Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on March 24, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 124ን  መወዳእታን ክፋል

ፍረወይኒ ምስ ጆን ሎሚዶ ጽባሕ ንምርዖ ኣብ ዝብል ኵነታት’ያ ነይራ። ስለዚ ርክቦም ኣብ ደብዳቤ ዝተሓጽረ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ብርሱን ፍቕሩ እናተሓመሰት ንኣዋርሕ ምስ ጸንሐት ግን ነቦኣ ክትርኢ ንዓራርብ ክትከይድ ተፈቒዱላ። ከም ሓቂ፡ ካብ ትስለፍ ከም ሽዑ መዓልቲ ተሓጒሳ ኣይትፈልጥን። ንጆን ክትከይድን ክትምለስን ረኺባቶ። ካብኡ ክትፍለ ዓንዴል ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓ፡ ምስኡ ብድምሩ ሽዱሽተ መዓልታት ጸኒሓ። ዝተፈላለዩላ ለይቲ ክትነብዕ ሓዲራ ጥራይ ዘይኮነ መሬት ምስ ወግሐ፡ ክሳዕ ዝመሲ ካብታ ጸባብ ሶቬት ከይወጽአት መዛረቢ ሰብ ክሳብ እትኸውን ብሃሩር ክትልብለብ ውዒላ።

ዓይኒ ከይሓዘ መኪና ክትጽበ ምስ ጆን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ናብ ምዕዳል ነዳዲ ድሕሪ ምቕጻል፡ ኣብ ሓደ ወሰን ኮፍ ኢሎም ንርብዒ ሰዓት ብዛዕባ ፍቕራዊ ህይወቶም ከዕልሉ ጀመሩ። ዕላሎም ከይወድኡ ሓንቲ ንባጽዕ እትኸይድ ቶዮታ ነዳዲ ክትመልእ ደበኽ በለት። ብመኪና ዝመጽአ ዕድለኛ’ያ። ሽዑ ግን መኪና ረኺበ ኢላ ኣብ ክንዲ ትሕጐስ ልባ ኣብ ክልተ ተመቕለ። ንብዓታ ቍጽርጽር እናበላ ንጆን ደጋጊማ ምስ ሰዓመቶ፡ “ቻው ጆኒ! እትው ምስ በልኩ ደብዳቤ ክጽሕፈልካ እየ፡” ኢላ ካብ ዓይና ክሳዕ ዝኽወል ኢዳ ብምውዝዋዝ ተፋነወቶ። ከም ቃላ ኣብ ሳልስቱ፡ “ብሰላም የራኽበና፡” ብዝብላ ቃላት ዝተደምደመት መራር ናይ ናፍቖት ደብዳበ ጽሒፋትሉ።

ትምኒት ፍረወይኒ ግን ተፈጻምነት ኣይረኸበን። ኣብ ባጽዕ ከም ኦፐረተር እናሰርሐት ከላ፡ ሸሞንተ ወርሒ ድሕሪ ሓርነት ባጽዕ ምዃኑ እዩ፡ ሓላፊኣ ዝሃባ መልእኽቲ ክተብጽሕ ካብ ዕዳጋ ናብ እንዳ ምልክት ምስ ከደት፡ ሃንደበት ክልተ ሚጋት ብርቱዕ ደብዳብ ከካይዳ ጀመራ። ብኡንብኡ ክልተ ብጾት ኣብቲ ዝፈረሰ ገዛ ተደብዮም ክስውኡ ከለዉ፡ ሓንቲ ሽዑ መልእኽቲ ተመሓላልፍ ዝነበረት ገዲም ኣባል ምልክት ከኣ ብዓቢ ጅላድ ሰለፋ ተሃሪማ። ደብዳብ ነፈርቲ፡ ናይ ጸረ ነፈርቲ ተቓውሞ፡ ናይ ዝፈረሰ ገዛውቲ ዶሮና፡ ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ብርቱዕ ሃሩር ተደማሚሩ ነቲ ቦታ ሓያል እሳተጎመራ ዝተፍኦ ኣምሰሎ። እተን ክልተ ሚጋት ካልእ ክውስኻ ቦምባታት ምዝናብ ቀጸላ። ፍረወይኒ ህይወት ናይታ ደም ዝኸዳ ዝነበረ ብጸይታ ክተድሕን ብረሃጽ እናተሓጽበት ተጓየየት። እታ ፍትወት ነፍሲ ዘየጥቅዓ ውግእቲ ከይትልከም ፈሪሓታ፡ “ደሓን’የ ፍሬታ፡ ነፍስኺ ጥራይ ኣውጽኢ!’ ክትብል ኣትሪራ ገንሓታ።

ፍረወይኒ ግን ንዘረባኣ ግምት ከይሃበት ነቲ ተጀሊዑ ዝነበረ ሰለፋ ብኣደሬኣ ጀኒና፡ ሓዚላታ ንገለ ዓሰርተ ሜትሮ ድሕሪ ምኻድ፡ ኣብ ጽላል ዘለዎ ልጉስ ቦታ ኣጸግዓታ። ብድሕሪኡ ነታ ምጥዓም ስኢኑዋ ጭጭ እናበለት ዝሓደገታ ሬድዮ ርክብ ክተምጽእ ንድሕሪት ተመልሰት። ኣብቲ ቦታ በጺሓ ነታ ሬድዮ ኣልዒላ ኣብ ዝባና ክትሕንገጣን መሬት ዘናውጽ ብርቱዕ ድምጺ ክስማዕን ሓደ ኮነ። ፍረወይኒ ዱብ ኢላ ኣብ መሬት ወደቐት። ዝኾነ ህራም ወይ ሽንጣፍ ኣይነበራን። ነተን ፍሩያት ኣዒንታ ቋሕ ኢለን ዝረኣዩ ብጾታ ብህይወታ ዘላ ስለ ዝመሰሎም ክልተ ሰለስተ ግዜ “ፍሬታ!” እናበሉ ነቕኒቖማ። ክትሰምዖም ግን ኣይከኣለትን። እታ ብሕንቃቐ ዓብያ ኣብ ሰውራ ዝተሳሕለት ፍረወይኒ፡ ኣብ ሰዊት ዕድመኣ ብስንክ’ቲ ኣብ ጥቓኣ ዝወደቐ ዓቢ ቦምባ ፋሺስቲ ዝፈጠሮ ብርቱዕ ጸቕጢ ጋዝ፡ ኣሰር’ቶም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኡ ኣሽሓት ጀጋኑ ስዒባ።

ሮዛ፡ ወላ’ኳ ንጓላ ኣብ ምቕባጽ ደረጃ በጺሓ እንተ ነበረት፡ ሰለሙን ብህይወት ምምላሱን ነቲ ብወረ ጥራይ’ምበር ብዓይኒ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣቦኣ ብምርካባን ዓቢ ደበስ ኮይኑዋ። ካብተን ምቕሊ ዝረኸባ ኣደታት ስለ ዝኾነት ድማ ንኣምላኻ ብዙሕ ኣየማረረትን። ርግጽ’ዩ ፍቕሪ ውላድ ሕሱም’ዩ ቀልጢፉ ኣይሃስስን’ዩ። ሓሙሽተ ደቀን ኣፋንየን ጥራየ ኢደን ዝተረፋ፡ እንኮ ወደን ሰዲደን ቍርይ ዝበላ ኣደታት ምስ ረኣየት ግን ምስጢር ናይቲ ‘ምቕሊ ኣይትኽላእ’ ዝብል ዘረባ ተረዲኡዋ ዕድለኛ ምዃና ተገንዚባ። ሽግር ይጽወር ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንባዕላ ተጸናኒዓ ንኻልኦት ኣደ ሓርበኛታት ተጸናንዕን ትበጽሕን ነይራ።

ካስትሮ ነቲ ምስጢር ክሳዕ ሕጂ ዓቂቡዎ ይርከብ። እታ ብጸበባን ጽምዋን ተጠቒዓ ብተስፋ ትጽበ ዝነበረት ሮዛ፡ ድሕር’ቲ ኹሉ ስቓይ፡ ወላዲኣን በዓልቤታን ረኺባ፡ ኣብ ቲራቮሎ ሮዛ መዓሾ ወይ ጓልሓረካ እናተባህለት ብሰላምን ቅሳነትን ትነብር ኣላ።

ተፈጸመ!

 

 

 

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleሮዛን ሰሌን
Next Article ቅሉዕ ነቐፌታ ንጽሓፍቲ (1ይ ክፋል)
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?