሞም ንሰማዒ ኣዝዮም ኣሰልቸውቲ ዝኾኑ ቃላት ከይንጥቀም ክንጥንቀቕ ይግብኣና። ከም’ዚኦም ዓይነት ቃላትን ሓረጋትን ከይተረድኣና’ዮም ባዕሎም ህሩግ ዝብሉና። ንኣብነት፡መዓንጣ ሽቦ ክሳድ ብርለካባኺ ተፈልየስ ኣይክእሎን ክነብር።እዚኣቶም ፍጥር ክንብል ከለና ዝሰማዕናዮም ተደጋጊሞም ዘሰልቸዉና ኣበሃህላታት’ዮም። እቶም ኣገላልጻታት ጽባቐ ስለዘለዎም ግን ክንጥቀመሎም ከለና ክሳብ ሎሚ ብጽቡቓቶም ዘለዉ’ዩ ዝመስለና። ይኹን’ምበር፡ ከምዚኦም ዓይነት ሓረጋት ክንጽሕፍ ከለና፡ ዘይናትና ምዃኖም ክንዝንግዕ የብልናን።
  2. ስገም ኣጻብዕታ ኣካይዳ ሰገን
  3. ሃሪ ጸጒሪ ርእሳ ዘውዘው ዝበለ
  4. ቃላት ብዓቲ ዘይምዝውታር፡ እዚኣቶም ድማ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝደጋግምዎም (ውሑዳት ጥራይ ዝፈልጥዎም ማለተይ ኣይኮንኩን) ወይ ድማ ኣብ ውሱን ከባቢታት ጥራይ ዝዝውተሩ ኮይኖም፡ ሓደ ዝውቱር መተካእታ ቃል እንተሃሊዎም ነቲ ዝውቱር ምጥቃም ይሓይሽ። ኣብ’ዚ ሕንፍሽፍሽ ክፍጠር ዘይብሉ፡ ገለ ዘይዝውቱራት ቃላት፡ ኣዝዮም ኣድማዕቲ ኮይኖም ክስምዑና ከለዉ ክንጥቀመሎም ተመራጺ’ዩ። እቲ ምንታይሲ፡ ዋላ’ኳ ሓደ ገጣማይ፡ “ቋንቋ ከስተምህር ኣለኒ” ኢሉ ክብገስ እንተዘይብሉ፡ ንእግረ መንገዱ ኣብ ዝፈጥሮ ጽባቐ ግን ቋንቋ ምስትምሃር’ውን ዕዮኡ’ዩ። ዘይዝውቱራት ቃላት ምጥቃም ከም መዐቀኒ ጽባቐ ክንጥቀመሉ ግን ዝግባእ ኣይመስለንን። “it’s simple to be complex, but complex to be simple” ስለ’ዚ ሲምፕሊሲትይ ተመራጺ’ዩ። ብዘብለጭልጩ ቃላት ስለዝጠረዝካዮ ዝውጅህ ግጥሚ ክንደየናይ ከይህሉ። ብሉጽ ኣመራርጻ ቃላት ዝበሃል፡ እቲ ግቡእ ቃል ኣብ’ቲ ግቡእ ቦታ ምጥቃም ማለት’ዩ። ንኣብነት፡ፈልቊ ማዕተዕኪምስርኣኹኺ ብዘይ የውጣ
  5. ካልእ መዐቀኒ ናይ’ዛ ግጥሚ’ሞ ንግደፎ፡ “ወርቂ ኣዲን፣ ፈልቊ፣ የውጣ” ዝብሉ ቃላት ግን፡ ኣብኦም ከተተኩር ክትብል ነዛ ግጥሚ ብዝግባእ ከምዘይተስተማቕራ ይገብሩኻ’ዮም።
  6. ነብሰይ ብሕፍረት ተዋሒጣ።
  7. ክሳድኪ ብዕንቊ ማዕሪግኪ
  8. ወርቂ ኣዲን ክዳንኪ
  9. ክሹናት ቃላት ዘይምጥቃም- ክሹናት እንብሎም ቃላት፡ ሓሳባት ከይሓዝና ከለና ኣቐዲምና ኣዋህሊልናዮም እንጸንሕ ቃላት’ዮም። እዚ ማለት፡ ሓንቲ ቃል ደስ ትብለካ’ሞ፡ “ግድን ሓደ መዓልቲ ክጥቀመላ ኣለኒ ኢልካ ሒዝካያ ትጸንሕ’ሞ፡ ሽዑ ግጥሚ ኣብ ትጽሕፈሉ ግዜ ከይጸዋዓትካ ባዕልኻ ወጢጥካ ምእታዋ’ዩ። ንኣብነት፡ “ንስሪ” ትብል ቃል ከተእትዋ ስለዝደለኻ ጥራይ፡ “ናህሪ፡ ጓህሪ፡ ባሕሪ፡ ባህሪ” ዝብሉ ቃላት’ውን ምስኣ ሰሪዕካዮም ትጸንሕ። እዚ ምግሳስ ናይ ቃላት’ዩ። ኣመራርጻ ቃላት ስፍሕ ዝበለ ጨንፈር ስነ ግጥሚ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ዝቕጽል ከኣ ብዛዕባ’ቶም ዝተረፉ ባእታታት እንተተዛተና ጽቡቕ መስለኒ።ብኣማኑኤል በርሀ
Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleነጸብራቕ ከንቱነት
Next Article ፈቲሐዶ ክምርዓወኪ?
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?