Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on October 29, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

3ይ ምዕራፍ መበል 20 ክፋል

“ጸጸኒሕካ’ባ ገለ ኢኻ ትሰምዕ። ከመይ ዝበለ ዕሽነት ኣለዋ ግን? ዝያዳ ትኸፍለኪ እንተ ኾይና’ሞ እንታይ ከሲባ ማለት’ዩ? ናይ ገለ ሰባት ባህሪ’ኳ ዘገርም’ዩ።”

“ኣየ ሰለሙን! ንስኻ ኢኻ ዓሻ። ምኽንያቱ ንዓይ ዕጽፊ ኣይኮነትን ትኸፍለኒ ነይራ። ደሓር ከኣ ኣብ ክንዲ ናይ ክልተ ሰራሕተኛ ምግብን መደቀስን ትኸስር፡ ናተይ ጥራይ ተውጽእ ነይራ ማለት’ዩ። እዚ ከኣ ንከም ሲኞራ ኣድርያና ዝኣመሰለት ሚኒኑ ቀሊል ወጻኢ ኣይኮነን። ብዝኾነ ናብቲ ጕዳይ ክምለስ፡ እቲ ገዛ ስፍሕ ኢሉ ቪላ ብምንባሩ፡ ስራሕ ጽሬት ይብርትዓኒ ነይሩ’ምበር ንሰለስተ ሰባት ምግቢ ምኽሻን ግዜ ይወስደለይ ኣይነበረን። ኣጋይሽ ከመጽኡ ከለዉ ግን ኣብራኸይ ከይሰበርኩ እውዕል ነይረ። ሳሕቲ ክዛወሩ ናብ ሶደሬ ወይ ናዝሬት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ድማ መጽሓፈይ እናንበብኩ ኣብ ዓራተይ ጠንቀላዕላዕ ክብል እቕኒ ነይረ። ሓንቲ ጸገመይ ጕዳይ ቤተክርስትያን እያ ነይራ። ምኽንያቱ ሰንበት ሰንበት ሰብኣይን ሰበይትን ምስ ወዶም ተተሓሒዞም ቅዳሴ ክሰምዑ ክኸዱ ከለዉ፡ ቍርሲ ኣዳልየሎም ክጸንሕ ነይሩኒ። ከም ዝበልኩኻ እቲ ሰብኣይ ብሩኽ ስለ ዝነበረ ግን ‘ከም ክርስትያን መጠን ሰንበት ምድሪ ከይተሳለምኩ ክውዕል ሓጢያት’ዩ፡ ካልእ እንተ ተረፈ ወላ ናይ ኣጋምሸት ቡራኬ ክሰምዕ፡’ ምስ በልኩዎ ንወዱ ከመላልሰኒ ነጊሩዎ።”

“ክሳብ ክንድዚ ሕያውነት ግን እንታይ ይብሃል? ብሓቂ ጻድቕ ሰብ’ዩ ነይሩ፡” በላ፡” ብዕላል እናተገረመ።

“ናቱ ለውሃት ግርም’ዩ ዝብለካ። ብኡነት እብለካ’ለኹ፡ ኣርመን ክብሃል ከሎ ኣረሜን፡ ርጉማትን ጨካናትን ህዝቢ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ኣቶ ክሪስቶቭ ግን ከም ሽሙ ወዲ እዝግሄር’ዩ። ወዲ ዕስራ ዓመት ከሎ ካብ ዓዲጥልያን ናብ ኣዲስኣበባ ከም ዝመጽአ’ዩ ዝዛረብ። ሓደ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ኣርመን ብመንግስታት ሩስያን ቱርክን ከም ዝጸነተ፡ ባህሎምን ቋንቋኦምን ዋና ዘይብሉ ከም ዝተረፈ፡ ስድራኡ ብቈልዓኡ ናብ ስደት ከም ዘምርሑ ከዕልለካ ከሎ ንብዓት’ዩ ዝስዕሮ። ኵሉ ግዜ ዘረባኡ ክውድእ ከሎ፡ ‘ውዒሉ ሓዲሩ ሃገርና ካብ ግፍዐኛ መንግስቲ ሩስያ ሓራ ክትወጽእ’ያ። ሓደ መዓልቲ ከኣ ብሓይሊ ኣምላኽ ናብ ኣርመንያ ክምለስ’የ፡’ እዩ ዝብል ነይሩ። መስኪናይ ሰበይቱ ቍሩብ ሕይል ትብሎ ስለ ዝነበረት ግን ሕጕስ ኣይነበረን። ደሓር ከኣ ብስደት ናብ ዓዲጥልያን ምስ መጽአ ዝተመርዓዋ ጓል ሓደ ሃብታም ኢጣልያዊ ስለ ዝነበረት፡ ንወዱ ቋንቋ ኣርመን ክምህሮ እንተ ፈተነ ምስኣ ብጣልያንኛ ጥራይ እናተዛረበ ቋንቋ ኣቦኡ ስለ ዘጥፍኦ ብዙሕ ጓሂ ኣለዎ።

“እዚ ኣሳዱር ዝብሉዎ እንኮ ወዱ፡ ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ምስ በጽሐ ትምህርቲ ኣቋሪጹ ኣብ ናይ ኣቦኡ ድኳን ክሰርሕ ዝጀመረ ጽጋበኛ መንእሰይ’ዩ። ኣብ ቀንዲ ዘረባይ ክምለስ ግን ንሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ናብ ቤተክርስትያን ብሰላም ምስ ኣመላለሰኒ፡ ሓደ ምሸት ካብ ካቴድራለ ናብ ገዛ እናተመለስና ከለና መንገዲ ክቕይር ተዓዚበዮ። መጀመርያ ንእግረ መንገዱ ገለ ነገር ክማልእ ስለ ዝደለየ እዩ ዝኸውን ኢለ ክንድቲ ኣይተገደስኩን። ኣብ ዘይፈልጦ ከባቢ ምስ በጻሕና ግን ክፈርሕ ጀሚረ። ‘ኣሳዱር ናበይ ትኸይድ ኣለኻ?’ እንተ በልኩዎ፡ ‘ኣይዞሽ ምንም ችግር የለም፡ ኣንድ መናፈሻ ቦታ ውስጥ ላስር ደቂቃ ተዝናንተን እንመለሳለን፡’ ይብለኒ ከም ውዱእ ነገር ወሲዱዎ። ኣብ ኣዲስኣበባ ስለ ዝዓበየ ምጽያፍ ገዲፍካ ጽቡቕ ኣምሓርኛ’ዩ ዝዛረብ።

“ኣሳዱር ተጠንቀቕ! ትኽ ኢልካ ናብ ገዛ ትወስደኒ። ነገር ከይተምጽእ! ኢለዮ ነድሪ ሓዊሰ። ንሱ ግን ንዘረባይ ትርጕም ኣይሃቦን ቍሊሕ ኢሉ’ኳ ኣይጠመተንን መንገዱ ቀጺሉ። መቸም ድኽነት ክሳዕ ክንደይ ሕሱም ምዃኑ ሽዑ’ዩ ጽቡቕ ገይሩ ተረዲኡኒ። ድኻ ስለ ዝኾንካ ጥራይ ለባም ከለኻ ከም ዓሻ፡ ቅኑዕ ክነስኻ ከም ግጉይ፡ ወረጃ ክነስኻ ከም ፈኵስ ዝሓስቡኻን፡ ክብርኻ ቀንጢጦም ከም ሓደ ሕሱር ፍጥረት ዝቘጽሩኻ ብድዐኛታት ውሑዳት ኣይኮኑን። ፊት ንፊት ክትገጥመሎም ዓቕሚ’ኳ እንተ ዘይብልካ፡ ደምካ ምስ ፈልሐካ ግን ብዓቕሊ ጽበት ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ስጕምቲ ክትወስድ ትግደድ።

“ብኸምዚ ኣሳዱር ኣበይ ኣደኣ ከይትበጽሕ ኢሉ መንገዱ ቀጺሉ። ‘በጃኻ ተመለስ፡’ እንተ በልኩዎ ‘ኣጆኺ ኣይንድንጕይን ኢና ኣይትሰከፊ፡’ ምስ በለኒ ካን ናብ ነብሪ ተቐዪረ። ከም ዝተረድኣኒ፡ ኣብቲ ንኸዶ ዘለና ቦታ ግዜ ከይንቐትል’ሞ ኣድርያና ከይትቋየቘና ዝፈራሕኩ ጥራይ’ዩ መሲሉዎ። ‘ኣሳዱር ተመለስ ወይ ኡይ! ክብል’የ፡’ ምስ በልኩዎ ንዘረባይ ትርጕም ከይሃበ፡ ‘ናይ ማማ ነገር ናባይ ግደፍዮ ጸገም የሎን እብለኪ’ለኹ፡ በቃ እንግዲህ! ሕጂ ኣይተጽምምኒ!’ ኢሉ ብሕርቃን መሊሱለይ። ንመኪና ከም ንፋስ እናበቈጻ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንዝነበራ መካይን ብናህሪ እናሓለፈ ናብቲ ሓደ መዓልቲ ምሳኻ ዝኸድናዮ ንፋስ ስልክ ዝብሃል ቦታ ገጹ ቀጺሉ፡” ኢላ ብርጭቆኣ ብምልዓል ጐረሮኣ ድሕሪ ምትርካስ ከናፍራ በጻብዕታ ደረዘት።

እቲ ብኣቶ ክሪስቶቭ ዝጀመረ ዕላላ በብቝሩብ ናብ ሓደ ልብኻ ዝሰቅል ኣነ ዝበለ ዛንታ እናተቐየረ ስለ ዝኸደ፡ መወዳእታኡ እንታይ ክኸውን’ዩ ብምባል ብዓቢ ሃንቀውታ’ዩ ዝሰምዓ ነይሩ ሰለሙን።

 

“ካብ ተንኰሉ ከጓናድቦ እንተኾይነ ገለ ነገር ክገብር ነይሩኒ። ኣብቲ ቦታ ክንበጽሕ ቍሩብ ምስ ተረፈና፡ ኣብ ሓደ ዕቅብ ኢሉ መንገዲ በጺሕና። ኢደይ ዓሚዅ ኣላታን የብላን ብዘሎኒ ሓይሊ ክሳዱ ክሃርሞ ጀሚረ። ‘ተዪ ኣንቺ ጨምላቃ!’ እናበለ ካባይ ክከላኸል ክፍትን ከሎ፡ መኪና ቍሩብ ከይዳ ሕንቕ ሕንቕ ድሕሪ ምባል ብቕድሚት ምስ ዝመጽአት መኪና ተጓኒጻ። ናህራ ነክያ ስለ ዝጸንሐት ግን ክልቲአን ተተናኺፈን ጥራይ’ምበር ኣይተሃስያን። ብዝኾነ መንገዲ ዓጽየን ንብዙሓት መካይን ስለ ዝዓገታ ሰብ ተኣኪቡ ዕግርግር ኮይኑ። ኣይደንጐየን ተራፊኮ መጺኡ ነቲ ጽርግያ ብሜትሮ ክዓቓቕን ንየው ነጀው ይብል ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ዕረቆ ዕረቆ ኮይኑ ኣሳዱር ነቲ ሰብኣይ መኪናኡ ከዕርየሉ ተሰማሚዑ፡ እቲ ነገር ድማ ብሰላም ተወዲኡ። እዚ ኵሉ ክኸውን ከሎ ነገር ከሪሩ ናብ እንዳ ፖሊስን ገለን ከይንኸይድ’ሞ ካልእ ሳዕቤን ከይመጽእ ፈሪሐ ከብደይ ሓቝፈ ኣብ መኪና ኮፍ ኢለ ኣለኹ። እቶም በብዅርንዑ ዝተኣከቡ ሰባት ደሓን ኣይእተዉ ልክዕ ከም ሓንቲ ማንም ሸርሙጣ ሓሲቦምኒ ብንዕቀት ክጥምቱኒ ከለዉ፡ ገለ ስድታት ካብኣቶም ድማ የድርቐሎም በዒንቶም ይቕልጹለይ ስለ ዝነበሩ ብሕፍረት ተዋሒጠ ኣብ ጽፍረይ ክኣቱ ደልየ።

“ናብ ገዛ እናተመለስና ከለና ካብቲ ቦታ ቍሩብ ፍንትት ምስ በልና፡ መኪና ኣብ ወሰን ጽርግያ ደው ኣቢሉ፡ ‘ንስኺ እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኺ? እምበርዶ ጥዕና ኣለኪ? ስለምንታይ ከምኡ ጌርኪ?” ኢሉ ክጥሕረኒ ቍሩብ ተሪፉዎ።

“ከይሃርመኒ ፈሪሐ ብዙሕ ክዛረብ ኣይደፈርኩን። ‘ሕጂ’ሞ እንታይ ግበሪ ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ? ከሎ ገና ገዛይ ውሰደኒ ኢለካ ነይረ’ንድየ፡ ባዕልኻ ግን ኣብ ዘይደለኹዎ ገልታዕታዕ ኣእቲኻኒ. . .’

“ዘረባይ ከይወዳእኩ፡ ‘ስምዕኒ! ቍሩብ ተናፊስና ክምንለስ’ምበር ናብ ገሃንም’ኮ ኣይኮንናን ንኸይድ ኔርና!’ ኢሉ ጨዲሩ። ሕርቃኑ ክቈጻጸር ኣይከኣለን።

“ኣነውን ክሓርቕ ብምጅማር፡ ‘ኣገዲድካ ክተናፍሰኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፡’ ክብል መሊሰሉ። ሽዑ ኣብ ገጹ ዘንበብኩዎ ናይ ንዕቀትን ብድዐን ስምዒትን ዝተዛረቦ ብትዕቢት ዝተባዕጠ ቃላትን ንዘልኣለም ኣይርስዖን’የ።

“ናባይ እናጠመተ፡ ‘ምናባትሽ ከፋሽ ታድያ! ጨምላቃ የድሃ ዘር! ቆዪ ኣሳይሻለሁ፡’ ምስ በለኒ ከም ቈልዓ ጫጭ ኢለ ክበኪ ጀሚረ።

“ብዓቕሊ ጽበት ካብ መኪና ወሪደ ብታክሲ ክኸይድ ሓሲበ። መሬት ናብ ምምሳይ ገጹ ስለ ዝነበረ ግን እቲ ነገር ካብ ሓዊ ናብ ረመጽ ኮይኑኒ ምስ ኣምላኸይ ጥራይ ተማሪረ። እቲ ነገር ግን ከም ዝፈራሕኩዎ ኣይቀጸለን።

“ኣሳዱር ኣሕሚቐያ ኣለኹ ኢሉ ግዲ ኮይኑ፡ ‘ምናልባሽ ባባ ወይ ማማ እንተ ሓቲቶምኺ ንእሽቶ ሓደጋ ኣጋጢሙና ጥራይ ኢኺ ትብሊ። ካልእ ዘረባ ብጭቝ ኢልኪ እንተ ተዛሪብኪ ወይልኺ! ከም ዘይምሕረኪ ፍለጢ፡’ ኢሉ ምስ ኣፈራርሓኒ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረኒ ኣብ ሓድሽ ዋጢጥ ክኣቱ ኣይደለኹን፡ ርእሰይ ብእወታ ነቕኒቐሉ። ብመልሰይ ዓጊቡ ድማ መኪና ኣበጊሱዋ።

“ኣብ ገዛ ምስ በጻሕና ኣድርያና ከይትርእየኒ ሰጋእ መጋእ እናበልኩ ኣብ ክሽነ ድሕሪ ምእታው ገጸይ ተሓጺበ ጸጕረይ ድማ ኣተዓራርየ። ዕድለይ ጸቢቑ ኣድርያና መርዘና ተላዒላታ ደቂሳ ከም ዘላ ፈሊጠ። መስኪነይቲ ሓያል መርዘን ነይራታ። ግዜ ድራር ክሳብ ዝኣክል ድማ ናብ ክሽነ ከይተቐልቀለት ኣምስያ።”

ሰለሙን በቲ ልብኻ ዝሰቅል ዛንታ ተመሲጡ ፍረ ነገር ናይቲ ምስጢር ክሰምዕ እምብዛ ተሃንጠየ። ክትቅጽል እናተጸበያ ከሎ ግን ጠፊኡ ዝጸንሐ ኣሳሳዪ፡ ክእዘዘኩምዶ?” ክብል ተወከሶም።

ሮዛ ትወስዶ ነገር ከም ዘይብላ ክትሕብር ከላ ሰለሙን ቢራ ኣዚዙ ሽንቲ ማዩ ክኽዕው ተስአ። መዕለቢ ናይቲ ኣገራሚ ዛንታኣ እንታይ ክኸውን’ዩ እናበለ ድሕሪ ምምላስ፡ “ጸጸኒሕካስ ብዙሕ ኢኻ ትሰምዕ፡” ቀጽሊ’ስኪ ኣስዓበ።

“ካብታ ሽዓ ምሸት ኣትሒዘ ንኣሳዱር ክጥንቀቀቕሉ ከም ዘለኒ ፈሊጠ። ኣሳዱር ብባህሪኡ ህልኸኛ ምዃኑ ኣስተውዒለሉ ነይረ እየ። ካብ ገዛ እንተ ዘይወጺአ ክትንክፈኒ ከም ዘይክእል ፍሉጥ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ካልኣይ ፈተነ ከይዕወተለይ ፈሪሐ ናብ ቤተክርስትያን ኣብጽሓኒ ምባል ጠቕሊለ ኣቋሪጸዮ። ከም ገለ ናብ ናዝሬት ወይ ካልእ ዓዲ እንተ ገይሹ ግን ንኣድርያና ኣፍቂደ ምስ ሓንቲ መሓዛይ ብጽሕ ኢለ እምለስ ነይረ። ብቤተክርስትያን ዝመጽአ ሓቂ ዘረባ ኣዲኡ’ውን ደሓን ነይራ።

“ኣብ መበል ሻሙናይ ወርሒ ናይዚ ዝገለጽኩልካ ጕዳይ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሳልስቲ ናብ ናዝሬት ገይሾም። ኣሳዱር ስራሕ ኣቦኡ ከካይድ ስለ ዝተረፈ ብመጠኑ ተሰኪፈ ነይረ። ፈይሳ ዝብሃል ጋላ (ኦሮሞ) ዋርድያ ስለ ዝነበረ ግን ክሳብ ክንድ’ቲ ኣይሰጋእኩን። ክልተ ዘይቃደው ሰባት ኣብ ሓደ ገዛ እናነበሩ ከይተዘራረቡ ክውዕሉን ክሓድሩን ከለዉ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ክሰፍን ዝኽእል ውጥረት ክትግምቶ ትኽእል ትኸውን። ብዝኾነ ቀዳመይቲ ለይቲ ክንትኰስ ክሳብ ንቐርብ ከይተዘራረብና ተነፋፊሕና ውዒልናን ሓዲርናን። ኣብ ዓለም ኣነ ጐራሕ’የ ኢልካ ምሕሳብ ግን ዕሽነት ጥራይ ዘይኮነ ፍሽለት’ዩ ትርፉ። ካባኻ ንላዕሊ ዝጐርሑ ሰባት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ፈሊጥካ ሓሊፍካ ክትጸንሖም’ዩ ዘለካ። ኣብ ቅንዕና ጥራይ ተመርኵስካ ብግርህነት ትጐዓዝ ሰብ እንተዄንካ ራህዋን ቅሳነትን ኣዝየን’የን ዝርሕቃኻ።

“ከም ዝበልኩኻ ኣሳዱር ካባይ ንላዕሊ ዝጐርሕ ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ፡ በዓል ደሓን ክመስል ተዓጊሱ ውዒሉ ሓዲሩ’ውን። ንጽባሒቱ ካብ ስራሕ ብእዋኑ ኣትዩ። ፈይሳ ከሎ እንታይ ከይገብር ኢለ ግን ብዙሕ ኣይሰጋእኩን። ድራር እናሰራሕኩ ከለኹ ድምጺ ሰሚዐ ቍሊሕ እንተ በልኩስ ኣንበሳ በረኻ ክመስል ኣፍልቡ ነፊሑ ኣሳዱር ባዕሉ። ተንኰል ከም ዝሓሰበ ሽዑንሽዑ ተጋሂዱለይ።

“ገይሩዎ ዘይፈልጥ ኣብ ክሽነ ኣትዩ፡ ‘ሮዛ’ ኢሉ መንኵበይ ሒዙኒ።

“ብዝከኣለኒ መጠን ብምዕጋስ ንኢዱ ብቐስታ ካብ መንኵበይ ብምልጋስ፡ ‘እሂ ኣሳዱር፡ ድራር ክሰርሕ ዘይትሓድገኒ፡’ ኢለዮ ገጸይ ከየዞርኩ።

“ዕጅብ ግን ኣይበሎን። ‘ናይ ድራር ነገር ጸገም ኣይኮነን ሮዛ። ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ክረክብ ሸሞንተ ወርሒ’የ ተጸብየ ሮዛ። ሽዑ መዓልቲ’ኮ ትም ኢልኪ ኢኺ ገርፈጥፈጥ ኢልኪ ነቲ ነገር ዘይመልክዑ ኣትሒዝክዮ’ምበር፡ ናብ ሓደ ክትርእዮ ዘብህግ ምቹእ ቦታ ኬድና ክንዘናጋዕ’ዩ ነይሩ መደበይ። ርግጸኛ ነይረ ከም ትፈትውዮ። ብዝኾነ እቲ ጕዳይ ቀሊል ነይሩ ክነሱ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኮይኑስ ሓሪቐ’ውን ዘየድሊ ቃላት ተዛሪበኪ እኸውን። ካብ ሓደጋ ንስክላ ከም ዘምለጥና ይርድኣኪ እዩ። ብዝኾነ ይቕሬታ ክሓተኪ ይግብኣኒ ነይሩ። ንሱ’ውን ብኡነት እብለኪ’ለኹ ሎሚ ጽባሕ ክብል መዓልቲ በሊዑ’ምበር ዘይሓሰብኩዎ ኣይኮነን። ሕጂ ግን ናይ ዝሓለፈ ገዲፍና ናይ ህሉው ንዛረብ። ብኡነት ኢለ ብፍቕርኺ ልበይ ንዱድ’የ ዘለኹ ሮዛ ሽኮር፡ ክበልዕ ክሰቲ’ውን ኣይክእልን ዘለኹ. . . ፡ እናበለ ቀብጠርጠር ምባል ቀጺሉ።

“ክዕገሶ ስለ ዘይከኣልኩ ገና ዘረባኡ ከይወድአ ከሎ፡ ‘ኣሳዱር፡ በጃኻ ሕደገኒ። ኣነ ሓንቲ ሰሪሐ ክነብር ዝደሊ ሰብ’የ፡ ኣብ ከም’ዚታት የለኹን። ደሓር ከኣ ኣነን ንስኻን መመዛዝንቲ ኣይኮንናን፡’ ኢለዮ ከም ቍጥዕ ኢለ።

“ዕላማኡ ንምትላል ስለ ዝነበረ፡ ‘ኣወድእኒ ሮዛ፡’ ኢሉ ዘረባኡ ብምቕጻል፡ ‘ወላ’ኳ ኣርመናዊ እንተኾንኩ ምሳኺ ብፍቕሪ ተኣሳሲርና ንዘልኣለም ክንነብር ዘጸግመና ነገር ከም ዘየሎ ርግጸኛ እየ። ንስኺ’ውን ንዓይ እንተ ተመርዒኺ ዝያዳ ከም ትረብሒ ፍለጢ፡’ ክብል ጥዑም ቃላት ብምዝራብ ክሓባብለኒ ፈቲኑ።

“ዘረባኡ ግን ቅጭ ጥራይ ኣምጺኡለይ። ተሪረ እንተ መሊሰሉ ኣብ ጐነጽ ከይኣቱ ስለ ዝፈራሕኩዎ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ ኣሳዱር። ኣነ ግን ከም ዓቢ ሓወይ’ምበር ከም ጓና ኣይጥምተካን’የ። ኣብ ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ጕዳይ ከኣ የለኹን፡’ ክብል መሊሰሉ ትሕትና ብዝተሓወሶ ቃና። ተቐዳዲመ ኣብ ዘየድሊ ባእስን ዕግርግርን ካብ ዝኣቱ፡ ብሜላ ክፍትኖ ብምሕሳብ ዝተዛረብኩዎ ቃላት’ዩ ነይሩ።

“ዘረባይ መሊሱ ግዲ ኣናቒጹዎ፡ ‘ስምዒንዶ ሽኮሪና፡ ንስኺ’ኮ ሓንቲ ተራ ጓልሄዋን’ምበር ኣደይ ማርያም ወይ ሓንቲ ብጽእቲ ሰብ ኣይኮንክን። እዚ ትርጕም ዘይብሉ ናይ ቃልዓለም ዘረባ እንተ ሓደግክዮ ይሓይሽ፡’ ብምባል ከእምነኒ ፈቲኑ።

“ክቐብጽ ኣለዎ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፡ ‘ኣነ’ኮ ብጽእቲ’የ ኣይበልኩኻን። ንቃልዓለም ዘይኮነ ድማ ናይ ልበይ’የ ዝነግረካ ዘለኹ፡’ ክብል ብትሪ መሊሰሉ።

“ኣሳዱር ብወገኑ ክረስን ብምጅማር፡ ‘ስምዕኒ! ይትረፍ ንዓኺ ኣበይ ከም ዝነበርኪ ዘይትፍለጢ ገሪባ (ፋራ) ኣነ ኣሳዱር ኣነ ንኽንደይ ኣለና ዝብላ ምኩሓት ደቂ እዲስኣበባ ከይተረፈ ዘንበርከኽኩ ሰብ ምዃነይ ፍለጢ፡’ ኢሉ ሓይሊ ቃል ሓዊሱ ብምዝራብ፡ ብትዕቢት ዓይኒ ዓይነይ ክጥምተኒ ጀሚሩ።

ይቕጽል   . . . . . . .

3ይ ምዕራፍ መበል 21 ክፋል ዝመጽእ ሰንበት 2 ሓዳር

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሓደ ሓደ መኣረምታ ኣብ መጽሓፍ “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት”
Next Article ሓደ ሓደ መኣረምታ ኣብ መጽሓፍ “እዝኒ መሰታ ቀዳሞት”
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?