Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ስነ-ጥበብ

ስነ-ጥበብ

0
By Beyene Semere on May 30, 2014 Home, ቅኒት ብርዒ
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ስነ-ጥበብ – ንሰብ ጥበብ

ነዛ ናይ መኮነን ተስፋይ መርበብ ስም ንኽወጻ ኣብ ዝተገብረ ዕድመ ዝተፈላለዩ ሰባት ረርእይቶኦም ለጊሶም- ስማ ንምጥማቕ፡፡ ኣብ መወዳእታ ግና “ዛራ ጥበባት” መጸዊዒ ስማ ክኸውን ቅድውትና ትኹን ተባሂሉ። ብድሕርዚ ሓደ ሕቶ ኣብ ዉሽጠይ ደዊሉ፡ ንምንታይ ኢና ንስነ-ጽሑፍ፡ ግጥሚ፡ ዜማን ካልእን ኣብ ትሕቲ መጸውዒ ጥበብ፡ ስነ-ጥበብ እንምድቦ? ብከመይ ከምዝመጸ ኣይፈልጥን። ኣብ ቋንቋ ግእዝ “ኪን” ወይ “ስን” ዝብል ንጽባቐ፡ ንፈጠራ ንውቃበ ዝውክል ቃል’ዩ፡ በዚ ድማ ካብ ቋንቋ ግእዝ ብምብጋስ፡ ኪነት ዝብል መጸውዒ ስም ተጠቒምና ኣብ ኣምሓርኛ ይኹን ኣብ ትግርናኛ ንጥቀመሉ ከምዝነበርና ይዝክር። ጥበብ ንረቂቕ ፈጠራ ደቂ ሰባት ጥራይ ኣይኮነን ዝዉክል እንታይ ደኣ ንኣካላዊ ፍርያት ከም ስርሓት ሓጺን፡ ዕንጸይትን ካይላን ዝተፈላለዩ ፍርያት ኣዴታት ዝኾነ ከም ናይ ላኻን ፈትልን ዉጽኢትንውን ከመልክት ይኽእል፡፡ ጽባቐኡን ዝፈሰሶ ዉሕልነትን ከነጉልሕ እንተ ደሊና ግና ስነ- ወይ ኪነ- ኣብ ቅድሚ ጥበብ ብምኹዳም ነቲ ረቂቕ ፈጠራዊ ጽባቐ ነጉልሕ።
ጥበብ ግን ንፈጠራ ጥራይ ኣይኮነን ዝዉክል፡ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋት “መጀመርያ ጥበብ ምፍራህ እግዚኣብሄር’ዩ” ዝብል ሓደ ጥቕሲ ካብቲ ብጥበቡ ክሳብ ሎሚ ዘዛርብ ንጉስ ሰሎሞን ናይ እስራኤል’ዩ። ንጥበብ ድማ ልዕሊ ዝኾነ ሃብትን ጥሪትን ከምዝኾነት ኣዕዚዙ ይዛረብ። በዚ ድማ ጥበብ ንልቦናን ምስውዓልን እትውክል ነገር ከምዝኾነት ንግንዘብ። ዓለም ናብዚ በጺሓቶ ዘላ ናይ ስልጣነ ደረጃ ንክትበጽሕ ብዘይውልውል ጸረብቲ፡ ፈላስፋታት፡ ተመራመርቲ ኢዶም ሓዊሶሙሉ’ዮም፡፡ ግና ንመንፈስን ፍናንን ደቂ ሰባት ኣነቓቒሖም ነቲ ረቂቕ ነገር ናብ ግዑዝ ነገር ንኽቕይሩ ጥበባዊያን ዘየምቲ ፡ ገጠምቲ፡ ጸሓፍቲ፡ ጸረብቲን ሰኣልትን ጽልዋኦም ዕዙዝ ከምዝኾነ ኣየከራኽርን። መንፈስ ደቂ ሰባት መንፈሳዊ መግቢ የድሊዮ’ዩ፡፡ እዚ መግቢዚ ልክዕ ከምቲ እንጌራን ጸብሕን ሸውሃት ኣርሕዩ ተበላዒ ክኸውን ዉሕልነት ዘድሊዮ። እዚ ንኣእምሮ ኣበራቢሩ ሰባት ተባላሕትን ተመራመርትን ነዛ ድንግል መሬት ክፈናጥሑን ከዐርዩን ክኽእሉ ምእንቲ እዚ ረቂቕ መንፈሳዊ መግቢ ክኽሸን ኣለዎ- ጥበብ ዘለዎ ምኽሻን።
ነዚ እናጸሓፍኩስ ፡ ኣየ! ነዚ ዝብሎ ዘለኹስ ብጥበብ ከሺነ ብግጥሚ ወይ ብልቢ-ወለድ ወይውን ብዜማ እንተዘቕርቦስ ክንደይ ሰብ ኮን ብሂጉ መንበቦ እሞ ሓሳበይ መሕለፍኩ ኢለ። ኪነ ጥበባዊ ወይ ሰነ ጥበባዊ ክሸና ጽሑፍ፡ ዜማን ስእሊን እምበኣር ንወዲ ሰብ የድልዮም ኢዩ፡ ክንደየናይ ግዳ ነዓና ዘየድልየና፡ መንፈስና ብጓሂ ተሰይሩ ሕልናና ብስደትን ጸፋዕፋዕን ዓሪቡ ከም መዕለቢኣ ዝሰኣነት ዑፍ ከርተት ዝበዝሓና ህዝቢ፡ ጥበብ ዝመልኦ ግጥሚ፡ ጥበብ ዝመልኦ ዜማን ስነ-ጽሑፍን ስእልን ኣዕዚዙ የድልየና እምበር ፡ ዝርንዝሕ ዘንብዓና፡ ካብ ልቢ ካርካር ኣቢሉ ዘስሕቐና፡ ሃለዋትና ዘዘኻኽረና፡ ነዛ በዳሂት ህይወት ስዒርና ብዓወት ዘስግረና ጥበብ ዝመልኦ ጽውያ የድልየናሎ ብሓቂ።
ኣብ ዛራ ገጠምቲ ዝወጽእ ጽሑፋት ብዙሕ ጊዜ የንብቦ’የ፡፡ ኩሉ ጥበብ ጽባቐ ዘለዎ ውቁብ ጽሑፍ’ዩ ክብል ኣይደፍርን፡፡ በብሓደ ድማ እዚ ጽቡቕን ሕማቕን ኢለ ክፈርድ ዓቕሚ ይሓተኒ፡ እንተኾነ ከምቲ ኣብ ብሂላትና ዘሎ “ተጽግበኒ ቅጫስ…” ዉቃበ ዝተኻዕዎ ጥበባዊ ጽሑፍ ክወጽእ ከሎ፡ ከም ኣብ ምድረበዳ እትረኽቦ ዝሑል ማይ ከየተንፈስኩ’የ ዝሰትዮ። ኣየ! እቶም ኣምላኽ ጸጋ ጥበብ ዝዓደለኩም ሰባት፡ ኣብዚ ሓውና መኮንን ምስብጾቱ ኣርሕይዎ ዘሎ ዳስ ጥበብ፡ ብርዕኹም ኣልዒልኩም ንዝሓዘነ ልብና ክትዝንኑ፡ ንዝተሰብረ መንፈስና ክትጽግኑ፡ ዘመናትና ናይ ሓጎስን ምስትንታትንን ክትገብሩ ኣብ ዛራ ጥበበኛታት እንተትብገሱ!
በየነ ሰመረ
ኣውስትራሊያ

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleአእጃምና
Next Article ዛራታት ጥበብዶ…
Beyene Semere

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?