Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Tuesday, June 17, 2025
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on April 18, 2015 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

6ይ ምዕራፍ መበል 52 ክፋል

ፍረወይኒ ድሮ ካልኣይ ዓመታ ሓሊፉ ናብ መጻጽ ቈልዓ ተቐዪራ ጥራይ ዘይኮነት፡ ከም ዓቢ ሰብ ምስ ኣቦኣ ክተዕልል ንዝረኣያ ሰብ ኣዝያ ተገርም ሕጻን ኮነት። ጸግዓ ምስ ኣቦኣ እናገበረት ስለ ዝኸደት፡ ነዲኣ ክትሕንቅቐላን ከም መሰታኣ ክትርእያን ካብ ትጅምር ነዊሕ ኮይኑ። ከም ገለ ኣዲኣ ክትኵርየላ ከላ፡ “ንባባ ክነግረልኪ እየ፡” ኢላ ናብ ኣቦኣ ክትጠርዕ ሮዛ ድማ፡ “ጽንሒ ደሓን፡ ባባኺ ናብ ስራሕ ምስ ከደ እንታይ ከም ትገብሪ ክርእየኪ እየ ኣንቲ መሻረዊት!” ክትብላ ከላ ንሳ ድማ፡ “ምስ ባባየይ እኸይድ፡ ንስኺ መኪና’ኳ ዘይብልኪ፡” ትብላ። ሰለሙን ከምኡ ክብሃሃላ ክሰምዐን ከሎ ብሰሓቕ ክርትም ይብል ነይሩ። ሽዑ፡ “ፍሬታ፡ ሓቂ ተዛረቢ ካብ ክልተና ንመን ትፈትዊ?” ይብላ።

“ንዓኻ እየ ዝፈቱ፡ ንማማ ጸሊአያ እየ፡” ኢላ ትምልሰሉ።

ሮዛ፡ “እሞ ገዲፈኪ ክኸይድ’የ፡” ኢላ ንይምሰል ቦርሳኣ ሒዛ ትብገስ።

ሽዑ፡ “ማማየይ ምሳኺ ክኸይድ’የ፡” እናበለት ደድሕሪ ኣደኣ ትጐዪ። ካብ ኣደኡ ክፍለ ዝደሊ ሕጻን የሎን። ፍርወይኒ ግን ንኽልቲኦም ክትብሕቶም ትጽዕር ነይራ። በጋጣሚ ሰለሙን ዝባዛሕ ምስጢራዊ ጽሑፋት ተዋሂቡዎ ክወጽእ እንተኾይኑ፡ ምሳኻ ክኸይድ’የ እናበለት ጥኒን ስለ ትብል፡ ዝበዝሕ ግዜ ከይረኣየቶ ተመዅልዩ ይወጽእ ወይ ድማ ጠባቢሩ ይፍለያ ነይሩ።

ሮዛ፡ ሰለሙን ኣብ ፍሉይ እዋናት ካብ ስራሕ ድሕሪ ምእታዉ፡ ንዊሕ ኮፍ ከይበለ፡ “ናብ ሃብቶም በጺሐ ክምለስ’የ፡” ክብላ ከሎ፡ ዘይኣመሉ ምሸት ምውጽኡ ደስ ይብላ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ማዕረ ክንድኡ ሓደገኛ ስራሕ ይፍጽም ከም ዘሎ ግን ክንዲ ፍረ ጣፍ ጥርጣረ ኣይነበራን። ብዛዕባ ቃልሲ ኤርትራ ዓቕማ ኣዕሊሉዋ’ኳ እንተ ነበረ፡ ልዕሊ በዓልቲቤቱን ጓሉን ዝስራዕ ነገር ክህልዎ ከም ዘይክእል ምሉእ ምትእምማን ነይሩዋ። ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ኣስመራ ግን ብዙሓት ኤርትራውያን ንብረቶም ጠጠንጢኖሞ ክኸዱ ምስ ተዓዘበት በመጠኑ ክትሰግእ ጀሚራ። ጠቕሊሎም ነስመራ ክኸዱ ከም ዝሓይሽ’ውን ንሰለሙን ወስ ኣቢላትሉ ነይራ። እቲ ኵነታት ሃዲኡ፡ ዋዕዋዕን ፕሮፓጋንዳ ናይ ሬድዮን ጋዜጣን ዝግ ምስ በለ ግን ኵሉ ረሲዓቶ። መንፈሳ ተረጋጊኡ ድማ ንቡር ህይወታ ቀጺላ።

ሓደ ምሸት ሰለሙን ሓሙሽተ ገጻት ኣገደስቲ ጽሑፋት ስለ ዝነብርኦ፡ መታን ከባዝሐን እቲ ልሙድ ምኽንያት ሂቡ ንስራሕ ተበገሰ። ፍረወይኒ ‘ምሳኻ እንተ ዘይከድኩ፡’ ኢላ ኡይ በለት። ሮዛ ክሳብ ኣብ ኣፍደገ ደድሕሪኡ ብምስዓብ በርቂ መስመስ ክብል ስለ ዝተዓዘበት፡ “ሰለሙን ማይ ክሃርመካ እዩ ኣይትውጻእ። ትርእዮ ኣለኻ ምድረሰማይ ጸለሎ ተኸዲኑ’ሎ። ምስ ሃብቶም እንተኾይኑ ኸኣ ጽባሕ ክትራኸቡ ኢኹም፡” በለቶ ብሓውሲ መግናሕቲ።

ዘረባኣ ሰሚዑ ፍረወይኒ ክሳብ ትዕገስ ቍሩብ ተጸበየ። ስዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ምስ ኮነ ግን፡ “ባባየይ ምሳኻ እየ፡” እናበለት ሓዲጉዋ ክብገስ ተገደደ።

ሮዛ ከም ዝበለቶ፡ ሰማይ ከቢድ ናይ ወርሓት ነሓሰ ደበና ተንጠልጢሉዎ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ከቢድ ጸልማት ሸፊኑዎ ነበረ። ሰለሙን፡ ቍሪ ዝተሓወሶ ሓያል ንፋስ፡ ሽው! ሽው! እናበለ ብቕልጣፈ ኣብ መኪናኡ ኣተወ። ሰማይ ጸጸኒሑ ብርቱዕ ድምጺ ነጐዳ የስምዐ ነበረ። ብመስታ ናይ በርቂ ቅድድ ኢሉ ናብ መስትያት እናተቐየረ ከሎ ድማ ኣብ ስርሑ በጽሐ። ኣብ ቤትጽሕፈት ምትኩ ክኣትውን ዝናብ ክጅምርን ሓደ ነይሩ። ብዙሕ ኣይደንጐየን ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ጽሑፋቱ ድሕሪ ምብዛሕ፡ ኣብ ቤትማሕተም ኣትዩ ክማላእ ዝግብኦ ነገራት ኣማሊኡ ናብ ሃብቶም ዓርኩ ነቐለ። በጋጣሚ ሓተምቲ ቅድሚ ሰሙን ምሉእ ሰርቪስ ገይሩለን ስለ ዝነበረ ብዙሕ ዝዕመም ነገር ኣይነበሮን። ክብገስ ከሎ ገና ማይ ይሃርም ስለ ዝነበረ ሓላው ኣፍደገ ተቐላጢፎም ማዕጾ ከፈቱሉ።

ልክዕ ኣብዚ እዋን’ዚ ምትኩ ኣብ መደበር ፖሊስ በጺሑ ትኽ ኢሉ ናብ ቤትጽሕፈት ሻምበል ኣየለ ይኣቱ ነይሩ። ኣብ ኣፍደገ ዝጸንሖ ወተሃደር፡ “ንመን ደሊኹም?” ክብል ተወከሶ። ምትኩ ካብቶም ዝፈልጦም ወተሃደራት ዘይምዃኑ ቅር እናበሎ፡ “ንሻምበል ኣየለ ብህጹጽ ደልየዮም ኣለኹ፡” ክብል መለሰሉ።

እቲ ወተሃደር፡ “ሻምበል ቅድሚ ሰዓት ብስራሕ ምኽንያት ምስ ወጽኡ ኣይተመልሱን። ብጕዳይ ስራሕ እንተዄንኩም ግን ምስ ሓለቓ ሚእቲ ኣድማሱ ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም፡” ክብል ተመቕሊሉ መለሰሉ።

ምትኩ፡ ሻምበል ኣየለ ኣብ ቤትጽሕፍቱ ብዘይምጽንሑ ኣዝዩ ተቘጥዐ። እቲ ጕዳይ ብሻምበል ክውዳእ ዝምረጽ’ኳ እንተ ነበረ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ፡ “እቲ ጕዳይ ዘላቡ ስለ ዘይኮነ ግድን ንሓለቓ ሚእቲ ክረኽቦም ኣለኒ፡” ክብል መለሰሉ።

“ሕራይ በሉ። ሓንሳብ ጽንሑኒ፡” ኢሉ ብሸነኽ የማን ናብ ዝነበረት ክፍሊ ኣትዩ ክሳብ ዝምለሶ ሰዓቱ ክርኢን ዓቕሉ ከጽብብን ጀመረ። እቲ ወተሃደር ኣይደንጐየን ብኡንብኡ ተመሊሱ ንኽኣቱ ምልክት ምስ ገበረሉ፡ ኣብታ ጽብብ ዝበለት ቤትጽሕፈት ብምእታው፡ ነቲ ቅድሚ ክልተ ቕነ ካብ ኣቃቂ ተቐዪሩ ዝመጽአ ሓለቓ ሚእቲ ኣሕጽር ኣቢሉ ዘምጽኦ ጕዳይ ገለጸሉ።

ሓለቓ ሚእቲ ኣድማሱ ኣይሓመቐን ንሓደ ሓለቓ ሓምሳ ብህጹጽ ክልተ ዕጡቓት ወተሃደራት ከዳሉ ኣዘዞ። ናብ ምትኩ ተመሊሱ ድማ፡ “ላንድሮቨር፡ ሻምበል ብጕዳይ ስራሕ ወሲዶማ ስለ ዘለዉ፡ ፍቓደኛ እንተዄንኩም ንሓለቓ ሓምሳ ምስዞም ክልተ ወተሃደራት ብመኪናኹም ሒዝኩሞም ክትብገሱ ኢኹም፡” በሎ ናብቶም ኣብ ኣፍደገ ቤትጽሕፈቱ ደው ዝበሉ ወተሃደራት እናኣመልከተ።

ምትኩ፡ “ደጊም ተዓዊተ!” ኢሉ እናሓሰበ፡ ናይ መኪና ነገር ናባይ ግደፉዎ ንበገስ ጥራይ፡” ኢሉ መሪሑዎም ናብ መኪናኡ ቀጸለ። ዝናብ ገና ይኻፊ ነይሩ። ምትኩ ከም ቈልዓ ክሰራሰር ቍሩብ እናተረፎ ኣብ መኪና ደየበ። መኪና ከተስኣ እንተ ፈተነ ግን ደሓን ኣይትእቶ ሕጊግ ዝብል ዘይንቡር ድምጺ ኣስሚዓ ነቕ ምባል ኣበየት። ደጋጊሙ ከተስኣ ፈቲኑ ምስ ረብረበ፡ እናመጽአ ከሎ’ውን ሕማቕ ድምጺ ትህብ ምንባራ ዘኪሩ፡ “መስመር ኤለትሪክ ራሕሲ ገይሩ’ሎ ወይ ኢንጐልፋረ ኮይና’ላ፡” በለ ብውሽጡ። ዳግማይ ሕስብ ኣቢሉ፡ ምስ ኵነታት ዛሕሊ ባትሪ ደኺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምግምጋም እናንጸርጸረ ነቶም ወተሃደራት፡ “ወሪዲኩም ድፍኡኒ፡” በሎም ብሓውሲ ትእዛዝ። ምስቲ ዝነበረ ካፋን ጭቃን ብረታቶም ተሓንጊጦም ከይተበገዙ ክሳብ ዝልህልሁ ደፍኡ። እቲ ጽርግያ ንባዕሉ ሓውሲ ዕቅብ ኢሉ ስለ ዝነበረ ኣይሓገዞምን። መኪና ድማ ምስቲ ኣረጊት ምንባራን ምስ ምጥልቃይ ገመድ ኤለትሪክን ሕንቕ ሕንቕ ኢላ ዕጭ ሓንፈፈት። ምትኩ ገጹ ብሕርቃን ዘይምሱል መሲሉ ካብ መኪና ብምውራድ ሰዓቱ ረኣየ። ኣብ ውሽጢ ዓስርተ ደቒቕ ኣብ ቤትማሕተም እንተ ዘይበጺሑ እቲ ዅሉ ጻዕሩ ከንቱ ምዃኑ ተገንዚቡ ሰራውር ገጹ ተገታተረ። “ወይኔ ምትኩ!” ኢሉ ብምጭዳር ኢዱ ክሳዕ ዘሕምሞ ዝባን መኪና ዘበጠ። ሰዓቱ ካብ ጕምቦ ኢዱ ነጢራ ኣብ ጽርግያ ሓጨው በለት።

ገጹ ትኪ መሲሉ ብዓቕሊ ጽበት ስጕምቱ እናኣቐልጠፈ ናብ ቤትጽሕፈት ሓላቓ ሚእቲ ኣምርሐ። ስልኪ ሒዙ ዝጸንሐ ሓለቓ ሚእቲ ርክቡ ኣቋሪጹ፡ “እንታይ ተረኺቡ?” እናበለ ካብ ኵርሱ ብድድ በለ። ምትኩ ብዛዕባ’ቲ ዘጋጠመ ጸገም ኣሕጽር ኣቢሉ ድሕሪ ምግላጽ፡ ካብተን ዝሓልፋ ዝነበራ መካይን ደው ከብለሉ ኣምሪሩ ተማሕጸኖ። ሓለቓ ሚእቲ ነቲ ሓሳብ ብምድጋፍ ብቕጽበት ንደገ ወጽአ። ምስ ምትኩ ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው ኢሉ ድማ ንገለ ካልኢታት ተጸበየ። ብዙሕ ከይደንጐየ ኣየለ ነታ ዝያዳ ኣብ ስራሕ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ዘውዕላ ላንድሮቨር ገልጠምጠም እናበላ ደበኽ በለ።

ምትኩ ርእይ ምስ ኣበሎ ነቶም ወተሃደራት፡ “ንኺድ!” ኢሉ ብኢዱ እናኣመልከተ ኣብ ላንድሮቨር ብምድያብ፡ “ቀልጥፍ! ግድነት ከይወጽአ ከሎ ክነርክቦ ኣለና፡” በሎ ንኣየለ ብዝተረበጸ ድምጺ። ሻምበል ኣየለ ካብ ሰዓት ሽዱሽተን ፈረቓን ንድሕሪት ካብ ቤትጽሕፈቱ ከይወጽእ ብምትኩ ተሓቢሩዎ’ኳ እንተ ነበረ፡ ቀልጢፉ ክምለስ ብምሕሳብ ናብታ ቀልቡ ዝሰወረቶ ኣብ ሜክሲኮ ኣደባባይ ዘላ ብዓልቲ ባር ውሽማኡ ምስ ከደ ዋኒኑ ረሲዑ። ድራር በሊዑ ክልተ ጅን ምስ ሓንፈፎ ምትኩ ዝበሎ ትዝ ኢሉዎ ግን  ላንድሮቨሩ ኣተሲኡ ብተብተብ ናብ መደበር ተመሊሱ። ጕድለቱ ፈሊጡ ድማ ንምትኩ መልሲ ከይሃቦ ንመኪና ብዘይልባ እናዝለላ ኣብ ኣፍደገ ቤትማሕተም በጽሐ። ዝወረዶም ሓላው ኣፍደገ ብቝሪ ተሓሊቦም ሕቕብቅብ እናበሉን መብራህቲ መኪና እናደጕሖምን ማዕጾ ክኸፍቱ ካብ ጁባኦም መፍትሕ ሃሰስ በሉ። ምትኩ ተቓላጢፉ ካብ መኪና ድሕሪ ምውራድ፡ “ኣቶ ሰለሙን ኣሎዶ ከይዱ?” ክብል ተወከሶም ብዝከኣሎ መጠን ስምዒቱ ሓቢኡን ተዛንዩን።

“ሎሚ ደኣ ቀልጢፉ’ንድዩ ሰሊጡዎ። ብድሕረኹም ብዙሕ መዓስ ደንጕዩ፡” ክብሉ መለሱሉ። ብወተሃደራት ተዓጂቡ ምምጽኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዘራርባኡ ኣብ ውጡር ኵነታት ከም ዘሎ ስለ ዘግሃደሎም እቲ ጕዳይ ናይ ነገር ጥዕና ከም ዘይኮነ ምርዳእ ኣይጸገሞምን።

ምትኩ ኣብራኹ ብደዉ ክጠልሞ ደለየ። ብሕርቃን ኵምትር ኢሉ ምዝራብ ሰኣነ። ዝደረቐ ጐረሮኡ ብጥፍጣፍ ከተርክሶ እናጸዓረ ኣብ መኪና ብምድያብ፡ “ብሰንክኻ’ዩ ኣምሊጡና። ደስ ይበልካ በል ንከንቱ ደኺምና!” በሎ  ድምጹ ክብ ኣቢሉ። ብኡንብኡ ጌጋኡ ተረዲኡዎ፡ እቶም ሓላው ማዕጾ መታን ከይሰምዑዎ መስኮት ላንድሮቨር ዓጸዎ። ሓላው ኣፍደገ ግን ነቲ ዝተባህለ ድሮ ሰሚዖሞስ ንሰለሙን ብኸመይ መንገዲ ክሕብሩዎ ከም ዝኽእሉ ክሓስቡ ጀመሩ።

ሻምበል በደሉ ተረዲኡዎ ክነሱ፡ “ከምኡ ኣይትበል ምትኩ፡ ኣነ እንተ ዘየለኹ ሓለቓ ሚእቲ ኣድማሱ ነይሩ’ንድዩ!” ክብል ካብ ዘረባኡ ክዀልፎ ፈተነ።

ምትኩ ዘረባ ሻምበል ምስ ሰምዐ መሊሱ ብምንዳር፡ “ከመይ ጌርካ ከምኡ ትብል ኣለኻ? ብቐትሩ ሓቢረካ ነይረ’ንድየ! ኣብ ቤትጽሕፈትካ ክትጸንሕ ተረዳዲእና ክነብቅዕ ከመይ ጌርካ ከምኡ ትብለኒ? ኵርስኻ ዝዋጋእ እሾኽ ወይ ኣሲድ ኣለዎ ድዩ? ንሓንቲ ሰዓት ብዓቕሊ ክትጽበየኒ ኣይትኽእልን? እንታይ ዓይነት ፍጥረት ትብሃል ንስኻ?” ኢሉ ኣብ ቅድሚቶም ወተሃደራት ከም ሕሱም ገዓረ። ወላ’ኳ መተዓብይቲ እንተ ነበሩን ኣብ ግዜ ንእስነቶም የሕምቖ እንተ ነበረን፡ ከም ሽዑ መዓልቲ ደፊሩ ተዛሪቡዎ ኣይፈልጥን።

ሻምበል ጕድለቱ ክቕበል ግን ዘይሕሰብ’ዩ። “ስማዕ’ስኪ ጠቕላሊ ኣዛዚ ፖሊስ እናጸውዑኒ ከለዉ ምስ ምትኩ ቈጸራ’ሎኒ ዘይበልኩዎም ዲኻ ደሊኻ? ቀልጢፈ ዝምለስ መሲሉኒ ከይደ። በጋጣሚ ግን እቲ ስራሕ ቍሩ ግዜ መጢጡ። መኪና እንተ ዘይትኣብየካ ኸኣ እዚ ዅሉ ሽግር ኣይመጋጠመን ነይሩ። ባህሪ ኣይሓገዘናን። ስለዚ፡ ሕጂ’ውን ዕግርግር ከይበልና ካልኣይ ግዜ ከምዚ ናይ ሎሚ ክገብር ካብ ምጽባዩ ሓሊፍና ንገብሮ ነገር የሎን፡” ዝብል ርእይቶ ኣቕረበ።

ምትኩ ኢዱ ጸግ እናበለ፡ “ግደፈና’ስኪ ኣየለ! ንዓኻ ከምኡ ይመስለካ ይኸውን። ሓንቲ ወኻርያ ኣብ ሓንቲ መጻወድያ ክልተ ግዜ ኣይትተሓዝን’ያ ዝብል ምስላ እንግሊዛውያን ትፈልጦ ዲኻ? እታ ዕድል ሎሚ እያ ነይራ። ብዛዕባዚ ንዓይ ክትሕብረኒ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓላዊ ኣፍደገ ቅድም ንበይነይ ድሒረ ድማ ወተሃደራት ሒዘ መጺአ ከም ዝነበርኩ ክሕብሩዎ ስለ ዝኽእሉ፡ መጋብሩ ፈሊጡ መንገዱ ከም ዝስወር ሚኢቲ ካብ ሚእቲ ርግጸኛ እየ፡” ዝብል መልሲ ሃቦ

“ኣንታ ምትኩ፡ ስለምንታይ ኢኻ ተስፋ ዘቝርጽ ዘረባ ጥራይ ትዛረብ? ካልእ ሰብ’ውን ከምዚ ናትካ ሓንጐል ከም ዘለዎን ክሓስብ ከም ዝኽእልን ክትርዳእ ኣለካ። ኣዚ ሰብ’ዚ ካብ ገዝኡ ሓሊፉ ናበይ ከየብል ኢኻ ሰጊእካ? ሓላው ኣፍደገ ምምጻእካ ነጊሮሞ ከይኮኑ እንተ ፈሪሕካ ድማ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘጨንቕ የብልካን፡” ኢሉ ከደዓዕሶ ፈተነ።

“ጽቡቕ ኣለኻ፡ ከም ዕትሮ ኣብ ገዝኡ ኵድም ኢሉ ክጸንሓና እዩ፡” ዝብል ናይ ኣቃጫጭ መልሲ ሃቦ ብዙሕ ከይተገደሰ።

ናይ ምትኩ መልሲ ተስፋ ዘቝርጽ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዓቢ ስም ክረኽበሉ ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ዝነበረ ስርሒት ብሰንኪ ሸለልትነቱ ክፈሽልን፡ ኣብነታዊ ሻምበል ተባሂሉ መዓርግ ክቕበል ዝነበሮ ተስፋ ከም ትኪ ክበንን እናተራእዮ፡ “ይጸንሓና’ወ። ናብዚ ምምጻእና ስለ ዘይፈልጥ ንገዝኡ’ምበር ናበይ ክኸይድ ኢልካ ትሓስብ? ናብ ዝኸደ ይኺድ ግን እንታይ ምግባር ይሓይሽ ኢልካ ትሓስብ ሕጂ? ግዜ ኣይንቕተል፡” በሎ ዓቕሊ ጽበት ብዝተሓወሶ ስምዒት።

“ካልእ ኣማራጺ የሎን። ስለዚ፡ ክንቀብጽ ንገዝኡ ንኺድ።”

“ኣበይ ከባቢ’ዩ ገዝኡ?” ሓተቶ ቀቢጸ ተስፋዊ ብዝኾነ ስምዒት።

ንመጀመርያ ግዜ መስተ ሃንገፍ ምስ በሎ፡ ክሰቲ ከም ዘምሰየ ፈሊጡ፡ “ምስ ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ዲኻ ኣምሲኻ ወላ ክትሰቲ? ቍሩብ ኣይትሓፍርን?” ክብል ኣዋጠሮ። ንዅሉ ነገር ኣዋዲቑ ናብ ገዝኡ ክምለስ ድንዕ ድንዕ በለ። ቍሩብ ሕስብ ኣቢሉ ናብ ልቡ ብምምላስ ግን፡ “ናብ ሰሜን ሆቴል ገጽካ ቀጽል፡” በሎ።

ሻምበል ኣየለ መልሲ ዝጠፍኦ ሰብ ስለ ዘይነበረ፡ “ምትኩ ሓድሽ ኣርእስቲ ኣይተልዕል ሕጂ። ኣዛዚ ፖሊስ ድሮ ካብ ስራሕ ወጺኦም ኣብ ክለብ ኦፊሰራት እዮም ቈጺሮምኒ። ኣብ ስራሕ ብቡን ሓሪረ ስለ ዝወዓልኩ ድማ ምስኦም ሓንቲ ጅን ጥዒመ። የግዳስ ጓልመንገዲ ሓዲግና ኣብ ጕዳይና እንተ ኣተኰርና ይሓይሽ። ሕጂ ብዛዕባ’ዚ ሰለሙን ትብሎ ሰብ’የ ክሓተካ ደልየ። ንምዃኑ በዓል ሓዳር ድዩ ኣይኮነን?” ክብል ተወከሶ።

“በዓል ሓዳርን ኣቦ ቈልዓን’ዩ። ኣብ መርዓኡ ኣይተሳተፍኩን፡ ሓቃቶም እንተኾይኖም ግን፡ ‘ማርያም ትመስል ሰበይቲ እያ ዘላቶ’ ክብሉ ሰሚዐ ነይረ።”

“ከምኡ እንተኾይኑ ብዘይ ሓደ ምኽንያት በዓልቲቤቱን ጓሉን ጠንጢኑ ክስወር ዝኽእል ኣይመስለንን። ተስፋ’ገብር ኣብ ገዝኡ ክጸንሓና።” እናበለ መኪና ኣተሲኡ ብናህሪ ክጐዓዝ ጀመረ ሻምበል። ላንድሮቨር ኣብ ጥቓ እንዳ ሰለሙን ምስ በጽሐት ናህሪ ነክያ ደው በለት። ምትኩ ካብ መኪና ወሪዱ ናብ እንዳ ሰለሙን ሰጐመ። ካብ ውሽጢ ገዛ ዝመጽእ ድምጺ ክሰምዕ ጽን ድሕሪ ምባል እናተጠራጠረ ብቐስታ ሰለስተ ግዜ ኳሕኵሐ።

ሻምበል፡ ሰለሙን ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ እናተመነየ ከብዱ ሓቝፉ ተጸበየ። ሮዛ ድምጺ መኪና ስለ ዘይሰምዐት፡ “ሰለሙን ደኣ መኪናዶ ተባላሽያቶ ኾይና ካልእ ሰብ’ዩ?” እናበለት ቅድሚ ምኽፋታ፡ “መን ኢኻ?” በለት ኣብ ገበላ ኮይና ብዓውታ። ሰራሕተኛኣ ቀዲማታ ናብ ደገ ብምውጻእ፡ “መን ኢኻ?” ደገመት ብመንፊት ናይ ማዕጾ ሰብ ክትርኢ እናፈተነት።

“ኣነ ጋሻ’የ፡ ኣቶ ሰለሙን ይህልዉዶ ይኾኑ?”

“የለዉን፡ ናይ ደሓን ዲኹም?”

“ደሓን’የ፡ መኪና ተባላሽያትንስ ገዛ ኣብጽሓኒ ክብሎ’የ ሓሲበ ነይረ።”

ክዳን ኣደኣ ሒዛ ኣብ ልዳት ደው ኢላ ዝነበረት ፍረወይኒ ኣቦኣ ዝመጽአ መሲሉዋ፡ “ባባየይ!” እናበለት ናብ ኣፍደገ ገጻ ኮደብ ኮደብ በለት። ንዒ ፍሬታ ጓለይ፡ ባባኺ ኣይኮነን ጋሻ እዩ፡” በለታ ሮዛ።

“እሞ ምስ ኣተዉ መን መጺኡ ነይሩ ክንብሎም?” ሓተተቶ ሰራሕተኛ።

ምትኩ፡ ምስ ሰለሙን ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎ በዓል መኪና መን ምዃኑ ክዝክር ቍሩብ ድሕሪ ምሕሳብ፡ “መኪና ተባላሽያቶ ያሲን መጺኡካ ነይሩ በልዮ፡” ኢሉ ጠንጢኑዋ ናብ ላንድሮቨር ኣምርሐ።

ሮዛ ክብሃል ዝጸንሐ ክትሰምዕ ስለ ዝጸንሐት፡ “ለይቲ ምድሪ ንሰለሙን ዝደሊ ደኣ ናይ ነገር ሓቂ ድዩ?” ብምባል ስግኣታ እናዛየደ ናብ ስግር’ቲ ቀጽሪ ተቛመተት። ክዅሕኵሕ ዝጸንሐ ቈማት ሰብኣይ ናብታ ቍሩብ ርሕቕ ኢላ ደው ዝበለት መኪና ክድይብ ተዓዘበት። ናብ ገዛ ክትኣቱ ብግስ እናበለት ከላ ብሸነኽ ፒያሳ ዝመጽአት መኪና ድሙቕ መብራህታ ናብታ ደው ዝበለት ላንድሮቨር ኣዕለበት። ላንድሮቨር ናይ ፖሊስ መሲላ ስለ ዝተራእየታ ብፍርሒ ተዋሕጠት። ዳግም ሕስብ ኣቢላ ግን “ዋእ! እንታይ ኮይነ እየኸ ሐሕማቑ ጥራይ ዝሓስብ? መኪና ዝተበላሸወቶ መሳርሕቱ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ፖሊስ እንተዝኸውን ብረት ምሓዘ ነይሩ። ላንድሮቨር ከኣ ናይ ፖሊስ ጥራይዶ ኮይነን፡” ኢላ ኣምላኽ ክፉእ ከየስምዓ እናተመነየት ናብ ገዛ ኣተወት።

ድሕሪ ገለ ደቃይቕ ሮዛ ድምጺ መኪና ሰሚዓ ተቓላጢፋ ናብ ኣፍደገ ብምውጻእ ጽን እንተ በለት ናይታ ላንድሮቨር ድምጺ ሞቶረ ምዃኑ ተገንዘበት።  ላንድሮቨር ሞቶረ ኣተሲኣ ድሕሪ ምጽናሕ መብራህቲ ወሊዓ ብቕድሚ ገዛኣ ተጠውያ ብናህሪ ተወንጨፈት። ኣብ ጋቢና ክልተ ሰባት ብድሕሪት ድማ ክልተ ብረት ዝሓዙ ወተሃደራት ምስ ረኣየት ብቕጽበት ኣብ መደቀሲ ክፍል ኣትያ ኣብ ዓራት ተደረበየት። ብኡ ንብኡ እተን ዘይቅደማ ኣዒንታ ንብዓት ክዛርያ ጀመራ።

ይቕጽል

መበል 53 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ፍቕራዊ ዛንታ ኣብ ምእላሽ
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2025. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?