Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on November 29, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 102  ክፋል

ካስትሮ፡ ከም ሓላፊ ንኡስ ኮሚሽን ኤለትሪክ ተመዲቡ ንዓራርብ ካብ ዝቕየር ድሮ ሻዱሻይ ወርሑ ኣሕሊፉ ነይሩ። ኣቦይ ተኽለ ድማ ካምሲን ብዘስዓበሎም ሕማም ኣዝማ ምኽንያት ክሳቐዩ ስለ ዝጀመሩ፡ ኣይደንጐዩን ኣብ መወዳእታ ሰማንያን ሽዱሽተን ሰዓቡዎ።

ዓራርብ ኣብ መስመር በረፍ ሂምቦል ኣብ ዘሎ ሓውሲ ቈላ ዝኾነ መሬት ሱዳን እትርከብ ዓባይ ደጀን’ያ። ብሰንኪ ጆግራፍያዊ ኣቀማምጣኣን፡ ተወራራሲ ጎቦታታን ስንጭሮታታን ኣብ እዋን ሻዱሻይ ወራር ከም ባህርያዊት ደጀን ስለ ዝተመርጸት፡ ከም ቤትትምህርቲ ሰውራ፡ መደበር ዕቝባት፡ ሃገራዊ መርሓ፡ ማእከላይ ሕክምና፡ ኢደስራሓት ወዘተ ንዝኣመሰላ ዓበይቲ ኣሃዱታት ሓቝፋ ትርከብ። ካብ ሱዳን ንሂምቦል፡ ዛራ፡ ናቕፋ፡ ባርካ ዝቕጽል መስመር ሰንጢቑዋ ስለ ዝሓልፍ ከኣ ዓባይ ናይ መጓዓዝያን ስንቅን ማእከል’ያ። ክሊማኣ ምስ ስፍሓታ ብመጠኑ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ በዓል ዛራ፡ ሕሽክብ፡ ሂምቦል ዝኣመሰላ ሙቐትን ጣንጡን ዝበዝሐን ደጀናት ክትነንጻጸር ከላ ብዙሕ ትምረር ኣይኮነትን።

ካብ ዝለዓለ ጫፍ ናይቲ ብማእከላይ ሕክምና ሰንጢቑ ዝሓልፍ ስንጭሮ፡ ወይ ኣብ ክሳድ ሸንኮለት ዘሎ በሪኽ ቦታታት፡ ነፋሻን ማእከላይ ሙቐትን ክህልዎ ከሎ፡ ርባርባ እናንቈልቈልካ ንመደበር ዕቝባት ክትንቈት ከለኻ ግን ልቝምጽ ዘብል ሙቐት ይቕበለካ። ዓራርብ ብማይ ዝመጽአ ዓመት ምሉእ ዝዛሪ ሩባ’ኳ እንተ ዘይብላ ሳላ ቦጣት ምውፋር ናይ ማይ ሽግር ኣለዋ ክብሃል ኣይከኣልን።

ካስትሮ ነቦይ ተኽለ ድሮ ሶቬት ሰሪሑን ተጣይሱን’ዩ ጸኒሑዎም። እቲ ህይወት ካብ ናይ መራፊት ብዙሕ ዘይፍለ’ኳ እንተ ነበረ፡ ብክሊማኡ ግን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ነይሩዎ። ብመነባብሮ ዝመጽአ ዝነኣድ ኣይነበረን። እዚ ኾይኑ ግን ወላ ኣብቲ ዝበርትዐ ሙቐት ዝኽሰተሉ እዋን፡ ኣብ እግር’ቲ ዓበይቲ ጨዓታት እንተ’ጽሊልካ ሃሩር ስለ ዘይስምዓካ ከም ቦታ ፈትዩዎ።

ሰማንያን ሽዱሽተን፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተዛማዲ ህድኣትን ቅሳነትን ዝነበራ ዓመት ነይራ ክትብሃል ትከኣል። ጸላኢ፡ ድሕር’ቲ ወፍሪ ባሕሪነጋሽ ኢሉ ዘጠመቖ ናይ መወዳእታ እዩ ዝበሎ ብኽልተ ገጻት ዝተኻየደ ወራሩ ህጣሙ ኣጥፊኡ ነይሩ። ጀነራል ተስፋየ ገብረኪዳን ከይተረፈ ዝዕወት መሲሉዎ  ንሰራዊቱ ናይ መወዳእታ’ዩ ኢሉ ብስም መላእኽቲ ምሒሉን ጥሒሉን። ናይ ብሓቂ ኸኣ ናይ መወዳእታ ወራሩ ኮይኑ፡ ግን ንረብሓ ሰውራ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ኣብ ግንባራት ዝነበረ ሰራዊት ይኹን ናይ ደጀን ኣሃዱታት ምድኻም ጸላኢ መዝሚዙ ዓመት ምሉእ ኣብ ስፖርታዊ፡ ባህላውን ስነጥበባውን ንጥፈታት ብምድሃብ ብቐሊል ዘይግመት ስራሓት ኣበርኪቱ። ከም ውጽኢት ከኣ ፈስቲቫል እዮበልዩ ብዙሓት ኣጋይሽን ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዓቢ ድምቀት ኣብ ደጀን ተኸቢሩ ውዒሉ።

ካስትሮ ኣብ ፌስቲቫል እዮቤልዩ ክካፈል ዕድል ረኺቡ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሓት ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ሜዳን ዝፈልጦም ብጾት ረኺቡ። ሓደ ካብኣቶም ከኣ ሃብቶም ዓርኩ ነይሩ። ብዛዕባ ሃብቶም ዓርኩ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ውዒሉ         ዘይፈልጥ’ኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ መስመር ከም ዘሎ ካብ ምስማዕ ሓሊፉ ንጹር ሓበሬታ ረኺቡ ኣይፈልጥን ነይሩ። ፌስቲቫል ምስ ተጀመረ ንጽባሒቱ ኣብ መድረኽ ኮፍ ኢሉ ባህላዊ ምርኢት እናተዓዘበ ከሎ፡ “ብጻይ ካስትሮ ኣብ ድሕሪ መድረኽ ትድለ’ለኻ፡” ዝብል ድምጺ ሰሚዑ ካብ ቦታኡ ተሲኡ ናብቲ ዝተሓበሮ ቦታ ሰጐመ። ብጕዳይ ስራሕ’ምበር ብኻልእ ውልቃዊ ነገር ዝተደልየ ኣይመሰሎን።

ሃብቶም ኣብ ድነ ጸኒሑ ርእይ ምስ ኣበሎ ሓኒቑ ክስዕሞ ጀመረ። ካስትሮ ምስ’ቲ ብርሃን ደጒሑዎ ምጽንሑን ሃብቶም ኣብኡ ክህሉ’ዩ ዝብል ግምት ስለ ዘይነበሮን መን ይስዕሞ ከም ዝነበረ ኣይተረድኦን። ምስ ተፈላለዩ ሃብቶም ምዃኑ ስለ ዘለለዮ፡ ከምብሓድሽ ተጠምጢሙ ክስዕሞ  ጀመረ። ጠጠው ኢሉ ክዕዘቦም ዝጸንሐ ሓደ ብጻይ ኵነታቶም ኣመና ገረሞ። ናብ ሓደ ወሰን ተኣልዮም ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ ናፍቖቶም ክገላለጹን ደሃይ ስድራ ክተሓታተቱን ገለ ደቓይቕ ሓለፈ። ሰብ በቲ ዝርእዮ ዝነበረ መሳጢ ባህላዊ ምርኢታት ተፈሲሁ “ቢስ!” እናበለ ክውጭጭ ከሎ ንሳቶም ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሶም ሰብ ፋሕፋሕ ክሳዕ ዝብል ኣዕለሉ። ኣብቲ ርባ ደቂሶም ሓዲሮም ንጽባሒቱ ቍርሲ ምስ በልዑ፡ ኣብ እግሪ ሓንቲ ዑበል ኮፍ ኢሎም ድሕሪ ሰለሙን ናብ ዝነበረ ኵነታት ኣዲስኣበባ ኣተዉ።

ሃብቶም ካብ ናይ ኣምሓራይ ዘይፍለ ዛንታ ዘርዚሩ ምስ ወድአ፡ “እታ ዱፕሊኬተር ግን ብኸመይ ክረኽቡዋ ክኢሎም?” ክብል ሓተቶ ካስትሮ።

“እቲ ጕዳይ ናይ ኣጋጣሚ’ዩ ሰሌ። ኣብ ጥቓ ገዛ ናይቲ ብጻይና ሓንቲ ባር ነይራ። ሓደ ምሸት እቲ ብጻይ ኣብታ ባር ክሰቲ ኣምስዩ ንገዛኡ ይኣትወልካ። ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ኣብቲ ከባቢ ተዅሲ ይስማዕ’ሞ፡ ሽዑሽዑ ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ፋሕ ብምባል ናብቲ ባር ኣትዮም። ኣብኡ ንዝጸንሑዎም ሰባት ብሕቶ ምስ ኣዋጠሩዎም ቀቅድሚ’ቲ ተዅሲ ካብቲ ባር ሓደ ሰብ ከም ዝወጽአ ሓቢሮሞም። ደሓን ኣይትእቶ ዋና ባር ነቲ ወዲ ትፈልጦ ጸኒሓ ስሙን ገዝኡን ምስ ሓበረቶም ገዝኡ ፈቲሾም ነታ ዱፕሊኬተር ረኺቦማ። ብሰንኪ ሓንቲ ናይ ኢህኣፓ ጥይት ተለኪምና’ምበር ጽቡቕ ኬድና ኔርና፡” ድሕሪ ምባል፡ ብኸመይ ከም ዘምለጠ፡ ኣብ ጕዕዞኡ ዘጋጠሞ ሽግር፡ ኣብ ድሕሪ መስመር ምስ ሓንቲ ጓልቡርጅዋ ትብሃል ኣባል ሕርሻ ዝነበረት ብጸይቲ ተዛሚዱ ከም ዝነበረን ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ናይ ወዶ ገባ ድብያ ኣትያ ከም ዝተሰውአትን ገለጸሉ።

ካስትሮ በቲ ዝሰምዖ ተኪዙ ዝን ኢሉ ጸኒሑ ንጥላሁን ብምዝካር፡ “ጥላሁንከ ከመይ ገዲፍካዮ፡ ብድሕረይ ትራኸቡዶ ኔርኩም?” ክብል ተወከሶ።

“ከመይ ኢልናኸ ረሲዕናዮ? ጥላሁን ደኣ መስኪናይ ድሕረኻ ነዊሕ ጸኒሑ ነይሩ። ደሓር ግን ጸረኣብዮት ኢሎም ቀቲሎሞ።”

“እንታይ ትብል ወደይ! መዓስ ደኣ ቀቲሎሞ?”

“ድሕሪ ሞት ኣማን ዓንዶም፡ ተፈሪ ባንቴ ኣቦ መንበር ናይ ደርግ ምስ ኮነ ከፊኡ ኣይከፍኦን ነይሩ። ንስኻ ድሕሪ ምኻድካ ኣብ ካልኣይ ወርሒ ኣቢሉ፡ እሙን ኣብዮታዊ ተባሂሉ፡ ብመንገዲ ባንቴ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጽቡቕ ቦታ ተዋሂቡዎ። መቸም ኣይሓመቐን ሰረቱ እናስፍሐ፡ ሰባት እናወደበ ንብዙሓት ንፍርዲ ዝቐርቡ ኤርትራውያን ይኹኑ ኣባላት ኢህኣፓ ገለ ናጻ ከም ዝወጽኡ፡ ገለ ድማ ውሑድ ዓመታት ከም ዝእሰሩ ይገብር ነይሩ። ኮታ ኣዝዩ ደፋር ነይሩ፡ ንብዙሕ ሰብ ከኣ ሓጊዙ። ኣዝዩ ህቡብ እናኾነ ምስ ከደ መሳርሕቱ ክቐንኡሉ ጀሚሮም። ድሕሪ ሞት ባንቴ፡ ናይ በዓል ሃይለ ፊዳ ኵነታት ስዒቡ ዳርጋ ኣይጥጠዓሞን። ኣብ መወዳእታ ኣያ ምስ ሰኣነ ድማ ጸላእቱ በዚሖም። ብመንገዲ ሓንቲ ኣብ ተክለ ሃይማኖት ዝነበረት ኣማኒቱ ኸኣ ኢድብኢድ ሒዞሞ።”

“እታ ዋና ባር ጥራይ ከይትኸውን?”

“ንሳ እያ። ፈሊጥካያ’ለኻ። ብመንገዳ ኣቐዲሞም ናይ ኢህኣፓ ጽሑፋት ኣብ ቦርሳኡ ኣቐሚጦምሉ። ሓደ መዓልቲ ደሓን ኣለኹ ኢሉ ንስራሕ እናወፈረ ከሎ፡ እቲ ውዲት ናይ ብሓቂ መታን ክመስል፡ ቅድሚኡ ዝነበራ መካይን ወሰን ኢሎም እናፈተሹ ኣብ መኪናኡ በጺሖም። ሳንጣኡ ፈቲሾም ከኣ ጸረኣብዮት ጽሑፍ ተረኺቡዎ ኢሎም ዳጒኖሞ። ከምቲ ዝሰማዕኩዎ ቤትፍርዲ ከየቕረቡ ንምሸቱ ኣቃቢጾሞ እዩ ዝብሃል።”

“ስማዕ’ስኪ፡ ሓንቲ ዘይትፈልጥ ትመስል ዝነበረትስ ሰብ እያ’ኮ ነይራ! ካብ ሽዑ ጀሚራ ናይ ደርጊ ሰላዪት ነይራ ማለት ድዩ?”

“ካብ ሽዑስ ጀሚራስ ኣይመስለንን። ብድሕረኻ ኣዲስኣበባ ካን ተበላሽያ መእተውን መውጽእን ተሳኢኑዋ ነይሩ። ደርግ ዋናታት ባር ኣይገደፈ፡ ባሪስታታት ኣይገደፈ ወሰን ኢሉ እዩ ወዲቡወን። ሊስትሮ ከይተረፉ ከፈራርሑና ጀሚሮም ነይሮም። ኣዲስኣበባ ብቀይሽብር ከይተናወጸት ከላ ወጺእናላ’ምበር ቍሩብ እንተ ንጸንሕ ኔርና ኣይምሓለፍናያን ኔርና።”

“እሞ ቀይሽብር ከይጀመረ ኢካ ወጺእካ?”

“እቲ ወዲ ምስ ተኣስረ፡ ንቝሩብ ግዜ ኣብ ከባቢ ኣምቦ ተሰዊረ። ኣብኡ ምስ ዝጸንሑኒ ውዱባት ንውሱን እዋን ምስ ሰራሕኩ ኵነታት ዝግ ኢሉ ዳግማይ ናብ ኣዲስኣበባ ተመሊሰ። ኣብ ማርካቶ ስም ቀይረ ድማ ሓንቲ ንእሽቶ ክዮስክ ከፊተ ቀይ ሽብር ክሳዕ ዝጅምር ስርሐይ ቀጺለ።”

ብኸምዚ ዕላል ኣዲስኣበባ ክሳዕ ግዜ ምሳሕ ወድኡ። ኣብ ዝተረፈ መዓልታት ፌስቲቫል ኣብ ሜዳ ዘሕለፉዎ ተሞክሮታት ክገላለጹ ድሕሪ ምቕናይ፡ ምስ ምዝዛም ፌስቲቫል ሃብቶም ሓድሽ ቦታኡ ክፈልጥ ናብ እንዳ ሰብዓን ክልተን  ዓምበርበብ፡ ካስትሮ ድማ ንዓራርብ ተፈላለዩ። ኣብ ሰሙኑ ካስትሮ ጀነረተር ከዕሪ ንላዕላይ ዓራርብ እንተ ደየበ፡ ሃብቶም ኣብ ምዕራብ ከባቢ ሞልቊ ከም ዝተመደበ እትገልጽ ሓጻር ደብዳቤ ብመንገዲ ሓደ ንሕክምና ኢሉ ዝመጽአ ብጻይ ተቐበለ።

ይቕጽል . . . . .

መበል 103  ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምስ መዕበያኻ ጥፋእ
Next Article ደርዘን ሕቶ ንገጣማይ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?