Close Menu
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት
Facebook X (Twitter) Instagram
Sunday, March 8, 2026
  • Home
  • ቀንዴል
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ዝባን ጥበብ
Zaratbebat
  • Home
  • ልበ ወልድ

    ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ

    November 13, 2020
    Read More

    ማይ ጸሎት

    July 14, 2020
    Read More

    ኣንቶንዮ

    October 29, 2018
    Read More

    ዘብዐኛ ዒራዒሮ

    April 2, 2016
    Read More

    ኣብ ዓዲ ጓና

    March 12, 2016
    Read More
  • ቀንዴል

    ቃለ መሕትት

    May 17, 2014
    Read More
  • ቅኒት ብርዒ
  • ጥቕሲ ዛራ
  • ግጥምታት

    ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

    March 22, 2025
    Read More

    ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

    March 3, 2025
    Read More

    ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

    February 27, 2025
    Read More

    ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

    February 23, 2025
    Read More

    ድንግሊል

    February 23, 2025
    Read More
Login
Zaratbebat
You are at:Home»Home»ሮዛን ሰሌን

ሮዛን ሰሌን

0
By Mekonnen T. on March 16, 2016 Home
Share
Facebook Twitter LinkedIn Pinterest Email

ደራሲ እስጢፋኖስ ገብረሚካኤል (ሃንችባክ)

መበል 122 ክፋል

ሮዛ፡ እታ ንዓመታት ብዓቢ ሃረርታ ትጽበያ ዝነበረት መዓልቲ ደበኽ ከም ዝበለት ኣረጋገጸት። ሰዓት ሸሞንተ ዓርቢ ኣብ ኣፍደገ ማርያም ግቢ ጥር ዝብል ወተሃደር ጸላኢ ተሳእነ። ሰዓት ዓሰርተ ረፋድ ምስ ኮነ ኣስመራ ብምልእታ፡ “ወሰደ፡ ኣያይ በዓል ስረ!” ብዝብሉ መንእሰያት ተወርረት። ደናግል ኮምቦኒ ከይተረፋ ካብ ቀጽሪ ገዳም ወጺአን ኣብ ኣፍደገ’ቲ ገዳም ከጣቕዓን ክስሕቃን ጀመራ። ሮዛ ኮቦሮ ዝሓዛ ኣንስቲ፡ ማህጸነን ንዝወለደቶም ሓርበኛታት ደቀን ክቕበላ እናዘለላን እናደረፋን ንጎዳይፍ ገጸን ክሓልፋ ምስ ረኣየት፡ ርእሳ ነጸላ ከየንበረትላ ብዘይ ልባ ንወዳ ጠንጢና ተሓወሰተን። ከም ሰባ ቈጽሊ ሽባኻ ሒዛ እናጣቕዐትን እናዘለለትን ብፊያት ታሌሮ ሓሊፋ ክሳብ ጎዳይፍ ቀጸለት። ወዳ ብወገኑ ካልኦት፡ “ወዲ ኤረይ ጅግና ደማሲሳ!” እናበሉ ብኣፍደገ ኮምቦኒ ዝሓልፉ ዝነበሩ ቈልዑ ረኺቡ ደድሕሪኦም ቀጸለ። ሮዛ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ኤክስፖ ክተጣቕዕን ክትስዕስዕን ውዒላ ኣጋ ምሸት ገፈፍ እናበለት ናብታ ንሰለስተ ቕነ ኣቢላ ዝተፈልየታ ገዛኣ ኣምርሐት።

ንመለስ ምስ ዘከረቶ ደሃዩ ክትገብር ከምብሓድሽ ንደገ ወጽአት። ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ጓይላ ዝጻወቱ ዝነበሩ እኩባት መንእሰያት ሃሰስ ኢላ ምስ ሰኣነቶ፡ ተስፋ ቈሪጻ ናብ ተብሎ ጠፍኣ። እግራ ናብ ዝመርሓ ዓንዘር እናበለት ከላ ኣብ ከባቢ መዕበያ ዘኽታማት ክትበጽሕ፡ ምስ ካልኣዩ ክሳድ ንክሳድ ተሓናኒቑ ብማዕዶ ክመጽእ ረኣየቶ። ናይ ወላዲት ነገር ኮይኑዋ ተሻቒላ’ምበር ንሱስ ኣብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር፡ ኣባላት ብርጌድ ስሳን ሰለስተን ናይ ከቢድ ብረት ማንጁስ እናበሉዎ፡ ጉስማጥ ክበልዕን ሻሂ ክሰትን፡ ኣብ ልዕልተን እንትርፎ ብማዕዶ ቀሪቡ ርእዩወን ዘይፈልጥ ታንክታት ክድይብን ክወርድን መፍቶቱ ወዲኡ’ዩ ውዒሉ።

መዓልቲ ብመዓልቲ እናተተክአ ብዝኸደ መጠን፡ እቲ ካብ ዕለተ ናጽነት ጀሚሩ ኣብ መላእ ኤርትራ ለይትን መዓልትን ዲም ክብል ዝነበረ ኮቦሮታት፡ ክቈጻጸ ዝወርሐ መናኩብ በብቍሩብ ናህሩ እናነከየ ከደ’ሞ፡ ህዝቢ ደሃይ ተጋደልቲ ደቁ ከቋምት ጀመረ። ሮዛ’ውን ከም ሰባ ኣመት ሰብኣያን ጓላን ክትገብር ላዕልን ታሕትን ክትብል ግድነት ነይሩ። ብቐዳምነት ጓላ ኣብ ኮሚሽን ስንቂ ከም ዝነበረት ገለ ደቂ ቲራቮሎ ስለ ዝሓበራኣ፡ ተጋደልቲ ናብ ዝዓስክሩሉ ቦታታት እናኸደት፡ “ፍረወይኒ ትብሃል ተጋዳሊት ምሳኹም የላን? ሰለሙን ዝበሃልከ ኣይትፈልጡን? ካስትሮ ኢኹም ትብሉዎ፡” እናበለት ምጥያቕ ስርሐይ ኢላ ተተሓሓዘቶ። ብዛዕባ ሰመረ’ውን ተገዲሳ ሓቲታ። ኣብ ኣፍደገ ኣስመራ ብነታጒ ስለ ዝተሰውአ ግን ደሃዩ ኣይረኸበትን። ዕድላ ጸቢቑ ኣብ መበል ሳልሳይ መዓልቲ ንጫረ ረኸበቶ። ንሳ’ኳ እንተ ዘየለለየቶ ንሱ ግን ቈብ ኣቢሉዋ። ካብኡ ዘጣለለቶ ወረ እንተ ነይሩ፡ ፍረወይኒ ኣብ ዓሰብ ከም ዘላ ካስትሮ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ካብ ሳሕል ክመጽእ ምዃኑ ዝብል ነይሩ።

ከብዳ ሓቝፋ ክልተ ቕነ ተጸበየት። ካብ ሓርነት ዳርጋ ክልተ ወርሒ ምዃኑ እዩ። ደሃይ ዝብሃል ግን ወይከ። ኣብ ዝሓለፍካዮ ገዛ ሰብኣይ እገሊት መጺኡ፡ ወዲ እገሌ ኣትዩ፡ ጓልእገሌ ደሃይ ሰዲዳ እናተባህለ ክዕለል ከሎ፡ እንዳ ሮዛ ግን ሕልምልም በለት። ደቆም ዝኣተዉሎም ጐረባብቲ ክትርኢ ከላ፡ ሰሌ ይዝከራ’ሞ ብተስፋ ክትጽበ ከም ዘይጸንሐት መደንጐዪኡ ምኽንያት ሓርቢቱዋ ዓቕላ ተጽብብ። እቲ ሽግር ግን ንሱ ጥራይ ኣይነበረን። ብኣኣ ዝግደሱ ሰባት ክረኽቡዋ ከለዉ ምሕታት ስለ ዘይተርፍ፡ “ኣቲ ሮዛ፡ ገለ ደሃይ ኣይረኸብክን?” ይብሉዋ። ትምልሰሎም ተፊኡዋ ከብዳ መሊሱ ይሕመስ። ካብ ዓቕሊጽበት ዝተላዕለ ብዘይ ልባ ደቆም ናብ ዝኣተዉ፡ ወላ ብርሑቕ ትፈልጦም ስድራቤታት ብምኻድ ክትሓትትን ክተዕልልን ድሕሪ ምውዓል መዓት ተስፋታት ሰኒቓ እዋን ምስ ሓለፈ ንገዛኣ ትምለስ። እቲ ስቓይ ግን ኵሉ ግዜ’ሎ። ናይ ነፍሳ ዓባይ’ያ ክትጻወሮ ምኸኣለት ነይራ። እቲ ወግሐ ጸብሐ፡ “ካልኦት ኣቦታቶም መጺኦምሎም ከለዉ፡ ባባየይ ስለምንታይ ዘይመጽእ? ፍረወይኒ ሓውተይከ መዓስ’ያ ትመጽእ?” እናበለ ብሕቶ ከዋጥራ ንዝጀመረ መለስ ግን ትምልሰሉ ሕርብት ይብላ ነይሩ።

ኣብ ኣእምሮ ሮዛ መስዋእቲ ዝብሃል ነገር ቦታ ኣይነበሮን። ገለ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ደቀን ዘፋነዋ ኣደታት ኣንታ ኣምላኽ ‘ምቕሊ ኣይትኽልኣኒ’ እናበላ ክጽልያ ክትሰምዕ ከላ፡ እቲ ጕዳይ ንዓኣ ዘይምልከት ኮይኑ ይስምዓ ነይሩ። ምኽንያቱ ሰለሙን ምስ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣይኮነን፡ ፍረወይኒ ድማ እንታይ ክትዋጋእ ኢላ። እንተ ገደደ ኣቕሓ ኣቐበልኩ ወይ ምግቢ ሰራሕኩ ትብል ትህሉ ዝብል ሓሳብ ጥራይ እዩ ነይሩዋ። ንሮዛ መስዋእቲ ክብሃል ከሎ ኣብ ርሱን ግንባራት ጥራይ ዝተሓጽረ መስርሕ’ዩ ነይሩ። ፈንጂ፡ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ተባራቒ ጥይት፡ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ሕማም፡ በርቂ፡ ውሕጅ፡ ምግምጣል መኪና፡ መንከስቲ ተመን ወዘተ ኣብ ሓንጐላ ቦታ ኣይነበሮን።

መሬት መስዩ እዋን ድቃስ ምስ ኣኸለ፡ “ናይ ደሓን ድዩ እዚ ዅሉ ምድንጓይ? ኦ ኪዳነ ምህረት! ባዕልኺ ኣጸብቕዮ፡” እናበለት መቝጸሪያኣ ደጊማ ትድቅስ። ብኸምዚ መሬት ክወግሕ ክዓርብ ትዕግስታ ተጸንቂቑ ኣብ መወዳእታ ክበጽሕ ቀረበ። ጸር ጸር ክትብልን ካብ ሰብ ክትንጸልን፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ንበይና ክትዛረብን ጀመረት። ሓደ መዓልቲ ኣምላኽ ኣጸቢቑላ በላይ ንጉሰ፡ ሰለሙን ኣብ ውሽጢ ክልተ ቕነ ክመጽእ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ቃል መልእኽቲ ሒዙላ ጠበሽ በለ። ካብ እምብዛ ታሕጓስ ዝተላዕለ ነታ ገዛ ብዕልልታ ምስ ነቕነቐታ ጐረባብቲ፡ “ሰብኣያ ዶኾን መጺኡ፡ ውጽዕቲ እያ እንቋዕ ፈጠረላ፡ ጓላ’ኳ ትኸውን . . .” እናበሉ እንቋዕ ልብኺ ሓጐሰኪ ክብሉ ንገዛኣ ወሓዙ። በጻሕቲ በቲ ዓቢ ናይ ሮዛ ብስራት ዓጊቦም ነናብ ገዛውቶም ክምለሱ ከለዉ፡ ገለ ዝቐርባኣ ኣንስቲ ግን ናይ ደስደስ ቡን ኣፍሊሐን እዋን ክሳብ ዝሓልፍ ወኻዕ ኢለን።

መበል 123 ክፋል

ይቕጽል

Share. Facebook Twitter Pinterest LinkedIn Tumblr Email
Previous Articleንዕሸላት ምንባብን ጥቕምታቱን
Next Article መን’ዩ ዝነብር፧
Mekonnen T.

Related Posts

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025
Read More

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025
Read More

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025
Read More

Comments are closed.

ሰነዳት ድምጽን ቪዲዮን
Mokonen Tesfai Interview with SBS Radio RIEYA by Habtom Debessai,

Henok Teklay (NAGO) – Eritrea Song Uganda Music ማሰ፡ ብግርማይ የውሃንስ (ሳንዲያጎ)

ባህላዊ ጓይላ ኢሮብ

ሽበት ኣቦይ

ኩኒ: ብሳባ ኪዳነ

በረኻ ዓድና፡ ብብርሃነ ገብረሂወት

Five Great Guitars ft. Habib Koité - Habib Koité/ Simany

Eritrean Tempo poem 7 (seven).mpg
About
About

Zara Tbebat is the Home of Eritrean Literature, where readers can contribute and Read for free

Facebook YouTube WhatsApp Telegram
Latest

ስለምንታይ’ያ ኮርያ ናብ ክልተ ተመቒላ?

March 22, 2025

ካርል ማርክስ፡ እቲ ናይ ዓለምና ኣካታዒ ፈላስፋ

March 3, 2025

ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝገደደ 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል

February 27, 2025

ኣስተምህሮኣዊ ዘይኮነ ቁንጫል ጽሑፍ

February 23, 2025
ሰነዳት
  • Books
  • Home
  • ልበ ወልድ
  • ቀንዴል
  • ቅኒት ብርዒ
  • ባህልን ያታን
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
  • ዝባን ጥበብ
  • ግጥምታት
Facebook YouTube WhatsApp Telegram
  • Home
  • About Us
  • Contact Us
  • bookstore
  • እንግዶት-መጽሓፍ
  • ኩርናዕ ቀባእቲ
Copyright © 2014- 2026. Designed by Zemen Production .

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Sign In or Register

Welcome Back!

Login to your account below.

Lost password?