Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Monday, March 9, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on October 5, 2014 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል
መበል 15 ክፋል
ማሪያ፡ ንከዳሚታ ቀልጢፋ ቍርሲ ክትገብር ሓቢራ ኣብ ሶፋ ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ “ክሳብ ሎሚ ዘይወጽኣለይ ጣዕሳ እንተ’ልዩ ምስ ትኩእ ወደይ ዘይምዕባይኪ እዩ ሮዛ። ሽዑ ብሕማም ደሓር እናተፈሓስኩ ከለኹ ዝማም ዓሪፋ። ሓዘነይ ወዲአ፡ ‘ኣነ ኣምላኽ ይመስገን ጸባው’የ። ነዛ ሕጻን ምስ ወደይ ከዕብያ ክወስዳ’ እንተበልኩወን ደናግል ኮምቦኒ ብቀርነን ተቐቢለናኒ። ምዉት ኣይክሰስን እዩ’ምበር ብፍላይ ሶር ካተሪና ትብሃል ሓለቓአን ካን ክትጥሕረኒ ደልያ። ከምኣ ትረግም ድንግል ርእየ ኣይፈልጥን። ድሕሪኡ ሰብ ኮይና’ኳ ኣይትስምዓንን ነይራ፡” ኢላ ብድድ ብምባል ቴፕ ወሊዓ ከም ብሓድሽ ኮፍ በለት። እታ ቴፕ ሪኮርድ፡ “ፍቕር ዕዉር ኣሚነ፡ ተሳቐኹ ዋይ ኣነ፡ . . .” ናይ ዑስማን ዓብደርሒም እናደረፈት ዕላለን ቀጸላ።
ሮዛ፡ እታ እንኮ ብፍቕሪ ወላዲት ኰስኵሳ ዘዕበየታን፡ ኣብ ልባ ኣዝዩ ክቡር ቦታ ዘለዋን ሶር ካተሪና ክትውቀስ ምስ ሰምዐት ብሕርቃን ቈለጭ በለት። ማሪያ ሰይጣን’ምበር ሰብ ኮይና ኣይተራእየታን። ኣዒንታ ማይ ምዒጕ፡ ሰራውር ግንባራ ተገታተረ። ካብቲ ቅድሚ ውሑድ ደቓይቕ ክተድንቖን ንዘልኣለም ክትነብረሉ ትብህጎን ዝጸንሐት ገዛ በተግ ኢላ ክትወጽእ እናተደናደነት ከላ ኣብ መንጎ ንብዓት ሰዒሩዋ ብብኽያት ክትንኽነኽ ጀመረት።
“ዘብኪ የብልክን ሮዛ፡ ኩላትና ዘኽቲምና ኢና ዓቢና። ንስኺ ትሕሽዮ እዩ። ኣነ ከለኹ እንታይ ከይትኾኒ ትስከፊ ኣለኺ? ሓደ ዘጕህየኒ ነገር እንተ ነይሩ፡ ንዝማም ሓንቲ ጓላ ክንስኺ ክትምንኵሲ ምሕሳብኪ እዩ። ሕጂ ግን ቀሲነ እየ፡ ኣምላኽ ባዕሉ ረዲኡኒ ኣሎ። ደሓር ከኣ መን ይፈልጥ ኣቦኺ እንተ መጽአ ንስኺ ትመስሊ ሕጻብኪ ዝስተ ቈልዓ ኣብ ገዳም ተዓጺኺ ክትጸንሕዮ ከለኺ እንታይ ንዓይ ክብለኒ ከም ዝኽእል ክትፈልጢ ኣለኪ፡” ኢላ ንብዓታ ብመንዲል ደረዘትላ። ዘረባኣ ብምቕጻል፡ “ወዲሰብ ከኣ ብተግባሩ’ምበር ስለ ዝመነነ ኣይኮነን ዝጸድቕ። ልቢ ጥራይ ክነጽህ ኣለዎ ሮዛ። ሕጂ ኸኣ ሰዊት ዕድመኺ መንኰስኩ መነንኩ ክትብሊ ኣብ ገዳም ካብ ተብልዪዮ ጽቡቕ ሓሲብኪ ኣለኺ። ንስኺ ትብልዮ እንድዒ’ምበርኣነ ንዓዲ ጥልያን ሰዲደ ከምህረኪ’ዩ ሓሳበይ። ኣምላኽ ይመስገን ንዓኺ ንጓል ሓወተይ ዘይኮነ ንማንም ሓላፍ መንገዲ ዝኣክል ገንዘብን ንብረትን ኣሎ። እዚ ዘለናዮ ገዛን እዚ ዅሉ ንብረትን ድሕሪ ትኩእ ወደይ መን ወራሲ ኣለዎ ትብሊ?” ብምባል በቲ ለማጽ መልሓሳ ሰማይን መሬትን ዘላግብ ካዕቦ ሓሶት ብምንዛሕ ብዝከኣላ ክተስልላ ጸዓረት።
ሮዛ ኣብ ኣእምሮኣ ዘይነበረ ነገር ምስ ሰምዐት፡ ጥሉል መልሲ ከይሃበታ፡ “ባባ ኣበይ ድዩ ዘሎ?” ክትብል ተወከሰታ።
ቍርሲ ተቐሪቡ እናበልዓ ከለዋ፡ ብዘበን ፈደረሽን ኣብ ፖለቲካ ይዋሳእ ከም ዝነበረ፡ መንግስቲ ክኣስሮ ምስ ሓሰበ ድማ ኣምሊጡ ናብ ሱዳን ከም ዝኸደ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ከኣ ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ሃገሩ ክምለስ ከም ዝኽእል፡ ቍርጽ ኣቢልካ ንዓኣ ከም ዝመስል ብምግላጽ ምስቲ ዘይትፈልጦ ኣቦኣ ዝያዳ ከም ትደፋነቕ ገበረታ። ቍርሲ በሊዐን ሻሂ እናሰተያ ከለዋ ናይ ኣፍደገ ደወል ተሰምዐ።
“መን’ዩ? ርኣይዮ’ስኪ፡” በለታ ማሪያ ነታ ኣብ ክሽነ ገልጠምጠም ትብል ዝነበረት ሰራሕተኛኣ። ብኡንብኡ ሓደ ዕድመኡ ናብ ሰላሳ ዓመት ዝጽጋዕ፡ እልቢስ ዝተመሸጠ መንእሰይ፡ ክራቨን ሽጋራ እናትከኸ ተሓወሰን።
ንኽልቲአን ሰላም ኢሉ ኣብ ጐድኒ ማሪያ ኮፍ ድሕሪ ምባል፡ “ናይ ደሓን ደኣ ንግሆ ምድሪ ተዛዊርካ? ኣበይ ዲካ ሓዲርካ?” ሓተተቶ ማሪያ ፍሽኽ እናበለት።
በተን ጓህሪ መሲለን ብዝነበራ ኣዒንቱ ኣብ ፊቱ ንዝነበረት ሮዛ እናጠመተ፡ ምዒጉዎ ዝጸንሐ ትኪ በኾዅ ድሕሪ ምባል፡ “ትማሊ ካብ ገዛኺ ሚሽ ኣለ ኡኖ ወጺእና፡ ካብኡ ጠዋሊ ናብ ሞካምቦ ቀጺልና። ኣብኡ ካልኦት ጀማዓ ረኺብና ዓገግ ክንብል ወጋሕ ፈታሕ ኣቢልናያ። እታ ግሩፖ ድማ ብምልእታ ፋሕፋሕ ኣትዩዋ። ሞንዶ ካነ! ፈከተራስ ሃብና’ስኪ፡ ኣስፕሪን ከኣ ለክሚ፡” በላ በቲ ጐርናን ድምጹ።
“ብደገ ደገኻ ኢኻ’ሞ ትመጽእ ዘለኻ?” ምስ በለቶ፡ ዝሓተተቶ ከይመለሰ፡ “እዛ ኣራንቺ ከረን ትመስል ሽኮሪና ደኣ ካበይ ኣምጺእክያ? ጸጽቡቓተን መቸም ካብ ገለ ኢኺ ትረኽብየን፡” ድሕሪ ምባል፡ ሮዛ ድንን ክትብል ስለ ዝረኣያ፡ “ኣጆኺ ኣይትሕፈሪ፡ መን እዩ’ሞ ሽምኪ?፡ እናበለ ብጸጋማይ ኢዱ ምዕጕርታ ተንከፋ።
ሮዛ ነብሪ ከም ዝረኣየ እንስሳ ብስንባደ ናብ ሸነኽ ጸግዒ ናይቲ ሶፋ ልሕግ በለት። ምሉእ ኣካላታ ፈጥፈጥ እናበለ ኣዕግስዮ ብዝመስል ኣጠማምታ ኣዒንታ ናብ ማሪያ ገጻ ወርወረት። ማሪያ፡ ሮዛ ከሎ ገና ከይትሰናበዳ ስለ ዘትሰከፈት፡ “ጓል ሓውተይ’ያ። ኣእዳውካ ኣርንብ፡ ቀንጠብጠብ ኣይትበል። ቍጥሚ!” ኢላ ገንሓቶ’ሞ፡ “እንታይ’የ ከምጽኣልካ?” በለቶ ብጠጠዋ።
መግናሕታ ዕጅብ ኣይበሎን። ዝሓተተቶ ከይመለሰ ኣብ ሶፋ ተጸጊዑ፡ “ጓል ሓውትኺ እንተኾነት’ሞ እንታይ መሽክላ ኣለዎ? ረጐደ’ምበር። መልክዕ’ኳ ሄለን’ያ ልክዕ ናትኪ እያ ወሲዳ። ንስኺ ግን ከዛብ ኢኺ፡ ጓል ሓውትኺ ኣይኮነትን። እሂ ሲኞሪና፡ ሓትነኺ ድያ?” ክብል ንሮዛ ሓተታ።
ሮዛ መልሲ ኣይሃበቶን። ማሪያ ብጠጠዋ ቀው ኢላ ንሮዛ ድሕሪ ምጥማት፡ “ዘረባ ግዳ መን ክኽእለካ፡” ኢላ ኣብ ፊታ ናብ ዝነበረ ከረደንሳ ብምስጓም፡ “ጂን ድየ ከምጽኣልካ? ዳግማይ ተወከሰቶ ጥርሙዝን ብርጭቆን እናልዓለት። ብእወታ ምስ መለሰላ ማይ ለኪማ ናብ ሶፋ ተመልሰት።
ደኒና እናቐድሓትሉ ከላ፡ “ነዛ ሲኞሪና ድማ ዓላ ሕሳበይ ቅድሕላ፡ መን እዩ’ሞ ሽምኪ ቤላ ራጋሳ?” ደጊሙ ሓተታ፡ ኣዒንቱ ናብተን ንክዳና ብመጠኑ ገቲረንኦ ዝነበራ ኣጡባታ እናጠመተ። ሓንሳብ ምስ ረኣያ ብመልክዓ ስለ ዝተለኽፈ ኣተኵሮኡ ናብኣ ጥራይ ብምግባር፡ እንተኾይኑሉ ምስኡ ሒዙዋ ክኸይድ፡ ካብኡ ተረፈ ከኣ ጽቡቕ ሌላ ፈጢሩ ክጸንሕ እዩ ሓሲቡ።
ሮዛ ጋኔን ኮይኑ ስለ ዝተራእያ፡ ይትረፍ ክተዛርቦ ካብ ጥቓኣ ክርሕቕ ጥራይ ተማህለለት። ስለዝኾነ፡ ካብቲ እንዳ ርኽሰት ኮይኑ ዝተሰምዓ ገዛ ብኸመይ ተጣቢባ ከም ትወጽእ ጥራይ ትሓስብ ነበረት። ማሪያ ኵነታቱ ተገንዚባ ክተዕግሶ ብምሕሳብ፡ “ወዲከረን፡ እንታይ በዲለካ እየ ሰንበት ምድሪ ዲስትሩቦ ትገብረለይ ዘለኻ! ንሳ ኣይትሰትን’ያ፡ ጓልገዛ እያ ኢለካ እየ’ኮ። ኣደብ ግበር በጃኻ፡ ከመይ ከመይ ድዩ ኮይኑ ሎምስ? ወይለከ’ደየ!” በለቶ ተገሪጫ።
መቸም ንግዜኡ ተዓጊሱ። ፍዅሰት ዝተሓወሶ ቆሎ ጥጥቖ እናተዛረበ ካልኣይ ጂን ምስ ገልበጠ፡ ስኽራኑ መሊሱ ክደግሶ ስለ ዝጀመረ፡ ተጻወቲ ቤላ ራጋሳ!” ኢሉ ዓይኑ ጸቐጠላ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ኣማን’የ ዝብሃል፡ ግን ኣብዚ ዓዲ ወዲ ከረን’ዮም ዝብሉኒ። ጓል ኣስመራ እንተዄንኪ ምናልባሽ ከበረይ ይህልወኪ ይኸውን። ኣብዚ እምባጋልያኖ ኣብ ዝርከብ ሳሉሚፊቾ ቶሪነዘ ዝብሃል ፋብሪካ ከም ቴክኒኮ እየ ዝሰርሕ። ንላለ ሲኞሪና፡” ኢሉ ኢዱ ዘርግሓላ።
ሮዛ ነገራት ተሓዋዊሱዋ ኣብ ትኣትዎ ጨነቓ። ኣብ ፊቶም ኮፍ ኢላ ኵነታት ሮዛ ክትዕዘብ ዝጸንሐት ማሪያ፡ ከሎ ገና ተዳሂላ ካብ ኢዳ ከይትመልቋ ስለ ዝተሰከፈት፡ “ተስኢ መዓረይ፡” ኢላ ብጉምቦ ኢዳ ሒዛታ ብድድ በለት።
ዝባነን ሂበንኦ ናብ መደቀሲ ክፍሊ እናኣተዋ ከለዋ፡ “ኣየ ማሪያ፡ ኣዕሊሉዋ ኢልኪ ዲኺ ቀኒእኪ? መቸም ገና ኣለኹ ኢኺ ትብሊ። ከም ዝኣረግኪ ኣይተረድኣክን ኣሎ። ዓጁዛ!” እናበለ ንበይኑ ክርትም ኢሉ ሰሓቐ።
ንዘረባኡ ትርጕም ከይሃበት፡ “እዚ ስዲ እንተ ሰትዩ ናብ ጽሉል’ዩ ዝቕየር፡ ስለዚ ክሳብ ዝኸደልና ኣብዚ ኣዕርፊ። ምስ ወጽአ ባዕለይ ክጽውዓኪ እየ፡” ብምባል ኣብቲ ክትርእዮ ዘገርም ኣዝዩ ገፊሕ ዓራት ኣደቂሳታ ናብ ሳሎን ተመልሰት።
ወዲከረን ሳልሳይ ጂን ክሳብ ዝውድእ ብሱልን ጥረን ሌፍ በለ። ጃህራ እናሓወሰ ዓደዅደዅ ድሕሪ ምባል፡ ሕሳቡ ከፊሉ ኣብ ቅድሚ ማሪያ ብምግታር፡ “ሕጂ ሓቂ ንገርኒ። ነዛ ሕልዋ ጓል ንመን ኢልኪ ኢኺ ኣምጺእክያ?” ክብል ሓተታ ክዕጸፍ ብዝጀመረ መልሓሱ።
“ወዲከረን እንታይ በዲለካ እየ? ጓልሓውተይ ምዃና ነጊረካ’ንድየ፡ ክንደይ ግዜ ድዩ ዘረባ? ካብ ኵሉ እዛ ቈልዓ ከምኡታት ስለ ዘይትፈልጥ ከይትሰምዓና ቀስ ኢልካ ተዛረብ፡” በለቶ ድምጻ ኣትሒታ ናብ ጕንዲ እዝኑ ብምቕራብ።
“ማ ቫይ! ቫይ! ንዓይ ንወዲ ከረን ትሩፋ ክትገብርኒ ኣይትኽእልን ኢኺ ማሪያ። ኣነ ኣማን ኣነ ካልእ ኣፈልጥ። ንገሊኦም ዓጃውዝ ኣዕሩኽኪ ኢልኪ ከም ዘምጻእክያ ፈሊጠ ኣለኹ። እዚኣ እንተኾይና ኢደይ ከኣ ተማም!። ወዲ ከረን ሓወይ ሳምሓኒ እንተ ዘየቢለኪ ኣማን ኣይኮንኩን፡” ኢሉ ከም ጠበቕ ርእሱ ነቕነቐላ።
ካብቶም ፍሉጣት ሓሸሽቲ ናይቲ ገዛ ስለ ዝነበረ ዓሚላ ከይሃድማ ዝተሰከፈት ሮዛ፡ “ከምኡ ኣይትበል ኣታ ወዲከረን መዓረይ! ዓቕሊ ጥራይ ግበር ቀስ ኢለ ከዕልለካ እየ፡” በለቶ ቅልጽሙ እናረምጠጠት ኣብ ኣፉ ውትፍ ኢላ።

. . . . . . . . . . . ይቕጽል
መበል 16 ክፋል ዝመጽእ ረቡዕ 8 ጥቅምቲ

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleመጽሓፍ “ገሞራው ዘርዓይ ደረስ”
Next Article ሮዛን ሰሌን
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?