Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on June 3, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

8ይ ምዕራፍ መበል 65 ክፋል

ዝበዝሕ ንጥፈታት ክፍሊ ታዕሊም ንግሆ እዩ ዝዕመም። መሬት እንተ ቐቲሩ ናይ ነፈርቲ ሽግር ኣሎ፡ ድሕሪ ምግቢ ዝግበር ከቢድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከኣ ጐዳኢ’ዩ። ስለዚ፡ ድሕር’ቲ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ታዕሊም እተን ሓሙሽተ ሓይልታት ኣብ ክልተ ጕጅለ ተኸፊለን ናብቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዝቐስማሉ ዓበይቲ ዑበላት ተሸመማ። ጸሓይ ቅልቅል ክትብል ከላ ድማ እቲ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ‘ጋም ማን! ማን ፊት!’ ዝብል ድምጺታት ክቃልሓሉን፡ ካብ ክልተ ሽሕ ንላዕሊ ዝኾና ኣእጋር ክድስቕኦን ዝጸንሓ ሑጻ ዝመልኦ ቦታ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ከም ዘይብሉ ጭው ጭው በለ። እቶም ኣብ እግሪ ሓደ ዓቢ ዑበል ኮፍ ዝበሉ ተዓለመቲ ድማ ንኣስታት ክልተ ሰዓት፡ “ፖለቲካ እንታይ ማለት’ዩ? ስለምንታይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንመሃር? ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንምንታይ ይጠቅም?” ብዝብላ ኣርእስትታት ፈላሚ ክልሰ ሓሳብ ክመሃሩ ጀመሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ከሎ እዩ ድማ ሰለሙን ምስ ሕልናኡ ኣብ ተሪር ቃልሲ ዝኣተወ።

ሕልሙ፡ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ሓጺር ንወተሃደራዊ ስልቲ ዝምልከት ትምህርቲ ወዲኡ፡ ብቐጥታ ናብ ከበሳ ዘለዋ ሓይልታት ክውዛዕ’ኳ እንተ ነበረ፡  ባህጉ ከም ትኪ ክበንን ተራእዮ። ኣብ ኣዲስኣበባ ከሎ ብምስጢር ዘካይዶ ዝነበረ ስርሓት፡ ዘንብቦ ዝነበረ ጽሑፋት ህዝባዊ ሓይልታትን ብፖለቲካ ኣብሲሉዎ ክነሱ ምስቶም መሃይምነት ዘየጥፍኡ ተልመዴናት ብሓደ ተሰሪዑ ፖለቲካ ምምሃር ክወርደሉ ኣይከኣለን። ብዅሉ ስለ ዝበልጾም ንድሕሪት ዝጕተት ዘሎ ኮይኑ ጥራይ ተሰምዖ። በብቝሩብ ግን ኣብ ኣዲስኣበባ ከሎ ብዛዕባ ቃልሲ ዝነበሮ ኣምር፡ ኣብ ታዕሊም ምስ ኣተወ ብግብሪ ዘጋጠሞ ኵነታት ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ከም ዘለዎ ተረድኦ። ልዕሊ ዅሉ ግን ምሁር ብዙሕ ግምት ይወሃቦ ኣይነበረን፡ ጥራይ ዘይኮነ ብጥርጣረ ከም ዝጥመት ምልክታት ተዓዘበ። ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ ስምዒቱ ክቈጻጸርን ኣብ ነፍሱ ቃልሲ ከካይድን ከም ዘለዎ ንሕልናኡ ኣእመነ። እቲ ጕዳይ ክትሓስቦ’ምበር ክትፍጽሞ ቀሊል ብድሆ ከም ዘይኮነ ግን ሽዑ ሽዑ ተጋህደሉ።

ብጾቱ ኣብቲ ረቡዕ ረቡዕ ዝካየድ ናይ መስርዕ ኣኼባ፡ መታን ሻሂ ክትድምዕ ንመስርዕ ቀጢን ሻሂ ኣስቲኻያ፡ መጋባይ ዝወዓለካሉ መዓልቲ ሓንቲ ቅጫ ጐዲላ ነይራ፡ ፍቓድ ከይተወሃብካ ትምባኾ ሰፊፍካ ወዘተ፡” እናበሉ ኣብ ነንሓድሕዶም ክነቓቐፉ ከለዉ፡ ነቶም ነቐፌታኦም ብንጽህና ኣብ ክንዲ ዝቕበሉ ንመስርዕ ኰለል ዘብሉዋ ዝነበሩ ብጾት፡ ብዓቕሙ ትርጕም ነቐፌታ ከረድኦም ይፍትን ነይሩ። እቲ ዝርካቡ ነቐፌታ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ዝምርኰስ ቆሎ ጥጥቖ’ኳ እንተ ነበረ፡ ነቐፍቲ ከም ሓደስቲ መጠን ስምዒትን ህልኽን እናሓወሱ ዘይመልክዑ የትሕዙዎ ስለ ዝነበሩ፡ ንተነቀፍቲ ምቕባሉ ክመርሮም ግድነት ነይሩ። ካብ ምልእቲ መስርዕ ንዝቐረበሉ ሓንጐፋይ ኢሉ ብቕጽበት፡ “እእረመሉ፡” ክብል ዝደፍር ሓደ ሰብ ጥራይ ኮይኑ፡ ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ባጽዕ ሓውሲ በጋሚንዶ ዝነበረ’ዩ። ስለዚ፡ ብሰንኪ ፋሉላዊ ጠባዩ ረቡዕ መጸት’ዩ ዝንቀፍ ነይሩ። ገለ ዝቐርቡዎ መተዓልምቱ፡ “ወዲኸሊል ነዛ ነቐፌታ ቀልጢፍካ ምቕባል ከመይ ኢሉ እዩ ዝወርደልካ?” ክብሉዎ ከለዉ፡ “ሕደገና ያዞል! እልፊ ኣልገፊፍ መላመዲ ዘረባ ገይራትኒ ክትውዕል ዲኻ ደሊኻኒ? ነቐፌታ ኣይነፍሕ ኣይቀርጽ። ተኣሪመላ ኢለ ዘይካረጅ። ረቢ ኣይትፈርሕን ዲኻ? ባዕለይ ኣብ ሞሲባ ክኣቱ ደሊኻኒ?” ክብል ብዘይቃልዓለም ይምልሰሎም ነይሩ።

ሰለሙን ክሳዕ መበል ሳልሳይ ሰሙን ብዝኾነ ነጥቢ ከይተነቕፈ እዩ ሓሊፉዎ። ክንቀፍ’የ ዝብል ስክፍታ’ውን ከቶ ከም ሓሳብ ኣብ ሓንጐሉ ኣቐልቂሉዎ ኣይፈልጥን። ከም ሓደ ምሁር፡ ንዓመታት ምስጢራዊ ስራሓት ዝሰርሐ፡ ክንደይ ንማርክሳዊ ስነሓሳብ ዝምልከት መጻሕፍቲ ዘንበበ፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ሓይልታት ዓሚቝ ፍልጠት ዘለዎ ሰብ ዘንቅፍ ነገር ክፍጽም ስለ ዘይክእል ከመይ ኢሉ እዩ’ሞ ክንቀፍ? ሓድሽ ኵሉ ግዜ ሓድሽ’ዩ። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ሓንቲ ሰንካም ምሸት ንሽንቲ ክብገስ እናሓሰበ ከሎ እታ፡ “ተሰራዕ!” ትብል ልምድቲ ትእዛዝ ተሰምዐት። ብሽንቲ ስለ ዝተወጠረ ነጸላኡ ኣልዒሉ ሰጋእ መጋእ በለ። የማነ ጸጋም ቍሊሕ ኢሉ፡ ኩላቶም ብጾቱ ርባ ከም ዝወረዱ ምስ ኣረጋገጸ፡ ኣብ እግሪ ሓንቲ ዓዳይ ጽግዕ ኢሉ ድሕሪ ምሻን ስረኡ እናለጐመ ገጹ ግልብጥ ከብል ከሎ፡ መጋባይ ዝሓድር ብጻይ ብማዕዶ ረኣዮ። ብጣዕሳ ኵምትር በለ። ቀላል መሲላቶ ዝጸንሐት ደቃቕ ፍጻሜ ድማ ከም ቅጽበት ክብደት ወሲኻ ኣእምሮኡ ክትርብሾ ጀመረት። ብዛዕባ’ታ ጕዳይ ጥራይ ክሓስብ ከይተረድኦ ታዕሊም ተወዲኡ ታባ ምድያብ ኮነ። ዘይኣመሉ ዝን ኢሉ ዝረኣዮ መዳቕስቱ፡ “እሂ’ታ ሰሌ፡ ናይ ደሓን ዲኻ ደኣ ዝን ኢልካ፡ ተጸሊኡካ ድዩ?” ክብል ተወከሶ ጥንቅልዒት ደቂሱ ከሎ።

“ምጽላእ ግዳ ቀሊል ነይሩ፡” እናበለ ብውሽጡ፡ “ኣንታ ወዲ እንድዒ ካብ ዓንተቦ ጀሚሩ ርእሰይ ኣሕሚሙንስ ምግዳፍ ኣብዩኒ፡” ዝብል ናይ ሸፈጥ መልሲ ሃቦ። ንጽባሒቱ ረቡዕ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ’ቲ ቅሳነት ዝኸልኦ ጕዳይ መፍትሒ ከናዲ ድማ ደቅስ ዝብል ትእዛዝ ከይተሓላለፈ ዘይኣመሉ ነጸላኡ ተሸፊኑ ጎቦ ብምዃን ኣብ ናይ ሓሳብ ሓሸውየ ኣትዩ ክህውትት ጀመረ።

“ነቲ ብጻይ በይኑ ረኺበዶ ሓሳቡ ክፈልጥ ክፍትን? ክነቕፈኒ ይሓስብ ከም ዘሎ ክፈልጥ እንተ ኽኢለ ንበይኑ ረኺበ ምተረዳዳእኩዎ ነይረ። መዓስ ግን? ጽባሕ ረቡዕ’ዩ፡ ንሱ ድማ መጋባይ ስለ ዘሎ መዓስ’የ ክረኽቦ? ታዕሊም ወዲእና ድሕሪ ቍርሲ ብቐጥታ ናብ ኣኼባ ኢና። ግን ከኣ ትም ኢለ’የ ሸገርገር ዝብል ዘለኹ’ምበር ምናልባሽ ዘየስተውዓለለይ’ውን ይኸውን። እንታይ ምግባር ደኣ ይሕሸኒ? ዕድለይ ክርኢ ትምዶ ክብል? እንተ ነቐፈኒኸ?” ብምባል ኣብ መንጎ ክዉንነትን ተኽእሎን ጥሒሉ ኣእምሮኡ ከም ሕሱም ኣጨነቐ። ከም ሓደ ብሱል ተቓላሳይ ትርጕም ነቐፌታ የረድእ ከም ዘይነበረ፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክትዓልብ ከላ ቀላል ትመስሎ ዝነበረት ነቐፌታ ክተንጸላልዎ ምስ ጀመረት ከሎ ገና ኣምዐ ከም ዝተንከፎ ሰብ ቀጨቀጭ ክተብሎ ጀመረት። ምስ ዝነበሮ ሕዉስን እሩምን ጠባይ፡ ደቂ መስርዑ ብምሉኣቶም የኽብሩዎ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ንጽባሒቱ ግን ብምሉኣቶም መፍቶኦም ረኺቦም ሆ! ክብሉዎ ከለዉ ህያው ኮይኑ ተራእዮ።

ብፍላይ’ቶም ብዕድመ ካብኡ ዝንእሱን ክንድኡ ዘይተማህሩን፡ “ካብ ምንታይ ተበጊስካ ከምኡ ጌርካ? ከም ምሁር መጠን ኣብነት ክትከውን ዝግብኣካ ከመይ ኢልካ ኣብ መደቀሲ ቦታና ትሸይን? ወዘተ፡” ብምባል መላመዲ ዘረባ ክገብሩዎ ከለዉ ክልተ ሞት ኮይኑ ተሰምዖ። ኣብ ክትርእዮ ዘገርም መስመስ ዝብል ቀዳማይ ደረጃ ዓይኒምድሪ እናሸነ ከም ዘይዓበየ፡ ሕጂ ኣብ እግሪ ገረብ ስለ ዝሸነ ከም ዓቢ ቁምነገር ተቘጺሩ ከቢድ ሚዛን ክወሃቦ ምኽኣሉ ግዜ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝቀያየር ኣመና ገረሞ። ኣብ ባዕላዊ ትንታኔ ኣትዩ ድማ ነታ ክትቀርበሉን ከይትቐርበሉን ዘይተረጋገጸት ነቐፌታ ከም መልኣከ ሞት ፈርሓ። ከም ሳዕቤን ድማ ከቢድ ማተማቲካዊ ግድል ከም ዘጋጠሞ ተመራማራይ ርእሱ ክፍለጽ ክሳዕ ዝቐርብ ዝተፈላላየ መፍትሒ ዝበሎ ሓሳባት ከውርድን ከደይብን ኣምሰየ። ኣብ መወዳእታ መዋጽኦ ከም ዘይብሉ ፈሊጡ፡ ባዕሉ ነፍሱ ክነቅፍ ወይ ድማ ነቐፌታ እንተ ቐረበሉ ተጠሊዑ ጕድለቱ ክቕበል ኣብ ዝብል ክልተ ኣማራጺ ሓሳባት ወደቐ። እዚ ሓምሳ ካብ ሚእታዊት ናይቲ ፍታሕ’ኳ እንተ ነበረ፡ ንግዜኡ ኣእምሮኡ ብመጠኑ ተረጋጊኡ ብግቡእ ክሓስብ ጀመረ።

ኣብ ጐድኑ ደቂሱ ዝነበረ ክፍልዝጊ ፍርቂ ነፍሱ ተቐሊዑ ክነሱ፡ ብርቱዕ ኣልኮል ክሰቲ ከም ዘምሰየ ሰብ ከረው ኢሉ ደቂሱ ነበረ። ዛሕሊ እናሃረሞ ቀሲኑ ምድቃሱ በታ ክልቲኦም ዝኽደኑዋ ዝነበሩ ነጸላ ሸፈኖ። ፈለማ ቍማል ከየልግበሉ ሰጊኡ ምስ ካልኦት ይድቅስ’ኳ እንተ ነበረ፡ ድሒሩ ብቝማል ምስ ተወረረ ግን ምቝማሉ ካብ ዘይተረፈ፡ ክፍልዝጊ መንጸፍ ከማቕሎ ንሱ ድማ ኣንሶላኡ ምስ ክፍልዝጊ ተላፊኑ ክኽደና ተረዳዲኦም።

ሰለሙን ከም ብሓድሽ ካልእ ሓሳብ ስለ ዘቐልቀለ ምቕሳን ሰኣነ። ክሳዕ ዝንቀፍ ምጽባይ ከም ሓደ ንኡስ ቡርጅዋ ተወላዋሊ መርገጺ ምውሳድ ኮይኑ ተሰምዖ። በዓልቲቤቱ፡ ጓሉ፡ ንብረቱ ሓዲጉ ህይወቱ ከይተረፈ ከወፊ ተበጊሱ ከብቅዕ፡ ብተበግሶኡ ነፍሱ ክነቅፍ ዘይክእል እንተኾይኑ ፍትወት ነፍሲ የጥቅዖ ከም ዘሎ ተጋህደሉ። ሃንደበት፡ ‘ሃይማኖት ብዘይ ግብሪ፡ ጸሎት ብዘይፍቕሪ፡ ከንቱ እዩ’ ትብል ብሮዛ እተረከመት ኣብ መንደቕ ገዝኡ ዝነበረት ጥቕሲ ዘከረ። ሰውራዊ ክልሰሓሳብ ምፍላጥ ንበይኑ ትርጕም ከም ዘይብሉ፡ እንታይ ደኣ ብግብሪ ክስነ ከም ዘለዎ ኣመነ። ንጽባሒቱ ንግሆ ድማ ባዕሉ ነፍሱ ክነቅፍ ኣብ ውሳኔ በጽሐ። ካብ ሽዓ ለይቲ ንደሓር ድማ ንነፍሱ ሓራ ከይገበረ ንካልኦት ሓራ ከውጽእ ስለ ዘይክእል ናይ ግብሪ’ምበር ናይ ኣፍ ሰብ ክኸውን ከም ዘይብሉ ምስ ሕልናኡ ተማባጽዐ። ኣይደንጐየን ብኡ ንብኡ ሩፍ ኢሉ ደቀሰ። ንጽባሒቱ ኣብ ቅድሚ መስርዕ ብተበግሶኡ ነፍሱ ነቒፉ ድማ ንሓዋሩ ተገላገለ።

ኣብ ዝቐጸለ ሰለስተ ኣዋርሕ ናይ ታዕሊም ግዜ ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ኣካደምያዊ ትምህርቲ ንጡፍ ተራ ነይሩዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ዝነበረ ማእቶታዊ ስራሕ’ውን ምስጉን ክኸውን ከኣለ። ስነስርዓቱ ብጻያዊ ጠባዩን ብግብሪ ኣርእዩ። ብፍላይ ኣብቲ ንወርሒ ዝኣክል ግዜ ጽርግያ ኣብ ምስራሕ ብቐጻሊ ዝተካየደ ከቢድ ማእቶታዊ ስራሕ፡ ሕቘኡ ከየቕንዐ ኣእዳዉ ማይ ምዒጕ ጽዖት ክሳብ ዘውጽእ ብምስራሕ ትግሃቱ ኣመስኪሩ እዩ። ከም ሰቡ ምግቢ ከይጸየነ በድራጋ ክዅልስን እዋን ምግቢ ብሃረርታ ክጽበን ጀሚሩ።

ካብ ኵሉ ተስሕቖ ዝነበረት ፍጻሜ ግን ኣብቲ መጀመርያ ንክፍልዝጊ ኣብ ጽጕሩ ጭብ ርእዩሉ ከም ዘይፈንፈኖ ድሒሩ ንሱ ዝያዳኡ ብቝማል ሓሰኽሰኽ ምባሉ ነይሩ። መዓልታዊ ደገ ኣብ ዝወጽኣሉ እዋን ስረውሽጡን ስረኡን እንተ ዘይፈቲሹወን፡ ኣብ ሳልስቱ ስረኡ ኣውጺኡ ከክንዲ ብዕራይ ዝኾኑ ቍማል ዓጠቕ እናበለ ክቐትል ይውዕል ወይ ከኣ ነጸላኡ ተዓጢቑ ስረኡ ኣብቲ ሃበግበግ ዝብል ሑጻ ይቐብሮ። ብፍላይ ንማእቶት ምስ ከዱ፡ ኵነታት ኣየር ዛሕልን ካፋን ስለ ዝገበረ፡ ጭሕሙ ከይተረፈ ብሰንኪ ጭብ ዝሰየበ ክሳዕ ዝመስል ስለ ዝኾነ፡ ካብ ሓደ ሓኪም ጋንታ ኮይኑ ዝጸንሖ ወዲጣባ ላማ ለሚኑ ክላጽዮ ተገዲዱ። እቲ ኣብ ናይ ታዕሊም ህይወቱ ዘሕለፎ ኵነታት ግን እዚ ጥራይ ኣይነበረን። ንዘልኣለም ዘይርስዐን ፍጻሜታት ድማ ክልተ ነይረን። ታዕሊም ምስ ጀመሩ ኣብ መበል ክልተ ሰሙኑ፡ ሓደ ረቡዕ ዕንጨይቲ ክወፍሩ ስለ ዝተኣዘዙ ካብ ማህሚመት ናብ ምብራቕ ኣብ ዘሎ ጐላጉል ፋሕ ኢሎም። ነፍስወከፍ ተዓላማይ ኵምራ ዕንጨይቲ ብልሕጺ ጨዓ ጠሚሩ ክኣቱ ከሎ፡ ንሱ ግን ነቲ ፋሕ ጨንገራሕ እናበለ ዘሸገሮ ቀሸም ወዲቀሸም ብነጸላኡ ጠሚሩ ብምምጻእ ኣብ ምግብና ከራግፎ ከሎ ብጾቱ ምስ ረኣዩዎ፡ ብሕፍረት ኣብ ጽፍሩ ክኣቱ ቍሩብ ተረፎ።

ኣይደንጐየን ቅንይ ኢሉ ምስ ካልኣዩ መጋባይ ወጽአ። በጋጣሚ መራሕ መስርዕ ክልቲኦም ሰንኪቶም ከም ዘይክእሉ ከየስተውዓለ’ዩ ብሓደ መዲቡዎም። ካፋ ዘተርከሶ ዕንጨይቲ ምንዳድ ኣብዩዎም ኣዒንቶም ክዓውር ክሳዕ ዝቐርብ፡ ኣፍንጫኡ ማይ ጸረር እናበለ ዕንጨይቲ ከናኽሱ፡ መሊሱ ክጠፍኦም ተረባሪቦም። ኣብ ማህሚመት ብዛዕባ ክርቢት፡ ላምባ ወይ ወረቐት ትሓስብ ኣብ ከምኡ እዋን ጥራይ’ዩ። ምሉእ ለይቲ፡ “ኡ. . .ፍ!” ክብሉ ድማ እኹል ቅጫ ከይሰንከቱ መሬት ወጊሑስ፡ “ጋም ማን! ሓደ!” ዝብል ድምጺ ሰምዑ። ኣብ ሽዑ በጺሕካ ዝግበር ነገር ስለ ዘየሎ መስርዕ ገዓት ብኵዖ ተመሲሓ ውዒላ።

መበል 66 ክፋል ይቕጽል

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous ArticlePrevious Post
Next Article ደርዘን ሕቶ ንገጣማይ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?