Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Wednesday, May 28, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on November 18, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 99 ክፋል

ቦተጐ፡ ንካስትሮ ካብ ድሕሪ ምድምሳስ ውቃው እዝ ጀሚራ እያ ንዝምድና ጠሚታቶ። ንሱ ግን ክሳዕ’ታ ዘይርስዓ ሰለስተ ወርሒ ይገብር ብርቱዕ ካምሲን ዝነበረትላ መዓልቲ፡ ብዛዕባኣ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ነይሩ። ሽዑ መዓልቲ ሰዓት ሰለስተ ጨው ቀትሪ ከም ዝነበረ ጽቡቕ ገይሩ እዩ ዝዝክሮ። ምሉእ ኣባል’ቲ መዓስከር ኣብ መመዕቈቢኡ ተሰቲሩ ኣዕሪፉ ከሎ፡ ቦተጐ ነቲ ዝነበረ ጽምዋ ተጠቒማ፡ ርእሳ ብክሽዅ ሸፊና ንመመኽነይታ እትኾና መጽሔት ማሕታ ሒዛ ናብ ካስትሮ ብምኻድ ኣብታ ተገፍቲና ዝነበረት ሶቬት ሰላሕ ኢላ ድሕሪ ምእታው፡ ምስ ካስትሮ ብኸምዚ ዝስዕብ ዕላል ጀመረት።

“ኬፍ ካስትሮ፡ ደቂስካ ዲኻ?” ኢላ ፍሽኽ ድማ ኢላቶ በተን ጕራማይለ ዝተወቀጣ፡ ዕምባባ ዝመስላ ስሙራት ኣስናና።

“ሓሪፍ፡ እንታይ ክወጽኦ፡” ኢሉ ፍሕትሕት ድሕሪ ምባል፡ “ኣይደቀስክን ዲኺ?’ ኢሉ ብሰላምታ ኢዳ ጨበጣ።

“እንታይ ክድቅስ ኢልካኒ ኢኻ። እዚ ካምሲን’ዚ ኢንጋናረ’ንድዩ ሰሪሑና። ሎሚ ዝወዓለ ኸኣ’ሞ ንበይኑ እዩ።’

“እንታይ ደኣ ማሕታ ሒዝኪ?”

“ኣብዚ ትማሊ ዝመሃርካና ዘይተረድኣኒ ነገር ረኺበስ ክሓተካ ኢለ መጺአ፡” እናበለት ኣብ ጐድኑ ጽግዕ በለት።

ንሱ ኣዒንቱ ኣብ መጽሔት ተኺሉ ከንብብ ከሎ ንሳ ነዒንቱ፡ ከናፍሩ፡ ጸጒሩ ትጥምት ነይራ። ግልጽ ክብላ ከሎ ኣዒንቶም ይጋጨዋ’ሞ ከም ሕፍር ኢላ ድንን ትብል። ከምዚ እናበሉ ጕዳይ ትምህርቲ ምስ ወድኡ፡ ካብ ሓደ ዕላል ናብ ካልእ ዕላል እናሰገሩ ንሰዓትን ፈረቓን ቀጺሎም። ቅድሚ እቲ ዕለት’ቲ ሳልስቲ ይገብር ተጸሊኡዎ ንክሊኒክ ከይዱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንበይኑ ኣብታ ከም ቤትጽሕፈት እትጥቀመላ ንእሽቶ ክፍሊ ኣእትያ ኢዳ ኣብ ግንባሩ ሒዛ፡ “ረስኒ’ለካ። ተምፕረቸር ክዕቅነካ’የ። ምናልባሽ ዓሶ ደልያትካ ከይትኸውን፡” ኢላ ኢዱ ሓፍ ብምባል ኣብ ትሽትሹ ቴርሞመተር ከተእትወሉን ክትተናኽፎን ከላ፡ ሰብነቱ ድኹም ኤለትሪክ ዝተዘርዎ ኮይኑ ተሰሚዑዎ’ኳ እንተ ነበረ፡ ሽዑ ብዙሕ ትርጕም’ኳ ኣይሃቦን ነይሩ። ኣብታ ጽምዋ ዝሰፈና ሶቬት እናናሳዕ ፍሽኽ ክትብል ከላ ግን ተባዕታዊ ስምዒቱ ክድርኾ ጀሚሩ። ሓደ ብጻይ ኣብ መንጎ ኣትዩ ክሳዕ ዝዀልፎም ከኣ ናጻ ኮይኖም ከዕልሉ ዕድል ረኺቦም።

ካብታ ዕለት’ቲኣ ንነጀው’ዩ ድማ ብማራኺ መልክዓ ክምሰጥ ዝጀመረ። ቦተጐ ብወገና ብፍቕሩ ክትነድድ ካብ ትጅምር ግን ካልኣይ ዓመት ቀሪቡ ነይሩ። ከም ጓል መጠን፡ ብዝተፈላለየ ሜላ ከም እተፍቅሮ ክተረድኦ ካብ ምርኣዩ ሓሊፋ ብጋህዲ ክትሓቶ ድፍረት ኣይረኸበትን። ንዝምድና ክሓታ ዘካየደቶ ፈተነ ንባዕሉ ኣይሰለጣን፡ ግዜ ወሲዱ። እዚ ድማ ካልኦት ከይቅድማኣ ትፈርሕ ስለ ዝነበረት፡ ጽቡቕ ኣይሃባን። ኣብቲ መኦኣስከር ካብ ዘለዋ ቍሩብ ዝጥመታ ኣዋልድ ከም ኣጋጣሚ ከዕልሎኦ እንተ ርእያ ብቕንኢ ፈንጠር ትብል ነይራ። ኣብ ግዜ ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ድቃስ፡ ኮታ ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድሚኣ ኵድም ይብላ። ሓንሳብ ሓንሳብ ደፊራ ክትሓቶ ትምድብ፡ ዘይድየብ ተሪር ዓቐብ ኮይኑዋ ግን ተቋርጾ። ብሃልሃልታ ፍቕሩ ልባ ኣመና ተቓጺላ። ዝወሰደቶ እንኮ ኣማራጺ ግን ብማዕዶ ክትርእዮ ከላ ገለ ኣማቲ ዘረባ ደርብያ ዕላል ምጅማር፡ መሬት ክጽምወላ ከሎ ኸኣ መጽሔት ክወስድ፡ ወይ ክመልስ ብዝብል ምኽኒት ጽምኢ ፍቕራ ከተርዊ ምፍታን ነይሩ። ብኸምዚ ብፍቕሩ ንኣዋርሕ ክትሕመስ ድሕሪ ምጽናሕ’ያ ኸኣ ሽዑ ለይቲ ብስምዒታ ተደፊኣ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጉምቲ ክትወስድ ዝተገደደት።                       ካስትሮ፡ ዕላማኣ ብንጹር ተረዲኡዎ’ኳ እንተ ዘይተባህለ፡ እቲ ተርእዮ ዝነበረት ምንቅስቓስ ንወሲባዊ ስምዒቱ ዝደፋፍእ ስለ ዝነበረ ብስክፍታ ተዋሕጠ። በዓል ሓዳርን ኣቦ ቈልዓን ምዃኑ ከተንብሃላ ክልተ ግዜ ድንዕ ድንዕ ኢሉ ነይሩ። ፍሽኽታኣን ዕላላን ከይንፈጎ ስለ ዝሰስዐ ግን ኣንጻር ሕልናኡ ብምውሳን ከጽቅጥ መሪጹ። ብመሸከል ዘይራኸባ’ኳ እንተ ነበራ ብላህጃኣ ልክዕ ንሮዛ ኮይና ክትስምዖ ስለ ዝጀመረት፡ ከተዕልሎ ከላ ንበዓልቲቤቱ ዝረኸበ ይመስሎ ነይሩ። ብሓጺሩ፡ ኵነታቱ ፍቕሪ ሒዙዎ ምባል ዘድፍር’ኳ እንተ ዘይኮነ ብመልክዓስ ሃነይነይ ኣትዩዎ ነይሩ፡ ስለዝኾነ፡ ሽዑ ምሸት’ውን ኣብ ክንዲ ብኣጋኡ ያዕ ዝብላ ከተዕልሎ መሪጹ።       ቦቴጐ፡ “ኢሂ’ታ ካስትሮ እንታይ ደኣ ጓይላ ገዲፍካ መጺእካ? ተጸሊኡካ ድዩ?” እናበለት ኣብ ጐድኒ ዓራቱ ኣብ ዝነበረት ተዓጻፊት ኵርሲ ኮፍ በለት። ካስትሮ ብድቁሱ፡ “ጓይላ ገለ መለ መዓስ ብዙሕ እፈትው ኮይነ ቦቴጐ፡ ቍሩብ ኣንቢበ ክድቅስ ይሕሸኒ ኢለ። ቦቴጐ ነፍሲ ካብ መጻእኪ ግን ቍሩብ ክነዕልል፡” ኢሉ ዘንብባ ዝነበረ መጽሓፍ ዓጸዋ። ነፍሲ ትብል ቃል ብገርሁ’ዩ ኣውጺኡዋ። ንዓኣ ግን ፍሉይ ስምዒት ፈጢራትላ። ከም ገለ ሃንደፍ ኢሉ ዝመጽእ ሰብ ካብ መደባ ከይዕንቅፋ ስለ ዝሰግአት ድማ ነቲ ዘየላቡ ዕማም ክሳዕ ትፍጽም ዕላል ኣይተራእያን። ግዜ ክትቀትል ስለ ዘይደለየት ብመስኮት ዝኣተወ ንፋስ ነታ ጋህ ኢላ ዝነበረት ማዕጾ ምሰ ኣገፍተና ቀሲና ኣብ ዓራት ኣራጢጣ ኮፍ በለት።

ካብቲ ዝተዓዃለለ ጸጒራ ገለ ክፋል ፈንጪላ በጻብዕታ ክትጠዊ ጸኒሓ፡ “ካስትሮ’ኳ ብመጻሕፍቲ ክትጽለል ኢኻ፡ ክንደይ ይዓቢ መጽሓፍ ኢዩኸ ወደይ?” እናበለት ነታ ሒዙዋ ዝነበረ መጽሓፍ ብሜላ ካብ ኢዱ ወሰደታ።

ማዕረኣ ኮፍ እናበለ፡ “እዋይ’ዛ ቦቴጐ፡ ሰብ’ዩ ዘጸልል’ምበር መጽሓፍ ደኣ ካብ መዓስ ከጸልል ርኢኺ?” በላ ብፍሽኽታ። ኣዒንቱ ናብታ ላዕለዎት መላጕማ ተፈቲሑ ኣጡባታ ብመጠኑ ዝርአየሉ ዝነበረ ክፋል ካምቻኣ ቀኒዐን ነበራ።

“ካስትሮ ደኣ መልሲ ክጠፍኣካ። መጽሓፍ ግን ህይወት ከም ዘይብሉ ፍለጥ! ድሩቕ ነገር’ዩ። ማዕረ ሰብ ክትሰርዖ ድማ ኣይትኽእልን ኢኻ፡” ኢላ ብጎቦ ዓይና ጠመተቶ። ሰባባት ኣዒንቲ’የን ነይረናኣ።”

“ክበዝሕ የብሉን’ምበር መጽሓፍ ምንባብስ ኣይትጽልኢ ደኣ፡ እዚ ዅሉ ናይ ቦቴጐ ተማሃሪት ኔርኪ እናበልናክስ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ሎሚ’ኳ ማራ ተበሪሁኪ ዘሎ ኢኺ ትመስሊ፡” በላ እናሰሓቐ።”

ብዘረባኡ ክምስ ድሕሪ ምባል፡ “ማማ ሚያ! ናይ ሎሚ ሃሩር ልበይ ኣጥፊኡለይ’ዩ ውዒሉ። ትሮፖ ከቢዱኒ ነፍሰይ ጸሊአ ነይረ። ሰብነተይ ተሓጺበ ቍሩብ ስዋ ምስ ሰተኹ ግን ፍሬስኮ ኮይነ። ናይ ሎሚ ስዋ ኸኣ ቤላ እያ፡” ኢላ ነታ ሒዛታ ዝነበረት መጽሓፍ ኣብ ቅድሚኣ ኣብ ዝነበረ ጠረጴዛ ሰው ኣበለታ።

ካስትሮ ነታ መጽሓፍ ከም ብሓድሽ ኣልዒሉ፡ ነታ ሒዙዋ ዝነበረ ወረቐት ኣብታ ዝበጽሓ ገጽ ኣእተዋ። ከቐምጣ እናበለ ከሎ፡ “እስኪ ናይ መጽሓፍ ናይ ገለ ገዲፍካ ጠጥዑሙ ኣዕልለና በጃኻ። ከምኡ ኢልካ ቁም ነገር ጥራይ መኘኽ ክትብል? ድሌት ብጾትካ ቍሩብ ኣብ ግምት ኣይተእቱን ዲኻ?” በለቶ ሕጂ’ውን ክምስ ብምባል ከብዲ ኢዳ ኣብ ልዕሊ ሰለፉ እናንበረት።

ሰሰሪቑ ናብተን ብረጂ ተጠሚረን፡ ላዕለዋይ ክፋለን ዝርአ ዝነበረ ንካምቻኣ ገቲረን ሒዘን ዝነበራ ኣጡባታ እናጠመተ፡ “መጻሕፍቲ ካብ ገለ ሰባት ከም ዝሕሹ ትፈልጢዶ ቦቴጐ?” ኢሉ ክምስ በላ።

ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኺባ፡ “ጊስ! እዝስ ከኣ ዘይሓፍር!” ኢላ ብኽልተ ኣእዳዋ ነው ኣበለቶ። ኮነ ኢላ ዝፈጸመቶ ተግባር’ዩ ነይሩ። ካስትሮ ንድሕሪት ዕልው ኢሉ ኣብ መተርኣሱ ዓለበ። ኣብ ፊቱ ዝነበረት መብራህቲ ኣብ ግንባሩ ተንጸባርቕ ነበረት። ክሽዅ ከይተረድኦ ናብ ፍርቂ ሰለፉ ስለ ዝተሳሕበ ናብ እግሩ ሸነኽ ድፍእ ኣበሎ። ቦቴጐ ንመድፈሪ ዝኾና ስዋ ሓንፊፋ’ኳ እንተ ነበረት ህርመት ልባ ናህሪ ምውሳኹ ኣይተረፎን። ናይ ፍርሒ ዘይኮነ ግን ናይ ሃንቀውታን ተርባጽን።

ግዜ ክተጥፍእ ስለ ዘይደለየት፡ ዝጀመረቶ ኣርእስቲ ገዲፋ ክትስዕሞ ዝሓሰበት ክትመስል ናብ ካስትሮ ድንን በለት። ኣብ ሸነኽ ግንባሩ ዝነበረት ንእሽቶ በሰላ በጻብዕታ እናዳህሰሰት፡ “ስማዕ’ስኪ ካስትሮ፡ ኵሉ ግዜ ክሓተካ እናበልኩ ርስዕ አብሎ። እዚኣ ጥይት ድያ ሃሪማትካ ወላ ናይ ቀደም’ያ?” ክትብል ተወከሰቶ።

ብብርኪ ኢዳ ኣብ ዓራት ተመርኵሳ ኣብ ርእሱ ተደፊኣ ስለ ዝነበረት፡ ናይ ኣስትራል ሳምና ሽታ ሃንገፍ በሎ። ማስቲካ ክትሓይከሉ ዝጸንሐት ኣፋ ናይ ባህታ  ስምዒት ክፈጥረሉ ከሎ፡ ንኣፍልቡ ተንኪፈን ዝነበራ ተረርቲ ኣጡባታ ኣብ ምሉእ ሰብነቱ ሕንዚ ፈነዋሉ። ዓትዒቱ ክደርዘን ክቱር ባህጊ ሓደሮ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ እተን ናይ ወይኒ ዘለላ ዝመስላ ልስሉሳት ከናፍራ ስዓመኒ እናበላ ዝዕድሞኦ ዘለዋ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ። ከይተረድኦ ከንፈሩ ክልምጥጥ ጀመረ። ኣብ ሓድሽ ኵነተ ኣእምሮ ኣትዩ ድምጹ እናጐተተ፡ “እዚኣስ ወዲ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ከለኹ፡ ብቺክለታ ሒዘ ኣብ ቍልቁለት ሰኒታ እናኸድኩ ከለኹ ፍሬኖ ምስ ተበትከኒ ዝወደቕኩዋ እያ፡” ዝብል ልኡም መልሲ ሃባ።

ተዓጢቓትሉ ዝመጽአት ጕዳይ ኣብ ኣፍደገ ዓወት ዝበጽሐ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ነታ ስክፍታ ዝፈጠረትላ መስኮት ብየማናይ ኢዳ ነው ኣቢላ ብምድፋእ ከም እትዕጾ ገበረታ። ስርሖም ክሳብ ዝውድኡ ወላ ሃሩር እንተ ተለቝመጹ፡ ካስትሮ መስኮት ክኽፈት ከም ዘይደልዮ ከም ጭቡጥ’ያ ወሲዳቶ። ኣይተጋገየትን ድማ። ስምዒቱ ምቍጽጻር ስኢኑ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ስለ ዝነበረ ንተንኰላ ከቶ ከስተውዕለሉ ኣይከኣለን። ኵሉ ብባህርያዊ ድርኺት ዝኸይድ ዘሎ ኮይኑ ጥራይ ስለ ዝተሰምዖ ኣየድሃበሉን። ምሉእ ሰብነቱ ሓዊ ተኣጒዱዎ ሓቝፉ ክስዕማ ተማትአ። ኵሉ ነገር ተሓዋዊሱዎ ግን ሕልናኡ ምእዛዝ ኣበዮ። ሕልሚ ድዩ ጋህዲ ምርዳእ ሰኣኖ። እቲ ነገር፡ ልክዕ ከም ሓደ ሰብ ኣብ ሰልሚ ምስ ኣተወ፡ ሓንቲ እግሩ እንተ ወጽአት እታ ካልኣይቲ ትተሓዝ ዓይነት ኮኖ። ኣብታ ሓጺር ህሞት ግን ካብ ዝኣተዎ መዋጥር ክወጽእ ብምሉእ ሕልናዊ ዓቕሙ ተጋደለ።

ኣብ መንጎ’ቲ ከም ሓያል ውሕጅ ክደፍኦ ዝጀመረ ወሲባዊ ስምዒቱን፡ ንዓመታት ዓቂቡዎ ዝጸንሐ እምነቱን ተቐርቂሩ እናዕለበጠ ከሎ ሃንደበት ሮዛ ቅጅል በለቶ። ምስኣ ዘሕለፎ ፍቕሪ ዝመልኦ ህይወት ከም ፊልም ሽው ኢሉ ብቕድሚኡ ክሓልፍ ተራእዮ። ምስ ሮዛ ክፈላለዩ ከለዉ፡ “ኣብ ቃልሲ ጽንዓት፡ ኣብ ቃልኪዳን እምነት ወሳኒ’ዩ፡” ዝበላ ቃላት ኣብ ኣእምሮኡ ክዅሕኩሓ ጀመራ። ንብዓት ሮዛ ኣብ ኣፍልቡ ጸረር ዝበለ መሲሉዎ ክደርዞ ኢዱ እንተ ሰደደ ንቕልጽም ቦቴጐ ተንከፈ። ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ኮይኑ፡ ሓቝፉ ክስዕማ ዝዳሎ ዘሎ መሲሉዋ ሓጐሳ ምጽዋር ስኢናቶ በተን ጸባ ዝመስላ ኣስናና ፍሽኽ በለት። ወሲባዊ ስምዒታ ከም ቅጽበት ሰማይ ዓሪጉ ሰብነታ ብረስኒ ናብ መጋርያ ተቐየረ። ቅድሚ ምስላፋ ኣዕሩኽ ነይሮማ እዮም። ወሲብ ግን ፈጺማ ኣይትፈልጥን ነይራ። ስለዚ፡ ነቲ ፈላሚ ዝበለቶ ስጋዊ ርክብ ክትፍጽም ምሒር ተሃንጠየት።

ካስትሮ፡ ካብ ብርቱዕ ድቃሰ ብስንባደ ባህሪሩ ከም ዝተበራበረ ሰብ ብድድ በለ። ሃንደበታዊ ምንቅስቓሱ ደንጽዩዋ፡ “ኢሂ ካስትሮ ደሓን ዲኻ? እንታይ ሰሚዕካ?” በለቶ። ካልእ ኣይሓሰበትን፡ ድምጺ ሰብ ዝሰምዐ ጥራይ መሲሉዋ ንገለ ካልኢታት ኣእዛና ክትጸልው ፈተነት።

“ኣገዳሲ መልእኽቲ’ንድየ ረሲዐ። ካልእ ግዜ ክነዕልል ቦቴጐ፡ ነፍሲ ስኩዛ፡” ኢሉዋ ካብ ዓራቱ ብድድ ኢሉ ድሕሪ ምውራድ፡ ዘረባ ከይወሰኸ ስረኡን ካምቻኡን ድሕሪ ምኽዳን ንኸምስል ናይ መልእኽቲ ጥራዝ ኣልዓለ።

መደባ ፈርከሽከሽ ኢሉ ክፈርስ ዝተራእያ ቦቴጐ ሓወልቲ ክትመስል ኣብ ዝነበረቶ ፈዚዛ ተረፈት። ኵምትር ኢላ ኣብ ዓንዲ ጨው ተቐየረት። ብረስኒ ተወሊዑ ዝነበረ ኣካላታ ብርትዕቲ ዓሶ ከም ዝሓዘቶ ሰብ ቅጽበት ኣብ በረድ ተቐየረ። ቻው ከይበለቶ መሽኰት ኢላ ብምውጻእ ከኣ ርእሳ ኣድኒና ትኽ ኢላ ኣብ ስግር ማዕዶ ናብ ዝነበረ ቦታኣ ተዓዝረት።

ይቕጽል  . . . . . .

መበል 100 ክፋል ዝመጽእ  ዝመጽእ   ሰንበት

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ክንዮ’ት ስደት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?