Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on November 30, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

ራብዓይ ምዕራፍ መበል 27 ክፋል

*             *             *

ብዛዕባኣ ጥራይ እናሓሰበ መንገዲ ኣጋር ሒዙ ብምኻድ ከይተረድኦ ኣብ ኣፍደገ ባር ዳኦስታ በጽሐ። ጽርግያ ሰጊሩ ንሓሙሽተ ደቒቕ ኣቢሉ ታክሲ ድሕሪ ምጽባይ ናብ ፓራዲዞ ኣምርሐ። ኣደ ሃብቶም ወደን ዝለኣኸለን ገንዘብ ምስ ተቐበላ ብዛዕባ ወደን ከየዕለላ ስለ ዘይሰድኦ ብኣጋኡ ከም ዘይምለስ ርዱእ ነይሩ። ስለዚ፡ ሻሂ ሰትዩ ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል ድሕሪ ምዕላል ተፋንዩወን ወጽአ። ኣብ ምላሹ ታክሲ ክጽበ እናሓሰበ ከሎ፡ ሓደ ኣብ እንዳ ክርቢት ዝሰርሕ፡ ኣብ ቺፖሊኒ ከም ተኸላኻላይ ዝጻወት ዝነበረ ወዲጋንታኡ ክሳብ ከባቢ ባር ኪትካት ተማልኦ። ካብኡ ብእግሩ ሰለይ እናበለ ብምስጓም ንየማን ተጠውዩ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ በጽሐ። ነቲ ብጸጋሙ ዝነበረ ደባን ዝሕብሩ ህንጻ ምስ ረኣየ፡ ብሓሳብ ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ፡ ኣብ ቤትተምህርቲ መባእታ እናተማህረ ከሎ ኣብ ሓምሳታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ኵነታት ዘከረ።

ኣብ 1962 ዓ.ም ስርዓት ሃይለስላሴ ነቲ ህንጻ ብጦርሰራዊት ኣኽቢቡ፡ ንኣባላት ባይቶ ኤርትራ ብምፍርራሕን ብምግዳድን፡ ንፈደራላዊ ስርዓት ኣፍሪሱ ኤርትራ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ ጠቅላይ ግዝኣት ክገብራ ከሎ፡ በዓል ኣብርሃም ሓዉ፡ “ኤርትራ ፍሪዶም!” እናበሉ ኣብ ጽርግያታት ክምርሹን ምስ ወተሃደራት ክጋጨዉን ከለዉ ሽዑ ኮይኑ ተሰምዖ። ትግርኛን ዓረብኛን ወግዓዊ ቋንቋታት ኤርትራ ምዃኖም ተሪፉ ብኣምሓርኛ ምስ ተተክአ፡ መጻሕፍቲ ትግርኛን ዓረብኛን ተኣኪቡ ከም ዝተቓጸለ’ውን ትዝ በሎ። ሽዑ ኣብ ሓሙሻይይ ክፍሊ እናተማህረ ከሎ ሃገራዊ መዝሙር ኢትዮጵያ ዘምሩ ተባሂሎም፡ “ኢትዮጵያ ሆይ ደስ ይበልሽ፡ ብኣምላክሽ ሃይል በንጉስሽ፡” እናበሉ ደርገፍገፍ ክብሉ ከለዉ፡ ሓደ ፍርዝን ዝበለ ድሒሩ ናብ ገድሊ ዝኸደ መማህርቶም፡ “ዓደየ ዓደየ! ኤርትራ ዓደየ፡” እናበለ ይዝምር ከም ዝነበረ ምስ ዘከረ ሰብነቱ ክቈጻጸሮ ብዘይክእል ሃገራዊ ወኒ ተወርረ። ብኸምዚ ካብ ሓደ ተዘክሮ ናብ ካልእ ፍሉይ ተዘክሮ ብምስግጋር ንሕሉፍ ፍጻሜታት እናዳህሰሰ ሓያል መንገዲ ተጓዕዘ። ጸሓይ በርቲዓቶ ቍሊሕ እንተ በለ ድሮ ኣብ ሲነማ ሮማ ከም ዝበጽሐ ተረድኦ። ጽርግያ ሰጊሩ ቍሩብ ድሕሪ ምጽባይ ድማ ኣብ ኣውቶቡስ ድዪቡ ጕዕዞኡ ናብ ቲራቮሎ ኣቕንዐ።

ኣብ ገዛ ምስ በጽሐ፡ ኣቦኡ ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢሎም ምስ ጸንሑዎ መስተ ሃንገፍ እናበሉዎ ሰዓሞም። ነፍሶም ሓፊሱ፡ ገጾም ዓዝዒዙን ብማዳ ሕብሩ ቀዪሩን ነይሩ። ብምምጽኡ ሕጕስ’ኳ እንተ ነበሩ፡ ኣቐዲሙ ስለ ዘይሓበሮም ቅር ከም ዝበሎም ኣብ ገጾም ይንበብ ነይሩ። ግራዝማች ብዘይካ ኣብ ሓፈሻዊ ኵነታት ዝተመርኰሰ ዕላል ካልእ ከይተዛረቡ ዝቐረበሎም ምሳሕ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ወ/ሮ ገብርኤላ መኣዲ ኣልዒለን ኣብ ክሽነአን ተሸርባ። ድሕር’ዚ ኣገዳሲ መደረ ክገብር ከም ዝተቐረበ ዓቢ በዓል ስልጣን፡ “እሕሕ!” ኢሎም ጐረሮኦም ድሕሪ ምጽራይ፡ “ትመጽእ ከም ዘለኻ ደኣ ስለምንታይ ዘይሓበርካኒ?” ብምባል ኣፋሪቖማ ዝነበሩ ጽራይ ስዋ ዝሓዘት መለሊኽ እናልዓሉ ዘረባኦም ጀመሩ። ከም እንዳ ዓበይቲ መጠን ገዝኦም ስዋ በቲኹ ኣይፈልጥን’ዩ።

“ዋእ! ኣጋጣሚ ፍቓድ ምስ ረኸብኩስ ኣይዘከርኩዎን በተግ ኢለ ተበጊሰ፡” ንግዜኡ ዝሃቦም ናይ ሸፈጥ መልሲ እዩ ነይሩ።

“ኣየ ቈልዑ ሎምዘበን!” ድሕሪ ምባል፡ “ንምዃኑ ንኽንደይ መዓልታት እዩ’ኸ እቲ በርሜሶኻ?” ሓተቱዎ ቃላቶም ጸቒጦምን ብጎቦ ዓይኖም እናጠመቱዎን። ነፍሶም ግዲ ነጊሩዎም ከሎ ገና እዮም ገንጨርጨር ክብሉሉ ጀሚሮም።

ሰለሙን ኵነታቶም ኣጠራጠሮ። “ኣደይ ክትነግሮ ትኽእል ኣይመስለንን። እዛ ማሪያ ትብሃልዶ ደኣ ተረፍ ታሕጓሳ ብቴለፎን ነጊራቶ ኾይና?” በለ ብውሽጡ። ቍሩብ ሕስብ ኣቢሉ፡ ዓመት ከይሰራሕኩ ዕረፍቲ ክሓትት ስለ ዘይክእል ንኽልተ መዓልቲ ጥራይ’የ ኣፍቂደ ዘለኹ፡” ክብል ትሕትና መለሰሎም።

“በስመኣብ በወልድ መንፈስ ቅዱስ! ብጥዕናኻ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ? ሃንደበት መጺእካስ ኣንኮራ ንኽልተ መዓልቲ እየ መጺአ ክትብለኒ! ኣብ ክልተ መዓልቲ ዝውዳእ ሕጸ ኣበይ ዓዲ ርኢኻ ትፈልጥ? እንታይ ዲኻ ሓሲብካ? እምበርዶ ኣእምሮ ኣለካ! ቍሩብ ሕንኽ ኣይትብልን ዲኻ? ክብሉ ዘሎ ሕቶታቶም ከም መደረጋሕ ፈነዉሉ።

“እንታይ ዘይገበርኩ’ሞ ኣንታ’ቦ! እዘን ክልተ መዓልታት’ውን ብኽንደይ ጣጣ ኣቃባጢረ እየ’ኮ ረኺበየን።”

ዘረባኡ ምውሓጥ ኣብዩዎም፡ “ማ ቫይ ቫይ! እዚ ጣቋ ዘይብሉ ዘረባ እዩ። ትማሊ ትማሊ ዝተወለድካ ሓንጫል ቈልዓ ንዓይ ንግራዝማች ክተታልለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጸ ኣሎኒ እናበልካዮም ከመይ ኢሎም’ዮም ናይ ክልተ መዓልቲ በርሜሶ ጥራይ ኢና ንህበካ ዝብሉኻ? ዘይመስል እዩ’ምበር፡ መን’ዩኸ ክኣምነካ?” ኢሎም ተገዪጾም ምስ ጠመቱዎ፡ ዝምልሰሎም ጠፊኡዎ ኣይተዛረበን ሰሰሪቑ ጥራይ ጠመቶም። ናይ ዓይኒ መነጽሮም ኣብ ጠረጴዛ ድሕሪ ምቕማጥ፡ “በል ደስ ይበልካ ሕጸ ድሕሪ ወርሒ ክንቈጽሮ ኢና፡ ሽዑ ጥራይ ከምዚ ናይ ሎሚ ከይትገብረና፡” በሉዎ ሓንሳብ ናብኡ ሓንሳብ ድማ ናብታ ኣብ ቅድሚኦም ተዀዲማ ዝነበረት መለሊኽ እናጠመቱ። ስዋኦም ጸጽዮም ክትስኡ እናሓሰቡ ከለዉ፡ “ንምዃኑ ባሻይ ወዱ ከም ዝሞቶ ሰሚዕካ ዲኻ?” ዝብል ሕቶ ኣስዓቡሉ።

ርእሱ ነቕኒቑ ናይ እወታ መልሲ ምስ ሃቦም፡ “በል ኣጋምሸት ናብ ገዝኡ ብምኻድ ገጽካ ክደን’ሞ፡ ንእግረ መንገድኻ ድማ ነታ ቈልዓ ትርእያ። መፍትሕ መኪና ምስ ኣደኻ ክገድፈልካ እየ፡” እናበሉ ብርኮም ተደጊፎም ተስኡ። መኪናኦም ንሰብ ኣየተንክፉዋን’ዮም ነይሮም። ኵነታት ወዶም ባህ ስለ ዘይበሎም ግን ንሕርይቲ ምስ ረኣያ መንፈሱ ክሕደስ፡ ኣሸበሸብ ከዛውራ እንተ ኣምስዩ ኸኣ ምስኣ ዘለዎ ምትእስሳር ዝያዳ ክተርር ካብ ዝብል ዕላማ ተበጊሶም ንሽዑ ምሸት ዕምት ኢሎም ኣወፍዮማ ከምስዩ ቈሪጾም።

እታ ወሳኒት ህሞት ከም ዝኣኸለት ዝፈለጠ ሰለሙን ደድሕሪኦም ብድድ በለ። ዘረባኡ ክጅምር እናሓሰበ ከሎ፡ “በል ኣነ ቍሩብ ቀም ከብል’የ፡” ኢሎም ስጕም ድሕሪ ምባል፡ “ወይለይ! እንታይ እዩኸ ዓኒዱኒ ጸኒሑ፡ ብዛዕባ ካትም ናይ ሕጸ ከይነገርኩኻ ረሲዐዮ ነይረ። ክልተ ስራሕ ከይኮነና መጺእካ ከለኻ ሎሚ ምሸት ወድኣዮ ኢኻ። ካብ ደሓር ኣብ ተብተብ ምእታው ኵሉ ነገር ኣቦስቶ ኮይኑ እንተ ጸንሐ ዝሓሸ እዩ፡” በሉዎ ድቃስ ተራእዩዎም እናምበሃቝ።”

ሰለሙን ነቦኡ ኣዝዩ ስለ ዘኽብሮም ምድፋሮም ሰኣነ። ነቲ ወሳኒ ጕዳይ ብሻላ ማላ ክሓልፎ ስለ ዘይክእል ግን ኣሎ ዝብሃል ትብዓቱ ተጠቒሙ ከም ሓደ ገለ ነገር ዝደለየ ቈልዓ ሕስይስይ እናበለ፡ “እወ ጽቡቕ ኣለኻ፡ ግን እንታይ ይመስለካ ኣቦ፡ ብዛዕባ ካትም ናይ ሕጸ ካብ ኣልዓልካ ሓደ ክዛረበካ ዝደሊ ኣገዳሲ ጕዳይ ኣሎ፡” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ ብሓፊስን ስክፍታ ብዝዓብለሎን ድምጺ።

ገጾም ገልቢጦም ከም ብሓድሽ ኣብ ሶፋ ኮፍ በሉ። ሰለሙን ወዶም፡ “ጽቡቕ ኣለኻ ኣቦ፡ ሕጸ ክሳብ ሎሚ’ውን ክደናጐይ ኣይነበሮን፡” ክብሎም ንሶም ከኣ፡ “ካብ ቀደምካ ብሩኽ’ንዲኻ ሰለሙን ወደይ፡ እንጌራ’ዝጊ ብላዕ!” ኢሎም ክምርቑዎ እናሓሰቡ ከለዉ፡ “ይቕሬታ ግበረለይ ኣቦ ንሕርይቲ ጓል ኣቦይ ባሻይ ክምርዖ ድሌት የብለይን. . .”

ነእዛኖም ተጠራጢሮመን ገና ዘረባኡ ከይወድአ ብዓውታ፡ “እንታይ በልካ?” ኢሎም ኰለፉዎ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመቱ።

ኣብኡ በጺሕካ ንድሕሪት ምምላስ ክህሉ ከም ዘይክእል ስለ ዝተገንዘበ ነቲ ዘረባ ሓንቲ ቃል ከየትረፈ ብምሉኡ ደገመሎም።

እተን ቃላት ደጋጊመን ኣብ ኣእዛኖም ኣቃልሓ። ብሕርቃን ቈለጭ ኢሎም፡ “ወዲኣየተ ኣነ! ብምባል ካብ ኵርሶም ተስኡ። “ነዚ ክትብል ኢኻ መጺእካ! ኣንታ ደረቐኛ! ድሮ ክንዲ ሰብ ኣኺልካስ ቃለይ ክተዕብር ጀሚርካ። ሓቅኻ! ጽጋብ’ንድዩ ሰንጢቑካ፡” ብምባል ክጥሕሩዎ ቍሩብ ተረፎም። ሰራውር ደም መታልሖም ተገታቲሩ፡ እተን ፍሩያት ኣዒንቶም መጻወድያ ከም ዝሓዛ ኣንጭዋ ነጢረን ክወጽኣ ዝደለያ መሰላ።

“ህድእ’ሞ በል ኣቦ፡ ቅድም እንተ ትሰምዓኒ ምሓሸ ነይሩ።”

“ዝቐደመ ከይኣኽለካስ ህድእ በል ክትብለኒ! ነዚ እናሰማዕኩ’ሞ ከመይ ኢለ’የ ክሃድእ? ኣነስ ዘይሰምዖ’ባ የብለይን! እስኪ ተዛረብ ሕራይ እንታይ ኢኻ ክትብል ደሊኻ?” እናበሉ ዳግማይ ኣብ ፊቱ ኮፍ በሉ።

“ንዓኻ ደስ ከብል ኢለ ዘይፈተኹዋ ጓል ተመርዕየ ኣይሰሙን ኣይሳልስቲ እንተ ተፋታሕና ቅኑዕ ኣይኮነን። ነታ ጓልሰብ’ውን ዕድላ ምስባር’ዩ ዝኸውን። ጸገመይ ተረድኣዮ፡” ብምባል ብዝከኣል መጠን ከህድኦም ሃቀነ።

“ኖን ፋይ ኒየንተ! ኢሎም ጨደሩ ከም ብሓድሽ ካብ ኵርሶም እናተስኡን ኣእዳዎም ጸግ እናበሉን። ናብኡ ቀሪቦም ኣመልካቲቶ ኣጻብዕቶም ናብ ኣፍልቦም ብምትካል፡ “ኣነ ግራዝማች ኣነ መብጽዓይ ጠለምኩ ማለት ዘበት’ዩ! ምስ ብዓል ኣደኻ ከምዚ ናታትኩም ብቐንጠብጠብ ወይ ፈተኹኺ ፈተኽኒ ተባሃሂልና ኣይኮንናን ቃል ኪዳን ኣሲርና። ክቡራት ወለድና ትኹነካ ይኹንኪ ኢሎም ኪዳንና ምስ መረቑልና ኢና ሓዳር መስሪትና። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ከኣ ደጊም እንሄልካ ደኣሲ ሓዳር መስሪትናስ ክንፋቐርን ንዓኻትኩም ክንወልድን ክኢልና። ስለዚ፡ ኣይፈተኹዋን’ሞ ክምርዓዋ ኣይክእልን’የ ምባል ምስ ምንታይ’ዩ ክቝጸር? ዝገርም ነገራት እዩ’ኮ! ከይቀረብካያን ከየዕለልካያንከ ከመይ ኢልካ ኢኻ ከም ዘይትፈትዋ ትዛረብ ዘለኻ? እዚ ትብሎ ዘለኻ ምፍታውን ምፍቃርን፡ ቃልኪዳን ኣሲርካ በቦኻን በደኻን ብወለድኛን ምስ ተመረቕካን መንፈስ ቅዱስ ምስ ሰረጸካን ከም ዝስዕብ ክርድኣካ ኣለዎ፡” ኢሎም ሓያል ዓቐብ ከም ዝደየበ ሰብ ብሓይሊ ኣተንፈሱ።

ንገለ ካልኢታት ኣብታ ክፍሊ ህድኣት ሰፈነ። ግራዝማች ብሕርቃን ነዲዶም ከም ዘይጸንሑ ርግእ ኢሎም ዘረባኦም ብምቕጻል፡ “ጓል ባሻይ ዓርከይ ከኣ ሕጻባ ዝስተ፡ ዝኾነ ጐበዝ ዝምነያ ሚለን ቈልዓ እያ። ብውርዝና እንተ መጻእካ’ውን ማርያም’ያ። ውዒልካ ሓዲርካ ከም ትፈትዋ ኸኣ ርግጸኛ እየ። ሕጂ ድማ ሕልሚ ፈሪሕካስ ከይደቀስካ ኣይሕደርን ከም ዝብሃል፡ መን ይፈልጥ እንተ ዘይተፋተናስ ከይንፋታሕ ብዝብል ምስምስ መርዓ ክትኣብየኒ ከለኻ ዝቕበለካ ሰብ የሎን። ካብኡ ተረፈ ግን ኮዘ ቸንትራ! ፍትሕ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ዝነበረ ምዃኑ ክትፈልጥ ኣለካ! ብኣኻ መዓስ ክጅመር ኮይኑ። ስለዚ፡ እንተኾነ ምርቓና ስለ ዘይጋደፈኩም ቼርታሜንተ ኪዳንኩም ክጸንዕ’ዩ። መን ይፈልጥ ናይ ሰይጣን ነገር ኮይኑ መኻልፍ ኣጋጢሙ እንተ ተፋታሕኩም ድማ ኮኾቦም ዘይተጋጠመ ኮይኑ እዩ ካብ ምባል ንላዕሊ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ኣዕውተኒ ሰለሙን ወደይ፡ ኣብ ኣፋን ዕርበታን መብጽዓይ ኣይተጥልመኒ። ደሓር ከኣ መብጽዓኡ ናይ ዝጠለመ ሰብ ዕዳ ናብ ውላዱ ከም ዝሓልፍ ኣይትስሕቶን ትኸውን። ኮታ እቲ ሳዕቤን ዘይሩ ዘይሩ ኣባኻ እዩ ክወርድ፡” ብምባል ብዝከኣሎም መጠን ክሓባብሉዎን ኣብ ድሌቶም ከእትዉዎም ጸዓሩ።

ሰለሙን ብመጠኑ ፍናን ረኺቡ፡ “እዚ’ሞ ኸኣ ገበን’ዩ! እናፈለጥኩ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይኣምነሉ ነገር ክኣቱ ነፍሰይ’ኳ ኣይገብረለይን። ሓንቲ ነገር ክነግረካ’ቦ፡ ብሓቂ ትፈትወኒ እንተዄንካ ነዛ መሪጸያ ዘለኹ ጓል ክምርዓው ኣፍቅደለይ። እዛ ዝብለካ ዘለኹ ጓል ብዅሉ መምዘኒ ዝወጽኣ የብላን፡ ኣዝየ እየ ዘፍቅራ፡ ምስ ረኣኻያ ድማ ከም ትቕበላ እፈልጥ’የ፡” ክብል መለሰሎም።

ቍሩብ ክዝሕሉ ጀሚሮም ዝነበሩ መሊሶም ብሕርቃን ተተኰሱ። “ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ክብል ኣያ ኣድሓኖም’ባ ሓቁ እዩ። ሰይጣን ዓሺሩካ ድዩ? ብጥዕናኻ ዲኻ ትዛረብ ዘለኻ? ስድራኻ ዘይባረኹልካ መርዓ ነውሪ ምዃኑኸ ጠፊኡካ ማለት ድዩ? ወይ ኣምላከ እስራኤል! ጽንሕ ኢለስ ገለ ክሰምዕ’የ ኣንቱም ሰባት! መቸም ንእሽቶ ኵሉ ግዜ ንእሽቶ እዩ። ቍሩብ’ስኪ ሕሰብ፡ ሰማይ ዝሃገርካ ካብ ጓልባሻይ እትጽብቕን እትውርዝን ቈልዓ ክትረክብ ሓሳብ ኣሎካ?” በሉዎ ብሓውሲ ሕርቃንን ባጫን።

“ኣታ’ቦ፡ ኣብ ሓዳርኮ ፍቕሪዩ ወሳኒ፡ ኣነ ድማ ትሕመቕ ትጸብቕ ንዓይ ትሰማማዕ፡ ትኾነኒ እያ ዝብላ ጓልሰብ ረኺበ ስለ ዘለኹ . . .”

ዝረባኡ ዝኾነ ቅጭ ስለ ኣምጽኣሎም ጕንዲ እዝኑ ከላድዱዎ ተደናደኑ። ንዕቀቱን ድፍረቱን ፈጺሞም ክጻወሩዎ ኣይከኣሉን። መደቡ ብዅሉ መንገዲ ምስ መደቦም ዘይቃዶ ምስ ኮነ ቍሩብ ሕስብ ኣቢሎም፡ “እዚ’ኳ መሬት እንተ ተኣየደ ዘይሕሰብ ነገር’ዩ፡ ወይ ፈጣሪ ኵሉ ኣለም!” ድሕሪ ምባል፡ “ጓል መንከ ትብሃል’ዛ ትብላ ዘለኻ ጓልሰብ?” ክብሉ ሓተቱዎ። ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ከም ዝብሃል ኣብ ኣእምሮኦም ቅድሚ ናብ ኣዲስኣበባ ምኻዱ ክላለየን ዝኽእል ውቁባት ንመርዓ ዝኣኸላ ደቂ ዓበይትን መኳንንትን ወሰን ኢሎም ክፍትሹ ጀመሩ።

“ሮዛ መዓሾ እያ ትብሃል።”

ጓል ፊተውራሪ እከለ ወይ በረምበራስ እከለ ክብሎም ይጽበዩ ስለ ዝነበሩ፡ “እንታይዋይ መዓሾ እዩ’ዚኸ?” በሉዎ ተገሪጮም። ሕጂ’ውን ኣብ ኣስመራ መዓሾ ዝብሃል ሃብታም ነጋዳይ፡ ጸሓፋይ፡ ፈራዳይ ክዝክሩ እናፈተኑ።

ስም ኣቦሓጎኣ ንሮዛ ይፈለጦ ስለ ዘይነበረ፡ ዝምልሶ ጠፊኡዎ ቍሩብ ዝን ድሕሪ ምባል፡ መዓሾ ደኣ ኣቦኣ እዩ፡” ክብል መለሰሎም መንነት ኣቦኣ ክፈልጡ ይደልዩ ከም ዘለዉ ብዙሕ ከይተገደሰ።

“ኣቦኣ ምዃኑ መዓስ ጠፊኡኒ፡ ፌሶ! እንታዋይ’ዩ? ኣበይከ እዩ ዓዱ? እየ ዝብለካ ዘለኹ፡” ክብሉ ቍጥዕ ኢሎም ምስ ሓተቱዎ፡ “ዓዶም’ኳ ኣይፈለጥኩዎን ምስኣ ግን ኣብ ኣዲስኣበባ ኢና ተፋሊጥና. . .”

ዘረባኡ ከይወድአ፡ “እስመክሃያ!” በሉ ርእሶም እናሓዙ። ጨሪሾም ናብ ጽሉል ተቐየሩ። “ሎምስ ከኣ ጓል ርባኻን ጓል ጐደቦኻን ገዲፍካስ፡ ዓዳ ኣይፍለጥ ዓውዳ ኣይፍለጥ ጓል ማንም ክትእክበለይ! ኣንታ ጸያቕ ዓሌት! ርሑቕ ከይዱ ዝምርዖስ ወይ ክታለል ወይ ከታልል ክብሉ ሓቃቶም’ዮም። ኣስመራ ጸቢባትካ ዲኻ ናብ ሽዋ ዝተናጠርካ? ንዓይ ክተጕሂ’ዩ ዕላማኻ?” እናበሉ ኣብ ውሽጢ ሳሎን የማነ ጸጋም ሸፋሕ ብምባል ከም ሕሱም ነደሩ።

ሰለሙን ብጌጋ ከም ዝተረድኡዎ ፈሊጡ፡ “እዛ ዝብለካ ዘለኹ ጓል’ኮ. . .” ኢሉ ኤርትራዊት ምዃና ከገልጸሎም እንተ ፈተነ፡ ዘረባኡ ክውድእ ዕድል ከይሃቡ፡ “ተበጕልካ ጥፋእ ኣንታ ርኹስ! ሎምስ ከኣ ማንም ዘርኣን ዓጽማን ዘይትፍለጥ ጐቲትካ ክተምጽኣለይ! ኣብ ዘይሰይጣነይ ከይተእትወኒ ኪድ ርሓቕ! ርኹስ ወይ ርኹስ፡” ኢሎም ምስ ተሳሃሉዎ ሰላሕ ኢሉ ክወጽእ ተገደደ። ንሶም ድማ፡ “እዋይ ተካል ውላድ! ብኻ እዝስ ከይተወልደ ተሪፉ እንተ ዝነብር! እዋይ ተካል ርካብ!” እናበሉ ንበይኖም ከም ሕሱም ገዓሩ።

ወ/ሮ ገብርኤላ ኵሉ ክብሃል ዝጸንሐ ኣብ መደቀሲ ክፍለን ኮይነን ብፍርሒ እናተሓቝና ክሰምዖኦ ስለ ዝጸንሓ፡ ወደን ምስ ወጽአ ኣበርቲዐን ኣተንፈሳ። ቍሩብ ጽንሕ ኢለን፡ ኣጻብዐን ቈራዕራዕ እናበላ፡ ከብደን ሓቝፈን ናብ ሳሎን ቅልቅል ድሕሪ ምባል፡ “ቍሩብ ህድእ በሉ’ስኪ በጃኹም፡ ሕማምኩም ይኣኽለኩም፡” በላኦም ዘይፈለጣ ክመስላ።

“ሓቅኺ እንታይ ከም ዝበለኒ ኣይሰማዕክን፡ በይነይ ዝዋረዶ ዘለኹ እንታይ ገዲሹኪ፡” መለሱለን ተታዕኒኖም።

“ዝግ በሉ ጥራይ ደሓን፡ ኣዝግሄር ዝሓሰቦ ኣይተርፍን’ዩ ናብ ልቡ ይምለስ ይኸውን፡” ብምባል ክዕግሶኦም ፈተና።

“ወዲቕኪ ኣይትድሓኒ! ደሓን ትብልኒስ ቍሩብ ኣይትሓፍርን? እምበርዶ ኣእምሮ ኣለኪ እዩ?” እናበሉ ዝገደደ ገንፊሎም ኢዶም ጸግ ስለ ዘበሉለን ናብአን ከይስልበጡ ፈሪሐን ቃል ከይወሰኻ ዝባነን ሂበንኦም ናብ ቦታአን ተመልሳ።

ይቕጽል . . . . . .

ራብዓይ ምዕራፍ መበል 28 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 3 ታሕሳስ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleታሪኽ ዘርኣይ ደረስ
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?