Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, March 10, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on July 29, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል(ሃንችባክ)

መበል 80 ክፋል

ጸላኢ፡ ንሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብሸነኽ ማዕሚደ ንምኽባብ ዝገበሮ ቀቢጻዊ ፈተነ ተቐርሲሙ ምስ ተረፈ፡ ኣብ ቈጋይን ዓገምቦሳን ዓሪዱ ንዝነበረ ሰራዊት ደፊኡ ናብ ደጀን ንምእታው ሓያሎ ፈተነታት ኣካየደ። ምስላጥ ምስ ኣበዮ ኣብ ማርሳ ተኽላይ ሰራዊትን ኣጽዋርን ብምርጋፍ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ሓድሽ ግንባር ከፈተ። ሰራዊት ህግሓኤ ድማ ምስ ኵነታት ጸላኢ ብምትዕጽጻፍ ካብ ዝነበሮ ቦታ ኣዝሊቑ ኣብ ጎቦታት ደንደንን ሰሜናዊ ሳሕልን ክዓርድ፡ ነቲ ሓድሽ ግንባር ዝኸፈተ ሓይሊ ጸላኢ ኸኣ ጽኑዕ መከላኸሊ ዕርዲ ሒዙ ክምክቶ ግድነት ኮኖ። እዚ ንህዝባዊ ግንባር ኣየሰናበዶን። ከሎ ገና ኣብ ግምት ኣእትዩዎ ስለ ዝጸንሐ፡ ድሮ ነቲ ኣብ ማህሚመትን ከባቢኡን ዝነበረ ብርክት ዝበለ ንብረት ውድብ ናብ ሓሊበትን ዓራግን ኣግዒዙዎ ነይሩ እዩ። ጸላኢ ንሓጺናዊ ዕርዲ ሰራዊት ህግሓኤ ሰንጢቑ ንደጀን ክኣቱ’ኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ብሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ይግለጽ ንዝነበረ ንኣገዳስነት ምዝላቕ ዝምልከት ጐስጓስ ብምንሻው፡ “ወንበዴታት ኣብ ባሕሪ ክሳብ ዝኣትዉ ኣዝሊቕና ክብሉ እዮም፡” እናበለ በሽካዕላል ዓገግ ይብል ነይሩ። ህዝቢ ኣቀማምጣ መሬት ንዝፈልጥ ግን ሰራዊት ደርግ ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ሰራዊት ህግሃኤ ድማ ኣብ ውሽጢ መሬት ዓሪዱ ከም ዝነበረ ክርዳእ ቀሊል ነይሩ። እቲ እንኮ ኣማራጺ ንሱ ስለ ዝነበረ፡ ቅኑዕነት ምዝላቕ ምስ መድረኽ ከም ዝረጋገጽ ጽኑዕ እምነት ተጋዳላይን ህዝቢ ኤርትራን ነይሩ።

ርግጽ’ዩ እቲ መድረኽ ንህዝባዊ ግንባር ይኹን ንህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ጽንኵር መንባሩ ርዱእ ነይሩ። ኣብ ርእሰ’ቲ ወተሃደራዊ ጸቕጢ፡ እቶም ዝርካቦም ምስ ሰውራ ኤርትራ ዝደናገጹ ዝነበሩ ናይ ከባቢ ሓይልታት ከይተረፉ፡ ሰውራ ኤርትራ ዘብቅዐ መሲሉዎም፡ “ደጊም ሰውራ ኤርትራ ዝብሃል ነገር የሎን። እንኮ ምርጫኡ ውሽታዊ ምምሕዳር ምቕባል ጥራይ’ዩ፡” ብምባል ምስ ደርግ ክቈማጥዑ ጀሚሮም ነይሮም።

ኣድሃርሃርትን ብጥቕሚ ዝተታለሉን ጭቍናት ደቂሃገር ብወገኖም፡ ንህዝቦም ብምኽዳዕ ምስ ደርግ ተጸጊዖም ህዝቢ ከበሳብሱን ብውሑድ ቍጽሪ ንዝንቀሳቐሱ ኣሃዱታት ህግሓኤ ክተናዀሉን ብቓጻ ከጥቅዑን ጥራይ ዘይኮነ ንሓፋሽ ውድባት ከቃልዑ’ውን ተራእዮም። ብዙሕ ሚዛን ዝወሃቦ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ገለ ፍናኖም መሬት ዝዘበጠ ተጋደልቲ ከይተረፉ ብረቶም ደርብዮም ንሱዳን ክስልሙ ከለዉ፡ ሃሃሊፎም ብረት ሰውራ ተሓንጊጦም ናብ መዓስከር ጸላኢ ዝኸድዑ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣመንቲ ውድብ ጸኒሖም ቀበሌታት ደርግ ኣብ ምህናጽ ዝተጓየዩ ተንበርከኽቲ’ውን ብዙሃት ነይሮም።

ህግሓኤ፡ በቲ ገዚፍ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ጸላኢ ኣይተዳህለን፡ ብፖለቲካዊ ውዲታቱ’ውን ኣይተደናገረን። ኣብቲ ዓለም ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዓን ጸማም እዝኒ ሂባን ዘጽቀጠትሉ እዋን፡ ሰብኣዊ ሓይሉን ቍጠባዊ ዓቕሙን ጠርኒፉ መሰረት ህላዌኡ ዝኾነ ደጀን እናኣደልደለ፡ ከበድቲ ወራራት ጸላኢ ብምፍሻል ቀጻልነት ሰውራ ኣረጋጊጹ። ሓደ ዓመት ድሕሪ ዝወሰደ ምርብራብ ከኣ ሰራዊት ህግሓኤ፡ ኣብ መፈለምታ ሰማንያ ዓመተ ምህረት ኣብ ግንባር ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ናይ ገዛእ ርእሱ ተበግሶ ብምውሳድ ኣብ ዝፈነዎ ደምሳሲ መጥቃዕቲ ብቐሊል ዘይግመት ከበድቲ ኣጽዋር መንዚዑ። ንሰራዊት ጸላኢ ፋሕ ብትን ብምእታው ከኣ ምሩኽን ቍሱልን ገይሩዎ። ልዕሊ ዅሉ ግን ንጸላኢ ኣብ ዘድልዮ ግዜን ቦታን ከጥቅዖ ከም ዝኽእል ብግብሪ ብምምስካር፡ ስርዓት ደርግ ኣብ ወተሃደራዊ ስትራተጂኡ ከም ዝጠራጠርን ዳግመ ገምጋም ክገብርን ኣገዲዱዎ። ስለ ዝኾነ ሰራዊት ደርግ ወተሃደራዊ ንጥፈታቱ ኣብ ተዛማዲ ድስካለ ኣተወ። ደጀን ህግሓኤ ድማ ተዛማዲ ህድኣትን ቅሳነትን ሰፍኖ።

እዚ ኵሉ ክከውን ከሎ ካስትሮ ኣብ ክፍሊ ቍጠባ ጨንፈር ኢደስራሓት ተመዲቡ ከም ነፍስወከፍ ተጋዳላይ ዓቕሙ የበርክት ነበረ። ኢደስራሓት ከም ካልኦት ኣሃዱታት ደጀን ኣብ ሃልከትከት’ዩ ጸኒሑዎ። ጸላኢ ናብ ደጀን ኣትዩ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዘየነበረ ክገብሮ ይሕልን ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ በዓል ሰበርቀጠ፡ ብሌቓት፡ ፋሕ ዝነበረ ትካላት ውድብ፡ እንተላይ ኣብ ደብዓት ዝነበረ መደበር ዕቝባት ናብ ዝተኣማምን ቦታ ክግዕዝ ግድነት ነይሩ። ኣብ ኢደ ስራሓት ዝነበረ ኣብ ትሕቲ መሬትን ስንጭሮታትን ዝኣተወ ኣዝዩ ኦኣበይቲ ማሺናት ብዘይ ክሬን፡ እሞ ከኣ ብለይቲ ተጻዒኑ ክብሉኻ ከልዉ ብሓቂ ምእማኑ የጸግመካ።

ልኮ ካስትሮ ንራሕባ ኣብ መጽኣሉ እዋን፡ ንብረት ኢደስራሓት ካብቲ ፋሕ ኢሉዎ ዝነበረ ቦታታት ብመንገዲ ባቡርን ብጕልበት ሰብን እናተጻዕነ ንሱዳን ይግዕዝ ነበረ። ጸላኢ መንገዲ ቃሮራ ከዮኣጸዎ ከሎ ንብረት ህግሓኤ ንሱዳን ክሰግር ስለ ዝግብኦ፡ እቲ ስራሕ ትንፋስ ዝህብ ኣይነበረን። ኣብ ሓደ ቦታ ዘሎ ንብረት ምስ ተወድአ ናብ ካልእ ምቕጻል ግድነት ነይሩ። ብፍላይ ኣብ እምባልቆ ዝነበረ ንብረት ካብ ተቐቢሩዎ ዝነበረ ቦታ ኣውጺእካ ክትጽዕኖ ምስ ሓለፈ ቀሊል ይመስል ይኸውን። መግለጺ ዘይርከቦ ኣዝዩ ከቢድ ዕማም ከም ዝነበረ ግን ኣብቲ ስራሕ ዝተዋስኡ ሰባት ጥራይ’ዮም ዝርድኡዎ።

ካስትሮ ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ኣብቲ ጽንኵር ስራሕ ስለ ዝተጸምደ፡ ምሉእ ለይቲ ምስ ብጾቱ ስርሕ ሃዲሩ ኣጋ ጽባሕ ይድቅስ። ሓደ ሓደ ግዜ ድቃስ መሪጹ ሻሂ ከይሰተየ የርፍድ። እቲ ዝርካቡ ምግቢ ንባዕሉ ምስቲ ከቢድ ስራሕ ዘይዳረግ እንደምነሽ እዩ ነይሩ። ኣቓልቦ ካስትሮ ይኹን ብጾቱ ግን ኣብ ምዕዋት’ቲ ዕማም ስለ ዝነበረ ብብጻያዊ መንፈስ እናተጨራረቑን እናሰሓቑን ካብ ምስራሕ ሓሊፎም ብዛዕባ ካልእ ሓሲቦም ኣይፈልጡን ነይሮም። እግሩ ቃንዛ ክትገብረሉ ከላ ተጸሚሙ ሓዀት ክብል ይሓድር። ሓደ ሓደ ግዜ የማነይቲ እግሩ ህስይቲ ምዃና ረሲዑ ማዕረ’ታ ጥዕይቲ እግሩ ይረግጸላ’ሞ ደው ምባል ትከልኦ። እቲ ዝነበረ ጽንኵር ኵነታት ንዅሉ ዘረስዕ እዩ ነይሩ። ሓሊፉ ግን!

*        *        *

ይቕጽል

ምዕራፍ 11 መበል 81 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 2 ነሓሰ

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ምስትምቓር ተዋሰብቲ ግጥምታት
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?