Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሰለስተ መላእኽትን 26 ሰዓትን

ሰለስተ መላእኽትን 26 ሰዓትን

1
By Mekonnen T. on April 1, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ራእየ ኣዝማሪኖ
እቲ ሰዓት ካብ 24 ሰዓታት ወጻእ ኢዩ ዘሎ። ሰዓት 26። ደቒቕን ካልኢትን ዘይብሉ ፍሉይ ሰዓት ። ምስ ግዜ ዘይቃዶ ተፈጥሮ ዘዛብዔ ሓያል ሰዓት። ንቕድሚት ዘይሕምበብ ንድሕሪት ዘይምርቀፍ ግሩም ሰዓት። ኣብዚ ግሩም ሰዓት ንበይነይ ተገሪመ እንከሎኹ ግሩም ራእይ ርኤኹ። ኣብ ዙርያይ ካብ ጸሓይ ሾብዓተ ዕጽፊ ዝዛይድ ድሙቕ ብርሃን ከበበኒ። ካብ ውሽጠይ ብርሃን መንጨወ እሞ ከም ኣምፑል ብርሃን ክህብ ጀመርኩ። ወላ ራዕዲ እንተወሓጠኒ እንተጽልምት ከ ነይረ ብምባል ተመስገን በልኩ። ኣብዚ ቕጽበት ኢዩ እንበኣር ካብቲ ድሙዕ ብርሃን ዓቢ ጋውሕታ ድምጺ ዝሰማዕኹ። ትርኢቱ ከም መልኣኽ ኢዩ። ገጹ ደጒሒ ጸሓይ ኢዩ። ቁመናኡን መልክዑን ማራኺ ኢዩ ጥራይ ዘይኰነሲ ጓል እንተዝኸውን ኢዩ ዘብለካ። “ኣሞሬ” በለኒ ብዘይፈልጦ ቋንቋ። ካብ መላእኽቲ ዝፈልዮ ድማ ኣብ ኢዱ ሴፍ ዘይኰነሲ ዕምባባ ጨቢጡ ምሓዙ ኢዩ። ከብስረኒ ዲዩ ወላስ ከፍቅረኒ ኢለ ንርእሰይ ሓተትኩ። ንባዕልኻ ሓቲትካ ካብ ባዕልኻ መልሲ ምጽባይ ክንደይ ይኸብድ!። ዕምባባ ተምሳል ብስራትን ፍቕርን ኢዩ። ብስራት ገብርኤል ንኢየሱስ ናተይ ብስራት ከኒ ንመን ? ጋን ኰነኒ። “ኣሞሬ” እታ ቓል ደጋጊመ ኣስተማቐርኩዋ። ብምንታይ ቋንቋ ኮን ይኸውን? ሕጂ እውን ኣለሻ መልሲ። ሰላም ንዓኻ በለኒ። እንተላይ ንዓኻ በልኩዎ። ብርእሰ ተኣማንነት። መን ኢኻ ንስኻ ግን? በልኩዎ ምስ ፍርሓተይ እናተጋደልኩ። ኣነሲ እፈልጠካ ኢየ ንስኻ ግና ኣይትፈልጠንን ኢኻ በለኒ መልኣኽ ሆየ። ውሽጠይ ስምባደ ዓጀበኒ። ህቡብ ኢኻ ዲዩ ዝብለኒ ዘሎ ወላስ ንሱ ጠንቋሊ ኢዩ?። ተወጃበረኒ። ኣብቲ ዝወደዮ ወርቂ ካፖት ኣብ ደረቱ “ኦ- ኤል” ዝብል ጽሑፍ ተጠቂዑ ርኤኹ። ስምካ ዲዩ? ሓተትኩዎ። ኣገናዕ! ስመይ ኢዩ መለሰለይ። ፍሽኽታ ኣይተፈልዮን። ብልቢ ስምዓኒ ኢሉ ኣፈራርሓኒ። ኣእዛነይ ኩር ኣቢለ ብልበይን ብእዝነይን እሰምዓካ ኣሎኹ በልኩዎ ንምላሹ ተሃዊኸ። ልብኻ ኣበይ ኣሎ ዀይኑ እሞ ብልቢ ትሰምዓኒ ኢሉ ኣባጨወለይ። ዘይምለስ ልቢ ፈትየ ዝሃብኩዎ ደኣ ንዕኡ ዶ ይኸውን? ነብሰይ ፈጥፈጥ በለኒ። ልቢ ሂብካኸ ምፍቃር ኣሎ ድዩ? ኦ! መልሲ! ኣፈርክበለይ። ዘጨንቐካ ሕቶ እንታይ ኢዩ ኢሉ ዘጨንቘ ሕቶ ሓተተኒ። ፍቕሪ እንታይ ኢዩ? ሓተትኩዎ። ክምስ ኢሉ ፍቕሪ እንተፈቲንካዮ ዘቕጽዕ እንተፈጺምካዮ ዘዋጽእ ከም ርእሰ ቕትለት ኢዩ። ርእሰ ቕትለት እንተፈቲንካ ብሕጊ ትቕጻዕ እንተፈጸምካዮ ግና ዝቐጽዓካ የልቦን በለኒ። እሞ ርእሰ ቕትለት ፈጽም ዲዩ ኣበሃህላኻ? ሕርቃን ተጸምበለኒ። ኣይበልኩን በለ። እታ ዕምባባኸ ንዓይ ዲያ? በልኩዎ። ኣይፋል! ክትህበኒ ኢለ ኢየ ኣምጺኤልካ ። ኣብዚ ቕጽበት ኣዒንተይ ናብ ሓደ ነገር ዓለዋ። ካፖቱ ከዕርይ እንከሎ ጡብ ረኣኹሉ። ኣነስተይቲ መልኣኽ! ፎቕ ኢለ ሰንበድኩ። ካብ ቅድመይ ተሰወረት። እቲ ማዕበል ብርሃን ግና ጌና ኢዩ ዘሎ። ሰዓት 26 ትብል ኣላ። ኣነ እውን ይበርህ ኣሎኹ ′የ።ግልጽ በልኩ። ካልእ ጸሊም መልኣኽ ተኸስተኒ። ውሽጠይ ወቕቲ ዀይኑ ንፋስ ቈላ ደጋን ወይና ደጋን ክነፍሰኒ ተሰምዓኒ። ኣስናነይ ኣውሊ ሓሙሽተ ክረምቲ ከም ዝወረዶ ይንቅጥቀጥን ላዕለዋይ ኣስናነይ ንታሕተዋይ ኣስናነይ ከም ትልሂት ኩናማ ይድዕዀን ብሓይሊ ይሃርሞን ነበረ። ስሙ ኣብ ደረቱ ንምርኣይ ታህዋኽ ዘምበየኒ። “ቪ-ኤል” ዝብል ጽሑፍ ርኤኹ። መንገብገቡ ብፍሉይ ሕብርታት እተመላኽዔ ጸሊም መልኣኽ። ጸጉሩ ፍርቁ ጸሊም ፍርቁ ጻዕዳ ነበረ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዲኻ? ተወከስኩዎ። ከመይ ማለት? በለኒ በቲ ዝነቕዔ ነጋሪት ዝመስል ልኩትኩት ዝበለ ድምጹ። ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ገለ ጻዕዳ ገለ ጸሊም ስለ ዝዀነን ጸጉርኻ ድማ ፍርቁ ጸሊም ፍርቁ ሸያብ ስለዚዀነን ኢየ ሓቲተካ በልኩዎ። ኣይፋል ኣብ ሰማያት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ መልኣኽ ኢየ በለኒ እናሓጨጨ። ኣኽናፉ ማረኸኒ። ኣብ ኣኽናፉ 55 ከናቲት ኣሎዎ። ባንዴራ 55ቲኤን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኣኽናፉ ኣሎ። pan Africanist ዶ ደኣ ይኸውን በልኩ ብውሽጠይ። ሓንቲ ሃገር እንተተገንጸለት ከ ደኣ እንታይ ትገብር? በልኩዎ። ክንቲት እውስኽ በለኒ። ናብ ኢዱ ርኤኹ። ቐለቤት ወርቂ ጨቢጡ ኣሎ። ማኬ! ናይ መን ደኣሉ በልኩዎ። ናትካ ኢዩ መለሰለይ። ሕጂ እውን ስንባደ። ግዜ የብለይን! ሕተተኒ እሞ ክኸይድ ኢሉ ከም ዝተሃወኸ ሓበረኒ። ከም ዓንተቦ መሊሰ ፍቕሪ እንታይ ኢዩ? ሓተትኩዎ። ኣእዳው እናወጣወጠ ፍቕሪ ከም ንህቢ ኢዩ። ፍቕሪ ከም ንህቢ መዓርን መርዝን ዝህብ ናይ ረቂቕ ገጂፍ ኣካል ኢዩ። “ቪ- ኤል” ጸዋዕኩዎ። ተሰወረኒ እንታይ ኢዩ እዚ ነገር። ዓቕለይ ጸበበኒ ሰዓት 26 ትብል ኣላ። እቲ ብርሃን ንእሽቶ ነከየ። ፍርሒን ራዕዲን ወሓጠኒ። ሳልሳይ ኣብ ኢዱ ገለ ዘይሓዘ ከደራይ መልኣኽ ደበኽ በለ። ሓበሻ ይመስል። ናብ ደረቱ ርኤኹ። “ኢ-ኤል” ይብል ስሙ። ካብ 24 ሰዓታት ወጻእ ከም ዘለና ኣይትረስዕ ኢሉ መሃነነይ ኣጥፍኣለይ። ምፍቃር እንታይ ኢዩ? እዚ ሕቶ ካብ ኣፈይ ምስ ወጸ ውነይ ጠፍኣኒ። ሒዙኒ ናብ ሰማያት ኣቢሉ ተመርቀፈ። ናብ መሬት ቀው በልኩ። ፈሪሐ ኣዒንተይ ሽዓ ንሽዓ ዓመትኩ። ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣዕረፈኒ። ሰብ ዘይብሉ። ለካስ ህዋ ኢዩ። ረይረይ በልኩ። ኣልቅስ ኣልቅስ መጽኣኒ። ጭራሽ። ለካስ ኣብ ህዋ ምንባዕ ዝከኣል ኣይኰነን። ተንቀሳቐስ በለኒ። ፈጺመ ኣይከኣልኩን። gravity የለን። ሰዓተይ ርኤኹዋ። ሰዓት 26 ትብል ኣላ። ኣይወሰኸት ኣይነከየት። ምፍቃር እንታይ ኢዩ እንድዮ ሓቀይ ሕቶኻ? ሓተተኒ። ትም መለስኩሉ። gravity ኣብ ዘይብሉ ህዋ ወጺእካ ፈዚዝካ ምትራፍ ማለት ኢዩ በለኒ። ፈዚዘ ድማ ተረፍኩ ።
ተስፋስላሰ (ኣዝማሪኖ)

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ጠዓሞት፡ ቢንያም “ናይ ሎምዘበን መገሻ እንታይ’ዩ ቁንቁኛኣ᎒”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

1 Comment

  1. Anonymous on April 1, 2015 11:05 am

    ኣዝዩ ደስ ዘብል ጽሑፍ፡ ምሳኻ ኣብ ህዋ ኣንሳፊፈ

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?