Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Thursday, May 29, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ስሓ መሸኒት

ስሓ መሸኒት

0
By Mekonnen T. on January 10, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣብርሃም ተስፋልኡል

ሓቀኛ ልብ-ወለድ ዛንታ

“ወዲ-ሃይለ ሓላፊ መዓስከርና ክኸውን’ዩ:” ዝብል ወረ ሰለስተ ወርሒ ምሉእ ኣኳማሲዕናዮስ ምምጻኡ ርግጽ ምስ ኰነ ማዕረ ምውጻእና ኢና ጸንቢልናዮ። ወዲ-ሃይለ ኣብተን ቅድሚ ሕጂ ብደረጃ ሓላፊ ቤት-ማእሰርቲ ኰይኑ ዘገልገለን መዓስከራት ንእሱራት ብዘርእዮ ቅርበትን ሓለፋታትን’ዩ ዝፍለጥ።

…ሕልሚ ተጋሂዱስ እንሆ መጺኡ ንኣኼባ ኣብ ቅድመና ኮፍ ኢሉ…

1.ቅድሚኡ ብኣካል ርእየዮ ኣይፈልጥን: ከደራይ ሕብሪ ቈርበትን ጽሙእ ግን ከኣ ሸጥ ዝበለ ሰውነት ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ እሰምዕ ምንባረይ ግን ባዕለይ ዝፈጠርኩዎ ምስሉ ዳርጋ ከም ዝርኣኹዎ ኣምሲለ እየ ዝቐርጾ ነይረ። ሓቂ ንምዝራብ ብዘይካ መልክዕ ገጹ ኣብ ካልእስ ዳርጋ ትኽክል እቲ ዝቐረጽኩዎ እዩ።

2. ካብ ኣርባዕተ ትሕቲ-መሬታዊ መንበሪ ዝተዋጻእና ኣስታት ሰማንያ ኣቢልና እንበጽሕ እሱራት ኣብ ቅድሚኡ ተቐራቒርና ኮፍ ኢልና ነበርና። ሰዓት 4:00 ብመጠኑ ምድሪ ጠለስ ዝብለሉ ስለ ዝዀነ: እሞ ከኣ ኣብ መእሰሪ ሰፈራታትና ክንኰነሉ ዝነበረና እዋን ንኣኼባ ምውጻእና: ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ኵላትና ተዛኒና ኔርና። ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት ክልተ ዓመት ጻንሖተይ እንትርፎ ንኣርባዕተ ከምዚ ዝመስል ሓባራዊ ምትእኽኻብ ተቓሊዐ ስለ ዘይፈልጥ: ብውልቀይ ዝተፈታሕኩ መሲሉ ተሰምዓኒ። እታ ሓንቲ ካብተን ኣኼባ ቅድሚ ሰሙን ኣቢላ ብሓላፊ እቲ መዓስከር ዝነበረ ወዲ-ተስፋይ ዝተገብረትልና ናይ መፋነዊ ኣኼባ እያ ነይራ። ብጭካነኡን ኣብ ልዕለና ዘርእዮ ዝነበረ ህድግ-ለነ ዘይብሉ መቕጻዕቲን ኵላትና ኪሕ ኢልና እኳ እንተ ነበረ: ክፋኖ ከሎ ግን ጸንቢልናዮ ኢና። “ምሳኹም ኣብ ዝነበርኩሉ ዘርኣኹዎ ሕማቕ ባህርያትን ኣብ መጻኢ ክእርሞ ኣለዎ ትብሉዎን?” ምስ በለ’ውን ገለ ካባናስ ሓውሲ ድፍር ኢሎም ተዛሪቦሞ ነይሮም። ውሑዳት ከኣ እንተስ ሓለፋታት ይገብረሎም ነይሩ ወይ ድማ ምኻዱ ኣይተርፎን’ዩ ኢሎም ምፍላዩ ነቲ መዓስከርና ዓቢ ክሳራ ምዃኑን ክንናፍቖ ምዃንና ሓቢሮም። ካልኦት ዝነበራ ክልተ ኣኼባታት ሓንቲ ጐስጓስ ብዛዕባ ኤይድስን ኣገባብ ምክልኻሉን ካልኣይቲ ከኣ ንመዓልቲ ናጽነት ኣመልኪትና እንገብሮ ጽንብል ንምዝታይ እየን ነይረን። ክልተአን ኣይጸላእኩወንን።

3.  ኣብ መእሰሪ ሰፈራታትና እንተ ንነብር ኣብዚ ሰዓት’ዚ–ኣብ መንጎ ትኽስን ምብርባርን እናተቓለስና–ቍራጽ ካርቶን ብምጥቃም ክዝሕለና ነንበድብድ ምነበርና። ጽበት እቲ ቦታ: ጥሜት: ምስ ሰውነትና ዝተወሃሃደ ሽታ ረሃጽን ምናልባት ነጠብጣብ ሽንቲ ዝተሓወሶ ክኸውን ዝኽእልን… ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝጋነን ደኣ ኣይዅን እምበር ዝጽወር’ሲ ኣይኰነን። ምስ መዳቕስትና ብመብረ ምንብድባድ ንቡር መስርሕ ስለ ዝገበርናዮን ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይብልናን ድማ ሎሚ ተራኡ ስለ ዝዀነት እድሪስ የንበድብደለይ ምሃለወ። ዕድሉ ጽቢቓ: በዛ ኣኼባ ሓሊፋትሉ ግን: ጽባሕ ንሱ ክድቅስ ኣነ ከንበድብደሉ እየ።

4.ከም መብዛሕትና ኣብዚ ዘለና እሱራት ምኽንያት መእሰሪየይ ብልክዕ እኳ እንተ ዘይፈልጥኩን ዘይተሓበርኩን: ከም መብዛትኦም ኣብዚ ዘለዉ ግን ምስ ስግረ-ዶብ ዝተሓሓዝ ምዃኑ እጥርጥር። ናብ ከምኡ ዘብጽሓኒ ክልተ ምኽንያታት እየን፤ ሽዱሽተ ወርሒ ቅድመይ ቀንዲ ዓርከይ ብኸምኡ ተኣሲሩ ካብ መንበሪኡ ተወሲዱ ክሳብ ሕጂ’ውን ኣይወጸን። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ መዓስከር ዝርከቡ ካልኦት እሱራት ምስ ስግረ-ዶብ: ንግዲ ሓሽሽን ሃይማኖታዊ ጥሩፍነትን ዝተሓሓዝ ጉዳይ ከም ዘለዎም ይዕለል። ባዕለይ ክግምት ከኣ እታ ናባይ ክትቀርብ ትኽእል (ውዕሊዮ ዘይኰነስ ምስ ናይ ዓርከይ ኣዛሚደ) ጉዳይ ስግረ-ዶብ እያ።  ወዲ-ሃይለ ካብ መቓምጦኡ ተንሲኡ ንዅሉና ብዓይኑ ኰለልና’ሞ መን ከም ዘበገሳ እንድዒ ብገለ ጣቕዒት ምስ ጀመረት ኣድመቕናያ። ሓንሳብ ክምስ ኢሉን ንከበሬታ ርእሱ ጥቕስ ኣቢሉን ድማ ወተሃደራዊ ሓላፊ መዓስከር እሱራት ምዃኑ ከዘኻኽረና ግዲ ኢሉ ገጹ ቅጽበት መለሶ። መግናሕቲን ዘይተጻሕፈ ምስልታት ምንባብን ለሚድናዮ ስለ ዝጸናሕና: ከምዛ ዝተማኸርና ኣብ ሓጺር ካልኢታት ጣቕዒት ኣቋሪጽና: ጕሪምሪምታ ድምጽታት ኣጥፊእና: ዘረባኡ ንምስማዕ ቅንዕ በልና።

“ሐራይ እምበኣር ከመይ ውዒልኩም? ስመይ እኳ ዳርጋ ኵሉኻትኩም ፈሊጥኩምኒ ኣለኹም ተወልደ ሃይለ ይበሃል፣ ከምቲ ዝተለምደ ዋላ ወዲ-ሃይለ በሉኒ። ካብ ሎሚ ኣዛዚ ናይዚ መዓስከር ኰይነ መጺእ ኣለኹ፣ እንቋዕ ብደሓን ጸናሕኩም:” ንሱ’ውን ግብረ-መልሲና ክርኢ ኢሉ ቍሩብ ደው በለ። ሕጂ’ውን መጅሙዕ ጣቕዒትን ክሳብ መግናሕቲ ኣዒንቱ ዝስዕብ ጕሪምሪምን ቀጸልና። ልሙድ ናይ እንቋዕ ብደሓን ጸናሕኩምን ጽቡቕ ምንዮት ንሓባራዊ ስራሕን ድሕሪ ምጥቃስ ድማ እታ ኵላትና ክንጽበያ ዝጸናሕና: “ኣብዚ መዓስከር በቶም ዝቐደሙ ሓለፍቲ ዝነበሩ ዝተኣታተወ ብዙሕ ጋሕማጥ ኣሰራርሓ ጸኒሑ’ዩ፣ ንዕኡ ምዕራይን ሓደ-ሓደ ፍታሓት ንምእታውን ድማ ቀዳማይ ዕማመይ ገይረ ሒዘዮ ኣለኹ:” ምስ በለ: ስምዒቱ ገንፊሉ መዳቕስተይ እድሪስ: “ተዓወት ወዲ ሃይላት ነብሲ!!” ኢሉ ካብ ኮፍ መብሊኡ ብድድ ኢሉ ጨረሐ’ሞ ኣሰሩ ስዒብና ኵላትና ደገፍና ንምርኣይ ደው ኢልና ጣቕዒት ጀመርና።

ኮፍ ክንብል ብኢዱ ገይሩ ምልክት ገበሩ: ንርእሱ’ውን ኮፍ በለ።

ቀጸለ…

ከም መንእሰያት መጠን ተስፋ ክንቈርጽ ከም ዘይብልና: ዕድልና ኣብ መጻኢ ኣብ ኢድና ምዃኑን ድሕሪ ምሕባር ይሕጸር ይንዋሕ ቅንዕናና ከውጽኣና ምዃኑ ዘረዘረ። ዝተለምደ ዘረባ ስለ ዝዀነ: ኲናኡ ኢና ንጽበ ኔርና:  ከምዚ ኢሉ ከኣ፤ “ምናልባት ኣቕዲምኩም ሰሚዕኩሞ ክትኰኑ ከም እትኽእሉ: ኣነ እሱርን ወተሃደርን ብመግቢ ክዛረብ የብሉን ዝብል መርገጺ እዩ ዘሎኒ። ቀዳመይቲ ስጕምቲ እምበኣር እታ ሰዓት ዓሰርተ ጥራይ ሓንሳብ እትወሃብ ዝነበረት መቝነን ናብ ክልተ ምዕባያ እዩ። ካብ ድሕሪ ጽባሕ ጀሚርኩም ንግሆ ሰዓት 10:00 ከምኡ’ውን ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 4:00 መግቢ ክቕረበልኩም እዩ። በቲ ዝጸንሐ ኣገባብን መስርዕ ምግብናን ድማ ነቲ ብጽሒት ትወስዱዎ:” ኢሉ ደው በለ። ዘረባኡ ኣስደሚሙና ከምቲ ዝቐደመ ከነጣቕዕ’ውን ኣይከኣልናን፣ ተዘኒብና ንሓድሕድና ቀባሕባሕ ኣብ ምባል ኣቶና።

ቀጺሉ ጉዳይ መእሰሪታትና–ምስ ብዙሕነቱን ዓይነቱን–ንላዕለዎት ኣካላት እምበር ንዕኡ ከም ዘይምልከት ድሕሪ ምሕባርን ነቲ ሕቶ’ቲ ከይንሓትት ዳግም ብምዝኽኻርን ናብ ካልእ ልሙዳት ሕግታት እቲ መዓስከር ኣብ ምዝርዛር ኣተወ። ሰዓታት ሽንቲ: ጸጥታ ድምጺን ወርሓዊት ምሕጻብ ሰውነትን ሓድሽ ነገር ስለ ዘይነበረን ንማለቱ ጥራይ ሸፈፍ ኢሉ ሓለፈን። ምናልባት ተኽእሎታት ዋሕዲ ማይ ከጋጥም ስለ ዝኽእል ግን ኣብ ኣገባባትና ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ኣስሚሩ ተዛረበ። ቀዲሙ ዝተሓበረና ብስራት ግዲ ዓብሊሉኒ እታ ለሚድናያ ዝነበርና ክልተ መዓልታዊት ጃሎን ማይ እንተ ጐዲላ ክስዕብ ዝኽእል ሃስያ ኣይሓሰብኩሉን።

ወዲ-ሃይለ ዘረባኡ ብምቕጻል: ዳርጋ ኵሉ እሱር ዘይተጸብዮን ዘይገመቶን ኣርእስቲ ምዅርማጅ ኣልዓለ። “ኣብዚ ዘሎ ኣገባብ ምዅርማጅ’ውን ገለ ለውጥታት ከእቱ መዲባ ኣለኹ:” ምስ በለ ተወሳኺ ዝርዝር ከይሰማዕና ተዓኒድና ተጠማምትና።

5.ገና ቅድሚ ኣብኡ ምእሳረይ ዝጀመረን በቶም ዝቐድሙ ሓለፍቲ ከይተቛረጸ ዝቐጸለ: ብልምዲ “ምዅርማጅ” ኢልና እንጽውዖ ወግዓዊ ስሙ ግን “ኣራሚ ኣገባባት” ዝጽዋዕ መቕጻዕቲ ኣሎ። እዚ ምዅርማጅ ነፍሲ-ወከፍ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 4:30 ጀሚሩ ከከም ቅልጥፈኡን ብዝሒ ኰርመጅቲ ኣባላትን ክሳብ ሰዓት 5:30 ዝቕጽል መስርሕ መቕጻዕቲ’ዩ። እዚ ምስ ብዙሕ ዘይምዕሩይ ኣገባብ: ትሪን ፍዅስተን ኰርመጅቲ ኣባላት ክጓዓዝ ዝጸንሐ መቕጻዕቲ ምምሕያሽ እንተ ተገይሩሉ: ብውልቁ ንዓመት ክጸንሕ ዝመርጽ እሱር’ውን ኣይምተሳእነን። በቲ ግቡእ መቕጻዕቲ ብጽሒት ነፍሲ-ወከፍ እሱር 15 ኵርማጅ–ዝበዝሕ ኣብ መጨመጫ ስሕት ኢሉ ድማ ኣብ ሕቖ–እኳ እንተዀነ: ኣብ ኣገባብ ኣተገባብራ ግን ርኡይ ፍልልይ ነይሩዎ። ንኣብነት: ከምቲ ኵላትና እሱራት ብግልጺ ነዕልሎን ኣብቶም ኣባላት ከም ዝበጽሕ’ውን ርዱእ ዝዀነን: ሓሙሽተ ኵርማጆ ዳዊት ማዕረ 15 ኵርማጆ ጅምዕ’የን ዝቝጸራ። ብተደጋጋሚ ከም ዝተራእየ: ሓያሎ እሱራት ኣብ መበል 13 ኵርማጆ ጅምዕ ሃለዋቶም ኣብ ምጥፋእ ክበጽሑ ከለዉ: ናይ ዳዊት ካብ ሽዱሽተ ሓሊፉ ዝተባህለ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይገጠመንን። ኵሉ እሱር ኣብተን ቀዳሞት ሃለዋቱ ምስ ኣጥፈአ ድማ: ከምቲ ኵላትና ብማዕዶ ንዕዘቦ: እተን ዝደሓራ ኵርማጆ ግቡእ ንምምልእ እዩ ዝቕጽለን። ርግጽ’ውን ከምተን ዝቐደማ ትሪ ከም ዘይብለን ኵሉ ዝሰማምዓሉ እዩ።

6.ዋላ’ኳ ተራ ኰርመጅቲ ብዕጫ ዝበጽሕን ክፍሊ እናቐያየሩ ከም ዝኸዱን ዝግለጽ እንተዀነ: እንተስ ዕጫ ገሊኣቶም ሓሚቑ ወይ ድማ ካልእ ብልሻውና ይግበር ኰይኑ: ገሊኣቶም ብተደጋጋሚ ዳዊትን መሰልቶም ካልኦት ብርቱዓት ኰርማጆን ክበጽሖም ከሎ ንገለ ከኣ እቶም በብሩኻቶም ብተደጋጋሚ ይመጹዎም። ኣነ’ኳ ዕድለይ ደሓን ስለ ዝጸንሐ ዘማርረሉ ኣይኰነን: ቃንዛ ካልኦት ንምርኣይ ግን ኣይጽገምን።

“እተን ዓሰርተ-ሓሙሽተ መዓልታዊ ዝግበራ ኣረምቲ ኣገባባት ብላዕሊ ዝተወሳነ ስለ ዝዀና: ኣነ ዝገብሮ ለውጢ የለን፣ ኣብ ዝርጋሐአን ግን ገለ ምምዕርራያት ክንገብር መዲባ ኣለኹ። ኣብ ክንዲ ብሓንሳብ ዓሰርተ-ሓሙሽተ ትዅርመጁ–እቲ ምርጫ ኣባኻትኩም ዝምርኰስ እኳ እንተዀነ–ኣብ ሰለስተ መቒልና ሓሙሽተ ንግሆ: ሓሙሽተ ቀትሪ: ሓሙሽተ ከኣ ምሸት ሓሲበ። ከመይ ትርእዩዎ? ርእይቶኹም?” ኢሉ ኣመልከተልና።

ይትረፍ ዕድል ተዋሂቡዎ: ባዕሉ’ውን ክትስእ ዘይጸልእ ዑስማን ተቐዳዲሙ ደው ኢሉ: ነዊሕ ምስጋና ድሕሪ ምሃብን ነዛ ዕለት’ዚኣ ክንርኢ ዝተቘንዘናዮ ንውሓት ግዜን ዘርዘረ። ዘረባ ከም ዘንውሕ ኵላትና ንፈልጦን እቶም ኣባላት’ውን ኣጸቢቖም ጠባዩ ኣጽኒዖምን ስለ ዝነበሩ: ኣብ ሽዑኡ በጺሕና ግን እቲ ኣብ ልቢ ኵሉና ዝነበረ ምስጋና ምቕራቡ ሕጕሳት ምንባርና ርዱእ እዩ። ዑስማን ቀጺሉ ነቲ ፍትሓዊ ኣገባብ ሰለስተ እዋን ኣብ መዓልቲ ከም ዝቕበሎን እቲ ሓንሳብ ምሸታዊ ዝገብር ምዅርማጅ ዳርጋ ንዅላትና ኣስንኪሉናን ምሉእ ለይቲ ክንቍንዞ ነሕልፎ ምህላውናን ነገረ። ቀጺሉ ከኣ ኣብቶም ኰርመጅቲ ኣባላት ዝግበር ዕጫ: ኣገባቡ ዝሓዘ መሲሉ ስለ ዘይርአ ዘሎ: ገለ ቅጥዒ ክግበረሉ ኣተሓሳሰበ። ኣስማት ኰርመጅቲ ደኣ ኣይጥቀስ እምበር ብዛዕባ መን ይዛረብ ምህላዉ ዝሰሓቶ እሱር ወይ ኣባል ግን ዝነበረ ኣይመስለንን። ዑስማን ኣብ ካልኣይ ዙርያ ምስጋና ምስ ኣተወ: ቀንዲ ቍምነገሩ ከም ዝወድአ ኵላትና ስለ ዝተረዳዳእና ግርማይ ፍቓድ ከይሓተተ ብድድ ኢሉ ብስምዒት፤ “ኣነስ ከም ዘለዎ እንተ ዝቕጽል ምሓሸ እብል! ሰለስተ ቃንዛ ኣብ ክንዲ ዝዀነልና: ሓደ ኣፊቱ ሓንሳብ ተቐንዚና ምርሳዑ ይቐርበና። እዛ ዑስማን ዝጠቐሳ መስርዕ ኰርመጅቲ ግን ፍታሕ ዘድልያን ኣቓልቦ ክወሃባ ዘለዋን እያ:” ኢሉ ቀልጢፉ ኮፍ በለ።

ርእይቶና ክንህብ ዳርጋ ንፈለማ እዋን ንሕተት ስለ ዝነበርና: ዝተፈልየ ርእይቶ ይንበረና ኣይንበረና ክፈልጥ ኣይክእልን: ነቲ ናይ ምዝራብ መሰል ክንጥቀመሉ ግዲ ኢልና ዳርጋ ኵላትና ኢድና ሓፍ ኣበልና። እንታይ ከም ዘርኣዮ እዝጊ ዋናኡ ክዛረብ ንዓይ ኣይመልከተለይ። “ነቲ ዝብሃል ዘሎ ምምሕያሻት እናመስገንኩ: ኣነስ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ እንተ ዝኸውን ምምረጽኩ። ምናልባት ንዓኻ ጸገም ዘየምጽኣልካ እንተዀይኑ ከኣ እታ ናይ ንግሆ ምዅርማጅ ተሪፋ ቀትሪን ምሸትን ሓሓሙሽተ ጥራይ ክኸውን፣ ኣብ ጸብጻብ ግን ጸገማት ከየምጽእ እቲ ናይ ንግሆ ከም ዝተገብረ እንተ ዝሓልፍ:” ኢለ ከይወዳእኩ: ዓንዶም ብዘይ ፍቓድ ደው ኢሉ ኰለፈኒ።

“ሕጂስ ክቱር ዘብዛሕናዮ ንመስል! ወዲ-ሃይለ ኣብ ዝርጋሐ ፍታሕ ይገብር ኣሎ: እቲ ቍጽሪ ግን ንዕኡ ከም ዘይምልከት ሓቢሩና’ዩ፣ ሕጂ እንታይ ንብል ከም ዘሎና ገሪሙኒ እኳ። ኣብርሃም እንታይ ኢኻ ትብል ዘለኻ? ደረት ስልጣንካ እባ ኣስተውዕል:” ኢሉ ብገናሒ ኣዒንቱ ጠመተኒ። ሓፊስ ድምጹ: ተርናዕ ኣካላቱን ኣብ ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዘይመስል ቀላጽሙን ርእየ ሰገጥ በልኩ። እንተ ደልዩ: ምናልባት ከኣ እቶም ኣባላት እንተ ፈቒዶምሉ ብሓንቲ ጽፍዒት ሃለዋተይ ከጥፍኣለይ ይኽእል እዩ።

7.ዓንዶም ኣብዚ ቤት-ማእሰቲ ዝነውሐ ዝጸንሐ እሱር ኰይኑ ብዛዕባኡ ዝዕልል ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ክወጽእ ተፈቒድሉስ ክጸንሐ መሪጹ ዝብል ወረ ኣይኣምነሉን’የ። ከም ወኪል እሱራት: መራኸቢ መስመር እሱራትን ኣባላትን: ጐነጽ ዘዘውትር ምሕደራኡን ኣርዓዲ ድምጹን ኣብቲ መዓስከር ብዙሕ ሓለፋታት ከም ዘለዎ ርኡይ እዩ። እንተስ ንወግዓዊ ርክብ ወይ ድማ ብኻልእ ዕላል ናብ እንዳ ኣባላት ብተደጋጋሚ ስለ ዝኸይድ ነብሱ ዳርጋ ሰሙናዊ ከም ዝሕጸብ ጥርጥር የብሉን። ኣብ ገዛኦም ስጋ በሊዑስ መሰቕሰቒ ስተኪኒ ሒዙ ናብ መደቀሲኡ ከም ዝተመልሰ’ውን ብሰፊሑ ይዕልል እዩ። ሳሕቲ ደኣ’ዩ እምበር መስተ ጨንዩና ዝብሉዎ’ውን ኣለዉ፣ ባዕለይ ክሳብ ዘይረኣኹዎ ግን መሊአ ክዛረብ ኣይክእልን። ኣጸቢቐ ዝፈልጣ ግን ንሽንቲ ክንናፈስ ምስ ወጻእና ሓደ ካብቶም ንሓለዋ ዘውጽኡና ኣባላት ክሸይን ደልዩ ምስ ከደ ብረቱ ንዓንዶም ሂቡ ክከተለና ክጸንሕ ከም ዝገደፈሉን ምስቶም ካልኦት ሓለዋ ኣባላት ኰይኑ ብሓደራ ከም ዘጽንሓናን ኢያ።

ወዲ-ሃይለ መድረኽ ተረኪቡ: ንዓንዶም ብስሙ ጠቒሱ: ሃዲኡ ክዛረብ ሓቢሩን ተወሳኺ ርእይቶታት ክሰምዕ ከም ዝደሊ ናባና መለሰ። ከም ዘለዎ ይቐጽል፣ ሰለስተ ይሓይሽ፣ ኣብ ኣርባዕተ’ባ እንተ ዝመቓቐል… ወዘተ. ዝብል ርእይቶታት ዳርጋ መስርዕ ዘይብሉ ወሓዘ። ኣብ መንጎ እቲ ዝርርብ ኣብ ክንዲ ምስ ወዲ-ሃይለ ኣብ ንሓድሕድና: እሞ ከኣ መስርዑ ዘይሓለወ እናተቐየረ ከደ። ብዙሓት እሱራት ከኣ ኣብ ክንዲ ብሓጺር ርእይቶኦም ኣብቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ዝህቡ: ነቲ ዕድል ተጠቒሞም: ነቶም ካልእ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ምንእኣስን ምዝላፍን ኣተዉ። “እገለ ደኣ እንታይ ኣፍለጠካ’ኸ ብዛዕባ’ዚ ትዛረብ ዘለኻ?” ዝትሕዝቶኡ ምንእኣስ ዝዓበልሎ ቃናን ጫውጭውታን ምስ በዝሐ ድማ ወዲ-ሃይለ ነዲሩ: “ሓይሊ ሓፍ በል! ሰጥ በል! ተጠንቀቕ! ጽናዕ! ተዛነ…” ኢሉ ኮፍ ክንብል ኣመልከተልና።

ክሓርቕ ከሎ መላሲ ከም ዘይብሉ ወረኡ በጺሑና’ዩ። ቅጽበት ጽጥ ኢልና ኮፍ መበሊታትና ምስ ኣጣጣሕና ከኣ ብተሪር ድምጺ: “ኵሉ ከምቲ ዝነበሮ ምቕጻል ንወዲ-ሃይለ ጠፊኡዎ ኣይኰነን። ኣነ ንዓኻትኩም ኢለ’የ እምበር ምርጫ ዘፍትወልኩም ኣይኰነን። ኣባላት ኣበይ ኣለኹም?” ኢሉ ነቶም ብጐኑን ከቢቦምናን ዝነበሩን ዘይሩ ጠመቶም። “ሓይሊ ሓፍ በል!” ኢሉ እንደገና ኣዘዘ’ሞ ክንጸንዕ ምስ ነገረ: “ንስኻትኩም ክብረት ዘፍትወልኩም ኣይኰነን። ሕጂ ብቕጽበት ኣብ መደቀሲታይትኩም ትኸዱ፣ ንነፍሲ-ወከፍ እሱር ከኣ ክልተ ኵርማጅ ኣዚዘ ኣለኹ። ብዛዕባ’ዚ ካልእ እዋን ክንዛረብ ኢና። ዕረፍ!”

ሓምለ 9: 2014

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleከመይ’ሉ ክመሲ !
Next Article ትሰለስ’ዛ ጸብሒ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?