Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»“ሰለስተ መዓልቲ ንእትነብር ኣርባዕተ መዓልቲ ኣይትጨነቕ!”

“ሰለስተ መዓልቲ ንእትነብር ኣርባዕተ መዓልቲ ኣይትጨነቕ!”

0
By Mekonnen T. on April 2, 2017 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ኣኽበረት መሓሪ

 

ኣብዚ ድግስግስ ዝዓይነቱ ብሕብራዊ መብራህትታት ዝወቀበ ምሸት፣ ብዘይካ ቆርበትን ኣዕጽምትን ካልእ ዝተረፈን ዘይብለን ኣጻብዕቲ ይምለከት ኣሎኹ። ህላውነተን ንምርግጋጽ ትልኽ ይብላ። ዓባይ ዓባይቶ ምስ ማእከለይቲ ጻብዕቲ ብግድል ይራኸባ እሞ ናይ ባዕለን ድምጺ ኣብ ምፍጣር ይጋደላ። ጻዕረንን ሓቦአንን ነዚ ዝወርድ ዘሎ ዛሕሊ ሰንጢቑ ክጥሕስ ምፍታኑ ኣቓልቦይ ስለ ዝተሰረቐ፣ ነዚ ኩሉ ናይዚ ምሸት ዝረአ ግርማ ዘሎዎ ድግስ ገዲፈ፡ ናብኣተን ብምትኳር ኣዒንተይ ናብ ምሉእ ኣካላት እዘን ሰበይቲ ዓለበ። ቆጺርካ ክትውድአን ትኽእል ጻዕዳ ሕበሪ ዝተላበሳ ጸጉሪ ርእሰን’የን ቀዲመን ኣብ ዓይነይ ኣትየን ዘለዋ። ኣብ’ዛ ዕማኾ ዘይትኣክል ገጽ እዘን ሰበይቲ፡ ኣብ ውሽጢ በዓቲ ዝኣተዋ ዝመስላ ውርሒርሕ ዝብላ ኣዒንታ ዘዝንብኦ ዘለዋ ሓጎስን ተስፋን እቲ ካልእ ንልበይ ዝተንከፎ’ዩ። እዛ ኮፍ ኢለናላ ዘልዋ ‘ዊልቸር’ ብሃሰስ’ውን ዘይትረኽበን ዝመስለካ ኣእጋራ፡ ኣብ ጫፍ ጫማ ምስ በጻሕኩ ከም ዘለዋ ኣረጋጊጸ።

 

ቅነኡ ቅነ ሓድሽ ዓመት ኢዩ። ዝነብረሉ ዘሎኹ ዓዲ ንሓድሽ ዓመት ዘለዎ ኣቀባብላ ድሙቕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ከከም ዕድሚኡ ብውዕውዕ መንፈስ ይጽንብሎ እዩ ዘሎ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ገና ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ፡ ሓድሽ ዓመትን በዓል ልደትን ንምኽባር ኣብ መንበሪ ‘ዞም ኣረጋውያን ንዖኦም ተባሂሉ ንዝተዳለወ ኣጋጣሚ ተዓዲመ መጺአ ዘሎኹ። ሓቂ ትሓይሽ እዚ ቁሪ ኣፍሪሑኒ ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገዛ ክብገስ ከለኹ ዳርጋ ቀጨውጨው እናበለኒ’የ ተበጊሰ። መምጸአይ ግና መመሊሱ ዘሐጎሰኒ ትርኢት’የ ዝርኢ ዘሎኹ።

 

“ምንባር ዕላማ ናይ ሓባር” ከም ዝበሎ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ፣ ዕላማ ምንባር ናይዘን ልዕሊ 95 ዓመት ዝግመት ዕድመ ዘለወን ሰበይቲ፡ ልክዕ ማዕረ እዚ ዝምክሓሉ ዕድመ ንእስነትይ ዘዘክር ዕላማ ምዃኑ’ዩ። ኣብ’ዚ ብእርጋን ዝተወደአ ስግአን በተን ተሪፈንአን ዘለዋ ኣዕጽምቲ ወኒነኦ ዘለዋ ተስፋ ኣብ ምንቅስቓሰን ክዕዘቦ ድሕሪ ምጽናሕ ልበይ ገለ ነገር ተሰሚዕዎ። እዚ ዝወርድ ዘሎ ናይ ሓጋይ በረድ ዝዓይነቱ ቀዝሒ፡ ምቑራር ገዲፉንስ ውሽጠይ ብናይ ተስፋ ምቖት ፉሕ ክብል ይፍለጠኒ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ’ዘን ሰበይቲ ክኣቱ ህርድግ ይብል ኣሎኹ፣ ዕድመ ንእስነተን ከመይ ከም ዝሓለፎኦ’ውን ብስእለ ኣእምሮይ ክድህስሶ እፍትን ኣሎኹ። በዞም ኣብ ፊትና ከከም ቊሞቶም ተሰሪዖም ብድምጾም ሓንጎልና ዘሐድሱ ዘለው ‘ዃየር’ ኣቓልቦአን ተሰሪቑ ስለ ዘሎ፡ ኣነ’ውን ኣዒንተይ ካብ ልዕሊአል ኣልዒለ ኣንፈተይ ናብኦም ቀይረ። ንሳቶም ማለት፡ እቶም ጉጅለ ናይቲ ዃየር ብግምት ኣብ ዕድመ ኣባሓጎን እኖሓጎን ዝበጽሑ ኢዮም። ኣብ ገጽ ነፍሲ ወከፎም ዘሎ ፍሽኽታ ነዚ ህድእ ዝበለ ናይ ሓባር መዝሙሮም፣ ኣኣብ ጠጠው ዝበልዎ ኮይኖም የማን ጸጋም እናተወዛወዙ ምልምላም ጀሚሩ ዝጸንሐ ተስፋይ ናብ ሓጎስ ቀየርዎ።

 

ካብ ልበይ ተሓጉሰ ኣሎኹ!

 

ኣዒንተይ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኣዘዋዊረ፡ ኣብ ውሸጦም እንታይ ዘጨንቕ ይህልዎም ይኸውን? ወይ ብድሕሪኦም ወይ ኣብ ገዝኦም ዘቐመጥዎ ዝርብሽ ነገራት ይህሉ ዶ? ንኣብነት ከምዚ ናተይ ናፍቖት ስደት ብስድራን ብድሕሪትን ዝተረፉ ነገራት እናሓሰብኩ ቀትርን ለይትን ክጭነቖ ዝውዕል፡ ብዓቢኡ ከ ጋሻ ጥራይ ኮይኑ ስደተኛ ገይሩኒ ዝነብር ዘሎ መንፈስይ – – ናቶም ክፈታትሽ ድሕሪ ምጅማረይ ናብቲ ቀላይ ቆር ዝኾነ ውሸጠይ ጥሒለ። እዚ መዛሙሮም ብቛንቛ ኢንግሊዝ ኮይኑ ንሰናይ ትምኒት ሓድሽ ዓመትን ውልደተ ክርስቶስን ይደጋግም ኣሎ። ገለ ነገር ክኣ ትዝ ኢሉኒ። እዚ መዝሙር ሰላም ንኹሉ ፍጡር ወዲ ኣዳም፡ ነዕዋፍን ኣራዊትን መሮር ‘ውን ይኹን ዝብሉ ዘለው ይመስለኒ ኣሎ’ሞ፡ ንውሻጠይ ተመሊሰ ነቶም ኣብ ቛንቛና ሓንቲ ቃል ባዕዲ ተሓዊሳ ኢሎም ምኒን ክብሉ ዝውዕሉ ገለ ክፋል ሕብረተ-ሰበይ ኣምጺአ ኣብዚ ጎነይ ኮፍ ‘ተዘብሎም እሞ፡ እዚ ዘሎ ድባብ ሰላም ትምኒት ንኹላ ምድሪ ‘ተዘሰተማቕርዎ ተመነኹ።

 

ናይ መሓዛይ ኣባሓጎ ኣብዚ እንዳ ኣረጋውያን ስለ ዝነብር ኢየ ኣብዚ ቦታ ተረኺበ ዘሎኹ። ምስኦም ከምሲ’ያ ዓዲማትኒ። ኣብ ዓድና ከለኹ ዝሰምዖ ዝነበርኩ፡ ‘ጸዓዱ ንዝኣረጉ ስድራቤቶም ኣይኣልይዎምን ኢዮም፡’ ዝብሃል ዘረባ ኣጉል ወረ ጥራይ ምዃኑ ዝያዳ ካልእ መዓልቲ፡ እነሆ ሎሚ ምሸት በሪሁለይ። መሓዛይ ብየማነይ፡ ኣባሓጎኣ ድማ ኣብ ማእከሎም ኣእትዮሙኒ ኣለው። ካብ ውዑይ ሃገር ኢኺ መጺእኪ ኢሎም ዝሓሸ ምቖት ክረኽበሉ ዝኽእል ቦታ ኢዮም ሂቦሙኒ ዘለው። ኣካል እቲ ኩሉ ዝገብሩለይን ዘርእዩንን ሓልዮቶምን ኣኽብሮቶምን’ዩ።

 

ኣባሓጎ መሓዛይ፡ ርእሱ ናባይ ኣጸግዕ ኣቢሉ፡ ሓሓሊፉ በዘን ቀጥቀጥ ዝብላ ዘለዋ ከንፈሩ እናተጋደለ ኣብ መንጎ ሓሓንቲ ቃላይ ይዛረበኒ።

“ፈቲኽዮ ኣሎኺ ዶ ነዚ ሙዚቃ?” ይብለኒ፡ ተመቺኡንን ኣይተመቸኣንን ንምርግጋጽ። ኣብየት! ስምዒት ናይ ሰባት ምሕላው ክኽእልሉ – ዓቢኦም ንእሽቶኦም። ካብ ምሒር ምጥማት ዓይኒ ዓይነን ተሰኪፈ ቆላሕታይ ኣግሊለልን ዝጸናሕኩ ካብ መጀምርያ መኽፈቲ ናይዚ ምሸት ዝወሰዶኦ። ካብ’ዚ ኩሉ ዝጸንሓንን ዝቐነየንን ብስጭት ዘንቀሎ ፍርስራስ ስምዒትን ተስፋ ምቑራጽን፣ ጩራ ተስፋ ዝሃባኒ ሰበይቲ ተምሊሰየን ኣሎኹ። ዝበላ ይበላ። ከቢቦመን ዘለው ደቂ ደቀን ዝምጥውለን ዘለው ሕልዮትን ፍቕርን ፍናነን ግዲ ኣበሪኽዎስ ሓጎሰን ወሲኹ ኣሎ። ካብ ምንቅስቓስ ኣጻብዕተን ንላዕሊ መንኮበን ከወዛውዛ ይጅምራ ኣለዋ‘ሞ ኣግራሞተይን ኣድናቖተይን ድማ ይቕጽል ኣሎ። ሓንቲ ዝፈልጣ ሓረግ ድማ ርእሰይ ኳሕኲሓትኒ።

“ሰለስተ መዓልቲ ንእትነብር ኣርባዕተ መዓልቲ ኣይትጨነቕ!”

እቲ ሞት ንዝኣረገ ጥራይ ዝመስለኒ ዕቡይ ናይ ንእስነት ትምኽሕተይ፡ ንነብሰይ ከም ዝወቕሳ ገይሩኒ። እቲ ንኽገብሮ ዝኽእልን ዘይክእልን ነገር ሕኒን ዝብሎስ ንምንታይ ኢዩ? ብሕቶ ኣምሲለ ኣብ ውሽጠይ ክምለስ ምስ ፈተንኩ ኣደይ ሃንሱ ጎረቤትና ቅጅል ኢላትኒ ኣብ ኣእምሮይ።

 

ዕድመ ኣደይ ሃንሱ ክንዲ’ዘን ኣብ ፊት ንፊትና ቆይመን ዝደርፋልና ዘለዋ ኣንስቲ ኢዩ ዝኸውን – ብሓርፋፍ ገምጋም። ብሓፈሻ ናብ ኩለን ኣዴታተይ፡ እተን’ኳ ንብዓተን ኣብ ገጸን ዝነቐጸ፣ ንብዓተን ጨው ኮይኑ ብማዳ ምስለን ዘህሰሶ፣ ዝወልዳ እምበር ወሊደን ዘይከብራን ዘየዕርፋን ይመላለሳኒ ኣለዋ – በብሓደ። ንእስነተን ኣደ ኮይነን ዕድመ ኣደነተን ድማ እናሓጎ ኮይነን ዝሓልፎኦ ኣዴታት ደቀ’ንስትዮ ሕብረተ-ሰበይ፣ ውሽጠይ ቅዱስ ቅንኢ ዘንቀሎ ኣብ ጋሻ ጓሂ ተሸሚመ። ኣደይ ሃንሱ ኣትየን ወጺአን ከም ጸሎት ዝደጋግምኣን ቃላት፡ ከም ሓደስቲ ድምጺ ኣብ ኣእዛነይ ከንጸላጽላ ጀሚረን። ኣብቲ ደንበና ተወሊደ ውነ ምግባር ጀሚረ ክሳዕ ከም ሰበይ ዕድመ ስደተይ ኣኺሉ ብዘይ ምርጫይ ካብቲ ገፊሕ ደንቤና ዝወጽእ ነደይ ሃንሱ ብዘይ ምግናን ኣብ መዓልቲ ካብ 5ተ ግዜ ንላዕሊ ይርእየንን ይረኽበነን። ገዛናን ገዘአንን ሓደ ነጸላ መንደቕ ብምዃኑ ዘስተንፈስናዮ ከይተረፈ ኢና ንሰማማዕ።

“እዞም ደቀይ እዞም ዕንበባ ዝመስሉ እየ ዝብለኪ፡ ኣብቲ ባሕሪ ጨው በሊዕዎም፡” ኢለን ጅምር የብላ እሞ፡ ክፉእ ኣማውታ ደቀን ግዲ ኣብ ሓንጎለን ይሰኣለን ኮይኑ ከኣ፡ ባሕሪ ክብደን ከም ዝተገማጠለ ብዕምቈት “ህህህ!” ድሕሪ ምባለን ሻቡ ኣብ ገጸን ንብዓት ተዃዕዩ ትርእዮ። ካብ ምሒር ንብዓት ኣፍ-ደገታት ኣዒንተን ኩሉ ሻዕ ምስ ቆልዐ ኢዪ። ከምቲ ዝነብዕኦ እዝጊ ይግበረሉ እኳ ክሳዕ ሕጂ ዘይዓወረ – ሰብ ጽኑዕ! ኣነን እዚ ከማይን እኳ ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣበይ ኢልናዮ ሰኣን ቀልብና፡ “እዛ ሰበይቲ ዓቢዳ ኢያ” እናበልና ኢና ንቕይዓለን ዝነብርና። ሕጂ እንዶ’ሞ ቃንዛ ልብአነን ጓሂአንን ውሸጠይ ገማጠሎ። ዝሓለፈ ሰብ ዋላ፥ “ከመይ ዊልክን ኣደይ ሃንሱ?” ዝበለ ኩሉ ኢየን ቅድሚ ናይ ሰላምታ ግብረ መልሲ፡ ብዛዕባ ደቀንን ኣማውቶኦምን ዝጅምራ። “ጨው በሊዕዎም ደቅና!” ከም ብሓድሽ ይደጋግሞኦ፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ 1977 ኣብ ኲናት ባጽዕ ከም ዝተሰዉኡ ዝተነግረን ክልተ ደቀን። ክዛረባ ከለዋ፡ ‘ብጨው ክብልዑ’ ከምዛ ብዓይነን ዝረኣየኦም’የን ዝመስላ። ከብዲ ወላዲት ኣበይ ከ ከይተራእየን ስቕ ክብል ኢሉ።

 

ብሰረገላ ሓሳብ ኣብ ዝኽሪ ኣደይ ሃንሱ ጎረቤትና ንኹለን ኣዴታት ኤርትራ ዝነብርኦ ሕሱም ናብራን ናይ ውላደን እህህታን ኣብ ልበን ተቐሚጡ፡ ፍሽኽታ ካብ ገጸን ሃዲሙ፡ ሰውነተን በሪሱ ኣብ ዘይ ዕድሜአን ዘይ ምሱል ዝመስላን ዝመሰላን … በዚ ዝዕዘቦ ዘለኹ ኣጋጣሚ ማለት፡ ብውዕውዕ መንፈስ ጽንብላት ከካይዳ፡ ቅሱን ሂወት፡ ሰላም ዝነገሶ ሃዋሁው ምስ መዝሙር ሰላም፡ ኮታ ኩሉ ሰሰናዩ ምስ ወዘተረፈታቱ ክኽሰተለን ቅዱስ ቅንኢ ሓደረኒ፡ ናይ ልበይ ቀናእኹለን! ዘመን ክምለሰለን፣ ዝወለዶኦ ኣብ ጎነን ኮይኑ ከእርገን ድማ ተመነኹለን።

 

ድሕሪ’ቲ ናይ ሓባር ጨብጨባ፣ ካብቲ ብሓሳብ ፈረስ ጋሊበ ከይደዮ ዝጸናሕኩ ዝዓበኹሉ ደንበ፡ ዓሚቚ ኣስተንፊሰ ተመለስኩ።

መደብ ኣብ ምዝዛሙ ምዃኑ ዘረጋገጽኩ በቲ ዝለዋወጥዎ ዝነበሩ ናይ ዕንበባታት ህያባት’ዩ። ናብቲ መመገብን መውዓልን’ቶም ኣረገውቲ ዝኾነ ኣደራሽ ክንኣቱ ምዃና ኣብኡ’ውን ሓጺር መደብ ናይ ሻሂን ኣብ ክቢ ጣውላ ሓድሕድ ናይ ምዕላል ከም ዘሎን መሓዛይ ሕሹኽ በለትኒ። ንሳ ዊልቸር ናይ ኣባሓጎኣ እናደፍአት፡ ኣነ ድማ ቦርሳ ናይ ክልቴና ኣንጠልጢለ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ስጒምታት ሰጒምና ናብቲ ኣደራሽ ኣተና። ኣቓልቦይ ሰሪቐን ንምሸተይ ኣተዓራርይንኦ ዘምሰያ ሰበይቲ ሕጂ’ውን ኣብዚ ጣውላ ፊት ንፊት ጎፍ ተባሃሃልና፣ ሓጎስ ውሽጠይ በረኸ፣ ኣብ ጎነን ኮፍ ክብል ዕድል ብዘይ ምርካበይ ግና ቁሩብ ቅር በለኒ። ነታ ብየማነይ ዝነበረት ኣብታ ጣውላ ዝተላለኽዋ ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትርከብ ሰበይቲ ብዛዕበኣን ክሓታ ጎቦ ጎቦ ክብላ ጀመርኩ። “እዘን ሰበይቲ ደስ ክብላኻ፡” በልክዋ ኣዒንተይ ናብአን እናመላኸትኩ። ንሳ’ውን ብግዲኣ “እወ ደስ’የን ዝብላ!” ብምባል ኣራጎደትለይ። ብዛዕባ ድሕረ ባይተአን ክሓታ ባብ ተራሕወለይ። ትፈልጠን እንተኾነት ሓተትክዋ እሞ፡ “እወ ኣደይ ኣብዚ ብምህላዋ ቀጻሊ ስለ ዝመላለስ ይፈልጠን’የ” ኢላ መለሰትለይ። “ኣይወለዳን፡ ቈልዑ የብለንን” ወሰኸትለይ። ሰንበድኩ። ስንባደይ ግና ንውሸጠይ ክሓብኦ ግድነት ኮነኒ፣ ኣብዚ ዓዲ ከይወለድካ ምእራግ፡ ኣካል’ቲ ኩሉ ናይ ብምርጫኻ ትውስኖን ትገብሮን ስለ ዝኾነ። ኣቓልቦይ ካብዛ ሓበሬታ ትህበኒ ዘላ ሰበይቲ ከየልዓልኩ ኣዒንተይ ኣቕኒዐ ብቖላሕታ ኣማዕደኹወን እሞ ኣብ ልዕሊአን ደሃይ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣብ ልበይ ክድሀ ሰማዕክዎ።

 

ቆላሕታይ መሊሰ፡ “እንታዎት ደኣ’ዮም እቶም ከቢበሞን ዘምሰዩ መናእሰይ?” ሕቶ ኣስዓብኩላ።

“ንሳቶም ደኣ፡ ከምቲ ኣብዚ ዓዲ ዝግበር ልሙድ ነገር፡ ብወለንታኻ ተገልግሎ ነገር ሓደ’ዩ። ንሳቶም ወለንተኛታት ተማሃሮ እዮም።”

እዚ እቲ ኻልእ ዘቕንእ ቅዱስ ተግባራት ኢዩ። ናይ ባዕለን ውላድ ብዘይ ምርኣየን እኳ እንተ ኣሕዘናኒ ንምሸተይ ብምኩሕሓለን ግና፡ ልባዊ ምስጋይ ክበጽሐን ተመነኹ። ነቲ መደብ ዝተመደበት ፍርቂ ሰዓት ተወዲኣ ብዘይ ፍታወይ ክትንስእ ተገደድና። ንኣባሓጎ መሓዛይ መደቀሲኡ ኣብጺሕና፡ ብንቑሕ መንፈስ ነታ ጽምዋ ገዛይ ተመለስክዋ።

 

ኣኽበረት መሓሪ

16/12/2016

ሆላንድ!

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleዝርዝር መጽሓፍቲ ትግርኛ ኤርትራውያን (5ይ ክፋል)
Next Article ትውክልታት ዜማታትና
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?