Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on November 12, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 97 ክፋል

ጸላኢ ሓርነት ባረንቱ ጠሪሹ ስለ ዘይተዋሕጠሉ ኣሎ ዝብሃል ሰራዊቱ ገፋፊጡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ንኽመልሳ ዝከኣሎ ፈተነ። ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንመጥቃዕቲ ጸላኢ ንምፍሻል መሪር ምርብራብ እናካየደ ከሎ መዓስከር መራፊት ኣብ ተዛማዲ ህድኣት ነበረት። ብሰንኪ ኣብቲ ወርሓት’ቲ ዝኽሰት ነበልባላዊ ሙቐት፡ ብፍላይ ካብ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ክሳዕ ሰዓት ኣርባዕተ ናይ ቀትሪ ዘሎ ግዜ፡ ነፍስወከፍ ሰብ ነቲ ካብ ሰብነቱ ዝነዝዕ ዘይተኣደነ ረሃጽ ንኽትክእ ዘይተኣደነ ማይ ኣብ ርእሲ ምስታይ፡ ካብቲ መፈጠርካ ዘጽልእ መግሃር ዝኾነ ሙቐት ንኽድሕን ኣብ ዝረኸቦ ጽላል ይዕቈብ።

ካስትሮ፡ ወርሓት ሃሩር ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ኣንጊሁ ብምትሳእ ስርሑ ይጅምር። እዋን ቍርሲ ምስ ኣኸለ፡ ሻህን ባንን ኣረማሲሱ ኣብ ስርሑ ብምምላስ፡ ቤትጽሕፈቱ ማይ ባህቢሁ ከም ብሓድሽ ስርሑ ይቕጽል። ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ገበላ ምግብና ንርብዒ ሰዓት የዕልል። ብፍላይ ድሕሪ ቐትሪ፡ ካብ ባሕሪ ዝብገስ ጥዑም ንፋስ ስለ ዘሎ ብዙሓት ኣባላት’ዮም ኣብ በረንዳ ምግብና ኣጣጢሖም ዘዕልሉ። ኣብቲ ቦታ ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ፡ ሓደስቲ ፍጻሜታት ዓለም፡ ዋዛ ምስ ቁምነገር ዝምርኰስ ዕላላት ስለ ዝለዓል እንተ ዘይገይሾም ኵሉ ግዜ ካብቲ ቦታ ዘይፍለዩ ፍሉጣት ሰባት ነይሮም። ካስትሮ’ውን ሓደ ካብኣቶም ነይሩ። ዝበዝሕ ግዜ ተረካብ ዘረባታትን ዋዛታትን ሰሚዑ ሓንጐሉ ከሕድስ ከሎ፡ ሓደሓደ ግዜ ኣብ ነዊሕ ፖለቲካዊ ክትዕ ይጽመድ። ጸጸኒሑ ድማ ንሓፈሻዊ ፍልጠት ዝምልከት ክትዓት ክለዓል ከሎ ሓበሬታ ብምልጋስ እጃሙ የበርክት።

እቲ ግዜ ግን ኵሉ ግዜ ብኸም’ዚ ይሓልፍ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። በጋጣሚ ብዛዕባ ውላድ ወይ ስድራቤታዊ ሕቶ ክለዓል ከሎ፡ ሮዛን ፍረወይኒ ጓሉን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኵድም ስለ ዝብሎኦ ብሓሳብ ሃጽ ኢሉ ይገይሽ። ዓሰርተ   ዓመት ካብ ተፍቅራ በዓልቲቤትካን ርኢኻ ዘይጸገብካያ ውላድካን ተፈሊኻ ምንባር ቀሊል ብድሆ ኣይኮነን። ከም ሰውራ መጠን ትጽመም፡ ክትርስዖ ትፍትን። ጸጸኒሑ ብልጭ ምባሉ ስለ ዘይተርፍ ግን ነፍስኻ ምትላል’ዩ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ብድድ ኢሉ ንሶቬቱ ብምኻድ ኣብ ፖርትሱዳን ዝነብሩ ገለ ብጾት ዝሰደዱሉ መጽሓፍ እናንበበ ክድቅስ ይፍትን። መጽሓፍ ገንጺሉ ከንብብ ምስ ጀመረ ግን ኣብ ሓንቲ መስመር ጥራይ ካልኢታት የጥፍእ። ኣእምሮኡ ሕምብሊል እናበለ ሓሳቡ ምጥርናፍ ስለ ዝኣብዮ፡ ከይፈተወ ሬድዮ ወሊዑ ይድቅስ። መሬት ጠለስ ምስ በለ፡ ከም ሰቡ ሻሂ ክሰቲ ንምግብና የምርሕ። ድሕሪኡ ድማ ኣብ መንጎ ንድራር ጥራይ ተሲኡ ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ስርሑ ይቕጽል። ንፖርትሱዳን ወይ ንሜዳ ጦፍ እንተ ዘይከይዱ፡ ወይ ብፍሉይ ኵነታት ናይ መርዓ፡ ናይ ሓባር ምሸት፡ ኣኼባ ወይ ሰሚናር እንተ ዘይተዘናቢሉ እዚ ከም ልሙድ ወይ ንቡር ህይወቱ ክግለጽ ይከኣል።

ካስትሮ፡ ከም ባህሪ ብዛዕባ ነፍሱ ዘይዛረብ፡ ዕላላቱን ዋዛታቱን ድሩት፡ ያዕያዕን ፋይዳ ዘይብሉ ክትዕን ዘይፈቱ፡ ዝበዝሕ ናይ ዕረፍቲ ግዜኡ ኣብ ምንባብን ሬድዮ ምስማዕን ከሕልፎ ዝፈቱ ሰብ ብምንባሩ፡ ኣብቲ መዓስከር ብዘይካ ወዲሸቃ ብዛዕባ ማሕበራዊ ኵነታቱ ወይ ደርባዊ መበቈሉ ዝፈልጡ ኣዝዮም ውሑዳት ነይሮም ክብሃል ይከኣል። ካልእ ይትረፍ ኣብ ቤትትምህርቲ ፖይንትፎር ከም ዝተመረቐ ዝፈልጡ በጻብዕ ዝቝጸሩ ጥራይ ይቝጸሩ ነይሮም።

ኣብቲ ቅንያት’ቲ ድሕሪ ምሳሕ ኣብ ገበላ ምግብና እናዕለለ፡ ከሎ ሓደ ኣብ ከተማ ዝፈልጦ ተዋዛያይ ወዲ ዓዶም፡ “ኣታ ወዲግራዝማች! ኣብዚ ዲኻ ዘለኻ?” እናበለ ሰዓሞ። “እዋይ ማርያም ኣደይ! እኒ’ስኻ ደኣ ደቂ ቡርጅዋ በረኻ ክትወጽኡ መን ሓሲቡኩም! ሰውራ ንገለ ስደት ንገለ ልደት ክብል ወዲበርሀ ዓርከይ ሓቁን’ድዩ፡” በለ ብዓውታ። እቲ ዝሰምዖ ዝነበረ እኩብ ሰብ ኵሉ ብሓባር ሰሓቐ። ክዛረብ ከሎ ብፍጥረቱ ዓውዓው በሃላይ’ዩ ነይሩ።

“ኣየ ሰውራ! እዚ ትርእዩዎ  ዘለኹም ነስመራ ብቦሊስባገን ክረግጻ ኸሎ እንተ ትርእዩዎ! ሕጂ ክሹኽ ተዓጢቑ ክትርእዮ ከለኻ ሓደ ሕሉስ ይመስል፡” ኢሉ ንበይኑ ካርካር ኢሉ ሰሓቐ። “ኣልመኖ እኒ’ነ ፈሳዊት ደርሆ ዘይብልና እንተ ተሰለፍናስ የምሕረልና ይኸውን። ናይ በዓል ንስኻኸ እንታይ ክበሃል’ዩ? ብዝኾነ ብመውጋእቲ ዝሓለፈልካ ዕድለኛ ኢኻ። መራፊት ከኣ ኣየር ኣይትመጽኦ ፈንጂ የብሉ፡ ኣብዚኣ ክልተ ፊሎ እናላገብካ ኮፍ በል፡” በሎ። ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ክሰምዑዎ ዝጸንሑ ካብ ደርዘን ዘይውሕዱ ብጾት ብሰሓቕ ተተኰሱ። እቲ ብጻይ መኪና ከዕሪ ንመራፊት ስለ ዝመላለስ ጽቡቕ ገይይሮም’ዮም ዝፈልጡዎ።

“ስማዕ’ስኪ ተፋናተት፡ ንሰበይትኻ ናይ ክልተ ወርሒ ቀለብ ገዲፍካላ ከም ዘይመጻእካ ከመይ ኢልካ ኢኻ ሕጂ ሰውራ ተረዲኡካ ዝተሰለፍካ ሸቃላይ ክትመስል ትፍትን ዘለኻ?” በሎ ሓደ ካብ ሰማዕቲ። ቅድሚ ኣብ ኮሚሽን ህንጻ ምምዳቡ ኣብ ሓይልታት ዝፈልጦ እዩ።

“ወዲጥሮታ ኸኣ ግደኻ’ምበኣር ጌርካ? ኣነስ ሕራይ ኣይሕስወልካን’የ፡ ወዲገብሩ፡ ‘ብቶከር ሓሊፉ ኢሎማ ሻሽ ተዓሚማ፡’ ምስ በለ እየ ተሰሊፈ። ንስኻ ግን ኣቦኻ፡ ‘እዞም ደቅና ንዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት እንተ ተዋጊኦም እዘን ሕቡራት መንግስታት መጺአን ንሃይለስላሴ ዓድኻ ተመለስ ክብሎኦ’የን፡’ ኢሉ ከዕልል ምስ ሰማዕካዮ’ንዲኻ ተሃንዲድካ ዝወጻእካ። ክተዛርበኒ ኢኻ ደሊኻ? ግደፍ ንሰታተር። ኣብ ሓይልታት መገብኩ፡ ሓመምኩ እናበልካ ሓሊፍካያስ ኣንኮራ ትዛረብ ኣለኻ’ታ ሓምቦቝጣ!” ንበይኑ ካርካር ኢሉ ሰሓቐ።

“ኣየ ተፋናተት! እዛ ኣብ ጭርቃን እትነውሕ መልሓስካ ኣብ ፖለቲካ ከምኡ እንተ ትኸውን ነይራ ናይ ክፍሊ ህንጻ ኮሚሽነር ምኾንካ ኔርካ። መሳቱኻ ደኣ’ሞ ሰውራ’ንድዮም ዝመርሑ ዘለዉ፡ ከምኣ ኢልካ ክትድእል ጥራይ መሬት   ዓሪቡካ፡” በለቶ ብሓደ ጫፍ ኮይና ክትሰምዖ ዝጸንሐት ጓልመሓሪ። ኣብ መደበር ስንኩላን ከላ እትፈልጦ ኾይና ኣስናኑ ዝርው ኢለን ምስ ረኣየቶ ተፋናተት ዝብል ሳጓ ዘውጽኣትሉ ርጥብቲ ብጸይቲ’ያ።

“ንስኺ ደኣ ኣበይ ዘለኺ ሸንጓሕ ኢኺ ከምኡ ትብሊ? እዛ ትርእዩዋ ዘለኹም ኣብ እንዳ ባራቶሎ ብሰብዓን ሓሙሽተን ሳንቲም ንመዓልቲ እያ ትሰርሕ ነይራ። ሕጂ ገለ ውዱባት ናይ ጀብሃ ኣብ ኤርትራ፡ ‘ላምባ’ሎ፡ ኤርትራ ሓራ ምስ ወጽአት ካብ ናይ ወደባትና ኣታዊ ጥራይ ነፍወከፍ ሰብ ከይሰርሐ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ንወርሒ ክኽፈልዩ፡” ምስ በሉዋ ሓቂ መሲሉዋ ሃፍ ኢላ ናብ  ጀብሃኣ። ኣብ ጀብሃ ግን ኣይጠዓማን። ጽብቕቲ እንተ ትኸውን ነይራ ወይ ሓለፍቲ ምተመርዓዉዋ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ምሃለወት። ኣብ ጀብሃ ክንደይ ማርያም ዝመስላ ደቂኣንስትዮ እየን ነይረን። እዚኣ ግን ጀበና ኣደይ መዘንግዕ ትመስል ኮይናቶም ቍሊሕ ምባል ምስ ኣበዩዋ፡ ‘ሻዕቢያ ትብሃል መሰል ደቂኣንስትዮ ትሕሉ ገስጋሲት ውድብ ኣላ፡’ ክብሉ ሰሚዓ ምስ’ዞም ፋሉል መጺኣ፡” ድሕሪ ምባል፡ “ብፖለቲካ እንተ መጺእኪ ኸኣ ስጋ’ቦይ ኢለ ካባኺ ዘይሓምቕ!” በላ።

ዘረባኡ ቅጭጭ ኣይበላን። “ስለምንታይ ክልተ ኮሪያ?” ምስ በለቶ እቲ ዘረባኦም ክሰምዕ ሆጭ ኢሉ ተኣኪቡ ዝነበረ ሰብ ሰሓቑ ፈነዎ። ተፋናተት ከም ዘይክእላ ፈሊጡ፡ “ኦፋ! ንኺድ በጃኻ፡ ምስ ክንደይ መልሓሰን ካብ ዒላ ማይ ዘገልል ለውላዋት ክንዛረብ ኢና። ብፍላይ እዛ ጓል’ዚኣ እኩብ ሰብ እንተ ርእያ ዘረባ ካብ ገለ’ያ ተምጽኦ!” እናበለ ንካስትሮ ብጕምቦ ኢዱ ሒዙዎ ከደ።

ገለ ካብቶም ኣብ ገበላ ተኣኪቦም ሻሂ ዝሰትዩ ዝነበሩ ብዘረባኡ ድሕሪ ምስሓቕ፡ “ተፋናተት፡ ስለምንታይ ክልተ ጀርመን፡ ስለምንታይ ክልተ ቬትናም?” በሉዎ። ተፋናተት ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ስለምንታይ ክልተ ጀርመን ወይ ክልተ ኮርያ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ከምዚ ሽማንጉስ ታሕታይን ሽማንጉስ ላዕላይን እዩ ኢሉ ስለ ዝመለሰ ብዙሓት ሰባት’ዮም ዝጨርቁሉ።

ኣብ ናይ ካስትሮ ሶቬት ምስ ኣተው፡ ኣብ እንዳ ህዝቢ ተዓቝቦም ዘለዉ ደቂዓዶም፡ ዘለዉን ዝተሰውኡን ተጋደልቲ፡ ገለ ካብኦም ካስትሮ ዝፈልጦም ገለ ዘይፈልጦም ክዝርዝረሉ ጀመረ። ቀጺሉ ንወጻኢ ዝኸዱ፡ ዝሃብተሙ፡ ዝደኸዩ፡ ዝተኣስሩ፡ ዝሞቱ. . . ኣዕለሎ። ካስትሮ ነቲ ዅሉ ሓበሬታ ካበይ ከም ዝኣከቦ ገሪሙ ዎ፡ “እዚ ዅሉ ኣኽባር ግን ካበይ ረኺብካዮ?” ክብል ሓተቶ።

“ሰበይተይ ኣብ እንዳ ህዝቢ እያ’ኮ ዘላ። ካብ ሓይልታት ይኹን ካብ ክፍልታት ዝመጽአ፡ በስመራ ዝመጽአን ብደገ ዝኣተወን ኣብኡ ከይተኣልየ ስለ ዘይሓልፍ ዝኾነ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ዜና ኣብኡ እዩ ዝጸንሓካ።”

ዕላሎም ከይወድኡ፡ “ተፋናተት!” ዝብል ድምጺ ሰምዐ። “በል ጽዊዖምኒ፡ ደሃይ መኪናይ ክገብር። ኣብ ምላሸይ ብሰፊሑ ከዕልለካ’የ፡” ኢሉ ተፋነዎ።

መበል 98  ክፋል

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleኣደን ወድን
Next Article ቀቲልክኒ ሙቲ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?