Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, May 12, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on July 8, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 74 ክፋል

ካስትሮ ከም ልማዱ ወጋሕታ ተበራበረ። ኣብ ጥዑም ድቃስ ከም ዘላ ተዓዚቡ ቍሩብ ክትድቅስ ሓደጋ። ሰዓት ሽዱሽተ ምስ ኣኸለ ጸሓይ ከየርከበን መታን ክብገሳ፡ “ሮዛ፡” ኢሉ ነውነዋ።

ብብዕግግታ፡ “ወጊሑ ድዩ ሰሌ ሓወይ?” በለቶ ዓይና እናሓሰየት። ሰዓታ ርእያ፡ “ገና ሰዓት ሽዱሽተ እዩ’ኮ ዘሎ። ሰዓት ሸውዓተ ክሳዕ ዝኣክል በጃኻ ሕቝፍ ኣቢልካኒ ደቅስ፡” ኢላ ኣብ ግንባሩ ሰዓመቶ።

“ቈሪስክን ጸሓይ ከይመረረት’ባ ክትብገሳ፡” በላ። ሕልናኡ ግን ኣብ ክልተ ተመቒሉ ነበረ። በቲ ሓደ ድሌታ ከማልእ፡ በቲ ካልእ ድማ ካብ ጕዕዞኣ ከይትተኣጓጐል ተሰኪፉ። ኣብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ናይ ምፍልላዮም ግዜ ንዘልኣለም ዘይትርስዖ ኣሉታዊ ስምዒት ከይተሕድር ተሰኪፉ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ኣማራጺ ብምእታው ንጡፍ ግብረ መልሲ ኣርኣያ። ንገለ ደቓይቕ ንዅሉ ነገር ረሲዖም ዝኾነ ቃል ከየውጽኡ ክሰዓዓሙን ክደራረዙን ጸኒሖም፡ ንመወዳእታ ግዜ ውዕዉዕ ወሲብ ኣብ ምፍጻም ኣተዉ። ኣብታ ክፍሊ ድማ ብዘይካ ትንፋሶም ድምጺ ዝብሃል ጠፍአ።

ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ምስ ኣኸለ ካስትሮ፡ “ንተንስእ ሮዛ፡” እናበለ ካብ ንእዲ ብምውራድ ክዳውንታ ሰው ኣቢሉላ ንሱ’ውን ክኽደን ጀመረ። ሮዛ ክትትስእ ድሌት ኣይነበራን። ካስትሮ ትርር ኢሉ ምስ ገንሓ ግን ማእደድ እናበለት ክዳውንታ ተኸዲና ካብ ንእዲ ድሕሪ ምውራድ ገጻ ተሓጽበት። ገለ ኣቕሓ ከይትርስዕ ተሰኪፋ ነታ ክፍሊ ብዓይና ኰሊላ ድማ ከይፈተወት ገፈፍ እናበለት ደድሕሪኡ ሰዓበት። ተመራሪሖም ኣብ ህድሞ ክኣትዉ ከለዉ፡ ድሮ ጸሓይ በሪቓ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ ድማ ቡነን ሰትየን ጸንሖኦም። “እሂ’ታ ካስትሮ፡ ወጋሕታ ክትስእ’የ ኢልካ ከም ዘይፈከርካስ ከምዞም ቡርጅዋታት ኣስመራ ጸሓይ በጣዕጣዕ ክሳዕ ትብል በጥ ኢልካ ተርፍድ፡” በሎ ጫረ በተን ደቀቕቲ ኣስናኑ እናሰሓቐ።

ኣብ መንጎ ኣቶ በራኺ፡ ከመይ ኣለኻ’ታ ወዲሓውተይ፡ ብቐደማይ ተሃዊኸ’ንድየ ከየረከብኩኻ ከይደ፡” ኢሎም ክስዕሙዎ ስለ ዝጀመሩ ንጫረ ክምልሰሉ ዕድል ኣይረኸበን፡ ኣይተገደሰሉን’ውን። ቍርሲ ድሕሪ ምብልዖም፡ ሮዛ ንውሻጠ ኣትያ ክዳና ቀያይራ፡ ጸጕራ ጠቕሊላ ተመልሰት። ምብጋስ ድማ ኮነ።

ኣቶ በራኺ፡ “ንኺድ ጸሓይ ከይተርክበና፡ ምእንቲ ርእሱ ብጸሎት ኢና ንምለስ’ምበር ኣይግድን ኣቕቲርና ኣለና፡” ኢሎም በትሮም ኣልዓሉ። ሮዛን ካስትሮን ንዘረባኦም ተቐቢሎም ኣቐዲሞም ካብ ገዛ ወጽኡ።

ወ/ሮ ገብርኤላ፡ “በሊ ደሓን ቀንዪ’ዛ ጓለይ፡ ኣብ ካሕሳኺ የውዕለና። ከም ገለ ነስመራ እንተ መጻእኪ ግን ከይረኣኽና ከይትኸዲ፡” ኢለን ንምሕረት ገዝአን ሓቢረን ክፋነዋኣ ጸኒሐን፡ ናብ ሮዛ ቍሊሕ ብምባል፡ “ሮዛ፡ ሃየ’ባ ንምሕረት ደሓን ቀንዪ በልያ፡” ኢለን ዘምቢለን ኣልዓላ።

ሮዛ፡ “እዋይ! ከም ገለ’ንድየ ኣስጊለ፡” ድሕሪ ምባል ደጋጊማ ብምስዓምን ወ/ሮ ገብርኤላ ካብ ዝበልኦ ዘይፍለ ለበዋ ሂባን ተፋነወታ።

ኣብ መፈላለዪ ጽርግያ ክሳብ ዝበጽሑ፡ ኣቶ በራኺ ምስ ወ/ሮ ገብርኤላን ጫረን እናመርሑ ክጐዓዙ ከለዉ፡ ሮዛን ሰሌን ድማ እናዕለሉ ይስዕቡዎም ነይሮም። ካስትሮ ኣብ ግዜ ምፍልላዮም ሮዛ ንብዓት ከይስዕራ ሰጊኡ፡ “ስምዕኒ ሮዛ፡ ክንፈላለ ከለና ክተዅርዕኒ ኣለኪ። ከም ቈልዓ ሕንቕንቕ ኣይትበሊ በጃኺ። እናሰሓቕና ብፍሕሹው መንፈስ ንፈላለ፡” ኢሉ መዓዳ።

ጽርግያ ሒዞም ነዊሕ ምስ ከዱ ኣቶ በራኺ፡ “በሉ ሕጅስ ይኣኽለኩም። ንዓኻትኩም በዚኣ ትቐርበኩም፡” እናበሉ በትሮም ኣብ መሬት ተኺሎም ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው በሉ።

ሮዛ እታ ትፈርሓ ዝነበረት መራር ህሞት ከም ዝኣኸለት ተረድኣ። ንብዓት ክቘጽራ ዝጀመራ ኣዒንታ ብሓቦ ገቲኣ፡ “ቻው ሰሌ ሓወይ፡ ብጽቡቕ የራኽበና፡” ኢላ ደጋጊማ ሰዓመቶ።

ካስትሮ፡ ሮዛ ሓቦ ምግባራ ሓጐስ እናተሰምዖ፡ “እሞ ንፍሬታ ጓለይ ድማ ስ. .ዕ. .ም ኣብልለይ! ንኹላቶም ከኣ ሰላም በልዮም። ብጽቡቕ የራኽበና፡” ብምባል ተፋንዩ ንወ/ሮ ገብርኤላ ብተመሳሳሊ ስዒሙ ተሰናበተን።

ወ/ሮ ገብርኤላ ብወገነን፡ “በሉ ኣደይ ማርያም ጽላል ኣይትኽላእኩም። ጽኑዕ የርግጽኩም። ብሰላም ምጽኡና’ዞም ደቀይ፡” ኢለን ተፋነውኦም።

ካስትሮን ጫረን ኣብ ዝነበሩዎ ደው ኢሎም ካብ ኣዒንቶም ክሳዕ ዝርሕቃ ክጥምቱወን ጸኒሖም፡ ወተሃደራዊ ትእዛዝ ከም ዝተዋህቦም፡ ቃል ከየምለቝ ገጾም ገልበጡ። ካብ ጽርግያ ንየማን ተጠውዮም ከኣ ንድፋዕ ዝቘርጹላ ቀጣን መንገዲ ሒዞም ተጓዕዙ። ብህሉው ወተሃደራዊ ኵነታት ዝጀመሩዎ ኣርእስቲ እናሰፍሐ ብምኻድ፡ ናብ ኵነታት ሶማል፡ ምትእትታው ሶቬት ሕብረት፡ ጀብሃን ጕዳይ ሓድነትን ስለ ዘእተዎም ከይተፈለጦም ኣብ ቦታኦም በጽሑ።

ኣቡ ዓፋን መጽሔት መሪሕ ከንብብ ጸኒሑ ግልጽ እንተ’በለ፡ ብማዕዶ ክመጽኡ ከለዉ ኣስተውዓለሎም። ኣብ ጥቓኡ ምስ ቀረቡ፡ “ኬፍ ሓልኩም ያጀማዓ፡ ኣጋይሽ ኣፋኒኹመንዶ?” እናበለ ብሰላምታ ኣእዳዎም ጨበጦም።

“መርዓት ኣፋኒናያ። እንቋዕ ኣይትርእያ ኣቡዓፋን፡ ማርያም ብህይወታ እያ ትመስል፡” በሎ ጫረ እናሰሓቐ።

ካስትሮ ንዘረባ ጫረ ብኣጋ ከምክን ብምሕሳብ፡ “ጠይብ ኣቡዓፋን፡ ድፋዕ ከመይ ቀንዩ፡ ኩላቶም ብጾትከ?” በሎ።

ኣቡዓፋን ንካስትሮ መልሲ ክህቦ ከይተገደሰ፡ ናብቲ ተኸዲኑዎ ዝነበረ ጽሩይ ስረን እናጠመተ፡ “ወላሂ ሓቅኻ’ለኻ ጫረ፡ ወላህላህ ኢሉ’ንድዩ መጺኡ፡” በሎ። ብፍላይ እዘን ጭሕሙ ወጨጕሩ እንተ ዝላጽየን ነይሩ መን ተጋዳላይ ክብሎ? ላኪን ካስትሮ ነጊረካ ነይረ ምሽ? እንታይ ዘህውኽ ኣሎካ? ኣብዚ ዝበሰለ ሩዝ ኣሎ ኢሎምካ ወላ እንታይ ሓሲብካ? ወላሂ ንስኻ ኣይትነፍዕን ኢኻ፡” ብምባል መፍቶ ጫረ ገበሮ።

“ክላ! ኣቡዓፋን ከኣ ካብ ጫረ ገዲድካ። ቍሩብ ዒብ ግበር ያኣኺ፡ ትም ኢልካ ንሱ ዝበሎ ዲኻ ትደግም?”

“ወላሂ ሓቀይ’የ ዝብለካ ዘለኹ። ጸላኢ ደቂሱ’ንድዩ ዘሎ፡ ባቸ ዲኹም ትብሉ ደቂ ኣስመራ። መሬት ባቸ እዩ ዘሎ። ድፋዕ ብላዕ ወስተ ከሎ ነዚ ኵነታት መዝሚዝካ ክትቅኒ ነይሩካ። ማሉ ወማለክ ክንድዚ ተብተብ ትብል? ምዃን ንስኻ እንታይ ጌርካ ጫረ እዩ ተጋግዩ።”

“ኣቡዓፋን ሳክት ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ። ጠባዩ ከም ዘይትፈልጥስ ካስትሮ ክሰምዓካ ኢልካ ትሓስብ! ጽባሕ ንግሆ መሬት ቀውጢ ምስ ኮነት’ዩ ዝርድኦ።”

ክልቲኦም እናተቐባበሉ ምስ ሸደዱዎ ካብኣቶም መታን ክሃድም፡ “ኣቡዓፋን ድማ ባህሪ ጫረ ከም ዘይትፈልጥ ከምኡ ትብል ኣለኻ? ክላ ጥራይ መጽሔትካ ኣንብብ። ነዞም ብጾት ሰላም ክንብሎም ክንከይድ፡” ኢሉዎ ናብቶም ኣብ ማዕዶ ዝነበሩ ደቂ ጋንታኡ ገጹ ሰጐመ።

ሃለቃ ናፊቑዎ ስለ ዝቐነየ ብማዕዶ ክመጽእ ምስ ረኣዮ፡ “እሂ’ታ ካስትሮ፡ ጦፍ እኸይድ ኣለኹ ኢልካስ ጥንጥን ኣቢልካና ሽርብ ትብል? ኣጸሚኻና’ንዲኻ ቀኒኻ። ዋይ ማርያም ኣደይ!” ድሕሪ ምባል ሕውስ ምስ በሎም፡ ብናፍቖት ደጋጊሙ ሰዓሞ። ብድሕሪኡ ኣብ ቁምነገር ብምእታው፡ ብዛዕባ ሰበይቱን ኣደኡን ክሓቶ ጀመረ። በብሓደ ካልኦት ኣባላት ጋንታ ድማ ኣብ ናይ ሓባር ዕላል ኣትዮም ጸሓይ ክሳዕ ትመሮም ወጃዕ ክብሉ ኣርፈዱ።

*         *        *

ይቕጽል

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleምስትምቓር ግጥሚ “ኣሎና ከኣ ንብል!”
Next Article እሞ የለን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?