Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on November 22, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 100  ክፋል

ጓይላ ዓሚሩ ሂር’ዩ ዝብል ነይሩ። ንቦቴጐ ግን ሽዑ ኣይንታያን ነይሩ። ምድረሰማይ ፈጺሙ ተገላቢጡዋ ኣብ ቦታኣ ከመይ ኢላ ከም ዝበጽሐት’ውን  ኣይተረድኣን። መሬት ኣፋ ከፊታ ክትውሕጣ እናተመነየት፡ ኣብ ጸግዒ ክሊኒክ ኣብ ዝነበረት ዕብይ ኢላ እምኒ ኮፍ ብምባል፡ ናብታ ብማዕዶ ትርኣያ ዝነበረት ተካሊት ናይ ካስትሮ ሶቬት ክትቋመት ጀመረት። ቅድሚ ውሑዳት ደቓይቕ ሃንቀውታኣን ባህጋን ኣብ መደምደምታ ንምብጻሕ ትርበጸላ ከም ዘይጸንሐት ሕጂ ሲኦል ኮይና ተራእየታ። ንዕድላ ረጊማ ንካስትሮ ኰነነቶ። ኣዝያ ስለ እተፍቅሮ ግን ጠቕሊላ ካብ ልባ ኣየውጽኣቶን። ርእሳ ኣድኒና፡ “ኣብ ባዕላውነት ኣትየ’ኳ እኸውን። ብርግጽ ምስ ዘምሰየ ናይ ስዋ ኵነታት ዝረስዖ መልእኽቲ ነይሩዎ  ክኸውን ይኽእል’ዩ። ግን ከኣ ወላ ከምኡ ይኹን እቲ ነገር ቍሩብ ኣይተረድኦን ማለት ድዩ? ካልእ እንተ ተረፈ ስለምንታይ ‘ቦቴጐ ክምለስ’የ ተጸበዪኒ’ ዘይብለኒ? ዝብል ሕቶታት ኣተኣናገደት።

“ኣይፈልጥን’ዩ ከይብሃል ኵሉ ዝፈልጥ ኣዝማሪኖ’ዩ። ካስትሮ ዝኾነ ኣበር ክርከቦ ስለ ዘይደሊ ምናልባሽ ምቹእ ግዜ ክጽበ ደልዩ ይኸውን። ምዃን ከኣ ሓቁ እዩ። ክንደይ መኛካታት ኣለዉ’ንዶ ኣብ ፈቐዶ ኣኼባ፡ ‘ዝምድናኹም ኣብርሁልና’ እናበሉ ተኸኽ ዘብሉኻ። ዳቬሮ! ካስትሮ ሚዛኑ ክሕሉ ዝደሊ ሰብ ስለ ዝኾነ ከምዚታት ክኣቱ ኣይደልን’ዩ። ካብ ናይ ሎሚ ምሸት ዝምችእ ግዜ ግን ኣይነበረን። ሓፋሽ ሓዊ ዝኾነ ስዋ ረኺባ ሜኖ ፍሬጋ እያ ነይራ። ተራኣን ሓላፊኣን ኣብ ስዋ ተኣሊኻ ዘምሰየት መን ከበርና ምወሰደ ነይሩ። ወላ ሓደ! እንታይ’ሞ ክኸውን’ዩ? ካስትሮ ሳክት ሰውረረር ዘብዝሕ ኮይኑ። ኣሕ! እንታይ ጸገም ነይሩዎ’ስኪ? ከም ገለ ሓደ ሓሳድ እንተ ዝረኽበና ኸኣ ናይ ዳሕራይ ብዘየገድስ ከም ሰብና ‘ዝምድና ኣሎና’ ዝብል መልሲ ምሃብና፡” እናበለት ንፍሽለት ናይቲ ካብ ነዊሕ ዝተዳለወትሉ መደብ ጠንቂ ክትግምግም፡ ንብዙሓት ተኽእሎታት ክትፍትሽን ባዕላ ሓቲታ ባዕላ ክትምልስን ጸኒሓ፡ ኣብ ሓደ ንጹር ዝኾነ ኣተዓራቒ ሓሳብ ከይበጽሐት ርእሳ እንተ’ቕንዐት ካስትሮ ስጕምቱ እናኣቐልጠፈ ኣብ ሶቬቱ ክኣቱ ከሎ ረኣየቶ።

ኣብ መጀመርያ ብዙሕ ኣይተገደሰትን። ቍሩብ ጽንሕ ኢላ ግን፡ “ተመሊሰ ክረኽቦ’ለኒ፡ ወዲተባዕታይ’ንድዩ፡ ምስ ሰኣነኒ ሕማቕ ክስምዖ ይኽእል’ዩ። ኣብ ክሊኒክ በጺሐ ክምለሶ ይጽበየኒ’ውን ይህሉ፡” ብምባል ንነፍሳ ኣደዓዒሳ ክትብገስ እናሓሰበት ከላ፡ ብማዕዶ ምንቅስቓስ ሰብ ስለ ዝረኣየት ቍሩብ ተጸበየት። ኣዒንታ ተኺላ እንተ ጠመተት ወዲሸቃ መሲሉ ተራእያ። “ኦሮማይ! ወዲሸቃ እንተ ኣትዩ ቀልጢፉ ኣይወጽእን’ዩ ሜሳ ክኾነና’ዩ፡” በለት። እቲ ወዲሸቃ መሲሉ ዝተራእያ ጕልቡት ሰብ ኣብ ኣፍደገ’ታ ሶቬት ምስ በጽሐ ግን ነዒንታ ምእማን ሰኣነተን። ጓልመሓሪ ምዃና ብቝመታን ቅርጺ ኣካላታን’ያ ኣረጋጊጻ። ጓልመሓሪ፡ በዓልቤታ ኣብ ሻዱሻይ ወራር ዝተሰውኣ በላሕን መስተውዓሊትን መንእሰይ ኮይና፡ ዘመክሕ መልክዕ’ኳ እንተ ዘይነበራ፡ ብርዝነታን ልዙብ ጠባያን ንዅሉ ስለ ትሽፍኖ፡ ኣብቲ መዓስከር ብህቡብነት ትወዳደራ ጓልኣንስተይቲ ዳርጋ ኣይነበረትን። ምስ ካስትሮ ብናይ ኮሚቴ ባህልን ምዝንጋዕን ንጥፈታት ስለ እትራኸብ ድማ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ብጻይነት ዝተመርኰሰ ዕላላት የዕልሉ’ዮም። ሽዑ ለይቲ ምስ ካስትሮ ተቐሚጡ ዝነበረ ናይ ኮሚቴ ባህሊ ናስትሮታት ክትወስድ ምስ መጽአት ድማ ከም ገለ ዕላል መቂሩዋ ንገለ ዓሰርተ ደቓይቕ ኣቢላ ጸኒሓ።

እቲ ዝኸፍአ ግን በጋጣሚ ንሳ እትው ክትብልን  ማዕጾ ብንፋስ ገም ኢሉ ክዕጸውን ሓደ ነይሩ። ክልቲኦም ብዙሕ ኣይተገደሱሉን ዕላሎም ቀጺሎም። እዚ ግን ንቦቴጐ ጽቡቕ ኣይሃባን። ዝተወደበ ነገር ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ ብቕንኢ ጣዕ በለት። “ለካ! ናይ ብቐዳማይ ዕላሎምን ሰሓቖምን ሳክት ኣይነበረን። ቦቴጐ’የ ዓሻ፡” ብምባል ኣብ ዲቕ ዝበለ ባዕላውነት ኣትያ ኣስተማሰለት። በጻብዕታ ነቲ ዕሙር ጸጒራ እናጠወየት ናይ ተስፋ ምቝራጽ ንብዓት ጸረር ኣበለት። ንጓልመሓሪ ድሕሪ ምርኣያ ንካስትሮ ጨሪሻ ስለ ዝቐበጸቶ፡ ኣብ ልዕለኡ ሓያል ቂምታ ኣሕደረት። እቲ ንዑኡ ዝነበራ ልባዊ ፍቕሪ ድማ ብገረወይና ማይ ተገጪቡ ከም ዝጠፍአ ብርቱዕ ሃልሃልታ ከም ቅጽበት ቀሃመ። ፍናና መሬት ዘቢጡ ብዝወሰደቶ ህውኽ ስጕምቲ እናተጣዕሰት ንገዛኣ ብምእታው ድማ ኣብ መዳቕሶኣ ተደርበየት። ድቃስ ግን በየን ይምጻእ። ናይ ሽዑ ለይቲ ኵነታት ከቶ ንድቃስ ዝዕድም ኣይነበረን። “ሀ” ኢላ ዝ ጀመረቶ ፈላሚ ፍቕሪ ስለ ዝነበረ፡ ምጽዋሩ ስኢና ከም ሕሱም ብንብዓት ክትሕጸብን ብዓቕሊ ጽበት ክትልሎን ሰለም ከየበለት መሬት ወግሐ።

ካስትሮ፡ ንጓልመሓሪ ድሕሪ ምፍናው፡ ሬድዮ ሰሚዑ ክድቅስ’ኳ እንተ ፈተነ፡ ቦቴጐ ኣብ ቅድመኡ እናተገተረት ንኣእምሮኡ ብሓተቶ። ሓሳቡ ምቛም ኣብዩዎ ብዛዕባ ሽዑ ምሸት ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣብ ምግምጋም ኣተወ። ዝተፈላለየ ሓሳባት ከውርድን ከደይብን ድሕሪ ምጽናሕ፡ መበገሲ ናይ ቦቴጐ ተንኰል ዘይኮነ፡ ምርዑው ምዃኑ ስለ ዘይትፈልጥ ንዝምድና ከም ዝደለየቶ፡ ነቲ ጕዳይ ግን በቋራጭ ክትፍጽሞ ከም ዝሓሰበት በርሃሉ። ብስምዒቱ ተደፋፊኡ ኣብ ጌጋ ዘይምውዳቑ ባዕሉ ንነፍሱ ንኣደ። ካብቲ ተባዕ ፈተነኣ ግን ብርቱዕ ፍቕሪ ከም ዝነበራ ተረድኦ። ብሓሳብ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ንሮዛ ከፍቅር ከሎ ከም ዝተሰረየ ሰብ ደድሕሪኣ ዞኽዞኽ ይብል ከም ዝነበረ ዘከረ። “ሽዑ ሮዛ ከምዚ ንቦቴጐ ዝገበርኩዋ እንተ ትገብረኒ እንታይ ምኾንኩ ነይረ?” ኢሉ ንነፍሱ ብምሕታት፡ ነቲ ጕዳይ ንነፍሱ ኣብ ቦታ ቦቴጐ ኣቐሚጡ ክርእዮ ፈተነ። “ነቲ ዝነበርናዮ ሃዋህው ሃንደበት ብትኽ ከብሎ ኣይነበረንን። ቀስ ኢለ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቈልዓን ምዃነይ ከረድኣ ነይሩኒ። ምሳይ ክትቀርብ ጅምር ክተብል ከላ ቍርጽ ኣቢለያ እንተ ዝነብር ኣብዚ ዅሉ ጸገም ኣይምኣተወትን ነይራ። ፍቕሪ ሕሱም’ዩ። መስኪነይቲ ብፍቕሪ ተለኺፋ ኣላ ማለት’ኮ እዩ። ከመይ ኮን ትህሉ ሕጂ? ብሓቂ በዲለያ እየ፡” እናበለ ንሕልናኡ ድሕሪ ምውቃስ፡ ሒዙዋ ዝነበረ መጽሓፍ ኣቐሚጡ ኣብ ዓራቱ ብምግምሳስ ክድቅስ ፈተነ።

ንጽባሒቱ ንቝርሲ እናኸደ ከሎ ኣብ መንገዲ ኣጓኒፋቶ ከም ቀደሙ ፍሽኽታ ኣርእዩ፡ “መርሓባ ቦቴጐ፡” እንተ’በላ፡ ከም ዘይሰምዓቶ ገጻ ኣሲራን ተሰጒዲማን መንገዳ ቀጸለት። ንሕሙማት ቍርሲ ክትሰርሕ ካብ ክሽነ ሓዊ ሒዛ’ያ ትምለስ ነይራ። ምሳሕ በሊዑ ምስ ወዲሸቃ ንቤትጽሕፈት ገጹ እናኸደ ከሎ፡ ናብ እንዳ መርዓውቲ ክትከይድ ከላ’ውን ፊት ንፊት ተራኺቦም። ንካስትሮ መታን ሰላም ከይትብሎ ደው ከይበለት ንሓላፊ መዓስከር ጥራይ ፈልያ፡ “ኬፍ ወዲሸቃ ነብሲ፡” ኢላቶ ሓሊፋ። ኣዝያ ተቐይማቶ ከም ዘላ ብንጹር በርሃሉ። ብድሮኡ ዝነበረ ወላህላህ ዝብል ብሩህ ገጻ ሳልስቲ ማይ ከም ዝሰኣነት ተኽሊ ጸምልዩ፡ ጸጒራ ድማ ከም ሓንቲ ብዛዕባ ሰብነታ ዘይትግደስ ሰይቲ ሰብኣይ ወንጨርጨር ኢሉ ምስ ረኣዮ፡ ማዕረ ክንደይ ስነኣእምሮኣዊ ምንቁልቋል ከም ዝወረዳ ገሚቱ ብልቡ ሓዘነ። ኣብ ቤትጽሕፈት ምስ ኣተው ወዲሸቃ ሽጋራ ወልዐ። “ስምዓኒ’ስኪ፡ ምስ ቦቴጐ ደኣ እንታይ ኣራኺቡኩም? ክሳዕ ትማሊዶ ደሓን ኣይነበርኩምን? ኣኺሉኩም ከም’ዞም ቈልዑ ዲኹም ኴንኩም?” በሎ።

ካስትሮ ነቲ ጕዳይ ባዕሉ ክውድኦ’ዩ ዝሓስብ ነይሩ። ኵነታት ቦቴጐ እንተ ተዓዘቦ ግን ንሓዋሩ ገጹ ክትርእዮ ዘይትደሊ ኾይኑ ተሰምዖ። ብኣካል ክረዳድኣ እንተ ፈቲኑ ዋዕዋዕ ከይትፈጥረሉ ስለ ዝተሰከፈ ድማ እቲ ጕዳይ ወዲሸቃ ክኣትዎ  ዝሓሸ ኮይኑ ረኸቦ። ብኡ ንብኡ መበገሲ ናይቲ ነገርን ብድሮኡ ዘጋጠመ ኣጸጋሚ ኵነታትን ኣሕጽር ኣቢሉ ገለጸሉ።

ወዲሸቃ ሽጋራኡ እናትከኸ ጽን ኢሉ ክሰምዖ ጸኒሑ፡ “ሞሲባ’ንዲኻ ረኺብካ ኣምሲኻ ደኣ! ምዃን ባዕልኻ ኢኻ ካስትሮ። ነዘን ደቂኣንስትዮ ማራ ገጽ ተርእየን ኴንካ። እንታይ ኣምጽኦ፡ ‘እሂ’ቲ ነብሲ’ እናበልካ ዝባን ደቂኣንስትዮ ጠፍ ምባል ወይ ኢድ ምጥዋይ? እዚኣተን ልበን ቀሊል ምዃኑ ፍለጥ። ዓሻ ኣይትኹን! ከምኡ ክትገብር ከለኻ ወይ ንዝምድና ወይ ብሴክስ ደልዩና’ሎ ኢለን ተስፋ ከም ዝገብራ ክትርዳእ ኣለካ፡” በሎ ገጹ ኣሲሩ። ወዲሸቃ ብፍጥረቱ ምስ ደቂኣንስትዮ ፈዅሱዎ ከዕልል ኣይክእልን ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወላ ምስ ደቂተባዕትዮ’ውን ናጻ ኮይኑ ወጃዕጃዕ ክብል ዝጽግሞ፡ ዝበዝሕ ግዜኡ ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ዘሕልፎ ሰብ’ዩ ነይሩ። ካብ ስራሕ ናጻ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ከኣ ብዘይካ ሕማም ካርታን ጓይላን ካልእ ብሕማቕ ዝጥቀስ ኣመል ኣይነበሮን።

ካስትሮ ብዘረባ ብጻዩ ክምስ ድሕሪ ምባል፡ “ኣንታ ወዲሸቃ፡ ሕልፊ ሰበይዶ ስሒቐየን’የ? ደሓር ከኣ ብጾትናዶ ኣይኮናን፡ ምስኣተን ዘይሰሓቕናን ዘይተጻወትናን ደኣ ምስ መን ኢናሞ ክነዕልል? እቲ ነገር ከኣ ብኸምኡ ዝጥምቶኦ ኣይመስለንን፡” ክብል ብዕቱብ መንፈስ መለሰሉ። ወዲሸቃ ቍሩብ ኣጋኒኑዎ  እዩ’ምበር እቲ ተርእዮ ማዕረ ክንድኡ ዶብ ዝጠሓሰ ጕዳይ ኣይነበረን።

“ምዃን ሓቅኻ ኢኻ። ብኣሉታ ዝግለጽ ተኣፋፊ ነገር ዘሎ ኣይመስለንን። ቦቴጐ ግን ምሳኻ ብርቱዕ ፍቕሪ ከም ዘለዋ ፍለጥ።”

“እንታይ ድየ ዝብለካ ዘለኹ! ምሳይ ፍቕሪ ከም ዘለዋ ግን ይርድኣኒ ኣይነበረን። ትማሊ ምሸት’ዩ ተጋሂዱለይ። ስለዚ ኣብ ሕማቕ ከይወደቐት ከላ ሓደ ነገር ክንገብር ኣለና። እንተ ኣስተውዒልካላ ሞራላ ዝሰፈፈታ’ያ ትመስል።”

“ጽቡቕ ኣለኻ፡ ዘፍቀረ ሰብ ሓደገኛ’ዩ። ብፍቕሪ ምኽንያት ሓንቲ ሱሳይድ ዝገበረት ብጸይቲ ከም ዘላ ትፈልጥዶ?” ወዲሸቃ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ትምህርቲ ኣቋሪጹ ኣብ መደበር፡ ፈርኔሎ ወዲ ፈርኔሎ ክሰርሕ’ዩ ዝውዕል ነይሩ። ድሕሪ ምስላፉ ግን ዝበዝሕ ግዜ ምስ ምሁራት ስለ ዘዕልል፡ ኣብ ዘረባኡ ካብዝን ካብትን ዝኣራረዮ፡ ኢንፋክትን ኦፍኮርስን ዝጸዓቖ ትግርኛ’ዩ ዘዘውትር።

“ስለዚ ነቲ ነገር ከየተዓባበና ቀልጢፍና ንወድኣዮ።”

“እሞ እንታይ ደኣ ይሓይሽ፡ ጸዊዕናዶ ክነረድኣ?”

“ከምኡ’ኳ ዘይከኣል’ዩ። ስለምንታይ እንተ በልካኒ ዘረባ ጅምር ክነብልን ብኽያታ ክትፍንዎን ሓደ ክኸውን’ዩ። ኣብ ዘይሞሲባና ክንኣትው ኢና።”

“በይንኻ ጸዊዕካ እንተ ረኸብካያኸ?”

“ከምኡስ ኣይጥዕምን’ዩ ወዲሸቃ። ግን ንሳ እንዳ መርዓውቲ ከይዳ ስለ ዘላ ነታ ነገር ኣብኡ ክንወድኣ ይሓይሽ።”

“ሓሳብካ ኣይተረድኣንን። መዓት ሰብ መሊኡ ኸሎ ኣብኡ ኬድና እንታይ ክንገብር ትደሊ ኣለኻ? መሊሳ ካልእ ህውከት ኣጒዳ እንተ ኣረከሰትካኸ እንታይ ክትገብር ኢኻ? ተጸሊልካ ዲኻ?”

ካስትሮ ነቲ ዝሓሰቦ መደብ ብህድኣት ድሕሪ ምግላጽ፡ “ካላስ፡ ሕጂ ንስኻ ቢዝነስ ክትጻወት ዝመጻእካ ክትመስል ደድሕረይ ጥራይ ስዓብ፡” በሎ።

ወዲሸቃ ቍሩብ ተቓውሞ ድሕሪ ምስማዕ ካስትሮ ምስ ተረረ ነቲ መደብ ከይፈተወ ስለ ዝተቐበሎ ካስትሮ፡ “እሞ ሓሊፈ’ለኹ፡” ኢሉዎ ብዛዕባ ቦቴጐ ጥራይ እናሓሰበ ናብ እንዳ መርዓውቲ ኣምርሐ። ገለ ኣባላት ብወሰናስን ናይቲ ገዛ ኮፍ ኢሎም ከዕልሉ ከለዉ፡ ገለ ድማ ኣብ ጠረጴዛ ከቢቦም ካርታ ይጻወቱ ነበሩ። ሰንጢቑዎም ናብ መርዓውቲ ሓሊፉ ኣብ ጐድኖም ኮፍ ኢሉ ዕላል  ጀመረ።

ወዲሸቃ ብዙሕ ኣይደንጐየን ሽዑሽዑ ሰዓቦ። ኣብኡ ዝጸንሑ ኣባላቱ፡ “ወዲሸቃ ነብሲ ንዓ ኣብ’ዚኣ ኮፍ በል፡ ኖ ኣብ’ዚኣ ትሕሸካ፡” እናበሉ በብወገኖም ክዛረቡን ክርሕቁሉን  ጀመሩ።

“ኣነስ’ባ ጥቓ ቦቴጐ ነብሲ ይሕሸኒ፡ ገለ ቪታሚን እንተ ሃበትኒ ኸኣ ክውድባ፡” ኢሉ ኣብ ጥቓኣ ኮፍ በለ እናሰሓቐ። ጸጸኒሓ ኣብ ቤትጽሕፈታ ቀመም ዘለዋ ጥዕምቲ ሻሂ ተስትዮ ስለ ዝነበረት ኣብ መዓስከር ምሉእ ካብ ዘለዋ ኣዋልድ ንሳ ጥራይ’ያ ብዙሕ ዘይትኸብዶ።

“ንዓኻ ደኣ ቫይታሚን ቢ ኮምፕሌክስ ዘይኮነን ሲ ኮምፕለክስ እንተ ዝህልዋ’ውን ምሃበትካ፡” መለሰ ሓደ ብጽግዒ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሓደ ሕጽር ኢሉ ዘረባ ዘይጽልኦ ኣብቲ መኦኣስከር ከም ተጫራቓይ ዝፍለጥ ሰብ።

ቈላሕታኡ ናብ ወዲሸቃ እናሰደደ፡ “ኣይትሓፍርን ኢኻ’ባ፡ ንሕሙማት ዘይተረኽበስ ንዓኻ? ኣይትውዕሎን ግዲ፡” ወሰኸ ካስትሮ መ ጀመሪ ዘረባ ክኾኖ።

ቦቴጐ ንዘረባኡ ዋጋ ስለ ዘይሃበቶ ክትምልሰሉ ኣይተገደሰትን። ቍሊሕ ኢላ’ውን ኣይጠመተቶን። ወዲሸቃ ዝጽበዮ ዝነበረ ኣጋጣሚ ረኺቡ፡ “ኣየ ካስትሮ፡ ከምኣ ኢልካ ኣብ መንጎ መርዓውቲ ፎግፊግካ ኮፍ ክትብል ተዋሪድካ። ትደልዮኦ’ሞ ይዝንግዓክን ድዩ ዝበሃል? ኣብ ኣንስቲ እንዳ ማትካ ጽግዕግዕ ካብ ምባል፡ ከም በዓል ወዲቕጭን ንኸበሳ ድይብ ኢልካ ሰበይትኻን ደቅኻን እንተ ተምጽእ ምሓሸካ ነይሩ!” በሎ ጭርቃን ሓዊሱ።

ሓቂ ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዖም ናይ ዝበዝሑ ሰማዕቲ ግበረ መልሲ ሰሓቕ ነይሩ። ቦቴጐ ግን ሃንደበት ኮይኑዋ ከይገረማ ኣይተረፈን። መልሲ ካስትሮ ሰሚዓ ክተረጋግጽ ድማ ኣእዛና ጸለወት።

“ሓቅኻ’ለኻ። ሰውራ ሎሚ ይዕወት ጽባሕ ይዕወት እናበልና ነብስና ኣተዓሻሺና’ታ ወዲሸቃ። ሎሚ ምሸት ግን ዕምት ኢለ ወረቐት ክጽሕፍ’የ። ክንደይ መዓልቲ ኣሎ ቀሺ ቢዘን ምዃን!”

“ቁምነገር! ሓቀይ’የ ዝዛረበካ ዘለኹ። እንታይ ኢኻ ተርእየና ዘለኻ? ሎም ዘበን ሓደኡ ክትገብር ኣለካ፡” ኣስዓበ ወዲሸቃ።

“ንሱ ደኣ ኣይተርፍን እዩ’ኮ፡ ድሮ ኣድራሻኣ ንሓደ ድሕሪ መስመር ዘሎ ኣባል ክፍሊ ህዝቢ ዓርከይ ሂበዮ ስለ ዘለኹ፡ እቲ ነገር ኣብ ምውድኡ እዩ ዝመስል። ኣሸበሸብ ከይርስዑና ግን ደጊምካ ምዝኽኻሮም ከድሊ እዩ።”

ዝሰምዐ ዘበለ ካስትሮ በዓል ሓዳር ምዃኑ ኣረጋገጸ። ዝያዳ ኸኣ ቦቴጐ። ተወጢሩ ዝነበረ ሰብነታ ክፈታታሕ ከሎ ተፈለጣ። ብሰውራውነትን ተጻዋርነትን ካስትሮ ኣዝያ ተገረመት። ካብ ጥርጣረ ንኽትድሕንን ዝያዳ ሓበሬታ ንኽትረክብን ግን፡ “ስማዕ’ስኪ፡ ሓቅኻ ዲኻ ካስትሮ በዓል ሓዳር’ዩ? ከምኡ’ኳ ዘይመስል፡” ክትብል ተወከሰቶ ንወዲሸቃ ድምጻ ኣትሕት ኣቢላ።

“ትም በሊ በጃኺ! ቢላሂ ክሳዕ ሎሚ ኣይትፈልጥን ኔርኪ ማለት ድዩ?”

“ብኡነት ዘይፈልጥ ነይረ፡ ቁምነገር’የ ዝዛረበካ ዘለኹ። እዚ ወዲሸቃስ!”

“እሞ ኣብዚ መዓስከር የሎኽን። በዓል ሓዳር እንተበሉኺኸ? ክንዳኺ ትኸውን ጓል’ኳ ኣላቶ። ቦቴጐ’ባ ትም ኢልኪ ኢኺ ሃለው ትብሊ፡” ድሕሪ ምባል፡ ካብ መደቡ መታን ከይዕንቀፍ፡ “ኣታ ኵንትራት ዲኹም ሒዝኩሞም? ሓንሳብ’ባ ተስኡልና፡” በሎም ነቶም ኣብ ጠረጴዛ ከቢቦም ካርታ ገጢሞም ዝነበሩ።

ብማዕዶ ክዕዘቦ ዝጸንሐ ካስትሮ ብኽእለቱ ተገረመ። ቦቴጐ ብድሮኡ ክትፍጽሞ ዝሓሰበት ተግባር እከይ ፈተነ ኮይኑ ተሰምዓ። ክብለጸላ ብዘይ ምፍታኑ ንካስትሮ ብሕልናኣ ኣመስጊና ነፍሳ ነቐፈት። ንካስትሮ እናረኣየት ኣብቲ ቦታ ኮፍ ምባል ምጽዋር ስለ ዝሰኣነቶ ድማ ኣይደንጐየትን፡ “ከይደ ወዲሸቃ፡ መድሃኒት ዝዕደሉ ሕሙማት ኣለዉኒ፡” ኢላ  ብምትሳእ ንቦታኣ ተሃንፈፈት።

ሰዓት ኣርባዕተ ምስ ኣኸለ፡ ኵሉ ሰብ ነናብ ስርሑ ፋሕ በለ። ወዲሸቃን ካስትሮን ካርታ ትጽውት ውዒሎም ተተሓሒዞም ነናብ ስርሖም እናኸዱ ከለዉ ይስሕቁ ነበሩ። ኣብ በረንዳ ናይ ወዲሸቃ ቤትጽሕፈት ምስ ቀረቡ፡ “በል ሕጂ ከምቲ ዝሓሰብካዮ፡ “ከም ተጋደልቲ መጠን ክንገብሮ ዘለና፡” ኢልካ ተረዳድኣያ። ኣነ ግቡአይ ፈጺመ’የ ዓርከይ፡” በሎ ወዲሸቃ ናብ ቤትጽሕፈቱ እናምርሐ።

“እንታይ በለትካ ደኣ?” ሓተቶ ካስትሮ።

ወዲሸቃ፡ “ትም’ባ በል፡ ተማም ጌርና ቫልቮላኣ’ንዲና ረኺብናያ፡” ኢሉ ምስ ቦቴጐ ዘዕለሉዎ ነገር ብዝርዝር ገለጸሉ።

“ካላስ! ሕጂ ጸገም የሎን። ምሸት ጸዊዐ ኣብ መስመር ከእትዋ እየ።”

“ካስትሮ ግን ሓያል ኢኻ። ሰብ ከይሰምዐ ብስቱር እንቋዕ ተኻረጅና። ከም ገለ ዋዕዋዕ ተፈጢሩ እንተ ዝነብር ቦቴጐ ንካስትሮ ንዝምድና ሓቲታቶስ ባናና ኣርጊጹዋ ምተባህለት። ኣይምተጻወረቶን ከኣ፡ ሞራላ ሰፊፋ ዲሞ ምኾነት ነይራ። ጽቡቕ ሜላ ኢኻ ምሂዝካ።’

“ኤእ ንስኻ”ውን ኣይሓመቕካን። ክላ በል ከይደ።”

ይቕጽል . . . . . .

መበል 101 ክፋል ዝመጽእ  ረቡዕ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍ “መባእታ ሰዋስውን ስነ-ጽሑፍን ትግርኛ 2015”፣ ማእከል ልዝብዶ ክርክር፧
Next Article ግጥምታት ቀሺ ዮናስ፡ ብናተይ ህዋስ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?